መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ሩስያን ቻይናን ደው ዘበልኦ እማመ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት
ንመጻብቦ ሆርሙዝ ውሕስነት ንምሃብ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንድምጺ ዝቐረበ እማመ ሩስያን ቻይናን ብዘለወን ወሳኒ ድምጺ (ቬቶ) ደው ኣቢለንኦ።
እቲ ደገፍ ናይ ኣመሪካ ዘላተን 10 ሃገራት ዝረኸበ እማመ፡ "ሃገራት ኣድላዪ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ" ብምውሳድ እቲ ማሕንቖ ቀረብ ነዳዲ ዝኾነ መጻብቦ ከምዝኽፈት ክገብራ ዘፍቅድ'ዩ።
ኣብ ፈለማ ዝቐረበ ሰነድ ንዓንቀጽ 7 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ብምምርኳስ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ዝብል ትሕዝቶ ኣብቲ ንሰሙናት ዝቐጸለ ልዝብ ከምዝቕየር'ኳ እንተ ተገብረ፡ "ናይ ምክልኻል ስጉምቲ" ምፍቃድ ንሞስኮን በይዢንግን መለሳ ዘይብሉ'ዩ ኮይንወን።
ኣባላት ናይቲ ባይቶ ዝኾና ፓኪስታንን ኮሎምቢያን ድምጸን ካብ ምሃብ ተቖጢበን ኣለዋ።
ነቲ ሎሚ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ መጋባእያ እቲ ባይቶ ዝመርሐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ባሕሬን ዓብዱላጢፍ ቢን ራሺድ ኣል ዛያኒ፡ ሃገራት ንኣገዳሲ መጻብቦታትን መትረባትን ከም መሳርሒ ኲናት ክጥቀማሉ እንተ ተፈቒዱለን ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ቀወምቲ ኣባላት ናይቲ ባይቶ ዝኾና ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ሩስያን ቻይናን ወሳኒ ድምጺ (ቬቶ) ስለዘለወን፡ ሓንቲአን ዝተቓወመቶ እማመ ክሓልፍ ኣይክእልን እዩ።
እተን ዝተረፋ ዝርከብአን 10 ኣባላት በብእዋኑ ተመሪጸን ናብቲ ባይቶ ዝኣትዋ ኮይነን ንክልተ ዓመታት የገልግላ። ሶማልያን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ንኣፍሪቃ ወኪለን ኣብቲ ባይቶ ዘለዋ እየን።