ህሩድ፡ 'ተኣምራታዊ' መድሓኒት ወይስ ተራ ቀመም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንኣሽሓት ዓመታት ከም 'ተኣምራታዊ' መድሓኒት ክውደስ ዝጸንሐ ህሩድ፡ ኣብዚ እዋን ሓያል ስነ-ፍልጠታዊ ክትዕ ፈጢሩ ይርከብ። ብሓቂ ንጥዕናና ይፍውስ ድዩ ወይስ ንስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕታት ዘተዓሻሹ ግጉይ ምልክታት ጥራይ እዩ ዘርኢ ዘሎ?
ህሩድ፡ ኣብ ምድላው ዝተፈላለዩ ባህላዊ መግብታት ዓለምና - ካብ ህንዳዊ 'ካሪ' ክሳብ ሱዳናዊ 'ቢርያኒ፣ ካብ ቤንጋላዊ 'ማቸር ጆል' ክሳብ ኤርትራዊ ቀመም ኣልጫ' - ዘይሰኣን ኣገዳሲ ቀመም እዩ።
እዚ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብሰፊሑ ዝፍለጥ ቀመም፡ ካብቲ ንመግቢ ዝህቦ መቐረት ወጻኢ፡ ብሓቂ ኣብ ጥዕናና ተኣምራት ክሰርሕ ይኽእል ድዩ?
ብዛዕባ ደቡብ እስያዊ መግቢ እትመራምር ራጊኒ ካሽያፕ፡ "ብዘይ ህሩድ ዝስራሕ መግቢ ክሓስብ ኣይክእልን እየ፡" ትብል።
ህሩድ ልዕሊ 30 ዝዀኑ ዓሌታት ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣብ እስያ፡ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣመሪካን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ምስፍሕፋሕ ደቡብ እስያውያን ክሳብ ደሴታት ፓሲፊክን ካሪብያንን ዝበጽሐ ዓለማዊ ፍርያት እዩ።
ካብ ጥንታዊ እምነት ናብ ዘመናዊ ዕዳጋ
ህሩድ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ቅድሚ 2,500 ዓመታት ኣትሒዙ ይጥቀስ ከም ዝነበረ ካሽያፕ ትገልጽ።
ብፍላይ ኣብ ደቡብ እስያ፡ እዚ ቀመም ጸረ-ባክተርያ ዝዀነን ሕበጥ ዘህድእን ባህርያት ከም ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ኣሎ።
"ክሓምም ከለኹ ቀዳማይ ዝመጽኣኒ ሓሳብ ህሩድ እዩ፤ ንሱ ንዓይ መግቢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መድሓኒትን ምስ ዓደይ ዘተኣሳስር ዝኽሪ ዝፈጥረለይን እዩ፡" ትብል።
ኣብ ህንዲ፡ ቅድሚ መርዓ ኣብ ዝግበር 'ሃልዲ' ዝተባህለ ስነ-ስርዓት፡ ቆርበት ንምጽባቕ ህሩድ ከም ዝልከዩ ይፍለጥ።
ሕጂ ግን እዚ ጥንታዊ እምነት ናብ ሃገራት ምዕራብ ብምስፍሕፋሑ፡ ናይ ህሩድ መሸጣ ብናህሪ ይውስኽ ኣሎ።
ብፍላይ እቲ ኣብ ህሩድ ዝርከብ 'ከርኩሚን' ዝተባህለ ባእታ፡ ንጥዕና ኣዕጽምትን መላግቦታትን ከምኡ'ውን ስርዓተ-ምክልኻል ጥዕና ንምዕባይ ከም ዝሕግዝ ተገይሩ ብሰፊሑ ይፋለጥ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓቅታት ወይስ ግምታት?
ገለ ምሁራት ግን ኣብቲ ዝቐርብ መግለጺታት ጥርጣረ ኣለዎም።
ዶክተር ከሚስት ካትሪን ኔልሰን - ካብ ኣመሪካ፡ ልዕሊ 100 መጽናዕታዊ ጽሑፋት ብምምርማር፡ እቲ ዝቐርብ መግለጺታት ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ክኸውን ከም ዝኽእል ትገልጽ።
እዛ ዶክተር ከም እትሕብሮ፡ ህሩድ ብሰንኪ ዘለዎ ከሚካላዊ ቅርጺ ንመጽናዕቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። እዚ ባእታ'ዚ ኣብ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት ውጽኢታዊ ከም ዝዀነ ዘተዓሻሹ ግጉይ ምልክታት ስለ ዘርኢ፡ ብዙሓት ሰባት ብረብሓኡ ክታለሉ ይኽእሉ እዮም።
ብተወሳኺ፡ ህሩድ ብቐሊሉ ናብ ዋሕዚ ደም ስለ ዘይኣቱ፡ ብኸኒና መልክዕ ክውሰድ ከሎ ዘለዎ ረብሓ ትሑት እዩ።
ዶክተር ኔልሰን፡ "ካብ ህሩድ ጠቓሚ መድሓኒት ንምስራሕ ዝተሓሰበ ከሚካላዊ ቅርጺ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ውጽኢታዊ ዘይኰኑ እዩ፡" ትብል።
ዝፈሸሉ ፈተነታትን ተስፋታትን
ንዓሰርተታት ዓመታት ብዙሓት መጽናዕታት እኳ እንተ ተገብሩ፡ ውጽኢቶም ግን ንሓድሕዱ ዝጋጮ እዩ።
ኣብ ካናዳ ዝርከብ ዶክተር ኣሚት ጋርግ፡ ምስ ብጾቱ ኰይኑ ክልተ ዓበይቲ መጽናዕታት ኣካይዱ ነይሩ።
እቲ ቀዳማይ መጽናዕቲ፡ 'ከርኩሚን' ኣብ ልዕሊ 600 ሕሙማት ብምፍታን፡ ነቲ ኣብ ኰላሊት ዘጋጥም ሕበጥ ክከላኸል ይኽእል ድዩ ንምፍላጥ ዝተገብረ እዩ። ይዅን እምበር፡ ዝዀነ ረብሓ ከም ዘይተራእየ ሓቢሩ።
"ውጽኢቱ ዘሕዝን እዩ ነይሩ፤ ንሕና ክሰርሕ ተስፋ ገይርና ኢና ጀሚርናዮ፡" ዝበለ ዶክተር ጋርግ፡ ሓደ ባእታ ካብ ኦርጋኒክ ፍርያት ተፈልዩ ከም መድሓኒት ክውሰድ ከሎን ከምቲ ኣብ መግቢ ዝዝውተረሉ ኣገባብ ክትጥቀመሉ ከለኻን ዘሎ ፍልልይ ዓቢ ምዃኑ የረድእ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከም መመላእታ መግቢ ፋይዳ ኣለዎ ድዩ?
ዶክተር ጋርግ ከም ዝገልጾ፡ መመላእታ መግቢ (supplements) ከም ፋርማስያዊ መድሓኒታት ጥቡቕ ቍጽጽር ስለ ዘይግበረሎም፡ ሓቀኛ ረብሓኦም ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ እዩ።
"ሓደ ነገር ፍሉይ ረብሓ ኣለዎ ክንብል ከለና፡ ኣብ ልዑል ብቕዓት ዘለዎ ስነ-ፍልጠታዊ መረዳእታ ክምርኰስ ኣለዎ፡" ብምባል፡ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ሕጽረት ጭብጥታት የቃልሕ።
ብሓፈሻዊ ገምጋም ሰብ-ሞያ፡ ህሩድ ከም ኣካል መኣዲ ንመቐረትን ባህላዊ ልምድን ምጥቃሙ ዝድገፍ እኳ እንተዀነ፡ ከም ክቡር መመላእታ መግቢ (supplements) ክውሰድ ከሎ ግን ንርኡይ ጥዕናዊ ረብሓኡ ዘረጋግጽ እኹል ስነ-ፍልጠታዊ መረዳእታ የሎን።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



