ክሲ ሱዳንን ምላሽ ኢትዮጵያን

ምንጪ ስእሊ, Office of the Prime Minister-Ethiopia
መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝተበገሰት ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ካርቱም መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ከሲሳ።
እታ ካብ ከተማ ባህርዳር ተበጊሳ ዝበላ ድሮን ንመዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ዒላማ ከምዝገበረት'ዩ እቲ ብወገን ሱዳን ዝወጸ መግለጺ ዝጠቅስ።
ኣዲስ ኣበባ ብወገና፡ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ እቲ "መሰረት ዘይብሉ" ክሲ "ብትእዛዝ ሓይልታት ወጻኢ ዝቐረበ እዩ" ክትብል ነጺጋቶ'ላ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽሎ መግለጺ፡ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምርሑ ሓይልታት ሱዳን ንዕጡቓት ህወሓት ናይ "ኣጽዋርን ገንዘብን ደገፍ" ከምዝሃበ ብምኽሳስ፡ ዶባት ኢትዮጵያ ብወገን ሱዳን ከምዝተጣሕሰን ትዕግስቲ ክገብሩ ከምዝመረጹን የመልክት።
"እዞም ተጻብኦታት እዚኦም፡ ከምኡ'ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ብወገን ሰበስልጣን ሓይልታት ሱዳን ዝቐረበ ተደጋጋሚ ክስታታትን፡ ብድፍኢት ናይ ባዕሎም ተጻባኢ ኣጀንዳ ዘለዎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝተገብረ'ዩ" ይብል መግለጺ ናይቲ ሚኒስትሪ።
ኣዲስ ኣበባ ንህዝቢ ሱዳን ዘለዋ ደገፍ ብምግላጽ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ብልዝብ ክፍታሕ'ውን ከይጸወዐት ኣይሓለፈትን።
እቲ ዝተፈጸመላ መጥቃዕቲ "ብዘይ ግብረመልሲ ከምዘይሕለፍ" ዘጠንቀቐት ካርቱም፡ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣምባሳደራ ከምዝጸውዓቶ ኣፍሊጣ'ላ።
ነቲ መግለጺ ዝሃቡ ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ብ/ጀነራል ኣሲም ዓዋድ ዓብደልዋብን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሙሂ ኣል-ዲን ሳልምን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኢትዮጵያን ነቶም ብጀነራል ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ ይድግፋ ኣለዋ ክብሉ'ውን ከሲሶም ኣለዉ።
ንሓይልታት ኣልሰሪዕ ከምእትድግፍ እትኽሰስ ኢማራት፡ ነቲ ዝቐርበላ ሓያል መርትዖታት ክትነጽጎ ምጽንሓ ይፍለጥ።








