
ምንጪ ስእሊ, AFP
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ብሰሉስ ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝተዛረቦ ዘረባ ዘስዓቦ ወጠጥ ከም ዘሰንበዶ
ገሊጹ።
ኣብቲ ሎሚ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ብወገን እስራኤል ኣብ ልዕሊኡ ዝቐርብ
ዘሎ ነቐፌታ “ሓሶት’ዩ” ብምባል መግለጺታቱ “ተጠምዚዙ ምቕራቡ ኣሰንቢዱኒ” ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ዝበሎ “ንሽበራ ሓማስ ከምዘመኽነየ” ኰይኑ ምቕራቡ ቅኑዕ ኣይኰን ይብል
ጉተረዝ።
“እቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ እስራኤል ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ
ዘይፈልጥን ሽበራዊ መጥቃዕቲ ሓማስ” ከምዝኹንኖ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
ትማሊ’ውን፡ “ነቲ ብፍላጥ ዝተኻየደ ቅትለት፡ መቝሰልቲን ጭውያ ሲቪላውያንን
ወይ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ሮኬታት ምውንጫፍ ዝዀነ መመኽነይታ ክወሃቦ ኣይክእልን’ዩ” ከምዝበለ ጠቒሱ።
“ሓቂ’ዩ፡ ብዛዕባ መረረ ህዝቢ ፍልስጤም’ውን ተዛሪበ’የ። ከምኡ ክገብር
እንከለኹ ድማ፡ ብንጹር ገሊጸ’የ፡ እጠቅስ፡ ‘ህዝቢ ፍልስጤም ዘለዎ መረረ ግን ነቲ ሓማስ ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ቅቡል
ክገብሮ ኣይክእልን።’’
ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ትማሊ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ “መጥቃዕቲ ሓማስ ብዘይ ገለ
ምኽንያት ዘጋጠመ ኣይኰነን” ብምባል “ፍልስጤማውያን ን 56 ዓመታት ብዓፋኒ መገዲ ተጐቢጦም ከም ዝጸንሑ” ተዛሪቡ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ ብዘረባ እቲ ዋና ጸሓፊ ዝሓረቑ ሰብመዚ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡
ጉተረዝ ካብ ሓላፍነቱ ንኽወርድ ካብ ምሕታት ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብዚ ሕቡራት ሃገራት ቪዛ ናይ ምኽልካል ስጕምቲ ወሲዶም።
እስራኤል ንሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍስ ቪዛ ኣብ
ዝኸልከለትሉን እቲ ወጥሪ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉን’ዩ፡ ጉተረዝ በዚ ኵነታት ከም ዝሰንበደ ገሊጹ ዘሎ።
እንተኾነ፡ ሕጂ’ውን ብመብርሂ ጉተረዝ ዘይተሓጎሰ ኣምባሳደር እስራኤል
ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ዋና ጸሓፊ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዳግም ጸዊዑ’ሎ።
“እዚ ዋና ጸሓፊ ቃላቱ ክስሕብን በቲ ትማሊ ዝበሎ ይቕሬታ ክሓትትን ዘይምኽኣሉን
ንሕቡራት ሃገራት ዘሕንኽ’ዩ” ክብል ኣምባሳደር ጊላድ ኤርዳን ንዳግማይ መግለጺ ጉተረዝ ዳግማይ ግብረመልሲ ሂቡሉ ኣሎ።
“ሓደ ዋና ጸሓፊ ቅትለት ንጹሃት ብዝዀነ ‘ድሕረባይታ’ ክግለጽ ከምዘይክእል
ዘይርዳእ እንተዀይኑ ዋና ጸሓፊ ክኸውን ኣይክእልን” ብምባል ጉተረዝ ትማሊ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጠንቂ መጥቃዕቲ ሓማስ እስራኤል ምዃና
ዘስምዕ ምዃኑ ገሊጹ።