“ደም ኣስላም ክፈስስ እንከሎ” ምዕራባውያን ሃገራት ሕጊ ኣይግድሰንን እዩ- ፕረዚደት ቱርኪ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ረሲብ ታይፕ ኤርዶጋን ምዕባራባውያን ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ እስራኤል ደው ከብላ ዘይምኽኣለን ነቒፉ።
“ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰባዊ መሰላት እንታይ ረኸቦ?” ዝበለ ኤርዶጋን፡ ምዕራባውያን “ንረብሖኦም ዘገልግል እንተዘይኮኑ ነዛ ዓይኖም ኣይርእይዎን’ዮም። ስለምንታይ? ምኽንያቱ እቲ ዝፈስስ ዘሎ ደም ናይ ኣስላም ስለዝኾነ” ክብል ቁጠዐኡ ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት ተቓውሞኡ ንምግላጽ ነቲ ትማሊ ናብ እስራኤል ከካይዶ ዝወጠኖ ምብጻሕ ብምስራዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ኣብ ኒውዮርክ ናይ ኢድ ሰላምታ ምሃቡ ከምዘጣዕሶ ተዛሪቡ።
ኣመሪካ ትርከበን ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ጉድኣት ከይወርድ’ኳ ይምሕጸና እንተሃለዋ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስ ንእተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ብምድጋፍ፡ ምቁራጽ ተጻብኦ ምግባር ንረብሓ ሓማስ ምዃኑ’የን ዝከላኸላ ዘለዋ።
ብኻልእ ወገን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ምምሕዳር ፍልስጤም ሪያድ ኣል-ማሊኪ ኣብ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤትፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንደብዳብ እስራኤል “ኲናት ሕነ ምፍዳይ” እዩ ክብል ገሊጽዎ። ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር’ውን ጸዊዑ’ሎ።












