ጫማ ተለቂሑ ገና ዘይተሰብረ ክብረ-ወሰን ዋንጫ ዓለም ዘጽሓፈ ኣጥቃዓይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም፡ ጁስት ፎንተይን ኣብ ሓደ ውድድር ጥራይ 13 ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝሓዞ ክብረ-ወሰን ዛጊት መወዳድርቲ ኣይረኸበን።
እቲ ዝያዳ ዘገርም ግን፡ ፎንተይን ነዚ ዓቢ ዓወት እዚ ዘመዝገበ ናቱ ጫማ ከይተጠቐመን ብመሰረት ትልሚ ፈረንሳ ድማ ቀዳማይ ተመራጺ ተጻዋታይ ከይነበረን እዩ።
ድሕሪኡ ኣብ 1970 ገርድ ሙለር 10 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ዝተጸግዖ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ጥቓኡ ዝቐረበ የሎን።
ኣብዚ ዝሓለፈ ዋንጫ ዓለም 2026፡ ከም ሊዮነል መሲ፡ ኪልያን ምባፐ፡ ኤርሊን ሃላንድን ሃሪ ኬይንን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣጥቃዕቲ "ወርቃዊ ጫማ" ንምዕታር ኣብ ከቢድ ቃልሲ ከካይዱ ተራእዮም እዮም።
እዚ ናይ 2026 ውድድር 48 ሃገራት ዝሳተፈ ብምንባሩ፡ ተጻወትቲ ተወሳኺ ጸወታታት ናይ ምርካብ ዕድል ረኺቦም ነቲ ናይ ፎንተይን ክብረ-ወሰን ንምስባር ክሕግዞም ተኽእሎ ከም ዘሎ ተገሚቱ ነይሩ እዩ።
እንተዀነ፡ ፎንተይን ነቲ 13 ሸቶታት ኣብ ሽዱሽተ ጸወታታት ጥራይ ምምዝጋቡ፡ ነቲ ክብረ-ወሰን ክሳዕ ሕጂ ርሑቕን "ዘይስበርን" ከም ዝኸውን ገይርዎ እዩ።
ዝገጠሞ ዕድልን ዝተለቅሖ ጫማን
ፎንተይን ብ1958 ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ቀዳማይ ተመራጺ ኣጥቃዓይ ክኸውን ትጽቢት ኣይነበረን። እንተዀነ፡ እቲ ቀዳማይ ኣጥቃዓይ ዝነበረ ረነ ብሊያርድ ቅድሚ እቲ ውድድር ብዘጋጠሞ መጕዳእቲ ካብታ ጋንታ ሃገራዊት ጋንታ ተሰናቢቱ።
ብተወሳኺ፡ ፎንተይን ኣቐዲሙ መብጣሕቲ ብርኪ ገይሩ ስለ ዝነበረ ንውድድር ክበቅዕ እዩ ኢሉ ዝተጸበዮ ኣይነበረን፤ ግናኸ ካልኦት ተጻወትቲ ዝደኸምሉ እዋን ስለ ዝነበረ ፍሽኽ ኢሉ ንኽኣቱ ሓጊዝዎ እዩ።
ፎንተይን ብሃንደበት ኣብቲ ጋንታ ምስ ተጸምበረ፡ ምስ እግሩ ዝሰማማዕ መጻወቲ ጫማ ስለ ዘይነበሮ፡ ካብ ስቴፋን ብሩዊ ዝተባህለ ተጻዋታይ ብምልቃሕ እዩ ተጻዊቱ።
ኣብቲ እዋን እቲ "ወርቃዊ ጫማ" ዝበሃል ሽልማት ስለ ዘይነበረ፡ ሓንቲ ሽወደናዊት ጋዜጣ "ንፉዕ ተኳሲ" ብምባል ናይ ኣየር ብረት ሸሊማቶ ነይራ።
ድሕሪ ሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ብ2014 እዩ ፊፋ ነቲ ታሪኻዊ ዓወቱ ብምልላይ ፍሉይ ናይ ፕላቲነም ጫማ ዝሸለሞ።
ጁስት ፎንተይን ብ1933 ኣብ ማራከሽ (ሞሮኮ) እዩ ተወሊዱ። ሽዑ ሞሮኮ ኣብ ትሕቲ ፈረንሳ ስለ ዝነበረት፡ ንፈረንሳ ወኪሉ ክጻወት ክኢሉ፤ ሎሚ እንተ ዝኸውን ግና ንሞሮኮ ምወከለ ይኸውን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስ ረይሞንድ ኮፓ ዝነበረ ምውሃሃድን ናይ 1958 ውድድርን
ፎንተይን ኣብቲ ናይ ፈረንሳ ሃገራዊ ጋንታ ምስቲ ድሕሪኡ ወርቃዊ ኩዕሶ (Ballon d'Or) ዝተሸለመ ረይሞንድ ኮፓ ሓደ ክፍሊ ይሕዝ ነይሩ።
እዞም ክልተ ተጻወትቲ ብዛዕባ ጸወታ ዝነበሮም ሓባራዊ ኣረዳድኣ፡ ንፈረንሳ ኣብቲ ውድድር 23 ሸቶታት ንኸተመዝግብ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ገይሩ እዩ።
ፎንተይን ኣብ ኵሉ ጸወታታት ሸቶ ኣመዝጊቡ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ጸወታ ኣብ ልዕሊ ፓራጓይ ሃት-ትሪክ፡ ኣብቲ ፈረንሳ ብብራዚል 5 ብ 2 ዝተረትዓትሉ ፍርቂ ፍጻመ እውን እንተዀነ ኣብ ልዕሊ እታ ብወዲ 17 ዓመት ፔለ እትመርሕ ዝነበረት ብራዚል ሸቶ ኣመዝጊቡ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ምዕራብ ጀርመን ኣርባዕተ ሸቶታት ብምቍጻር ንሓላው ልዳት እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣሸጊርዎ እዩ።
እቲ ዘገርም፡ ፎንተይን ብዛዕባ ክብረ-ወሰን ፈጺሙ ይሓስብ ከም ዘይነበረን ኣብ ጸወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ፍጹም ቅላዕ ንምህራም ፍቓደኛ ከም ዘይነበረን ይፍለጥ።
ቅዲ ኣጸዋውታኡን ሃንደበታዊ ስንብትን
ጋዜጣ 'ለኪፕ' ንፎንተይን፡ ቅልጡፍ፡ ተባዕን ተቓላሳይን ብምባል ብእንግሊዛዊ ቅዲ መጥቃዕቲ ዝጻወት ምሉእ ተጻዋታይ ከም ዝዀነ ገሊጻቶ ነይራ።
ፎንተይን ኣብቲ እዋን እቲ ዘጋጥሞ ዝነበረ ሕማቕ ናይ መሬት ኵነታትን ከበድቲ ናይ ቆርበት ኳዓሳሱን ተሓዋዊሱ፡ ንሓለውቲ ልዳት መጻወቲ ገይርዎም እዩ።
እንተዀነ፡ እዚ ብሉጽ ኣጥቃዓይ ብሰንኪ መጕዳእቲ ብመስበርቲ እግሪ ኣብ 28 ዓመቱ ካብ ኩዕሶ ክሰናበት ተገዲዱ።
ንፈረንሳ ኣብ 21 ጸወታታት ጥራይ ተሰሊፉ 30 ሸቶታት ኣመዝጊቡ እዩ። ድሕሪ ምስንባቱ'ውን ኣብ ምምስራት ማሕበር ተጻወትቲ ፈረንሳን ኣብ ስራሕ ኣሰልጣንነትን (ንፈረንሳ፡ ፒኤስጂን ሞሮኮን) ዓቢ ኣሰር ገዲፉ።
ፎንተይን ብ1 መጋቢት 2023 ኣብ 89 ዓመቱ ዓሪፉ።
"ድሕሪ 200 ዓመት እውን እንተ መጻእኩ ክብረ-ወሰነይ ኣይስበርን እዩ፡" እናበለ ዘላግጽ ዝነበረ ፎንተይን፡ ክብረ-ወሰኑ "ዘይስበር" ተባሂሉ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ታሪኽ ስፖርት ከም ሓደ ጅግና ይጥቀስ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



