ኣዲስ ኣበባ 'ናይ ፈደራል ዶ ትኹን ወይስ ናይ ኦሮምያ' ንመስርሕ ሃገራዊ ምኽኽር ዝበድሀ ዛዕባ

አዲስ አበባ
Published
ንባብ: 8 ደቓይቕ

ጉዳይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ምምኽኻር ኢትዮጵያ ቀንዲ መዛረቢ ኣጀንዳ ኰይኑ ኣሎ።

"ኣብ ትሕቲ እቲ ንምምኽኻር ዝቐረበ ሸሞንተ ቀንዲ ኣጀንዳታት 'ፈደራላውያን ከተማታት' ዝሰፈረ ጕዳይ ኣዲስ ኣበባ፡ ነቲ መስርሕ ዘጓተተ ቀንዲ ዛዕባ ኰይኑ" ይብል፡ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ኣጀንዳ ዝተሳተፉ ተመካኸርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።

ኣብቲ ክሳብ 250 ጕጅለታት ዝተሳተፉሉ ምኽሪ፡ ካብ ኵሎም ኣጀንዳታት ዝያዳ ደንጕዩ ብልዑል ፍልልይ ዝተዛዘመ እዚ ጕዳይ ኣዲስ ኣበባ ምዃኑ እዩ እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ - ስሙ ክዕቀብ ዝሓተተ - ተሳታፋይ ዝገልጽ።

እዚ ተሳታፋይ፡ እቲ ዘተ ንጸገማት ኢትዮጵያ መፍትሒን ኣበርክቶን ከምጽእ ይኽእል እዩ ብዝብል ተስፋ እዩ ክሳተፍ ወሲኑ።

ብዘይካ'ቲ ባዕሉ ዝሳተፈሉ ናይ ከተማታት ኣጀንዳ፡ ኣብ ካልኦት ኣጀንዳታት እውን ብጽቡቕ ከም ዝተኸታተለ ይገልጽ።

ሰለስተ ኣጀንዳታት ልዑል ኣቓልቦ ዝሰሓቡን ብዙሕ ኣካታዕትን እኳ እንተ ነበሩ፡ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ ግን "ፍሉይ እዩ" ይብል።

ከም ቀንዲ ኣጀንዳ ምምኽኻር መጠን፡ ኣዲስ ኣበባ ንብዙሓት ዝሰሓበት እያ ነይራ፤ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜናን መግለጺታት ፖለቲካዊ ሰልፍታት እውን እያ።

"ቀንዲ ኣጀንዳ ናይቲ ሃገራዊ ምምኽኻር ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ኰይኑ ኣሎ፤ ሕጂ ሸውዓተ ኣጀንዳታት ምህላዎም እውን ዝተረስዐ ይመስለኒ" ይብል እቲ ውልቀሰብ ነቲ ኵነታት ንቢቢሲ ክገልጽ ከሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ከምቲ ዝብሎ፡ ንኣዲስ ኣበባ ቀንዲ ማእከል ናይቲ ምምኽኻር ዝገበራ ኣካታዒ ጉዳይ፡ "ካብ ላዕሊ ዝመጸ እዩ" ብዝብል ምኽንያት "ኣዲስ ኣበባ ርእሰ-ከተማ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ምዃና ኣፍልጦ ዝህብ" ሓሳብ ኣብቲ ናብ 500 ጕጅለታት ዝለኣኽ ቃለ-ጉባኤ ክሰፍር ምግባሩ እዩ።

እዚ ሓሳብ'ዚ ኣብቲ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ዝነበረ ምምኽኻር ከም ኣጀንዳ ዘይነበረን ዘይተዘተየሉን ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብ መጀመርታ ኣብ ዝነበረ 10ን 50ን ጕጅለታት ዘተ፡ 'ኣዲስ ኣበባ ናይ መን ትዅን' ኣብ ዝብል ጉዳይ "ናይ ፈደራል ዶ ትኹን ወይስ ናይ ኦሮምያ" ዝብል ኣማራጺ ሓሳብ ጐሊሑ ወጺኡ ነይሩ እዩ።

'ናይ ፈደራል ትኹን' ዝብሉ ተሳተፍቲ ቍጽሮም ምስ ዛየደ፡ ኣብ ኣጀንዳ ዝተፈላለየ ሓሳባት ዝደገፉ ተዛተይቲ ቍጽሮም ጠቒስካ ምጽሓፍ "ንበይኑ ምርጫ ናይቲ ሓሳብ ከርኢ ስለ ዘይክእል ኣብቲ ሓሳብ ከይነተኵር ይገብረና ኣሎ" ዝብል ተቓውሞ ስለ ዝቐረበ ቍጽሪ ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ከም ዝተገብረ ተዛሪቡ።

"መብዛሕትኦምን ገሊኦምን" ኢልካ ምጥቃስ ከም ኣማራጺ ቀሪቡ እኳ እንተነበረ፡ እዚ'ውን ብቍጽሪ ካብ ምጥቃስ ዝተፈልየ ኣይኰነን ዝብል ተቓውሞ ስለ ዝተላዕለሉ "ኣማራጺ ሓደ፡ ኣማራጺ ኽልተ" እናተባህለ ከም ዝጥቀስ ተገይሩ።

ይዅን እምበር፡ ክሳብ ብ50 ዝተጠርነፈ ጕጅለ፡ ጕሉሕ ፍልልይ ከይተፈጥረ "ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ተሰማሚዕና ነይርና ኢና" ይብል።

እታ ከተማ "ርእሳ ዝኸኣለት፡ ተጸዋዕነታ ንፈደራል፡ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ውክልና ዘለዋ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ፖሊስን ቤት-ፍርድን እተቕውም፡ ብነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ብዝተመርጸ ኣመሓዳሪ እትመሓደር፡ መናሃርያ ከተማ ፈደራል ትኹን" ኣብ ዝብል መብዛሕትኡ ስምምዕ ተበጺሑ ከም ዝነበረ ኣልዒሉ።

ኣካታዒ ጉዳይ ዝተፈጥረ፡ እዚ ቃለ-ጉባኤ ክዳሎ ኸሎ "ካብ ላዕለዋይ ኣካል ዝመጸ ሓድሽ ሓሳብ ኣሎ፤ ኣብቲ ቃለ-ጉባኤ ክኣቱ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ናባና መጸ። እዚ ካብ ላዕሊ ዝመጸ ዝተባህለ ሓሳብ፡ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ዘይመጸ ኰይኑ፡ ኣዲስ ኣበባ ርእሰ-ከተማ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ምዃና ኣፍልጦ ዝህብ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ኣብ ብዙሓት ተዛተይቲ ቅሬታ ፈጢሩ" ክብል የረድእ።

ንኣስታት ሓደ ሰሙን ዘካተዐ እዚ ኣጀንዳ ጥራይ ከም ዝነበረ ድማ ይጠቅስ። ብዘይ ምምኽኻር "ካብ ላዕሊ ዝመጸ እዩ" ብዝብል እቲ ሓሳብ ናብቲ መድረኽ ዝቐረበሉ ኣገባብ እውን "ዘይቅኑዕ እዩ" ክብል ይገልጽ።

ኣብቲ ኣጀንዳ መብርሂ ክህቡ ዝተመደቡ ክኢላታት እውን "ናይ ሓደ ወገን ድሌት ዘንጸባርቑ እዮም ነይሮም" ኢሉ።

ንኣብነት ኣብ ቅዋም ብዛዕባ ዝተጠቕሰ ጉዳይ 'ፍሉይ ረብሓ' መብርሂ ክህቡ ኸለዉ "ኣዲስ ኣበባን ክልል ኦሮምያን ባጀተንን ጉዳይ ምምሕዳረንን ብሓባር የዳልዋ ማለት እዩ" ኢሎም ምልዓሎም የዘኻኽር።

እዚ ኣገላልጻ ንብዙሓት ተዛተይቲ ንምቕባሉ ዘሸግር ስለ ዝዀኖም ደው ከብሉ ከም ዝተገብሩ ወሲኹ ሓቢሩ። ንኮምሽን እውን ቅሬታ ቀሪቡ፡ እቶም ክኢላታት ካብ ሽዑ ንደሓር መብርሂ ከይህቡ ከም ዝተኣገዱ ተዛሪቡ።

እዞም ኵነታት ነቲ ጉዳይ "መጠን ብዘይብሉ ኣጋፊሖምዎ፣ ን500 ጕጅለታት ከነቕርብ ካብ ዝነበረና ሰለስተ - ኣርባዕተ መዓልታት ክንድንጕ ገይሩና" ክብል ገሊጹ።

ብተወሳኺ "ነዚ [መድረኽ ምምኽኻር] ዝመርሕ ዝነበረ ሓደ ኣቦ-መንበር፡ እቲ ጉዳይ ብውጥረት ዝተመልአ ብምዃኑ ሕማም ሽኮሩ ደዪቡ፣ ንኽልተ መዓልታት ሆስፒታል ኣትዩ ነይሩ" ይብል ነቲ ዝነበረ ኵነታት ከረድእ ከሎ።

ካብቶም ኣካታዕቲ ዝነበሩ ጉዳያት፡ ጉዳይ ዋንነት ናይታ ከተማ፡ ብደረጃ ውልቀሰብ ካብ ዝለዓሉ ሓሳባት ሓሊፉ "ብሰልፊ ብልጽግና እውን ከም ኣጀንዳ ዝተታሕዘ ብዘይምዃኑ" ካብ 50 ጕጅለ ሓሊፉ ብዙሕ ክርክር ዝተገብረሉ ከም ዘይኰነ ገሊጹ። ይዅን እምበር ካብ 250 ጕጅለ ጀሚሩ ዘካተዐ ጕዳይ ርእሰ-ከተማነት ኣዲስ ኣበባ ግን ንኣባላት ሰልፊ ብልጽግና ከይተረፈ ንኽልተ መቒሉዎም ከም ዝነበረ ኣብሪሁ።

ካልእ ኣብቲ መስርሕ ዝተላዕለ ጉዳይ፡ ገለ ሰበስልጣን ንኣዛተይቲ ብኣካልን ብተሌፎንን እናረኸቡ "ጸቕጢ ናይ ምፍጣርን ኢድ ናይ ምትእትታው ሃቐነ ነይሩዎም" ዝብል እዩ።

ነዚ ብኣብነት ክገልጾ ኸሎ "እቲ ዘተ እናተዛዘመ ምስ መጸ፡ ድሌትና ኣይተማልአ ኢሎም ዝሓስቡ ኣካላት፡ ብቐንዱ ብልጽግና፡ ካብ መርገጺኡ ምንድልሃጽን ዝኣተዎ ቃል ናይ ዘይምሕላውን ኵነታት ተራእዩ እዩ" ኢሉ።

በዚ ምኽንያት እዚ ገለ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ዝተወሰኑ ኣጀንዳታት ተወንዚፎም ክጸንሑን መአረምታ ክውሰድን ብወግዒ ሕቶ ምቕራቦም ጠቒሱ። ካብዚኦም ድማ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን)ን ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ)ን ከም ዝርከብዎም ተዛሪቡ።

ኣብን ኣብዚ ጉዳይ ንኮምሽን ምምኽኻር ዝጸሓፎ ናይ ጥርዓን ደብዳበ ድማ ብወግዒ ተዘርጊሑ እዩ።

ተሳታፊዎች

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian National Dialogue Commission

ሰልፊታትን ካልኦት ተሳተፍትን ከ እንታይ ይብሉ?

ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጥርዓን ደብዳበ ካብ ዘልዓሎም ጉዳያት ሓደ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ ክኸውን ከሎ፡ ነቲ ጉዳይ "ወሳኒ ፈተና ናይቲ መስርሕ" ክብል ገሊጹዎ።

ኣብን ብሰሉስ 5 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. (ግ) ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ ደብዳበ፡ እቲ ኣብ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ ዝተላዕለ ዘተ "ተኣማንነት ናይቲ መደረኽ ምምኽካር ብጭቡጥ ዝፍትን ዓሚቝ ሃገራውን ቅዋማውን ጉዳይ" ኰይኑ ከም ዝረኸቦ ጠቒሱ ኣሎ።

ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ፡ መግለጺ ሓድነትን ልኡላውነትን ህዝብታት ኢትዮጵያ ምዃኑ ብሕጊ ኣፍልጦ ረኺቡ ዝጸንዓሉ ወይ ድማ "ሓድሽ ሃገራዊ ውጥረት ዝፍጠረሉ ኣጀንዳ" ክኸውን ከም ዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ ኣሎ።

"ሓደ ወገን" ክብል ዝጠቐሶ ኣካል፡ ኣብ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ "ብዝተወደበ ናይ ቍጽሪ ብልጫ ንኻልእ ኣብ ዝጭፍልቐሉ ናይ ድምጺ ውድድር ክተኣናገድ የብሉን" ክብል ኣመልኪቱ።

ስለዚ፡ ኣጀንዳ ኣዲስ ኣበባ ካብዚ ንላዕሊ ንምቕጻሉ ምፍታን፡ ነታ ሃገር ካብ ዘላቶ ጸገም ናብ ዝገደደ ውጥረት ዘእቱ ብምዃኑ፡ እቲ ዘተ ብህጹጽ ደው ክብልን "እቲ ኣጀንዳ ተወንዚፉ ክጸንሕን" ኣተሓሳሲቡ።

እናት ፓርቲ እውን እቲ ካልእ ስግኣቱ ዝገለጸ ተሳታፊ ምምኽኻር ዝነበረ ሰልፊ እዩ። እቲ ሰልፊ ረቡዕ 6 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. (ግ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሃገራዊ ምምኽኻር ትዅረት ኣብ ዝገበረሎም ጉዳያት ነቐፌታኡ ኣቕሪቡ ኣሎ።

"...ንኣዲስ ኣበባ ብሃንደፍታ ንሓደ ጕጅለ 'ሆ' ኢልካ ንምርካብን ሓድሽ ግንባር ግጭት ንፍጣርን ኣይኰነን ንምኽሪ ኮፍ ኢልና" ዝበለ እናት ፓርቲ፡ "ኣብ ብሄርን ቀቢላን ዝተሞርኰሰ ፈደራሊዝም ንምትራፍ ወይ ንምልዛብ ከም ቀንዲ ዕላማ ክትሓዝ" ከም ዝነበሮ ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት እናት ፓርቲ ዶክተር ሰይፈስላሴ ኣያሌው ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መንግስቲ ክፍጽሞም ዝደለዮም ኣጀንዳታት "ብሽፋን ምምኽኻር ከተግብሮም ይጽዕር ኣሎ" ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ተዛሪቦም።

ጸገም ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ዘድልዩ ኣጀንዳታ "ኣዝዮም ሰፋሕቲ ክኾኑ ኣይነበሮምን" ብምባል እቶም ኣጀንዳታት ምብዛሖም ገሊጹ።

ኣብ ዋንነትን ርእሰ-ከተማነትን እታ ከተማ ኣተኲሮም ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝለዓሉ ጉዳያት፡ ቀንዲ ምኽንያቶም "ዓሌታዊ ኣወዳድባ" ምዃኑ ዝገልጹ ዶክተር ሰይፈስላሴ፡ እቶም ኣጀንዳታት ጐኒ-ንጐኒ እኳ እንተ ተቐመጡ፡ ሓደ ጸገም ካብቲ ሓደ ከም ዝብገስ የረድእ።

"ጸገም ዓሌታዊ ኣወዳድባ እንተ ዝፍታሕ፡ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ ክፍታሕ ምኸኣለ ነይሩ። ሕጂ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንቀራቕሮ ኣትዩ ዘሎ ብዓሌታዊ ዓይኒ ስለ ዝረአ እዩ። ምናልባት እውን ኣዝዩ ዝለዓለ ቅልውላው ከልዕል ይኽእል እዩ" ብምባል ስግኣቱ ገሊጹ።

ኣቶ ገነነ ገደቡ ፕረዚደንት ደሞክራስያዊ ፓርቲ ህዝቢ ቁጫ (ቁሕዴፓ) ኰይኑ፡ ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ ዝተሳተፈ እዩ። ኣብ ካልኦት ኣጀንዳታት ዝነበረ ምምኽኻር ብተዛማዲ ዝሓሸ ምርድዳእ ዝነበሮ ምዃኑ ድማ ኣብሪሁ።

ኣብቲ ንሱ ዝሳተፉሉ ኣጀንዳ "ህንጸት ሃገር" ኣብ ትሕቲኡ ኣብ ዝተዳህሰሱ ጉዳያት ዝሓሸ ምርድዳእ ዘለዎ ምዃኑ የረድእ። ኣብቶም ዝቐረቡ ኣማራጺታት ዝነበረ ምምኽኻር፡ እቲ ጉዳይ ንኢትዮጵያ ሓድሽ ተመክሮ ብምዃኑ "ጽቡቕ" ክበሃል ዝኽእል ከም ዝዀነ ተዛሪቡ።

እንተዀነ ጉዳይ "ፈደራላውያን ከተማታት" "ኣካታዒ" ኰይኑ ምቕናዩ ይጠቅስ። ኣብ መንጎ ተመኻኸርቲ ዝውረ ዘሎ እውን፡ እዚ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ "ኣዝዩ ኣካታዒ" ብዛዕባ ምዃኑ እዩ።

ሰበስልጣን ክልል

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian National Dialogue Commission

መግለጺ ስእሊ, ኣመሓደርቲ ክልላትን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ኣብቲ መስርሕ ምምኽኻር ብደረጃ ተዓዛብነትን ተመኻኸርትን ተሳቲፎም እዮም።

ምላሽ ኮምሽን

"ፈደራላውያን ከተማታት" ብዝብል ዝቐረበ ርእሱ ዝኸኣለ ኣጀንዳ ዘተኰረሎም ኣብ ኣዲስ ኣባባን ድሬዳዋን እዩ። ኣብዘን ክልተ ምምሕዳር ከተማታት ዝለዓሉ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ብምህላዎም፡ "ዘላቒ ውሳነ ሓሳብ ንፈጸምቲ ኣካላት እንተ ዝቐርብ" ብዝብል ብነበርቲ እተን ከተማታትን ካልኦት ከባቢታትን ብዙሕ ሕቶ ስለ ዝቐረበ፡ ርእሱ ክኢሉ ከም ኣጀንዳ ክቐርብ ከም ዝተገብረ ኮምሽን ይገልጽ።

ዋና ኮምሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምምኽኻር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽን መብርሂን፡ ኣብቲ ምምኽኻር ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ ሰፊሕ ኣጀንዳ ዘተ ኰይና ምጽንሓ ኣረጋጊጹ።

እንተዀነ፡ ተሳተፍቲ ብደረጃ 10ን 50ን ጕጅለ "ብግቡእ" ዘተ ኣካይዶም ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቦም፡ ኣብ 250 ምስ በጽሑ "ዝተፈላለዩ ዝመስሉ ሓሳባት ቀረቡ" ብምባል እቲ ደረጃ እናዓበየ ምስ መጸ ፈተናታት ከም ዘጋጠመ ይገልጽ።

ኣዲስ ኣበባ ዋና ከተማ ፈደራል ትኹን ኣብ ዝብል ጕዳይ "ብብዝሒ ምርድዳእ ዝተበጽሐ ይመስለኒ" ድሕሪ ምባል፡ ፕሮፌሰር መስፍን፡ ይኹን እምበር "ጕዳይ ዋንነት እንታይ ይኹን? ብዛዕባ ረብሓኸ እንታይ ይኹን? ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ግና ዝተረሓሓቑ ሓሳባት ነይሮም" ክብል ኣልዒሉ።

ኣብ ደረጃ 250 ጕጅለ ዝተላዕሉ ሓሳባት ን500 ጕጅለ ዘወሃህዱ ውልቀ-ሰባት፡ "ባዕላቶም ከም ተመኻኸርቲ ኰይኖም እዮም ቀሪቦም። ባዕላቶም ሓሳብ ይህቡ፤ ባዕላቶም ዘይምርድዳእ ይፈጥሩ፤ እዚ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ይከራኸሩ" ኢሉ።

እዞም ጸገማት ዝተፈጥሩ ነቲ ቅኑዕ ኣገባብ ብዘይምርዳእን ናይ ገዛእ ርእስኻ ስምዒት ብዘይምግታእን ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ እቲ ኮምሽነር ዝዛረብ።

"ዕላማ ናይቲ መስርሕ እቶም 30 [ኣወሃሃድቲ] ክከራኸሩ ዘይኰነስ እቶም 500 ክመኻኸሩሉ እዩ" ድሕሪ ምባል፡ ፍልልይ ሓሳባት እኳ እንተሃለዉ ተመኻኺሮም ናብ ማእከል ዘምጽእዎ እቶም 500 ተሳተፍቲ ምዃኖም ኣረዲኡ።

"ንብዙሓት ዝመስሎም ኣብዚ ኣኼባ'ዚ ተወሲኑ፡ ተወዲኡሉ፡ ኣዲስ ኣበባ ንሓደ ኣካል ከም ዝወሃብ እዩ። ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን። [በቲ መስርሕ] ናይ ውሳነ ምኽረ-ሓሳብ እዩ ክወሃብ ዝኽእል፤ ንሱ እውን በቶም 500 እዩ። ድሕሪኡ ናብቲ ናይ 4,000 ጕባኤ ክቐርብ እዩ" ኢሉ።

ኣብን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ መስርሕ ዘተ ዘልዓሎም ሕቶታት ምላሽ እንተ ዘይረኺቦም ካብቲ መስርሕ ክወጽእ ከም ዝኽእል ገሊጹ እዩ። ፕሮፌሰር መስፍን ግን ነዚ ነቒፉ።

ንኮምሽን ብዛዕባ ዝቐርቡ ጉዳያት ብዝምልከት "ብዝርዝር እናገምገምና፡ ክስተኻኸል ዝኽእል እናኣስተኻኸልና ኢና ንኸይድ ዘለና" ክብል ተዛሪቡ። ካብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኰነ ካብ ካልኦት ኣካላት ቅሬታታት ክቐርቡ ኸለዉ ብምዝርራብ መፍትሒ እናተዋህበ ይቕጽል ምህላዉ ኣስሚሩሉ።

"ናብ ምምኽኻር ዝመጻእና ጉዳያት ክሳብ መወዳእታ ንምብሳል እዩ። ኣብ መወዳእታ ውሳነ ዝህቡ እቶም 500 እምበር ዝተወሰነ ኣካል ኣይኰነን" ብምባል ነቲ ዝለዓል ቅሬታታት ምላሽ ይህብ። ነቲ ናይቲ ፓርቲ ስጕምቲ "ነቲ መስርሕ ምምኽኻር ብግቡእ ብዘይምርዳእ ወይ ብዘይኣግባብ ጸቕጢ ንምፍጣር" ዝተገብረ ኰይኑ ከም ዝረኽቦ እዩ ዝገልጽ።

ፕሮፌሰር መስፍን፡ "ኣብ መንጎ ተመኻኸርቲ ሓድሓደ ግዜ ምዝላፍ እውን ኣጋጢሙና እዩ" ብምባል፡ እዚ ምስ ስነ-ምግባር መምርሒ ናይቲ ምምኽኻር ዝጋጮ እኳ እንተዀነ፡ "ነቲ ዘሎ ስምዒት ብምርዳእ፡ ዘይምርግጋእ ከይፍጠር ብዝተኻእለ መጠን ብጥበብ ኢና ክሳብ ሕጂ ሒዝናዮ መጺእና" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

ምስ ጣልቃ ምትእትታው ሰበስልጣናት ተኣሳሲሩ ንዝተላዕለ ቅሬታ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ርእሰ-ምምሕዳራትን ከንቲባታት ከተማታትን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት እናኣተዉ ክዕዘቡን ክሰምዑን ከም ዝኽእሉ ተዛሪቡ።

ምኽንያት ናይዚ ድማ፡ እቶም ሰበስልጣናት ንክልሎም፡ ገሊኦም ድማ ንፈደራል መንግስቲ ወኪሎም ዝመጹ ብምዃኖም ሓላፍነት ስለ ዘለዎም እዩ። ይዅን እምበር፡ ርእይቶ ክህቡ ዝኽእሉ ባዕላቶም ከም ተመኻኸርቲ ኣብ ዝሳተፉሉ ኣጀንዳ ጥራይ ምዃኑ እዩ ዘረድእ።

ሰበስልጣን ኣብቲ መስርሕ ጽልዋ ንምፍጣር ይጽዕሩ ኣለዉ ዝብል ክስታት ቅድሚ ሕጂ እውን ቀሪቡ፡ ነቲ ተግባር ብምንቃፍ ሰበስልጣናት ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ከይሳተፉ ፕሮፌሰር መስፍን ኣተሓሳሲቡ ነይሩ እዩ።

ጌጋ ዝፈጸሙ ክኢላታት እውን "ክእረሙ ከም ዝተገብረ" እቲ ዋና ኮምሽነር ንቢቢሲ ኣብሪሁ።

ፕሮፌሰር መስፍን፡ ኣብ ኵሎም ኣጀንዳታት ምኽረ-ሓሳብ ክወሃብ ከም ዘይክእልን፡ ተወንዚፎም ክጸንሑ ዝኽእሉ፡ ንወለዶታት እውን ክሰጋገሩ ዝኽእሉ ኣጀንዳታት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ኣሚቱ።

ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ መግለጺ እናሃበ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian National Dialogue Commission

መግለጺ ስእሊ, ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ መግለጺ እናሃበ

ርእይቶ ተሳተፍቲ

እቶም ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ምምኽኻር ብምስታፍ ነቲ መስርሕ ብሰፊሑ ከም ዝገምገምዎ ዝዛረቡ፡ ስሞም ዘይጠቐስናዮም ወሃብ-ርእይቶ፡ ብዙሓት ኣጀንዳታት ውሳነ ከይተዋህቦም "ተወንዚፎም ክሕለፉ ይኽእሉ እዮም" ኢሎም ይኣምኑ።

እቲ መስርሕ ዝምርሓሉ ኣገባብ ወሳንነት እኳ እንተለዎ፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ዘይምርድዳእን ዝተረረ ስምዒትን ነቲ ጉዳይ "ኣብ መንቀራቕሮ ዝኣተወ ኣጀንዳ" ገይሮም ክሓስብዎ ኣገዲዱዎም እዩ።

ብሰንኪ እቲ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ኣብ ደረጃ 250 ጕጅለ ኣብቲ ኣጀንዳ ከም ዘይተፈራረሙ እውን ገሊጾም።

ኣብ ጉዳይ ዋንነት እታ ከተማ፡ ንፈደራል ተጸዋዒት ዝዀነት ርእሳ ዝኸኣለት ከተማ ትዅን፡ ከምኡ'ውን ኣካል ክልል ኦሮምያን ተጸዋዕነታ ድማ ንክልል ኦሮምያ ይዅን ዝብሉ ክልተ ኣማራጺታት ቀሪቦም ኣለዉ።

ጉዳይ ርእሰ-ከተማነት ብዝምልከት ድማ፡ ማእከል ክልል ኦሮምያ ትኹንን ኣይትኹንን ዝብሉ ክልተ ኣማራጺታት ቀሪቦም ኣለዉ።

ይዅን እምበር ብግምቶም፡ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባቶም "ኣብ ዴድሎክ ወይ ዕጹው ዝበጽሑ" ጉዳያት ብዝዝቲ ጉጅለ ተራእዩ እዩ ውሳነ ክወሃቦ ዝኽእል። እቲ ጉዳይ ብግቡእ እንተ ዘይተታሒዙ፡ ምስዚ ሕጂ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላዋት ተደሚሩ ንሰላምን ሓድነት ህዝብታትን ብዝያዳ ዘናውጽ ጕድኣት ከየስዕብ ከም ዝሰግኡ እውን ገሊጾም ኣለዉ።

ኣቶ ገነነ ገደቡ እውን ብተመሳሳሊ፡ ካብዚ ክሳብ ሕጂ ዘሎ መስርሕ ብምብጋስ፡ ኣብቲ ምምኽኻር ተስፋን ስግኣትን ኣለዎ። ብዛዕባ'ቲ ምኽክር እወታዊ ኣረኣእያ እኳ እንተለዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልሙድ እዩ ዝብሎ "ኣነ ዝበልኩዎ እንተ ዘይኰይኑ" ዝብል ኣካይዳ እንተ ቐጺሉ ዝኸፍአ ነገር ሒዙ ክመጽእ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ።

ካብ ሰልፊ ብልጽግና ርእይቶ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰለጠን። እንተዀነ፡ ኣቦ መንበር እቲ ሰልፊ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ስራሕ እቲ ኮምሽን ክህሉ ዝኽእል ጣልቃ መንግስትን ሰልፊን ብዝምልከት ቅድሚ ሕጂ ዝተላዕሉ ክስታት ብተደጋጋሚ ነጺግዎ ምንባሩ ኣይርሳዕን።