ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ናይጀርያዊ ቢልዮነር ኣሊኮ ዳንጎቴ ኣብ ኬንያ ህንጸት መጻረዪ ነዳዲ ኣጀሚሩ

  2. ኣፍኮን፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከቢድ ስዕረት ዘሰከመ ግጥም

    ደው ኢሎም ከቢቦም ዝሰምዑ ዘለዉ ሰማያዊ ማልያ ዝገበሩ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ

    ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 'ኣፍኮን 2027' ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ከቢድ ስዕረት ኣጋጢምዋ።

    ብሰንኪ ዘይብቕዓት ስታድዮማታ ናብ ካይሮ ግብጺ ተጓዒዛ ኣንጻር ኣንጻር ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተጻወተት ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ 5-0 ተሳዒራ።

    ደቡብ ኣፍሪቃ ዳርጋ ንመላእ እቲ ጸወታ ተቖጻጺራ ሓያል መጥቃዕቲ ብምግባር ኣብ ምድባ ንኻልኣይ ግዜ ተኸታታሊ ዓወት ኣመዝጊባ'ላ።

    እዚ ስዕረት፡ ኤርትራ ኣብ መኽፈቲ መጻረዪ ጸወታ ኣብ ናይሮቢ ኣንጻር ኬንያ 1ብ1 ድሕሪ ምፍልላያ፡ ካብ ክልተ ጸወታታት ሓንቲ ነጥቢ ጥራይ ሒዛ ኣላ። ዝቕጽል ጸወታኣ ኣንጻር ጊኒ ኣብ ርእሰከተማ ኮናክሪ ክኸውን እዩ።

    እታ ብኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ትፍለጥ ጋንታ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ናብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ምምላሳ ንደገፍታ ተስፋ ኣስኒቓ ምጽንሓ ይፍለጥ።

  3. ብሓላፊ ህግደፍ ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ሰበስልጣን ግብጺ ተዘራሪቡ

    ሓጐስ ገብረሂወትን ባድር ዓብደልዓጢን

    ብሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ግብጺ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

    እቲ ብሓጐስ ገብረሂወት ዝምራሕ ጉጅለ ንሚኒስተር ንግዲ ኤርትራ ነስረዲን መሓመድ ሰላሕ ዘጠቓለለ'ዩ።

    እቲ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ልኡኽ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደልዓጢ ብምርኻብ ብዛዕባ "ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት" ከምዝተዘራረበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

    ክልቲኦም ሰበስልጣን ኤርትራ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናብ ርእሰከተማ ሪያድ ብምብጻሕ ምስ ሰበስልጣን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ተዘራሪቦም ምንባሮም ይዝከር።

    ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዝጸንሐ ወጥሪ ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን'ዮም ክልቲኦም ሰበስልጣን ነዚ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ዘካይዱ ዘለዉ።

    ኣስመራ ምስ ሪያድን ግብጽን ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ይንገር።

    ሰበስልጣን ኤርትራን ግብጺን ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ሚኒስተር ደዳያት ወጻኢ ግብጺ ኮፍ ኢሎም እናተዘራረቡ

    ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ከምዝበሎ፡ ምስ ሚኒስተር መጓዓዝያ ግብጺ ሌ/ጀነራል ካምል ኣል-ዋዚርን ተራኺቦም ነይሮም።

    "ክልቲኦም ወገናት ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ጽላታትን ካልእ ዓውድታት ክልተዊ ምትሕግጋዛትን ንዝተበጽሐ ገስጋስ ብምግምጋም፡ ብዛዕባ ዝቕጽል ስጉምቲ ሓሳብ ተለዋዊጦም" ይብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ።

    እንተኾነ ብዛዕባ'ቲ ተጨቢጡ ዝበሎ ዓወታት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንቦት፡ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ኣስመራ፡ ሓባራዊ መስመራት መራኽብ ንምምዕባልን ምትእስሳር ወደባት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያልን፡ ወግዓዊ ስምምዕ ምትሕብባር መጓዓዝያ ባሕሪ ፈሪመን ምንባረን ይዝከር።

    ቅድሚኡ'ውን ኣብ ወርሒ ምያዝያ፡ ሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ሚኒስተር ንግዲ ኤርትራን ናብ ካይሮ ብምኻድ ምስ ግብጻውያን ምኒስተራት ወጻኢ፡ ወፍሪ፡ ንግዲን ኢንዱስትሪን፡ መጓዓዝያ፡ ኤለክትሪሲቲን ጸዓትን፡ ሕርሻን መሬትን ካልኦት ሰብመዚ ሰፊሕ ዝርርባት ኣካይዱ ነይሩ'ዩ።

  4. ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምብራር ከምዝተኸልከለ ተገሊጹ

    ሎጎ ኤጀንሲ ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን

    ኤጀንሲ ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን ኢትዮጵያ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ንምብራር ፍቓድ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ።

    ሎሚ 30 መስከረም 2026 ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣብ ዝዀነ ከባቢን ካብ ዝዀነ ብራኸን ዝብገሳን ዝነፍራን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምልላይ፡ ብምዕጋትን ኣብ ዘድሊ ቦታ ብምዕላብን፡ ከምኡ’ውን ልክዕ ኣቀማምጣ ናይቶም ኣብረርቲ ብምልላይን ብምእሳርን ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ’ዩ” ክብል ኣጠንቂቑ።

    "ከምቲ ልሙድ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝንቀሳቐሱ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ካልኦት ተመሳሰልቲ ዝነፍሩ ነገራትን ዝከታተል ዝተዋደደ ፀረ ሰብ ኣልቦ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ክትትልን ቁፅፅርን ይካየድ ኣሎ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

    እቲ ትካል፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ዳግማይ ኣብ ዝጋደደሉ እዋን እዩ ነዚ መግለጺ ዝህብ ዘሎ።

    ብተወሳኺ "ምስ ዝምልከቶም ወገናት ብምትሕብባር፡ ድሕነት መራሕቲ፡ ቁልፊ ትሕተ-ቅርጽን ሃገራዊ ፍጻሜታትን ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ንምፍጻም" ንዘይተወሰነ እዋን ክጸንሕ እዩ ዝበሎ እገዳ በረራ ከም ዘተግብረ ገሊጹ።

  5. ኣቕራቢ ዜና ዝነበረ ጋዜጠኛ ዘውዲ ንግስነት ደፊኡ

    ዘውዲ ዝደፍአ ኤድዋርድ ሩኪዲ ኪጃናንጎማ

    ኣብ ኡጋንዳ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሃገራዊ መደበር ተለቪዥን ኣቕራቢ ዜናን ኣሰናዳእን ኰይኑ ዘገልገለ ኤድዋርድ ሩኪዲ ኪጃናንጎማ፡ ንጉስ ንግስነት ቶሮ ኰይኑ ዘውዲ ደፊኡ።

    ሕጂ ንጉስ ኤድዋርድ ሩኪዲ ኪጃናንጎማ ንያቦንጎ ቀዳማዊ ተባሂሉ ዝተሰየመ እዚ ወዲ 56 ዓመት ጋዜጠኛ፡ ናብ ስልጣን ምድያቡ ኣብታ ሃገር ርሱን ክትዕ ስለ ዘለዓዓለ፡ ባዕሉ መዛረቢ መራኸቢታት ብዙሓን ኰይኑ ኣሎ።

    ንግስነት ቶሮ፡ ኣብ ኡጋንዳ ብወግዒ ተፈላጥነት ካብ ዘለወን ኣርባዕተ ታሪኻውያን ንግስነታት ሓንቲ እያ።

    እዛ ንግስነት ኣብ ዝሓለፉ 31 ዓመታት፡ ኣብ መበል ሳልሳይ ዓመቱ ናብ ስልጣን ብምምጻእ "ንኡስ (ቈልዓ) ንጉስ" ተባሂሉ ብዝፍለጥ ዝነበረ ንጉስ ኦዮ ትምራሕ ነይራ።

    ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ዓለም እቲ ዝነኣሰ ንጉስ ዝነበረ ኦዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መበል 34 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም መንሽሮ እዩ ዓሪፉ።

    እቲ ካብ ፍርቂ ለይቲ ኣትሒዙ ዝጀመረ ስነ-ስርዓት ምድፋእ ዘውዲ፡ ብባህላዊ ልምድታት ዝተሰነየ ኰይኑ፡ ኪጃናንጎማ ናብቲ ወግዓዊ ቤተ-መንግስቲ ካሩዚይካ ናይ ኣስታት 4 ኪሎሜተር ጕዕዞ ብእግሩ ኣካይዱ።

  6. ፑንትላንድ፡ ሸፋቱ ባሕሪ ሶማል ነታ ዝጨወይዋ መርከብ ነዳዲ ቅድሚ ምምላሳ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ቀቲሎም

    ሓይልታት ጸጥታ ፑንትላንድ ነታ ብሸፋቱ ባሕሪ ተጨውያ ዝነበረት መርከብ ነዳዲ 'ኤምቲ ሆነር 25' ንምድሓን ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳዶም፡ እቶም ሸፋቱ ባሕሪ ንሓሙሽተ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ከም ዝቐተልዎም ምክትል ምኒስተር ዜና እቲ ዞባ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

    ምክትል ምኒስተር ቢለ ቃቦውሳደ፡ ሓይልታት ፑንትላንድ ነታ መርከብ ንምምላስ ኣብ ዝተንቀሳቐስሉ እዋን እቶም ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ድሮ ተቐቲሎም ምንባሮም ብምግላጽ፡ እቲ ቅትለት ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ሸፋቱ ባሕርን ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዅሲ ከም ዘይኰነ ኣረዲኡ።

    ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ-ስልጣን ፑንትላንድ፡ እቶም ዝተቐትሉ ሰለስተ ፓኪስታናውያን፡ ሓደ ህንዳውን ሓደ ዜጋ ሚያንማርን እዮም። ብተወሳኺ፡ ሰለስተ ፓኪስታናውያንን ሓደ ህንዳውን ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ቈሲሎም ኣለዉ።

    እቲ ስርሒት ከም ዝተዛዘመን እታ መርከብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽር ሓይልታት መንግስቲ ከም ዘላን ዘመልከተ እቲ ምኒተር፡ 16 ሸፋቱ ባሕሪ ከም ዝተታሕዙን ዝሃደሙ ካልኦት ድማ ይድለዩ ከም ዘለዉን ሓቢሩ።

    ቢለ ቃቦውሳደ፡ "ሓይልታት ጸጥታ ንገሊኦም ሸፋቱ ባሕሪ ንኽሃድሙ ሓጊዞም፡" ዝብል ክሲ፡ መሰረት ዘይብሉ ፕሮፓጋንዳ ብምባል ነጺግዎ።

    18,500 በርሚል ነዳዲ ጽዒና ናብ ርእሰ-ኸተማ ሞቓዲሾ ትጓዓዝ ዝነበረት እዛ ብድምር 17 ሰራሕተኛታት ዝነበርዋ መርከብ፡ ኣብ ምያዝያ ብሽዱሽተ ዕጡቓት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል ተጨውያ ነይራ።

    ሓይልታት ሓለዋ ባሕሪ ፑንትላንድ
  7. ኣላማጣ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲን ከባቢኡን ብዛዕባ ዝበጸሐ ጉድኣት እንታይ ንፈልጥ?

  8. ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን፡ ኣብ ልዑላውነትን ጸጥታን ዘለወን ሓባራዊ ደገፍ ኣረጋጊጸን

  9. ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ስለምንታይ ኣብ ቅድሚ ህዝባ ዘይትጻወት?

  10. ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምድናኦም ብኸመይ የዕብዩ ኣለዉ?

  11. 'ሕልሚ'ዩ ዝመስለኒ ዘሎ'- ዳግማይ ጸበባ ሒሳብ ባንኪ ዝተዓፀዎም ተጋሩ

  12. ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ንዕጡቓት ተቓወምቲ ደጊፈን ንዝብል ክሲ ነጺገን

  13. ደደቢት-ኣዲስኣበባ-መቐለ፡ ጕዕዞ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካበይ ናበይ?

  14. ሱዳን፡ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ትድግፍ ኣላ ንዝብል ክሲ ነጺጋቶ

    ሱዳን፡ ንመንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝቃወሙ ዕጡቓት ጕጅለታት ትድግፍ ኣላ ተባሂሉ ብኢትዮጵያ ዝቐረበላ ክሲ "መሰረት ዘይብሉን ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎን" ብምባል ትማሊ ብጽኑዕ ነጺጋቶ።

    ብተወሳኺ፡ ሱዳን ነቲ ኣዲስ ኣበባ ንዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ከም ዘላ እተቕርቦ ዘላ ክሲ ዳግም ኣሐዲሳቶ።

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብ23 መስከረም ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ንሱዳን ናብቲ ንኢትዮጵያ ሸሚሙዋ ዘሎ ውሽጣዊ ግጭታት ንምስሓብ ዝዓለመ ቅሉዕ ፈተነ" ምዃኑ ገሊጹ።

    እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ፡ ፖሊሲ ወጻኢ ሱዳን ኣብ ምኽባር ልዑላውነት ሃገራት፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ኢድ ዘይምትእትታው፡ ምኽባር ኣህጉራዊ ሕግን ኣብ መትከላት ሰናይ ጕርብትናን ዝተሰረተ ምዃኑ ኣረዲኡ።

    እቲ ምኒስትሪ፡ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ቀጻሊ ቀጥታዊ ደገፍ ትህብ ኣላ ዝብል ክሱ ዳግም ኣሐዲሱ።

    ኢትዮጵያ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ደገፍን ስልጠናን ከም ዝሃበት፡ መርየታ ኣንጻር ሱዳን ንዝካየድ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ክውዕል ከም ዘፍቀደትን ካብ ግዝኣታ ድሮናት ክውንጨፉ ባይታ ከም ዘጣጥሐትን ዘረጋግጽ "ሰነዳዊ ሓበሬታን ርጉጽ መርትዖን" ከም ዘለዎ’ውን እቲ ምኒስትሪ ኣፍሊጡ።

    ኢትዮጵያ ብወገና፡ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ኣላ ንዝብል ክሲ ኣቐዲማ ነጺጋቶ ነይራ እያ።ፍ

  15. ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ማርኮ ሩብዮ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ስጕምቲ ክወስድ ጸዊዖም

    ኣብ ክልል ትግራይን ኣብ ዘዳውቡ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ዳግማይ ውግእ ምውልዑ ስዒቡ፡ ሽዱሽተ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ ነቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ህጹጽ ስጕምቲ ክወስድ ጸዊዖም።

    እታ ላዕለወይቲ ኣባል ኮሚተ ርክባት ወጻኢ ዝዀነት ጂን ሻሂንን ላዕለዋይ ኣባል ንኡስ ኮሚተ ኣፍሪቃን ፖሊሲ ጥዕናን ኮሪ ቡከርን ሓዊሱ ኣባላት ባይቶ ክሪስ ኩንስ፡ ጀፍ መርክሊ፡ ክሪስ ቫን ሆለን ከምኡ’ውን ቲም ኬይን፡ ሰኑይ 28 መስከረም 2026 ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ውግእ ከይውላዕ ማሕበረሰብ ዓለም ነቶም ተጻባእቲ ወገናት ናብ ዘተን ሽምግልናን ክምለሱ ጸቕጢ ክገብር ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

    እዚ ጻውዒት ዝቐረበ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ብመሰረት ፈጻሚ ትእዛዝ 14046 ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ካብ ዘብቅዕ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን እዩ።

    እቶም ኣባላት ባይቶ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ እናተበላሸወ ብዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ኣዝዩ ኣሰንቢዱና ኣሎ፡" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኦሮምያን ዓፋርን ዝተባርዐ ግጭት፡ ነቲ ብሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃን ብጽኑዕ ደገፍ ኣመሪካን ንውግእ 2020–2022 ደው ዘበለ ስምምዕ ሰላም የፍርሶ ከም ዘሎ ኣጠንቂቖም።

    ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ እገዳ ምሕዳጉ ድማ ነቶም ተሓታትነት ዘይብሎም ተጻባእቲ ዘተባብዕን ንግዳያት ድማ ፍትሒ ዝኸልእን ስጕምቲ ምዃኑ ነቒፎምዎ።

    ብተወሳኺ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓገዝ ኣመሪካ ንተመዛበልቲ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ናይ መግቢ ረድኤት ዘመላልሳ ዝነበራ ቃፍላያት ብሰራዊት ኢትዮጵያ ብመጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተሃርማ ዝጠቐሱ እቶም ኣባላት ባይቶ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ሓያሎ ካብቲ ህጹጽ ረድኤት ከም ዝዓነወን ንተጸበይቲ ሓገዝ ዝቐርብ ዝነበረ ኣገዳሲ ቀረብ ከም ዝተቛረጸን ሓቢሮም።

    ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ድሮናት ብሰፊሑ ምጥቃሙ "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ" ምዃኑ ብምግላጽ ድማ እዚ ስጕምቲ’ዚ ሰብኣዊ ኵነታት ካብ ምብኣስን ነቲ ውግእ ካብ ምግፋሕን ሓሊፉ ዝፈጥሮ ረብሓ ከም ዘየሎ ገሊጾም።

    ብተመሳሳሊ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምዕንቃፍ፡ ብግዝያዊ ምምሕዳር ዝተመዘዙ ሓለፍቲ ብምእላይ፡ ዕጥቂ ንምፍታሕ ብምእባይን ንሰለማውያን ብግዲ ብምዕጣቕን ቃሉ ከም ዘየኽበረ ኣመልኪቶም።

    "ኣብዚ ድሮ ተነቃፊ ኰይኑ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ውግእ ምውላዕ ከቢድ ሓደጋ ኣለዎ፡" ዝበሉ እቶም ኣባላት ባይቶ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድን መሪሕነት ህወሓትን ወጥሪ ንምህዳእ ህጹጽ ስጕምቲ ክወስዱ ጸዊዖም።

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮን ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን፡ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መሪሕነት ህወሓትን ምስኦም ዝተሓባበሩ ዕጡቓት ጕጅለታትን ብቐጥታ ብምርኻብ፡ እቲ ሓድሽ ውግእ ደው ክብልን ኵሎም ወገናት ናብ ዘተ ብህጹጽ ንኽምለሱን ኣድላዪ ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ ክወስዱ ተላብዮም ኣለዉ።

  16. ብኵራት ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቻምፕዮና ዓለምን መቕጻዕትን - ጉዳይ ቪዛኸ?

  17. ኣብ ኮረም፡ ኣላማጣን ሽረን ዝተሓከሙ ውጉኣት ቍጽሮም 720 ከም ዝበጽሐ ተገሊጹ

  18. ህንጻ ተለቪዥን ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነወ ዋና ኣካያዲ እቲ ትካል ገሊጹ

    ኣባዲ ገ/ስላሴ

    መደበር ተለቪዥን ትግራይ "ምሉእ ንምሉእ" ከምዝዓነወ ዋና ኣካያዲ ናይቲ ትካል ኣፍሊጡ።

    ኣይተ ኣባዲ ገ/ስላሴ ሎሚ ኣማስያኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ መደበር ዜና ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደ ጠቒሱ።

    "እቲ ትካል ምሉእ ንምሉእ ዓንዩ እዩ ምባል ይክኣል'ዩ. . .ዝበጽሐ ማተሪያላዊ ዕንወት ብጣዕሚ ገዚፍ እዩ።

    "ፈነወና'ውን ሎምመዓንቲ ካብ ካልእ ቦታ፡ ካብ ካልእ ስትድዮ፡ ብውሱን ማቴሪያልያት ክሳብ ንጅምር ንልዕሊ 24 ሰዓት ፈነወ ደው ኣቢልና ጸኒሕና ኢና" ኢሉ።

    እንተኾነ ኣብ ሰብ ዝወረደ ከምዘየለ ግን እቲ ዋና ኣካያዲ ሓቢሩ'ሎ።

    "በቲ ደብዳብ ሰብኣዊ ክሳራ ኣይበጽሓናን፡ ምኽንያቱ እቲ ጆኖሳይዳዊ ኣገዛዝኣ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ክእግድ እንከሎ ንተለቪዥን ትግራይ ኣብቲ ትካል ደብዳብ ክፍጽም ከምዝኽእል ንግምት ስለዝነበርና" ጥንቃቐ ከምዝተገብረ ኣብቲ ተለቪዥን ትግራይ ብመገዲ ፌስቡክ ዘውጽኦ ቪድዮ ተዛሪቡ።

    መደበር ተለቪዥን ትግራይ ትማሊ ሰንበት 27 መስከረም ብድሮን ከም ዝተሃረመ ጸብጻባት ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር።

  19. 'ትካል ተለቪዥን ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ብደብዳብ ዓንዩ' -ዋና ኣካያዲ ስራሕ

  20. ኣባላት ጸጥታ ፌደራልን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝርከብዎም ሰባት ብደገፍ ቀይሕ መስቀል ካብ ትግራይ ወጺኦም

    ብናይ ቀይሕ መስቀል ፒክ-ኣፕ መኪና ዝተመርሐ ቃፍላይ ኣውቶቡሳት

    ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል፡ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣባላት ፖሊስ ፌደራልን ዝርከብዎም ልዕሊ 150 ሰባት ካብ ክልል ትግራይ ከምዘውጽአ ኣፍሊጡ።

    እቶም ብቃፍላይ ኣውቶቡሳት ካብ መቐለ ናብታ ርእሰከተማ ክልል ዓፋር ዝኾነት ሰመራ ዝኣተዉ 161 ሰባት፡ ሰብመዚ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ቤተሰቦምን፡ ኣባላት ጸጥታ ሲቪል ኣቬሺንን ንተግባራውነት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንምክትታል ዝተመደቡ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝርከብዎም እዮም።

    "ካብ ሞንጎ ዘጓዓዓዞም ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያን ስድራኦምን፣ ሰራሕተኛታት መንገዲ አየር ኢትዮጵያን ስድራኦምን፣ ሰራሕተኛታት ድሕንነት ሲቪል አቪዬሽንን፣ ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪካን ኣባላት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ይርከብዎም" ይብል እቲ መግለጺ።

    "ከም ዘይሻራውን ናጻ መንጐኛን ኩሎም ዝምልከቶም ሰብመዚ ብዘቕረብዎ ጠለብን ውሳነን" ነቲ ዕማም ከምዝፈጸመ'ዩ እቲ ማሕበር ገሊጹ ዘሎ።

    "ምስ ኩሎም ተሳተፍቲ ጎንፂ ብቐፃልነት ብምዝርራብ ኩነታት ንሓደጋ ተቓላዕቲ (vulnerable) ዝኾኑ ሰባት ብዝምልከት ኩሎም ተሳተፍቲ ጎንፂ ንኸምዚ ዓይነት ስራሕ እንተተሰማሚዖም ሓላፍነቱ ንምውፃእ ድልው እዩ" ክብል'ውን ቃል ኣትዩ።

    ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጐ ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲን ተወሊዑ ዘሎ ሓድሽ ግጭት ናብ ትግራይ ዝግበር በረራታት ተቛሪጹ ከምዘሎን፡ እቶም ሓይልታት ነተን ኣብቲ ክልል ዝርከባ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ፡ ኣክሱምን ሽረን ኣብት ምቊጽጻሮም ከምዘ እተውዎ ይፍለጥ።