ብዝተዓጽወ መጻብቦ ሆርሙዝ ክትሓልፍ ዝኸኣለት መርከብ ሩስያ
ሓንቲ ብሩስያዊ ቢልየነር እትውነን ዓባይ ጃልባ (ያት) በቲ ኣመሪካን ኢራንን ዓጽየንኦ ዘለዋ መጻብቦ ሆርሙዝ ክትሓልፍ ከምዝኸኣለት ተፈሊጡ።
እታ 142 ሜትሮ ቁመት ዘለዋ 'ኖርድ' ተባሂላ ትጽዋዕ ጃልባ ምስቲ መሓዛ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝኾነ ኣለክሰይ ሞርዳሾቭ ዝተባህለ ሃብታም ምትእስሳር ከምዘለዋ ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ዖማን ከምዝኣተወት'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ላዕለዋይ ልኡኽ ኢራን ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ዝርከቦም ሰበስልጣን ሩስያ ተዘራሪቡ ምንባሩ ይዝከር።
ዋላ'ኳ እቲ ቢልየነር ብቐጥታ ዝውንና እንተዘይኮነት፡ ኣብ ትሕቲ ብዓልቲቤቱ ትውንኖ ትካል ዝተመዝገበት እያ። እታ 500 ሚልዮን ዶላር እትግመትን ሓያሎ ደርብታት ዘለዋን ክብርቲ ጃልባ ብዓርቢ ካብ ዱባይ ተበጊሳ'ያ ናብ ርእሰከተማ ሙስካት ኣትያ።
ምዕጻው ናይቲ ማሕንቖ ንግዲ ነዳዲን ካልእ ቀመማዊ ቀረባትን ዝኾነ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ቅልውላው ፈጢሩ ይርከብ።