እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ-2 እንታይ ተዓዚቦም ተመሊሶም?

  2. ትራምፕ ንጀይዲ ቫንስ ስለምንታይ እቲ ዝኸበደ ተልእኾ ኣረኪብዎ?

  3. ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ፡ ብዙሕ ዘይተነገረሉ ደራሲ ዜማታት ቤተክርስትያን - እንታይ ንፈልጥ?

  4. ደርበይቲ ቦምባታት 'ደቂ መዛምርቲ ክርስቶስ ኣይኮኑን'- ኣቡነ ሊዮ

    ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝሰፍሕ ዘሎ ኲናት "ዘይስነመጐታዊን ኢሰብኣዊን ጎነጽ" ብምባል ኮኒኖሞ።

    ኣቡነ ሊዮ መበል 14፡ ህይወት ሰባት ግዳይ ውልቃዊ ረብሓታት ይኸውን ኣሎ ክብሉ'ውን ዝተሰምዖም ጓሂ ገሊጾም።

    "ብህይወት ድኹማት፡ ቆልዑን ስድራቤታትን ዝርከብ ረብሓ ዋጋ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ" ብምባል ኣብ ኤክስ ጽሒፎም።

    "ቦምባታት ዝድርብዩ" ደቂ-መዛምርቲ ክርስቶስ ኣይኮኑን ብምባል ንኲናት ዘለዎም ተቓውሞ ዘነጸሩ እቶም መንፈሳዊ መራሒ፡ "ወተሃደራዊ ስጉምቲ፡ ቦታ ናጽነት ወይ እዋን ሰላም እዋን ኣይክፈጥርን እዩ" ኢሎም።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንበረ ቫቲካን ድሕሪ ምርካቦም ኣብ ፈላሚ ዓለምለኻዊ መገሻኦም ዝበጽሑዋ ሊባኖስ ብዘየቋርጽ ደብዳባት እስራኤል ትናወጽ ምህላዋ ይፍለጥ።

    ዛጊት 1,953 ሰባት ብመጥቃዕቲ ሓይልታት እስራኤል ተቐቲሎም ከምዘለዉ ሰብመዚ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሮም ኣለዉ።

  5. ኣብ ኤርትራ ዝበጽሐ ፍሉይ ወኪል ቻይና ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ

  6. ጀይ-ዲ ቫንስ ንዘተ ናብ ፓኪስታን ተበጊሱ

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስ ወከልቲ ኢራን ብዛዕባ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምዝርራብ ናብ ፓኪስታን ኣምሪሑ'ሎ።

    ጀይዲ ቫንስ ቅድሚ ምብጋሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ክንዘራረብ ኢና ንደሊ" ብምባል ኢራናውያን "ብቕንዕና" ንዘተ እንተመጺኦም ኣመሪካ "ኣእዳዋ ክትዝርግሕ" ቅርብቲ ምዃና ተዛሪቡ።

    እቲ ምክትል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝኾነ ቫንስ፡ ምስ ምልሶት ሓለቓኡ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንድሓር እዚ ተዋሂብዎ ዘሎ ዕማም እቲ ኣዝዩ በዳሂ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ፠

    ትራምፕ፡ ኢራን፡ እስራኤልን መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝኾና ሃገራት ወሽመጥን ዝዓግባሉ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ምርግጋጽ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ።

    እንታይ ምዃኖም'ኳ ብንጹር እንተ ዘይጠቐሰ፡ ካብቲ ፕረዚደንት "ንጹራት መምርሒታት" ከምዝተዋህቦ'ዩ ናብታ "ኣየርፎርስ ክልተ' ዝተባህለት ነፋሪቱ ቅድሚ ምስቃሉ ኣሚቱ ዘሎ።

    ኢስላማባድ ንክልቲኦም ወገናት ንምትዕራቕ ሞገስ ዝረኸበት ሃገር ኮይና ብምህላዋ፡ ኣቓልቦ ዓለም ስሒባ ትርከብ።

    ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዝተኣወጀ ተነቃፊ ምቁራጽ ተዂሲ ዛጊት ጸኒዑ'ኳ እንተሎ፡ እቲ ንግዳዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ዘሎ መጻብቦ ሆርሙዝ ብሰንኪ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ተካይዶ ዘላ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕትታት መሊኡ ክኽፈት ኣይክኣለን።

    ቴህራን፡ እስራኤል ነቲ ኣብ ሊባኖስ ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው እንተ ኣቢላ ጥራይ ከምእትኸፍቶ'ያ ኣፍሊጣ ዘላ።

  7. ምስልታት ዓርቢ ስቕለት ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ወጻኢ ሃገራትን

  8. መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቓውሞ ህወሓት ብዝምልከት ንቢቢሲ ዝሃቦ ምላሽ

  9. መጻብቦ ሆርሙዝ ብኸመይ'ዩ ሓያል 'ኣጽዋር' ኢራን ኰይኑ?

    ድሕሪ'ቲ ን40 መዓልታት ዝተኻየደ ግጭት ኢራንን ኣመሪካ-እስራኤልን፡ ሓደ ዘገርም መደምደምታ እዩ ተቐልቂሉ ወጺኡ፤ ኢራን ዝያዳ ብመንገዲ ኒዩክለሳዊ ዓቕሚ ዘይኮነስ፡ ነቲ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ምቍጽጻር ዘለዋ ዓቕሚ ብዘግሃደ መልክዕ።

    ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት፡ ንቐንዲ ቦታታትን መራሕትን ኢራን ዒላማ ዝገበረ ከቢድ ደብዳባት ብምግባር ለውጢ ስርዓት ንምስግዳድ ዝግበር ፈተነ ምዃኑ ብሰፊሑ ክትረኽ ጸኒሑ እዩ።

    እቲ ተጻብኦታት እናገደደ ድሕሪ ምኻዱ፡ ኢራን ኣተኵሮኣ ናብቲ ንወሽመጥ ፋርስ ምስ ዓለማዊ ዕዳጋታት ዘራኽብ ጸቢብ መስመር ማይ ብምዛር፡ ምንቅስቓስ መራኽብ ክትዘርግን ክትዓግትን ክኢላ።

    ዝርዝሩ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሊንክ ጠዊቕኩም ክተንብቡ ትኽእሉ፡

  10. ስታርመር፡ ኣብ ዑደት ማእከላይ ምብራቕ ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ተዘራሪቡ

    ቀዳማይ ምኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ኪር ስታርመር፡ ብሰሉስ ናብ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ምዃዱ ንጽባሒቱ ናብ ኢማራት ዓረብ፡ ባሕሬንን ቀጠርን ተጓዒዙ ምስ መዘናታቱ ዘትዩ።

    ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር (ዳውኒንግ ስትሪት) ከም ዝገለጾ፡ እቲ ምስ ኵሎም መራሕቲ ዝተገብረ ዘተ፡ ኣብ ምዅናን ናይቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ክትፍጽሞ ዝጸንሐት መጥቃዕቲ፡ ኣብ ኣገዳስነት ምጽናዕ ምቍራጽ ተኸሲ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዳግማይ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝ ዘተኰረ ነይሩ።

    ስታርመር ምስ መራሕቲ እቲ ዞባ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ትራምፕ ብተለፎን ተዘራሪቡ።

    ስታርመር፡ መጻብ ቦሆርሙዝ ንምኽፋት ኣብ ዝግበር ስምምዕ፡ "ዓዲ እንግሊዝ ንመሻርኽቲ ሃገራት ንምእካብ እትገብሮ ጻዕሪ፡" ንትራምፕ ገሊጽሉ።

    ብተወሳኺ፡ "ምንቅስቓስ መራኽብ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ንምጅማር ብዛዕባ ዘኽእል ግብራዊ ትልሚ" ምስ ትራምፕ ተመያዪጡ።

  11. ሕዝቦላህ፡ ኣብ ልዕሊ ከተማ እስራኤል መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ገሊጹ

    ሕዝቦላህ፡ እስራኤል ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝጠሓሰቶ ብምግላጽ፡ ከም ግብረመልሲ ኣብ ሰሜን እስራኤል ኣብ እትርከብ ከተማ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ይገልጽ ኣሎ።

    እዚ ኣብ ሊባኖስ ዝመደሩ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ጕጅለ ተኸታሊ ሺዓ ሙስሊም እዩ።

    ሕዝቦላህ፡ ሎሚ ንግሆ ኣብ ጥቓ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን ናብ እትርከብ ኪርያት ሽሞናን ኣብ ሰሜን እስራኤል ዞባ ላዕለዋይ ጋሊለ ናብ እትርከብ ምስጋቭ ዓምን ሮኬታት ከም ዝተኰሰ ገሊጹ።

    እቲ ጕጅለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እዚ ግብረ-መልሲ እዚ፡ ወራር እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ክሳዕ ዘብቅዕ ክቕጽል እዩ፡" ኢሉ።

    ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከካይድኦ ዝወርሓ ኲናት ንኽልተ ሰሙን ደው ከብልኦ እኳ እንተ ተሰማምዓ፡ እስራኤልን ሕዝቦላህን ኣብ ሊባኖስ ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕቲታት ግን ቀጺሉ ኣሎ።

    ኣመሪካን እስራኤልን ሊባኖስ ናይቲ ስምምዕ ኣካል ኣይኰነትን ክብላ እንከለዋ፡ እታ ኣብቲ ዘተ ቀንዲ ኣሸምጋሊት ዝዀነት ፓኪስታን ግን ሊባኖስ ኣካል እቲ ስምምዕ ምዃና ትገልጽ።

  12. ንሜላንያ ምስ ትራምፕ ዘራኸባ ኤፕስተይን ድዩ፡ ብዛዕባ'ዚ እንታይ ኢላ?

  13. መጻብቦ ሆርሙዝ ብኸመይ ሓያል 'ኣጽዋር' ኢራን ኰይኑ?

  14. ስቕለት ብኸመይን ኣበይን ተጀሚሩ?

  15. ሩስያን ዩክረይንን ንበዓል ፋሲካ ኦርቶዶክስ ተዅሲ ደው ንምባል ተሰማሚዐን

  16. ኣድማስ ዘልኣለማዊ ድዩ፡ ብኸመይከ ክጠፍእ ይኽእል?

  17. ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ምስ ሊባኖስ ቀጥታዊ ዝርርብ ክጅመር ንካቢነ ሚኒስተራቱ ከምዝሓበሮም ኣፍሊጡ

    ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ንካቢነ ሚኒስተራቱ ብቅልጡፍ ምስ ሊባኖስ ብቀጥታ ዝርርብ ክጅምሩ ከምዝሓበሮም ገሊጹ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኤክስ ብቋንቋ ሂብሩ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፡ ካብ ሊባኖስ ብተደጋጋሚ ንዛተ ዝብል ጻውዒት ምስ ቀረበሉ፡ ትማሊ ንካቢነ ሚኒስተራቱ ቀጥታዊ ዘተ ክጅምሩ ከምዝሓበሮም ኣፍሊጡ።

    ብተወሳኺ እቲ ምስ ሊባኖስ ዝግበር ዘተ “ንሕዝቦላህ ዕጥቑ ኣፍቲሕካ፡ ኣብ ሞንጎ ሊባኖስን እስራኤልን ሰለማዊ ርክባት ንምምስራት” ዝዓለመ ከምዝዀነ ኣብሪሁ።

    ፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሴፍ ኣውን’ውን ቅድሚ ቤንጃሚን ነታንያሁ ከምዚ ምባሉ፡ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ እንኮ ፍታሕ፡ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ቀጥታዊ ዘተ ብምክያድ “ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ” ምግባር’ዩ ኢሉ።

  18. “ሊባኖስ ኣብቲ ዝግበር ዘሎ ዘተ ቦታ ክግልዋ ኣለዎ” ሊባኖሳዊት ምኒስተር

    ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሊባኖስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ሊባኖስ ብዛዕባ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ንክትዛተ “ኣብቲ መኣዲ ዘተ” ቦታ ክህልዋ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጻ።

    ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሊባኖስ ሓኒን ሰይድ፡ "ሊባኖስ ብመንጽር ቶኵሲ ደው ምባል እትውቲ” ምዃና ብምግላጽ፡ መንግስቲ ሊባኖስ "እንታይ ዓይነት ስምምዕ ሰላምን ቶኵሲ ደው ምባልን ከምዘድሊ ክትዘራረብ" ኣገዳሲ ምዃኑን ንቢቢሲ ገሊጻ።

    ንሳ፡ ነቲ ትማሊ ረቡዕ እስራኤል ኣብ ቤይሩት ዘካየደቶ "ከቢድ ጥሕሰት" ኢላ ዝገለጸቶ መጥቃዕቲ ዝምለከት ጥርዓን ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክለኣኽ ምዃኑ ሓቢራ።

  19. ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ኢራን ከመይ ይርአ፡ ዝስዕብከ እንታይ ክኸውን እዩ?

    ቅድሚ ሓደ መዓልቲ፡ እቶም ንቴህራን ዝመርሑ ኣኽረርቲ ኣባላት እላማዊ ሪፖብሊክ ኣብቲ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎ መስቀላዊ መንገዲ ዓቢይ ጽሑፍ ሰቒሎም ነይሮም።

    እቲ ጽሑፍ፡ "መጻብቦ ሆርሙዝ ዕጽው ኰይኑ ክቕጽል እዩ፡" ይብል።

    እዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መራሒ ኰይኑ ዝተመዘዘ ግና ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ካብ ዘይተራእየ ዘሎ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ኻመኒ ዝወጽአ ኣዋጅ ምዃኑ ንምምልካት ዝዓለመ እዩ።

    እዚ ጽሑፍ፡ ኢራን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ምቍራስ ተዅስ ድሕሪ ምስምማዓን መንጎኛ ኰይና ክትሽምግል ዝጸንሐት ፓኪስታን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ክኽፈት ብዝሓተተቶ መሰረትን ክወርድ ይኽእል እዩ።

    ኢራን ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዘይትሰማማዕን ብኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊኣ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቐዋምነት ከብቅዕ ከም እትደልን ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።

    እቶም ተሪር መርገጺ ዘለዎም ወገናት፡ በዚ ሓድሽ ስምምዕ ሕጕሳት ኣይኰኑን። ካብ ቴህራን ዝወጽኡ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ ድሕሪ ኣዋጅ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ሰልፈኛታት ባንዴራታት ኣመሪካን እስራኤልን ብሓዊ ከም ዘቃጸሉ ይሕብሩ።

    ጕጅለ ወለንተኛታት ምልሻታት ባሲጅ ነቲ ውሳነ ንምቅዋም ፍርቂ ለይቲ ናብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብምኻድ ሰልፊ ኣካይዶም።

    ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ካይሃን፡ ንምቝራጽ ተዅሲ ምስምማዕ "ንጸላኢ ህያብ" ምዃኑ ጽሒፉ። እዚ ድማ ንኣመሪካን እስራኤልን ዳግማይ ክወዳደባን ኲናት ከቐጽላን ከም ዘኽእለን ገሊጹ።

  20. ኢራን፡ እስራኤል ንነብርቲ ሊባኖስ ክወጽኡ ምዝዛዛ ንስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ትጥሕሶ ኣላ ኢላ

    • ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፐዘሽክያ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ደብዳብ ብምፍጻማ ንስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ትጥሕሶ ኣላ ብምባል ከሲሱ
    • እስራኤል ትማሊ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ከቢድ ደብዳብ ድሕሪ ምፍጻም ሎሚ’ውን ንነበርቲ ደቡብ በይሩት ካብ ገዛኦም ክወጽኡ ድሕሪ ምሕባራ’ዩ ፕረዚደንት ኢራን ነዚ መግለጺ ሂቡ።
    • ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ እስራኤል ትማሊ ብዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ 203 ከምዝሞቱን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ከምዝቖሰሉን ኣፍሊጡ።
    • ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ ነቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሕዝቦላህ ኣብ ዝዀነ እዋን ከጥቕዖም ምዃኑ ፈኪሩ
    • ኣዲ እንግሊዝ ትርከበን ሃገራት ኣውሮጳ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ትፍጽሞ ዘላ መጥቓዕቲ ደው ከተብሎ ጸዊዐን፡ እዘን ሃገራት እቲ ምቁራጽ ቶኵሲ እንከላይ ኣብ ሊባኖስ ተግባራዊ ክኸውን ኣለዎ’የን ዝብላ ዘለዋ።
    • ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ቀዳማይ ምኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ኬር ስታርመር፡ ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ከም በጃ ክትሕዞ የብላን ኢሉ