‘ትራምፕ ዓበይቲ ገበናት ኲናት ንምፍጻም የፈራርሕ ኣሎ’ — ናይ ቀደም ሓላፊ ሂዩማን ራይትስ ዎች
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ኢራን ስምምዕ እንተ ዘይተበጺሑ፡ ዳግማይ ኣብ ልዕሊ መደበራት ኤለክትሪክን ድልድላትን እታ ሃገር መጥቃዕቲ ክፍጽም ምዃኑ ኣፈራሪሑ ኣሎ።
ናይ ቀደም ሓላፊ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኬነት ሮዝ፡ እዚ ተግባር’ዚ ምስ ገበን ኲናት ዝቝጸር ምዃኑ ይገልጽ።
ሮዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ትራምፕ ዓበይቲ ገበናት ኲናት ንምፍጻም የፈራርሕ ኣሎ፡" ኢሉ።
ቀጺሉ፡ “ንሱ [ትራምፕ] ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግታት ኣይክተልን እየ ይብል ይኸውን፤ እንተዀነ መንግስቲ ኣመሪካን ኵላ ዓለምን ነዚ ሕጊ እዚ ከም ዝስዕቡ እዮም ዝገልጹ። እዚ ሕጊ ድማ ከም መደበራት ኤለክትሪክን ድልድላትን ዝኣመሰሉ ሰላማውያን ዜጋታት ዝጥቀሙሎም ትካላት ዒላማ ምግባር ይኽልክል እዩ።”
ሮዝ ከም ዝገለጾ፡ ትራምፕ እዞም መደበራት ኤለክትሪክን ድልድላትን ወተሃደራት’ውን ስለ ዝጥቀሙሎም፡ "ተውለኣዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት" (dual-use objects) እዮም ብምባል ክከራኸር ይኽእል እዩ፡ "እዚ ግን መወዳእታ ናይቲ ዛንታ ኣይኰነን፡" ኢሉ።
"ሰብኣዊ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት ዝወርድ ጉድኣት ካብቲ ዝድለ ወተሃደራዊ ረብሓ ኣዝዩ ዝዓበየ ምስ ዝኸውን፡ ዋላ ወተሃደራዊ ዒላማ እኳ እንተዀነ መጥቃዕቲ ከይፍጸመሉ ይእዝዝ እዩ፡" ክብል ገሊጹ።
ኣብ ሕቡራትሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ማይክ ዋልትዝ ብወገኑ፡ እዚ ተግባር’ዚ ገበን ኲናት ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ፡ "ጌጋን፡ ስኑዕን መስሓቕን" ምዃኑ ገሊጹ። እቶም ትካላት "ሕጋዊ ወተሃደራዊ ዒላማታት" ምዃኖም ኣስሚርሉ ኣሎ።