ኔታንያሁ፡ ‘እዚ እዋን ኲናት’ዩ’ ብምባል ምስ ሓማስ ተኹሲ ደው ምባል ነጺጕ

ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ጠጠው ክብል ይሓታ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ግን፡ ምቁራጽ ተጻብኦ “ንሓማስ ኢድ ምሃብ’ዩ” ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነጺጉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ለንደን ንፍልስጤም ዝድግፍ ዓብይ ሰልፊ ክካየድ እዩ

    ቅድሚ ሓደ ሰሙን’ውን ኣብ ለንደን ንፍልስጤማውያን ዝድግፍ ሰልፊ ተኻይዱ ነይሩ
    መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ሓደ ሰሙን’ውን ኣብ ለንደን ንፍልስጤማውያን ዝድግፍ ሰልፊ ተኻይዱ ነይሩ

    ፖሊስ ለንደን፡ ኣብታ ከተማ ንፍልስጤም ዝድግፍ ሰልፊ ከም ዝካየድ ኣፍሊጡ።

    እቲ ሰልፊ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ገዚፍ ሕዛእቲ ‘ሃይድ ፓርክ’ ከም ዝካየድ ተገሊፁ።

    ቀዳማይ ሚኒስትር ሪሹ ሱናክ፡ ንፍልስጤማውያን ድጋፍ ንምሃብ ዝወፅኡ ሰባት፡ ኣብ መንጐ ማሕበረሰብ ኣይሁድን ሙስሊምን ዘሎ ስግኣትን ሻቕሎትን ከይርስዑ ሓቲቱ።

    ቅድሚ ሓደ ሰሙን’ውን ኣብ ለንደን ንፍልስጤማውያን ዝድግፍ ሰልፊ ተኻይዱ ነይሩ።

  2. ኣብ ሆስፒታላት ጋዛ ነትጕ ነይሩ

    ካብ ሆስፒታል ኣል-ናስር ዝሃድሙ ሰባት ብደብዳብ እስራኤል ከይውቅዑ፡ ፃዕዳ ጨርቂ እንተንበልብሉ ዘርእይ ምስሊ

    ኣብ ትካላት ጥዕና ጋዛን ከባቢኡን ነትጕ ከም ዝነበረ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲገሊፆም።

    ብዓርቢ ታንክታት እስራኤል ኣብ ጥቓ ሆስፒታላት ጋዛ፡ ማለት እውን ኣብ ኣል-ሺፋ፣ ኣል-ቁዱስ፣ ኣል-ራንቲሲን ጥቓ ሆስፒታል ኢንዶኖዥያን ተራእየን እየን።

    እስራኤል፡ ሓማስ ኣብ ትሕቲ ናይ ሲቪላት መሰረት ልምዓት ድፋዕ ከም ዝኾዓተ ትገልፅ።

    ቢቢሲ ሓቃውነት እቲ ካብ ሆስፒታል ኣል-ናስር ዝሃድሙ ሰባት ብደብዳብ እስራኤል ከይውቅዑ፡ ፃዕዳ ጨርቂ እንተንበልብሉ ዘርእይ ምስሊ ኣረጋጊፁ እዩ።

    ሚኒስትር ጥዕና ፍልስጤም፡ ኵናት እስራኤል-ጋዛን ካብ ዝውላዕ ንነዘ 11,078 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።

    ካብዞም ብመጥቃዕቲ እስራኤል ዝተቐተሉ ፍልስጤማውያን ዝበዝሑ ህፃናት ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝኾኑ እቲ ሚኒስትር ገሊፁ።

  3. መራሒ ሂዝቦላሕ ሎሚ መዓልቲ መደረ ክገብር’ዩ

    መራሒ ሂዝቦላሕ ሓሰን ነስራላሕ

    መራሒ ሂዝቦላሕ ሓሰን ነስራላሕ፡ ሎሚ መዓልቲ ንደገፍቱ መደረ ከም ዘስምዕ ተገሊፁ።

    መራሒ ናይቲ ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሩ ሂዝቦላሕ፡ ኵናት እስራኤል-ጋዛ ካብ ዝውላዕ ንነዘ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝገብሮ መደረ ንካልኣይ ግዘ ይኸውን።

    ሓሰን ነስራላሕ፡ ኣብ ኵናት-ጋዛ እስራኤል ግደ ሂዝቦላሕ እንታይ ከም ዝኸውን ከአንፍት ትፅቢት ይግበር።

    ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ “ኩሉ ኣማራፂ ኣብ ጠረጴዛ እዩ” ኢሉ ነይሩ። ሊባኖስ ዝመደበሩ ጸረ-እስራኤል ምንቅስቓስ ሕዝቡላህ እንታይ እዩ?ዝብል ዛንታ ክተንብብዎ ንዕድመኩም።

  4. ኣብ ኣውስትራሊያ ደገፍቲ እስራኤልን ፍልስጤምን ተጓኒፆም

    ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብታ ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ሜልበርን፡ ኣብ መንጎ ደገፍቲ እስራኤልን ፍልስጤምን ጐንፂ ከም ዝተፈጠረ ተገሊፁ።

    ተሌቬዥን እታ ሃገር ኤቢሲ፡ እቶም ተራፀምቲ ማይ ብዝመልአ ፕላስቲክ ከም ዝተደራበዩን ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ፀርፊ ከም ዝተፃረፉን ፀብፂቡ።

    ካብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ደገፍቲ ካብ 400 ዘይውሕዱ ሰባት ናብ ኣደባባይ ከም ዝወፅኡ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊፁ።

    ነቲ ጐንፂ ስዒቡ ሓደ ሰብ ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓለ ድማ ኣፍሊጡ።

    ብሰንኪ እቲ ጐንፂ ኣብ ሰባት ዝበፅሐ ጉድኣት ብዛዕባ ምህላዉ ግና ዝተብሃለ ነገር የለን።

  5. ፕረዝደንት ማክሮን፡ እስራኤል ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ጋዛ ምድብዳብ ደው ክተብል ፀዊዑ

  6. ‘ሶማልያ ኣብ ክፍለ ዘበን ሓንሳብ ብዘጋጥም ሓደጋ ውሕጅ ክትህሰ ትኽእል’ያ’ ሕቡራት ሃገራት

  7. እስራኤል: ጅሆ ካብ ዝተታሕዙ ገለ 'ምልክት ህይወት' ርእየ ኢላ

  8. ድሮን ኣመሪካ ብኢራን ብዝድገፉ ዕጡቓት የመን ተሃሪማ ወዲቓ

  9. እስራኤል-ሓማስ፡ ንስፖርታውያን ኣብነት ዝዀነ ግብረመልሲ መሓመድ ሳላሕ

  10. ኣብ ቓዛ ዝግበር መጥቃዕቲ ብምቅዋም ብዋይት ሃውስ ንዝቐረበላ ዕድመ ዝነጸገት ገጣሚት

  11. መራሒ ሓማስ ኣብ እስራኤል ሰላማውያን ኣይቀተልናን ኢሉ

  12. ዝቖሰሉ ፍልስጤማውያን ንፈለማ ግዜ ናብ ሆስፒታላት ግብጺ ኣትዮም

  13. ባኒ ንምርካብ ሰዓታት ሪጋ እትጽበየላ ቓዛ

  14. 'ምስ ህዝብና ኣብዚኣ ንመውት' ዝበላ መነኮሳት ቓዛ

  15. ኣንፃር እስራኤል ተቓውሞታት ይካየድ ኣሎ

  16. ዘለንስኪ፡ 'ግጭት እስራኤልን ቓዛን ንዩክረይን ትኹረት የስእና' ከምዘሎ ኣማሪሩ

  17. እስራኤል ኣብ ቓዛ 'ዘይተመጣጠነ’ መጥቃዕቲ ትፍፅም ኣላ - ኣየርላንድ

  18. ቓዛ፡ 'ሰበይተይ ኣብ ሓሙሽተ ደቒቕ ሞይታ፤ ህይወተይ'ያ ነይራ'

  19. ኣሜሪካ፡ ዘይተዓጠቓ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ቓዛ ከም ዘውፈረት ተኣሚና

  20. ግጭት እስራኤልን-ሓማስን፡ መራሒ ጉጅለ ሕዝቦላህ እንታይ ኢሉ?