ሸፋቱ ባሕሪ፡ ባንዴራ ኤርትራ ዘንበልበለት መርከብ ነዳዲ ጨውዮም

ሶማላውያን ቀርሰንቲ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ገምገም ባሕሪ የመን ዝተፈጸመ እዚ መጥቃዕቲ፡ ካብ ምያዝያ ጀሚሩ ኣብቲ ዞባ ሻድሻይ ናይ መራኽብ ጭወያ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ሶማላውያን ሸፋቱ ባሕሪ ወይ ቀርሰንቲ ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ የመን ሓንቲ ፍርያት ነዳዲ እትጽዕን መርከብ ከም ዝጨወዩ ትካል ንግዳዊ ስርሒታት ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያን ሮይተርስን ጸብጺቦም።

እዚ ፍጻመ ኣብ ወሽመጥ ዓደንን ምዕራባዊ ህንዳዊ ውቅያኖስን ዳግማይ ተላዒሉ ዘሎ ስግዓት ሸፋቱ ባሕሪ መርኣያ ምዃኑ ተገሊጹ።

እዛ ባንዴራ ኤርትራ ከም ዘንበልበለት ዝተገልጸት "M.T. Sibu 1" ዝተሰምየት መርከብ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ካብ ከተማ ኣል-ሙካላ (የመን) ንምብራቕ 136 ናውቲካል ማይል (252 ኪሎ ሜተር) ርሕቀት ኣብ ዝርከብ ባሕሪ ከላ እያ ብሽዱሽተ ዕጡቓት ሸፋቱ ተታሒዛ።

እቶም ሸፋቱ ነታ መርከብ ናብ ገምገም ባሕሪ ፑንትላንድ ይወስዱዋ ከም ዘለዉ፡ ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ብዓልመዚ ንኤሶሲየትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ብዛዕባ እታ ባንዴራ ኤርትራ እናኣንበልበለት እትጓዓዝ ዝነበረት ዝተባህለት መርከብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዛጊት ዝሃቦ ወግዓዊ ሓበሬታ ወይ መግለጺ የሎን።

እታ መርከብ ብትካል ሕቡራት ኢማራት ዓረብ (Qatrat Alnada Almasi Ship Management) እትመሓደር ኰይና፡ "እገዳ ኣመሪካ ንምውጋድ (ንምሕላፍ) ነዳዲ ኣብ ምስግጋር ንዝነጥፍ ናይ ኢራን 'ጸሊም ዕዳጋ' ኣካል እያ፡" ብዝብል ክሲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብምኒስትሪ ፋይናንስ ኣመሪካ ማዕቀብ ተነቢሩላ ዝጸንሐት እያ።

ኣብታ መርከብ 16 ህንዳውያን፡ ሓደ ሶርያዊ፡ ሓደ ሱዳናዊ፡ ከምኡ'ውን ሓደ ኢራቓዊ ዝርከቡዎም 20 ሰራሕተኛታት ኣለዉ። ናይቲ ሓደ ሰራሕተኛ ዜግነት ግን ንግዜኡ ኣይተፈልጠን።

እዚ መጥቃዕቲ፡ "Lutuf" ዝተሰምየት ካልእ መርከብ ብሸፋቱ ካብ እትጭወ ሰለስተ መዓልታት ጥራይ ጸኒሑ ዝተፈጸመ እዩ።

ካብ 21 ምያዝያ ጀሚሩ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሸፋቱ ባሕሪ ሶማል ዝተታሕዛ መራኽብ፤ "ኦኖር 25"፡ "ስዋርድ"፡ "ዩሬካ"፡ "ኣሳና" ከምኡ'ውን "ሉቱፍ" ይርከብአን።

እዞም መጥቃዕትታት ካብ ገምገም ባሕሪ ሶማል ኣዝዩ ርሕቀት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት የመን'ውን ከይተረፈ ይፍጸሙ ኣለዉ።

ኣብ ገምገም ባሕሪ ዞባ ኑጋል ሶማል፡ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ጎዶብጂራን፡ ኣብ ልዕሊ ብሸፋቱ ባሕሪ ተታሒዛ ዝነበረት መርከብ 'ሉቱፍ' ብዝተፈጸመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ትሽዓተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሰበስልጣን ፑንትላንድ ገሊጾም።

መንነት እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣካላት ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ተቐማጦ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ከም ዝገለጽዎ፡ እታ ብባንዴራ ካሜሩን እትንቀሳቐስ "ሉቱፍ" ዝተሰምየት መርከብ፡ ናብ ቱርኪ ትጓዓዝ ከም ዝነበረት ይነገር እምበር፡ ቢቢሲ ግን ነቲ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ኣይረጋገጾን።

እዛ መርከብ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ከባቢ ጋርማል ተታሒዛ ከም ዝነበረት ተፈሊጡ ኣሎ፤ ኣብቲ ቦታ'ውን ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ነይሮም።

ቀርሰንቲ ዝንቀሳቐስሉ ዘርኢ ካርታ፡ ሳማልያን ባብ ኤል መንደብን ቀይሕ ባሕርን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምስክር ዓይኒ ዝዀነ ዓብዲፈታሕ ዩሱፍ ዲርየ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ብርቱዕ ባርዕ ከም ዝሰዓበን ሸሞንተ ብኸቢድ ዝተቓጸሉ ሬሳታት ከም ዝረኣየን ገሊጹ።

ከንቲባ ጎዶብጂራ ኬይናን ዑመር ብወገኑ፡ ጸኒሑ ተወሳኺ ሓደ ሬሳ ከም ዝተረኽበን ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ትሽዓተ ከም ዝበጽሐን ኣፍሊጡ።

ምኒስትሪ ጸጥታ ፑንትላንድ እቲ ዳግማይ ተላዒሉ ዘሎ ሸፍትነት ባሕሪ "ካብ ቍጽጽር ፑንትላንድ ወጻኢ ብዝዀኑ ሓይልታት ዝተደፋፍአ እዩ፡" ክብል ከሲሱ።

ምክትል ምኒስትሪ ሓበሬታ ፑንትላንድ ቢለ ቃቦሳደ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ትሕቲ መርመራ ምህላዉ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሓበሬታታት ከም ዘመልክቶ ድማ ግዳማውያን ኣካላት ነቶም ቅድሚ ሕጂ ምስ ሸፍትነት ባሕሪ ምትእስሳር ዝነበሮም መርበባት ንምንቕቓሕ ይፍትኑ ከም ዘለዉ ጠቒሱ።

ብተወሳኺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብቱርኪ ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምታት ብናይቲ ከባቢ ሰባት ይለዓል እኳ እንተሃለወ፡ ሰበስልጣን ቱርኪ ግን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈልጥዎ ነገር ከም ዘይብሎም ንቢቢሲ ገሊጾም።

ሰበ-ስልጣን ፑንትላንድ፡ ዋናታት መራኽብ ይዅኑ ኣውሓስቲ (insurers) ምስ ሸፋቱ ባሕሪ ብቐጥታ ከይዛተዩን ናይ ገንዘብ ካሕሳ ከይከፍሉን ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

እቲ ዝኽፈል ገንዘብ ነቶም ገበናውያን መርበባት ሓይሊ ክዀኖም ከም ዝኽእልን ንተወሳኺ ሸፍትነት ከም ዘተባብዕን ድማ ገሊጾም።

ፑንትላንድ ብተወሳኺ፡ እተን ዝተጨወያ መራኽብ ኣብ ዝተታሕዛሉ ከባቢታት፡ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ገፈፍቲ ዓሳን ንብረትን ዝተፈጸመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ብምዅናን፡ እተን ኣብዚ ዝተሳተፋ ሃገራት ንመጥቃዕቲታት 18 ነሓሰን 20 ነሓሰን ዝምልከት መግለጺ ክህባ ሓቲታ ኣላ።

ሸፍትነት ባሕሪ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሶማል ኣብ መጀመርታ 2000ታት ከም ዝተጀመረ ይፍለጥ።

ኣብቲ ግዜ'ቲ ሶማላውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ንዘይሕጋውያን ገፈፍቲ ዓሳ ባዕዳውያን መራኽብን ምጕሓፍ መርዛም ርስሓትን ንምክልኻል ብዝብል ዕላማ ምንቅስሳስ ከም ዝጀመሩ ይግለጽ።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ተግባር ጸኒሑ መራኽብ ንግዲ ብጅሆ ብምሓዝ ዓቢ ካሕሳ ናብ ምሕታት ተቐይሩ።

ኣብ መንጎ 2008ን 2011ን እቲ ሸፍትነት ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ምስ በጽሐ፡ ብሰንኪ ዝተገብረ ዓላማዊ ናይ ባሕሪ ሓይልታት ምክትታል ንዓሰርተ ዓመታት ዝዘሓለ መሲሉ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ካብ መወዳእታ 2023 ጀሚሩ፡ ብሰንኪ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ዘይምርግጋእን ሓይልታት ባሕሪ ዓለም ኣቓልቦኦም ናብ ካልእ ጸጥታዊ ጉዳያት ብምቕያሮምን፡ ሸፋቱ ባሕሪ ሶማል ነቲ ሃጓፍ ተጠቒሞም ዳግማይ መጥቃዕትታቶም ኣሐይሎም ይርከቡ።

ዓለማዊ ቤትጽሕፈት ጉዳያት ባሕሪ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ ናይ 2026 ጥራይ 38 ናይ ቅርሰና ፍጻመታት ተመዝጊቡ ኣሎ።