ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
'ቁጥዐ ኣብ ጎደናታት ስጳኛ’ - ቅልውላው ኣባይቲ ዘበገሶ ናዕቢ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ መላእ ስጳኛ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ንተኻረይቲ ዝያዳ ሓለዋ ክግበረሎም ጸዊዖም።
መንግስቲ ህጹጽ ሕጊ ኣባይቲ ከጽድቕ ዘይምኽኣሉ ስዒቡ እዩ ነበርቲ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለዉ።
ትማሊ ቀዳም ኣብ ማድሪድ፡ ቫለንሽያን ባርሴሎናን ሓዊሱ ኣብ ከተማታት ኣስታት 50 ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዱ።
ኣብ መንጎ ገለ ሰልፈኛታትን ፖሊስን እውን ጎንጺ ተፈጢሩ ኣሎ።
ሓንቲ ጓል 87 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ብርቱዕ ወሰኽ ክራይ ገዛ ክትከፍል ብዘይምኽኣላ ካብ መንበሪኣ ምስጓጓ ስዒቡ እዩ፡ ኣብ መላእ ስጳኛ ብደረጃ ሃገር ተቓውሞታት ተላዒሉ።
ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ቫለንሽያ፡ ኣብ ጥቓእቲ ናይ ንብረት ዋዕላ ዘአንግድ ዝነበረ ማእከል ስነጥበብ ፓላው ደ ለስ ኣርትስ ረይና ሶፍያ ምስ ኣባላት ፖሊስ ከምዝተጋጨዉ ኣሳእል የመልክቱ።
ሓያሎ ሰልፈኛታት መከላኸሊታትን ኣቑሑን ናብ መኮንናት ንብረት ክድርብዩ እንከለዉ፡ ፖሊስ ድማብጎማ ጥይት ምላሽ ከምዝሃበ ማዕከናት ዜና ስጳኛ ሓቢረን።
ህዝባዊ ፈነወ ኣርቲቪኢ፡ ትሽዓተ ኣባላት ፖሊስ ከምዝቖሰሉን 5 ሰባት ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA/Shuttershock
መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ትግራይ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ ኣፍሊጡ
ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ዘተ ሰላም ክምለሳ ኣተሓሳሲባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋሽንግተን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ጎረባብቲ ሃገራት ከኽብራን ወጥሪ ዝያዳ ከጋድድ ካብ ዝኽእሉ ተግባራት ክቑጠባን ጸዊዓ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቶሚ ፒጎት፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ "ኢትዮጵያን ኤርትራን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጎረባብተን ከኽብራ፡ ግጭት ካብ ዘጋድዱ ተግባራት ተቖጢበን: ናብ ዘተን ምትሕብባርን 2018 ክምለሳ" ሃገሩ ኣትሪራ ከምዘተሓሳሰበት ገሊጹ።
"ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ወተሃደራዊ ግጭትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ክስከም ኣይክእልን'ዩ" ኢሉ።
"ዝዀነ ግጭት ነቲ ምስ ክልቲአን ሃገራት ዝቕጽል ዘሎ ምትሕብባር ኣመሪካን ሓባራዊ ረብሓታትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ::"
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ "ኤርትራ ምስ ሱዳንን ግብጽን ኰይና ብዓመጽቲ ንዝቖመ ኪዳን ትድግፍ ኣላ" ብዝብል ክሲ: ምስታ ሃገር ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣቋሪጹ እዩ።
ሰለስቲአን ሃገራት ግን ነዚ ክሲ ብተደጋጋሚ ክነጽጋ ጸኒሐን እየን::
ኢትዮጵያ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ካብታ ሃገር ክወጹ ምእዛዛ ስዒቡ፡ ኤርትራ እውን ምስ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ኣፍሊጣ ኣላ::
ዞባዊ ወጥሪ ኣብ ዝጋደደሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ኣልሲስን ተራኺቦም
መንግስቲ ትግራይ ካብ መቐለ ወፂኡ 'ዕጥቃዊ ቃልሲ' ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ
ታደሰ ወረደ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ካብ ሆቴል ተወሲዱ ተባሂሉ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዋዕላ ዞባዊ ጸጥታን ድሕነትን ንምስታፍ ናብ ግብጺ ኣምሪሑ
ኢልሃንን ብጾታን ሓድሽ ውግእ ኢትዮጵያ ብምዅናን ህጹጽ ዘተ ክካየድ ጸዊዖም
03 ጥቅምቲ ዝኽሪ ላምፐዱሳ፡ ህይወት ኣማኢት ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ህልቂት
'ዘይተፈትሑ ዓበይቲ ምስጢራት ስነ-ፍልጠት'፡ መደንዘዚ ብዛዕባ ኣእምሮና እንታይ ይገልጽ?
26 ሰባት ብጃልባ ባሕሪ ዘሳገረ ኤርትራዊ ማእሰርትን ምጥራዝን ተፈሪዱ
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግተን
ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ህጹጽ ኣኼባ ክጽውዕ ኣምነስቲ ተማሕጺኑ

ምንጪ ስእሊ, Amnesty International
ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ንምህዳእ ህጹጽ ኣኼባ ክጽውዕ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።
እቲ ትካል ተሓላቒ መሰላት ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሓድሽ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ግዳይ ሞት ኮይኖም ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ኣብ ሲቪላውያን ዝወርድ ሳዕቤናት ከይገድድ ስግኣት ከምዘለዎ የጠንቅቕ።
"ዝኸፍአ ጃምላዊ ቅትለት ክፍጸምን ቊጽሪ ዝቕተሉ ሲቪላውያን ክውስኽን ክጽበ የብሉን" ክብል እቲ ኣህጉራዊ ሕብረት ንጡፍ ግዳ ክጻወት ሓቲቱ።
በዚ መሰረት፡ ቤትምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ናይቲ ሕብረት ብቕልጡፍ ተኣኪቡ መፍትሒ ከናዲ ተላብዩ።
ብመንግስቲ ፈደራል ዝድገፉ ሓይሊ ሰላም ተባሂሎም ዝፍለጡ ዕጡቓት ትግራይ ኣንጻር እቶም ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይይ "ጸረ-መጥቃዕቲ" ብምውሳድ ኣብ ዝደፍእሉ ዘለዉ እዋን'ዩ እቲ ተሓላቒ መሰላት ነቲ መግለጺ ዝህብ ዘሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ህወሓት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ክዋግኡ ንዝጸንሑ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለን ዝርከብዎም ሸውዓተ ተቓውምቲ ጥምረት ብምፍጣር ኣንጻር ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ማእከላይ መንግስቲ ኲናት ከምዝኸፈቱ ምፍላጦም ይዝከር።
ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን፡ ከምኡ'ውን ክልል ዓፋር ካብቲ ዝሓለፈ፡ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝቐዘፈ ኲናት፡ ከይሓወዩ'ዮም ደግሲ ደማዊ ግጭት ኣጋጢምዎም ዘሎ።
'ብጠበንጃ ዝምለስ ሕቶ ኦሮሞ ፈጺሙ ኣይክህሉን'ዩ' - ኣብይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Ludovic MARIN / AFP via Getty Images
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ሰላም፡ ዕርቅን ሕውነትን ከስፋሕፍሕ ጸዊዑ።
ኣብይ ኣሕመድ፡ ሎሚ ዓርቢ 22 መስከረም 2019 (ግ) ክጽንበል ዝጀመረ ብዓል ዒሬቻ ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ዞባዊ ግጭትን ዲፕሎማስያዊ ወጥሪን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ናብ ሰላም ተመሊሶም ኣብ ዘተን ልምዓትን ትኹረት ክገብሩ ተማሕጺኑ።
ንኣፍሪቃ ሞዴል ክትከውን እትኽእል ኢትዮጵያ ክሃንጽ ድሌት ከምዘለዎ ብምግላጽ ድማ፡ ብሰላም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ንዝደልዩ ጉጅለታት "ኣፍደገ ሰላም" ክፉት ምዃኑ ኣስሚሩ።
ኣብይ ነዚ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ዘሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጸጥታውን ዲፕሎማስያውን ቅልውላው ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን እዩ።
ብፍላይ ኣብ ትግራይን ሰሜን ኢትዮጵያ ብሓፈሻን ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታትን ዳግማይ ውግእ ካብ ዝጅመር ሰሙን ኣቝጺሩ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራ፣ ሱዳንን ግብጽን ንተቓወምቲ ሓይልታት ይድግፋ ኣለዋ ክብል ክኸስስ እንከሎ፡ እተን ሃገራት ግና ነቲ ክሲ ነጺገንኦ እየን።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ከምዝዓጸወትን 10 ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዝኣዘዘትን ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጣ ነይራ። ኤርትራ ኣብ ዝሃበቶ ግብረመልሲ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ገሊጻ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኢትዮጵያ፡ ሓደ ግብጻዊ ዲፕሎማት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጽእ’ውን ኣዚዛ'ላ። ግብጺ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ኣማኻሪ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ክወጽእ ብምእዛዝ ምላሽ ሂባ ኣላ። እዚ ስጉምትታት እዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ቅልውላው ኣጋዲድዎ ኣሎ።
ፈረንሳ፡ ብሰንኪ ተቓውሞ ተመሃሮ ኣማኢት ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ምስ ምምሕያሽ ኩነታት ኣብያተ-ትምህርቲ ዝተሓሓዝ ተቓውሞታት ተመሃሮ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ 40 ርእሰ መምህራን ቆሲሎም ኣለዉ።
ሚኒስተር ትምህርቲ ኤድዋርድ ጌፍራይ ንማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 40 ርእሰ መምህራን ዝርከብዎም 65 ሰራሕተኛታት ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝቖሰሉን፡ ትማሊ ሓሙስ ጥራይ ድማ 1949 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ገሊጹ።
ጠንቂ እቲ ተቓውሞታት፡ ሕጽረት መምህራን፡ ልዕሊ ዓቐን ጽዑቕ ክፍልታትን ዝዓነወ ህንጻታትን ኰይኑ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን እዩ ኣብ ፓሪስ ተጀሚሩ። ድሕሪኡ ግን ናብ መላእ እታ ሃገር ተዘርጊሑ’ሎ።
ሎሚ ንግሆ ኣብ ምዕራባዊ ፈረንሳ ከተማ ብሬስት፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰልፈኛታት ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሞም።
ኣብ ከተማ ረንስ ዝነብር ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ፖሊስ ዝወስዶ ዘሎ ግብረ መልሲ ንሰልፈኛታት "ዝያዳ ከምዘቖጥዖም" ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ፍትሒ ፈረንሳ ጀራልድ ዳርማኒን ብወገኑ "ካብ ሰልፊ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ናብ ምዝንባዕ ህዝባዊ ስርዓት ተሰጋጊርና" ክብል ነቲ ኵነታት ገሊጽዎ'ሎ።
ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ኣብ እዋናዊ ኵነታት እንታይ ኢሉ?
ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ትማሊ 1 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሓድሽ ውግእ ምጅማሩ ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናይ ህልውና ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ርእሲ እዚ፡ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ ኣፈላላያቱ ንጐድኒ ብምሕዳግ ንህልውናኡ ደው ክብል ተማሕጺኑ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ወተሃደራዊ ኵነታት መብርሂ ዝሃበ ደብረጽዮን፡ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝተፈለለየ ከባቢታት ይዋጋእ ከም ዘሎን እቲ ኲናት ተንቀሳቓሲ ብምዃኑ ሓይልታት ፈደራል ገለ ቦታታት ትግራይ ክሕዙ ከም ዝኽእሉን ኣፍሊጡ።
ብተመሳሳሊ፡ ድሕሪ መግለጺ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣዛዚ ናይቲ ካብ ህወሓት ዝተፈንጨለ 'ሓይሊ ሰላም ትግራይ' ዝተባህለ ዕጡቕ ጕጅለ ዝዀነ ብርጋደር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ፡ ኣብ ዩቱብ ቻነል 'ቲቢኤስ ቲቪ' ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሱ ዝመርሖ ሓይልን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ተቘጻጺሮም ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ መብዛሕትኡ ከባቢታት ራያ፡ ከምኡ'ውን "ገለ ከባቢታት እንደርታ፡ ሳምረን ተምቤንን ምቍጽጻር ጀሚርና ኣለና፡" ኢሉ።ምሉእ ንባብ
ኣብ 2018 ዝተፈረመ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን
- ኣብ መንጎኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ኩነተ-ኲናት ኣኽቲሙ ኣሎ። ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን ተራሕዩ ኣሎ።
- ክልቲኦም መንግስታት፡ህያው ረብሓታት ህዝብታቶም ንዘገልግልን ዘሳጒምን፡ ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ጸጥታዊ ምትሕብባር ክሰርሑ እዮም።
- ኣብ መንጎክልቲአን ሃገራት፡ ናይ መጓዓዝያን ንግድን ተለኮሚኒኬሽንን ርክብ እንደገና ክጅምር፡ ዲፕሎማስያዊ ህላወን ንጥፈታትን ክሕደስ እዩ።
- ውሳኔ ዶብኤርትራን ኢትዮጵያን ኪትግበር እዩ።
- ክልቲአን ሃገራትዞባዊ ሰላምን ልምዓትን ምትሕብባርን ንምውሓስ ብሓባር ክሰርሓ እየን። ክልቲኦም መንግስታት፡ ንኹሎም ኣዕሩኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ንኹሎም ደለይቲ ሰላም ምስጋናኦም እናኣቕረቡ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ህሞት ምሕዝነቶምን ደገፎምን ከሐይሉ ይጽውዑ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ኣብ እዋናዊ ኵነታት እንታይ ኢሉ?
ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአንን ዝሓለፎ መድረኻትን
