እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ልዝብ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝጅመረሉ እዋን፡ ቴህራን መጻብቦ ሆርሙዝ ትዓጹ

    ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን፡ ብሰንኪ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ ሊባኖስ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ዓጽየዮ’ኳ እንተበለት፡ ቀጥታዊ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስዊዘርላንድ ክጅምር ምዃኑ ተፈሊጡ።

    ኢራን ብተወሳኺ ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ምስ ኣመሪካ ዝገበረቶ ስምምዕ ምጉዳል፡ ከም ምኽንያት ምዕጻው ጠቒሳ። ይኹን'ምበር ሰራዊት ኣመሪካ ኣብቲ መጻብቦ "ትራፊክ ይውሕዝ ኣሎ" ክብል ገሊጹ'ሎ።

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስ ትማሊ ቀዳም ንግሆ ናብ ስዊዘርላንድ ኣትዮም። እቲ ሓድሽ ዙር ድርድር ድሒሩ ክጅምር ትጽቢት ይግበር።

    ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ መሓመድ ባገር ጋሊባፍን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣባስ ኣራግቺን ዝርከብዎም ልኡኽ ኢራን ትማሊ ሰንበት ኣጋምሸት ኣትዮም።

    ኣብቲ ዝርርብ ሰበስልጣን ኣመሪካን ኢራንን ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍን ሓላፊ ምክልኻል ሰራዊት እታ ሃገር ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒርን ክጽንበሩ እዮም።

    ፓኪስታን ኣብ ምሉእ እቲ ኲናት ከም መንጎኛ ኮይና ክትሰርሕ ዝፀንሐት ኰይና፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተኻየደ ዙርያ ድርድር ኣአንጊዳ'ያ።

    ቫንስ "ኣብ ጉዳይ ኒዩክለር" ከምኡ'ውን ኣብ "ጉዳይ ተኹሲ ደው ምባል ኣብ ሊባኖስ" ምዕባለታት ከምፅእ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ።

  2. ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ- መሎኒ፡ ንትራምፕ ተሪር ግብረ መልሲ ሂባቶ

  3. ክታበት መንሽሮ ኣፍደገ-ማህጸን ንመን'ዩ ዝውሃብ? ንኹሉኸ ከበጽሕ ድዩ?

  4. ሰንደቕ ምስልምና ኤርትራ ዓቢ መስጊድ ኣስመራ

  5. ዋንጫ ዓለም 2026፡ ምስ በበይነን ሃገራውያን ጋንታታት ዝጻወቱ ኣሕዋት

  6. እስራኤልን ሕዝቦላህን ተዅሲ ከቋርጹ ከም ዝተሰማምዑ ኣመሪካ ገሊጻ፡ ተወሳኺ መጥቃዕትታት ኣብ ሊባኖስ ቀጺሉ

  7. ኣብ ቤትፍርዲ ንብዓልቲ ቤቱ ነበርን ዳኛን ዝቐተለ ሰብ ርእሰ-ቕትለት ፈጺሙ

  8. ትራምፕ፡ ጆርጅያ መሎኒ ምስኣ ክሰኣል 'ለሚናትኒ' ይብል፡ ንሳ 'ዝተማህዘ ሓሶት' ትብል

  9. ዋንጫ ዓለም፡ ደገፍቲ ሃገራውያን ጋንታታት ብዛዕባ ባህሊ ኣመሪካ ዘገረሞም ነገራት

  10. ህወሓት፡ እቲ ብኣመሪካ ዝተነብረ እገዳ ቪዛ 'ጐደሎን ዘይሚዛናውን' ክብል ነጺጉዎ

  11. ስምምዕ ኣመሪካን ኢራንን ይናዋሕ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ይቕጽል

    ኣብ ስዊዘርላንድ ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዝነበረ ቀጥታዊ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ተናዊሑ።

    እዚ ዝዀን ዘሎ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይ ዲ ቫንስ መገሻኡ ምድንጓዩ ስዒቡ እዩ።

    መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሖም፡ ኣብ ዝርዝር ጉዳያት ክዘራረቡ እዩ መደብ ተታሒዙ ነይሩ።

    እቲ ስምምዕ፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እተካይዶ መጥቃዕቲ ንከብቅዕ ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ’ኳ እንተነበረ፡ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ግን እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 18 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

    ምስ ሂዝቦላህ ዝተኣሳሰራ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዝርርብ ዝተናውሐሉ ምኽንያት፡ ብሰንኪ እቲ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ምዃኑ ጸብጺበን ነይረን።

    እንተዀነ ኣመሪካ፡ ነቲ ዝርርብ ዘድሊ ትልሚ “ገና ኣይተዛዘመን” ክትብል ገሊጻ። “ቴክኒካዊ ዝርርብ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክጅመር” ድሌት ከምዘለዋ እውን ኣፍሊጣ’ላ።

    እቲ መዘክር ምርድዳእ ብዝብል ዝጽዋዕ ሰነድ 14 ነጥብታት ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ኢራን ፈጺማ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘይትውንን ይገልጽ።

    እቲ ስምምዕ ንዳግመ ህንጸትን ቍጠባዊ ምዕባለ እታ ሃገር ዝውዕል 300 ቢልዮን ዶላር ንምምዳብ ዝጽውዕ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ግን ኣብዚ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ክትገብር ኣይግድዳን እዩ። እዚ ስምምዕ ዝተበጽሐ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትን እስራኤልን ግጭት ካብ ዝወላዕ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ እዩ።

    እቲ ስምምዕ ክልቲኦም ወገናት ተኸታታሊ ዘተ ብምክያድ፡ ክናዋሕ ኣብ ዝኽእል ግን እንተወሓደ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ኣብ ምርድዳእ ክበጽሑ ዘገድድ እዩ።

  12. ስምምዕ ኣመሪካን ኢራንን ይናዋሕ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ይቕጽል

  13. ሩስያ፡ ርእሰከተማ ሞስኮ ዒላማ ዝሓየለ መጥቃዕቲ ዩክረይን ኰይና

  14. ዝሓመመት ደርሆ ናብ ሆስፒታል ብምውሳዱ ኣዘራራቢ ዝዀነ ቈልዓ፡ ህያብ ተበርኪትሉ

  15. ጌታቸው ረዳ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህወሓት ብዛዕባ ዘንበረቶ እገዳ እንታይ ኢሉ?

  16. ኣመሪካ ዳግማይ ንኔቶ ነቒፋ፡ ህላወኣ ኣብ ኤውሮጳ ክትግምግም ምዃና ኣጠንቂቓ

  17. ምኒስተር ዑስማን፡ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዝቕየር ዘሎ ዓለማዊ ስርዓት ግቡእ ቦታኣ ንምሓዝ ክትሓብር ጸዊዑ

  18. እቲ ስምምዕ 'መልእኽቲ ሓያል ኢራን እዩ- ፕረዚደንት ፐዘሽኪያኒ

    ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ዝተበጽሐ ስምምዕ ዓቢ ዓወት ምዃኑ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ።

    እቲ ሎሚ ብመራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈረመ ስምምዕ ን60 መዓልታት ምቊራጽ ተጻብኦታት ደው ብምባል ንዝተረፈ ጉዳያት ብልዝብ ምፍታሕ ዘጠቓለለ እዩ።

    ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ተጻብኦታት እስራኤልን ሕዝቦላህን'ውን ኣካል ናይቲ ምቊራጽ ተዂሲ እዩ። እንተኾነ፡ እቶም ተጻባእቲ ወገናት ነቲ ስምምዕ ኣይፈረምሉን።

    እቲ 14 ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ "ህጹጽን ቀዋሚን ምቊራጽ ወተሃደራዊ ስርሒታት"፡ ኢራን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከይተማዕብል፡ ከምኡ'ውን መጻብቦ ሆርሙዝ ክኽፈት ዝብል ይርከቦ።

    መራሒ ኢራን ብዛዕባ'ቲ ስምምዕ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "መልእኽቲ ሓያል ኢራን" እዩ ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።

    "እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ክብራን ናጽነታን እናሓለወት ኩሉ ሳዕ ንዓለማዊ ሰላም ጽኑዕ ቆራጽት ዘለዋ'ያ" ክብል ፕረዚደንት ማሱድ ፐዘሽኪያኒ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

    እንተኾነ፡ ገለ ኣኽረርቲ ስርዓት ኢራን በቲ ስምምዕ ከምዘይተሓጐሱ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ንወላዲኡ ተኪኡ ናብ ስልጣን ዝመጸ ኣያቶላህ ሞጅታባ ኻመኒ ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ስምምዕ ዝሃቦ ወግዓዊ ርእይቶ የለን።

    ኣብ ዋሽንግተን'ውን ትራምፕ ካብ ኣባላት እቲ ንሱ ዝመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ሪፓብሊካን ይዅን ካልኦት ወገናት ተቓውሞታት ገጢምዎ ኣሎ። እቲ ስምምዕ ዝያዳ ንኢራን ዘርብሕ'ዩ ብምባል'ዮም ዝነቕፍዎ ዘለዉ።

    ትራምፕ ግን "ዓያሹ" ክብል'ዩ ዝገልጾም ዘሎ።

    "ዕዳጋታት ስቶክ ዓሪጐም ክብረወሰን እናመዝገቡ፡ ዋጋታት ነዳዲ ንታሕቲ እናኣንቆልቍለ፡ እዞም ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣይተረርኩን ኢሎም ዝሓስቡ ዘለዉ ዓያሹ፡ ወይ ቀናኣትን ክፉኣትን ሰባት እዮም ወይ ድማ ሕማቓት እዮም" ብምባል ምላሽ ሂቡ።

    እስራኤል'ውን ብወገና በቲ ስምምዕ ባህ ከምዘይበላ'ያ ትገልጽ ዘሎ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ገና ብዛዕባ'ቲ ዝተፈረመ ስምምዕ ዝሃቦ መብርሂ የለን። ብሰኑይ ግን ኣብ መንጐኡን ትራምፕን "ዘይምስምማዕ" ከምዝተፈጥረ ጠቒሱ ነይሩ።

    "ኣብ ዝተፈላለየ ልዝባትና ርእይቶይ ሂበ እየ" ዝበለ ነታንያሁ፡ "ብዙሕ ሳዕ ንሰማማዕ፡ ብዙሕ ሳዕ ከኣ ኣይንሰማማዕን። እዚ ኣብቲ ዝበለጸ ዝበሃል ስድራቤታት'ውን ዘጋጥም'ዩ" ኢሉ።

    ድሮ ካብ የማናውያን ወገናት ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ልፍንታዊ መንግስቲ፡ እስራኤል በቲ ስምምዕ ክትቅየድ ከምዘይብላ ክጽውዑ ጀሚሮም ኣለዉ።

  19. ኣብ ኤርትራ 'ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት' ከም ዝቐጸለ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ፡ መንግስቲ ግን ይነጽጐ

  20. ስምምዕ ኢራን፡ ስለምንታይ እዩ ንህዝቢ ዘየሐጉሰ?