ኣብ ቬነዝወላ ብዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 235 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ቬነዝወላ ብዘጋጠመ ክልተ ተኸታታሊ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንተ ወሓደ 235 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 4300 ድማ ጉድኣት ወሪድዎም ኣሎ። እቲ ሓደጋ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ካራካስ ዘጋጠመ ኰይኑ ጕጅለታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ትሕቲ ዝፈረሰ ህንጻታት ተቐቢሮም ንዘለዉ ሰባት ንምድሓን ኣብ ህጹጽ ጻዕሪ ይርከቡ ኣለዉ። ትካል መጽናዕቲ ጂኦሎጂ ኣመሪካ ከም ዝገለጾ እቲ ቀዳማይ 7.2 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድሕሪ ሒደት ካልኢታት ብዝያዳ ሓያል ዝዀነ 7.5 ዝዓቐኑ ካልኣይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስዒብዎ እዩ። ክልቲኡ ሓደጋታት ንመሬት ብኣዝዩ ዝቐረበ ዕምቈት ስለ ዘጋጠመ እቲ ዕንወት ዝያዳ ከቢድ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ካራካስን ኣብ ጥቓኣ እትርከብ ገማግም ባሕሪ ላ ጓይራን ሰባት ካብ ትሕቲ እቲ ዝፈረሰ ህንጻታት ኰይኖም ንረድኤት ክጽውዑ ይስምዑ ኣለዉ። እቲ ሓደጋ ረቡዕ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተን ኣርባዕተን ደቒቕ ዘጋጠመ ኰይኑ ኣብ ቬንዝወላ መዓልቲ ሃገራዊ በዓል ብምንባሩ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ኣብ ስራሕ ኣብ ገዛውቱ ይርከብ ነይሩ።
በዚ ምኽንያት ድማ ቍጽሪ ግዳያት ኣዝዩ ልዑል ክኸውን ክኢሉ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ትሕቲ ዑናታት ተቐቢሮም ብህይወት ከም ዘየለዉ ይግመት። ካልኦት ድማ ኣባይቶም ብምፍራሱ ወይ ከኣ ኣብቶም ዝተሰባበሩ ህንጻታት ንምእታው ብምፍራሖም ኣብ ጐደናታት ክሓድሩ ተገዲዶም ኣለዉ።
ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ ቬነዝወላ ሆርሀ ሮድሪገዝ ብ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግዝያዊት ፕረዚደንት ደልሲ ሮድሪገዝ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምእዋጃ ቍጽሪ ምዉታት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ህዝቢ ድማ ኣብ ራዕዲ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters




![ውልቃዊ ሰነዳትን ወረቓቕትን ካብ ፍርስራስ ህንፃ ሒዙ ዝወፅእ ነባሪ [ኣብ ግዝኣት ጓዋይራ ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/vivo/live/images/2026/6/25/8076bb6f-3727-41f5-bd36-fa1e46727122.jpg.webp)


![ብኸባቢ ዝፈረሱ ህንፃታት ዝሓልፉ ኣባለት ስድራ [ኣብ ካራካስ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/vivo/live/images/2026/6/25/824d7e6d-4ffe-4c33-8e21-2d578490853b.jpg.webp)








