ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ ንመስርሕ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ውጥረት ከም ዘእተዎ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian National Dialogue Commission
እቲ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ክካየድ ዝጸንሐ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ መተዓረቒ ሓሳብ ዘይተረኽበሉ "ሕመረት" እቲ ዘተ ኰይኑ ብምቕጻሉ፡ ነቲ መስርሕ ዘደናጐየ ቀንዲ ኣጀንዳ ከም ዝዀነ ተገሊጹ።
ረቡዕ 19 ነሓሰ 2026፡ ኣዳለውቲ ሰነድ ሓጺር ንድፈ-ሓሳብ ምስ ኣቕረቡ፡ ተሳተፍቲ እቲ ምኽክር "ብሓጐስ ክሳብ ምንባዕ" በጺሖም ምንባሮም ሓደ ምንጪ ንድሕሪት ተመሊሱ ይገልጽ።
ይዅን'ምበር፡ ንጽባሒቱ ሓሙስ 20 ነሓሰ 2026፡ ኵነታት ተቐይሩ እቲ መድረኽ ፍጹም ዝተፈልየ መልክዕ ከም ዝሓዘ ተፈሊጡ።
ቢቢሲ ስሞም ክግለጽ ካብ ዘይደለዩ፡ ካብ መጀመርታ እቲ መስርሕ ክሳብ ሕጂ ብንጥፈት ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ክልተ ምንጭታት ዝርዝር ሓበሬታ ረኺቡ ኣሎ።
ሓደ ካብቶም ምንጭታት፡ ኣባል ናይቲ ብዛዕባ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ንምዝታይ ዝቘመ "ናይ 500 ጕጅለ" እዩ።
ብመሰረት እቲ ምንጪ፡ ተሳተፍቲ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሐ መሲሉዎም "ተስፋ" ሰኒቘም፡ ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝስማዓሉ ጉባኤ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ነይሮም።
እንተዀነ፡ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀረበ፡ ገለ ተሳተፍቲ ኣደራሽ ገዲፎም ክሳብ ምውጻእ ዝበጽሐ ርኡይ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ተፈጢሩ።
ረቡዕ ዝነበረ መንፈስ
ምኽትል ዋና ኮምሽነር ሃገራዊ ምኽክር ሂሩት ገብረስላሰ፡ ረቡዕ 19 ነሓሰ 2026 ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ካብቶም ሸሞንተ ናይ ስራሕ ጕጅለታት ዝተዋጽኡ 120 ኣዳለውቲ ንድፈ-ሓሳብ ዕዮኦም ዛዚሞም ሓባራዊ ሰነድ ከም ዘረከቡ ብምግላጽ፡ ነቲ መስርሕ "ሓደ ዓቢ ምዕራፍ ተሳጊርና ኢና፡" ክትብል ሓቢራ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ኣደራሻት ተመቒሎም ዝነበሩ 500 ኣባላት ዝሓዙ ጕጅለታት፡ ኣብ ሸሞንተ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ዘለዎም ስምምዕን ፍልልይን ኣዳልዮም ከቕርቡ ከለዉ፡ መንፈስ እቲ ኣደራሽ ጽቡቕ ምንባሩ ተሳተፍቲ ይገልጹ።
ይዅን'ምበር፡ ብዛዕባ ርእሰ-ከተማታት ፈደራል ዝዝቲ "ሻውዓይ ጕጅለ" ውጽኢት ዘተኡ ከቕርብ ከሎ፡ ሒደት ናይ ቅሬታ ድምጽታት ይስማዕ ምንባሩ ተፈሊጡ።
"ብሓፈሻ ግን እቲ መንፈስ ናይ ሓጐስ ነይሩ። ገሊኡ ተሳታፊ ስምዒቱ ክቈጻጸር ኣጸጊምዎ ክሳብ ምንባዕ በጺሑ እዩ፡" ክብል ሓደ ተዛታዪ ገሊጹ።
ንዓመታት ብብሄር ተመቓቒላ ኣብ ግጭት ንዝጸንሐት ሃገር፡ ፍልልያት ብዘተ ንምፍታሕ ዝተጓዕዘቶ ጕዕዞ ብምርኣይ ብዙሓት ተስፋ ገይሮም ምንባሮም'ውን ወሲኹ ኣረዲኡ።

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian National Dialogue Commission
ሓሙስ ዝዝሓለ ኣደራሽ
ሓሙስ ንግሆ፡ እቶም 4,000 ተሳተፍቲ ነቲ ብኣዳለውቲ ሰነድ ዝተዳለወ ሓባራዊ ሰነድ ንምስማዕ ኣብ ኣደራሽ ተረኺቦም።
እንተዀነ፡ ሃዋሁ እቲ ኣደራሽ "ዝኸበደን ፍሉይን" ምንባሩ ምንጭታት ቢቢሲ ይሕብሩ። እቲ ኣብ ዝተሓላለኹ ኣጀንዳታት መፍትሒ ንምቕራብ ዝቘመ 230 ኣባላት ዘለዎ "ናይ ክልላት ጉባኤ"፡ ረቡዕ ምሸት ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ ከም ዝነበረ ተሰሚዑ።
እቲ ሓሙስ ንግሆ ሰዓት 10:00 ክጅምር ዝነበሮ ጉባኤ፡ ብዘይ ዝዀነ መብርሂ ክሳብ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ተደናጕዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ኣደራሽ ስግኣትን ጥርጣረን ክዓስል ገይሩ።
ኣቦ-መንበር እቲ ኮምሽን መስፍን ኣርኣያ ካብ ሃገር ወጺኡ ስለ ዝነበረ፡ ሸውዓተ ኮምሽነራት ናብ መድረኽ ወጺኦም።
ሓደ ካብኦም፡ "ኣዲስ ኣበባ ርእሰ-ከተማ ክልል ኦሮምያ ብዛዕባ ምዃን ኣብቲ ጉባኤ ስምምዕ ስለ ዘይተገብረሉ፡ ከምኡ'ውን ካብ ኦሮምያ ዝመጽኡ ተሳተፍቲ ቅሬታ ስለ ዘቕረቡ፡ እቲ ኮምሽን ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ተጸጊሙ ኣሎ፡" ብምባል፡ እቲ ጉባኤ መፍትሒ ሓሳብ ክህበሉ ሓቲቱ።
ርእይቶ ርእሰ-ምምሕዳራት ክልል
ርእይቶ ንምሃብ ቀዳምነት ዝተዋህቦም፡ ኣብ ቅድሚት ዝተቐመጡ 12 ርእሰ-ምምሕዳራት ክልላትን ክልተ ከንቲባታትን እዮም።
ካብ ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ወጻኢ፡ ነፍሲ-ወከፍ ርእሰ-ምምሕዳር፡ "ኣዲስ ኣበባ ርእሰ-ከተማ ክልል ኦሮምያ ክትከውን" ዝድግፍ ናይ ውሳነ ሓሳብ ምስ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕረበ። ድሕሪኡ ዕድል ዝረኸበ ተሳታፊ'ውን ነቲ ሓሳብ ደገፈ።
እዚ መስርሕ'ዚ፡ ካብቶም 500 ተዛተይቲ ንሰሙናት ዝገበርዎ ልሙድ ኣሰራርሓ ወጻኢ ምዃኑ ዝገለጹ ምንጭታት፡ ኣብ መንጎ ኮምሽነራት'ውን ፍልልይ ፈጢሩ እዩ።
ሓደ ካብቶም ኮምሽነራት ነቲ መስርሕ ብምቍራጽ፡ "ንሕና ዝሓተትና መፍትሒ ሓሳብን ምኽርን እምበር፡ ሓደ ወገን ጥራይ ደጊፍካ ርእይቶ ንኽትህብ ኣይኰነን፡" ክብል ከሎ፡ ካብቲ ኣደራሽ ተቓውሞ ገጠሞ።
ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዘቕረቦ ተቓውሞ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian National Dialogue Commission
ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ምክትሉን፡ ካብቶም ካልኦት መሳርሕቶም ፍጹም ዝተፈልየ መርገጺ ኣንጸባሪቖም።
እቲ ኮምሽን ናይ ሓደ ወገን ጥርዓን ጥራይ ፈልዩ ምቕራቡ ጌጋ ምዃኑን እቲ ጉዳይ ናይ ኵሎም ኢትዮጵያውያን እንከሎ ከም ናይ ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት ምስሕሓብ ገይርካ ምቕራቡ ግቡእ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
ካብ መስመር እቲ ምኽክር ወጺእካ "ብሓይሊ ንምውሳን ምፍታን ነባሪ ሰላም ኣየምጽእን" ብምባል፡ እቲ ጉዳይ ግዜ ተዋሂብዎ ብዕምቈት ክሕሰበሉ፡ ንግዚኡ ግን ብቘጸራ ክሕለፍ ሓሳብ ኣቕረበ።
ከንቲባ ድሬዳዋ'ውን መተዓረቒ ዝመስል ፖለቲካዊ ሓሳብ ኣቕረበ።
ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ጉዳይ ንምዕጻው ካብ 12 ርእሰ-ምምሕዳራት፡ ክልተ ከንቲባታት፡ ዓበይቲ ዓድን ክኢላታትን ዝቘመ ኮሚቴ መፍትሒ ሓሳብ ከቕርብ ተወሲኑ፡ ሰዓት 2:30 ድሕሪ-ቐትሪ እቲ ኣኼባ ተበቲኑ።
እንተዀነ፡ ገለ ካብቶም ተሳተፍቲ፡ "እቲ ሃገራዊ ምኽክር ብመንግስቲ ተጨውዩ እዩ፡" ብዝብል ቅሬታ፡ ርእሶም ደፊኦም ካብቲ ኣደራሽ ወጺኦም እዮም።
"ዓይኒ ዘውጽአ ኢድ ምጥምዛዝን ፖለቲካዊ ዕብለላን ርኢና፡" ክብሉ ምንጭታት ቢቢሲ ስምዒቶም ገሊጾም።
እዚ ንኣርባዕተ ዓመታት ክዳሎ ዝጸንሐ ሃገራዊ ምኽክር፡ ኣብ መብዛሕትኦም ኣጀንዳታት ኣብ ስምምዕ እኳ እንተ በጽሐ፡ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ ግን ክሳብ መወዳእታ ኣከራኻሪ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



