ቬና፡ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ገጠምቲ ተኻይዱ

ምንጪ ስእሊ, PEN Eritrean in Exile
ኣብቲ ቀደም እንዳ ሓጓዳይ ዝነበረ'ሞ ሎሚ ግን ከም መድረኽ ስነጥበብ ዘገልግል ዘሎ ኣደራሽ 'ኣልተ ሽሚደ'፡ ዓሰርተው ክልተ ባዶ መናብር ተሰሪዖም ቀንዮም።
ኣብ ዝባን ነፍሲወከፍ መንበር ከኣ ጸሊምን ጻዕዳን ኣሳእል ናይቶም ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዞም ንርብዒ ዘመን ሃለዋቶም ዝጠፍአ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ተነቢሩ ነበረ።
እዚ ካብ 12 ክሳዕ 14 ሕዳር 2026 ኣብ ከተማ ቬና - ኦስትርያ፡ ንሳልስቲ ዝቐጸለ ፈስቲቫል ስነግጥሚ ኤርትራ፡ "ስነግጥሚ፡ ትርጕምን ሓድነታዊ ደገፍን" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ እዩ ተኻይዱ።
እቲ መድረኽ ብኮሚተ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ቬና ምስ ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት፡ ፐን ኦስትርያ ከምኡ'ውን ትካል ቴኦዶር ክራመር ብምትሕግጋዝ ዝተዳለወ እዩ።
ኣቦመንበር ኮሚተ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ቬና ቮልፍጋንግ ማርቲን ሮት፡ ምእሳር ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ኤርትራ 25 ዓመታት ምምላኡ ብምዝካር፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝህቦ ምላሽ ብዘየገድስ፡ "ነቲ ዘይፍትሓዊ ተግባር ምቅዋም" ቀጻሊ ስጕምቲ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።
ፈጻሚ ዳይረክተር ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት ዓወት ፍስሃየ ብወገኑ፡ "ናጽነት ድምጻ ምስ እትዕበስ፡ ስነግጥሚ ይዛረብ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ መደረ ኣቕሪቡ።
ዓወት፡ ጭቆና ኣብ ልዕሊ ስነጽሑፍ ካብ ዘውርዶ ዝኸፍአ መጕዳእቲ፡ እቲ ብሰንኪ ፍርሕን ሳዕቤናትን ተሸቝሪርካ ኣብ ወረቐት ከይሰፈረ ዝተርፍ "ዘይተጻሕፈ ግጥምታት" ምዃኑ ገሊጹ።
ነቲ ኣብ ትሕቲ ከቢድ መከራ እናሃለኻ ሰብኣዊ ናጽነትን ትርጕም ህይወትን ብዛዕባ ምንዳይ ዘስተምሃረ፡ ኣብ ቬና ዝተወልደ ዓቢ ናይ ስነኣእምሮ ሓኪምን ደራስን ቪክቶር ፍራንክል ብምጥቃስ፡ ስነግጥሚ ብዓልስልጣን ወይ ጨቋኒ ሓይሊ ዘይመረጾም ናጻ ቃላት ብምሕራይ፡ ሰባት ንሕልናኦም እሙናት ኰይኖም ውሽጣዊ ናጽነቶም ዘውሕስሉ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
እዚ ሕልናዊ ናጽነት ናይ ምዕቃብን ንእሱራት ጸሓፍቲ ድምጺ ናይ ምዃንን ጻዕሪ፡ ብፍላይ ኣብተን ብገጣሚት ይርግኣለም ፍስሃ ዝቐረባ ግጥምታት ተንጸባሪቑ።
ይርግኣለም ኣብታ "ኣያታተይ" ዘርእስታ ግጥማ፡ ነቲ ባዕላ ኣብ ቤትማእሰርቲ ማይስርዋ ዘሕለፎቶ ዓመታት ምስቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ቀዳሞት 'ኣያታተይ' ዝበለቶምን ብምንጽጻር፡ እታ ሃገር ካብ ናይ ህይወት ተስፋ ናብ "መሬት መርድእ ምቕያራ" ትገልጽ።
"...'ኣለና' ንብል ጸላኢና ይሃልዎ
እዚ ለይትናስ ይወግሕዶ ትብልዎ፧"
ይርግኣለም ኣብታ "ትጽሕፍዶ'ሎኻ፧" እትብል ግጥማ'ውን ወረቐትን ብርዕን ኣብ ዝተኸልከለሉ፡ ኣእምሮ ናይ መወዳእታ መዝገብ ናጽነት ምዃኑ ከተብርህ ከላ፡ "ጸሓፎ'ሞ ኣብ ጽቡቕ ኣንብሮ / 'ንፋስ' ኣብ ዘይረኽቦ፡ 'ውሑጅ' ኣብ ዘይፍሕሮ / ንግዜኡ ኣብ ልቢ ቅበሮ፡" ትብል።
ኣብቲ ምሸት፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ገጠምቲ ዝጸሓፍዎ ግጥምታት ናብ እንግሊዝኛ ተተርጒሙ፡ "Bound As We Are: Contemporary Eritrean Poetry in Exile" ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበት ሓዳስ መጽሓፍ ንኣንበብቲ ቀሪባ።
ኣካል ዝጾሮ በሰላን ስነኣእምሮኣዊ ስንብራትን

ምንጪ ስእሊ, PEN Eritrean in Exile
ኣብዚ ፈስቲቫል ዝቐረቡ ዕዮታት፡ በሰላ ስደት ኣብ ኣእምሮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ስጋን ዓጽምን እውን ተሓቲሙ ከም ዝነብር ዘርእዩ እዮም ነይሮም።
ገጣሚ ሃይለ ቢዘን ኣብታ "ምስትራር ስረ" ዘርእስታ ግጥሙ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ዕንባባ እተንብረሉ መቓብር ይዅን ሽምዓ እትውልዓሉ ስእሊ ዘይብላን ጓሂ ዝወረሳን ኣደ እዩ ዝትርኽ።
እታ ኣደ ምስቶም ዝሰኣነቶም ደቃን ብዓልቤታን ዘለዋ ምትእስሳር ንምዕቃብ ዝመሃዘቶ እንኮ መንገዲ፡ ነቲ ኣብ ገዛ ዝገደፍዎ ስረ ማይ እናረብረበት ምስትራርን ነቲ ዝተረፈ ሽታኦም ምምእራርን እዩ።
እቲ ገጣሚ ናብ ስደት ክወፍር ከሎ ድማ ፍርቂ ሰብነቱን ሽታኡን ኣብቲ ዝገደፎ ሓጺር ስረ ተሪፉ፡ ንሳ እተስታርሮ ፍርቂ ስረ ኰይኑ ከም ዝተረፈ የስፍር፤
"...ጸኒሑ ኣነ'ውን ካብ ገዛይ ነፊጸ ንስደት ኣምሪሐ
ርግጽ ተስታርሮም ኰይኖሙላ ሰለስተ ስረ
ግና ክልተን ፈረቓን'ዩ ብልክዕ ምስ ዝቕመረ
ይቕረታ እኖዋ'የ ፍርቂ ሽታይ'የ ገዲፈ
ዓጊበ'የ ኣነ ብምዃነይ ፈታው ሓጺር ስረ።"
ዓወት ፍስሃየ እውን ኣብታ "ብዓይኒ'ደይ" እትብል ግጥሙ፡ ነዚ ስድራቤታዊ ኣካላዊ ምፍራስ ናብ ወለዱ ኣሰጋጊሩ የርኢ።
የማናይ ዓይኒ ኣደኡ ምስ ሰነፈ፡ እቲ ኣቦ ብስቕታ ዝሃቦ ምሳልያዊ መልሲ ስምዒት ዝትንክፍ እዩ፤ "ድሕሪ ዓሚቝ ስቕታ / የማነይቲ ዓይኑ - ብኢዱ ሸፊኑ / ጠመተኒ-ብዓይና ኣቢሉ።"
እዚ፡ እቲ ዝወረደ በሰላ ውልቃዊ ዘይኰነስ፡ ሓባራዊ ናይ ስድራቤት ምዃኑ የረድእ።
ገጣሚት ኣኽበረት መሓሪ ብወገና፡ ኣብታ "ንዘይከይድ" ዘርእስታ ግጥማ፡ ስደት ካብ ጂኦግራፍያዊ ርሕቀት ንላዕሊ ኣካላዊ ምእሳር ምዃኑ ትገልጽ።
ካብ ገዛ ክትወጽእ ከላ እግራ ኣብ መሬት ይሽከል፡ ናብ ኤውሮጳ በጺሓ ምቹእ ናብራ እናሃለዋ ድማ እቲ ኣብ ዓዲ ዝሓደራ ፍርሕን ራዕድን ኣብ ሰላማዊ ጐደናታት እናተኸተለ የሳቕያ፤
"...ኣብ ማእከል ሰላማውያን ኣነ ጥራሕ እብል ቍሊሕ ምሊሕ፡
በደል ዓደቦይ ብጨንኡ፡ ብምስሉ፡ ብዝኽሩ፡ ብትዝትኡ
ኣብ ሕልመይ ኣብ ጋህደይ ይቐጽዓኒ ስዒቡ ደድሕረይ..."
ኣኽበረት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እተን ደድሕሬኣ ከይስዕባ ማዕጾ ኣገልዲማ ዝገደፈተን ኣዒንቲ ኣደኣ ኣብቲ ኣደራሽ 'ኣልተ ሽሚደ' - ቬና ከም ዝተቐጀልኣ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሓንቲ ኦስትርያዊት ሰማዒት ነዚ ስምዒት'ዚ ምስቲ ካብ መበል 20 ክፍለ-ዘመን ካብ ኦስትርያ ብስደት ዝሃደመ ኣይሁዳዊ ደራሲ ጆሴፍ ሮት ኣተሓሒዛ ምስትምቓራ ከም ዘካፈለታ ሓቢራ።
ፍልጥቲ ገጣሚት ሳባ ኪዳነ'ውን ኣብታ "ሕጥቦ ሽኮር" ዘርእስታ ግጥማ፡ ነቲ ኣብ ስደት ዝርከብ ሰብ ከም ሳዕቤን ዝተረፈ መሪር ስቃይ ህይወት ፈጺሙ ካብ ትዝትኡ ክርሕቕ ከም ዘይክእል ብሓያል ስነኣእምሮኣዊ ስእሊ ተንጸባርቖ።
መዓልታዊ ዕላልን ንኣሽቱ ፍጻመታትን ብዘይተጸበየቶ መንገዲ ናብ ምንካእ ቍስልን ስንብራትን ክቕየር ከሎ ብቕልጡፍ ምልዋጥ ክትገልጽ ከላ፤ "ኦ ይቕረታ! ምሽክናይ ቍስሉ ጐዲአዮ / ውጻእ መዓት ላምፔዱሳ፡ ምዃኑ ዘንጊዐዮ፡" ትብል።
እዚ ግጥማዊ ስንክር ድማ ስደት ኣብ ጂኦግራፍያዊ ርሕቀት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ውሽጢ ነፍሲወከፍ ንቡር ሰዓታት ህይወት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሰንበረ ልቢ ግዳያት ባሕሪ፡ ብኸመይ ብህያውነትን ስቓይን ከም ዝመላለስ ብዓሙቝ ምስትምቓርን ስእላዊ ምስልንን ተርእዮ።
ዝተበታተነ ዝኽርን መጻወድያ ስደትን

ምንጪ ስእሊ, PEN Eritrean in Exile
ቀባኣይን ገጣምን ኤርምያስ ዕቝበ፡ ኣብታ "ነቲ ገጻ ይዝክር" እትብል ግጥሙ፡ ንዝኽርታት ብስሕለት መብጣሕቲ ገይሩ "ንበይኑ" እናበለ ክመቓቕሎ ይርአ - ገጽ ንበይኑ፡ ሓዘን ንበይኑ፡ ቀጠልያ ማዕጾ ንበይኑ።
ኣብ ቅድሚ ጻዕዳ ካንቫስ ኮፍ ኢሉ ነቲ ዝተበታተነ ዓለም ክስእሎ ምስ ዘይክእል ድማ እቲ መደምደምታ "ነቲ ዓቢ ስቕታ ምስማዕ"ን ናብ ባዶነት ምብጻሕን ይኸውን።
ኤርምያስ ብዛዕባ'ዚ ፍልስፍናዊ ኣቀራርባ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ከም ቀባኢ መጠን ሓሳባቱ ብስእላዊ መልክዕ ከም ዝሰርዖም ብምሕባር፡ "ኣብ መብዛሕትኡ ግጥምታተይ ዝተበታተኑን ዝተመቓቐሉን ምስልታት ብምግላጽ ኣብተን ናይ መወዳእታ መስመራት እየ ዘወሃህዶም፡" ይብል።
ቀጺሉ፡ "ኣብዚ ግጥሚ'ዚ፡ ካብ ዝተፈላለየ እዋናትን ቦታታትን ዝተኣከቡ ተመኵሮታት ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኵሉ ቦታኡ ዝረኽበሉ 'ዓቢ ስቕታ' ወይ ባዶነት ኣካል ከም ዝዀኑ እየ ዝድምድም፤ እዚ ድማ ምናልባት ምስ ሕሉፍ ተዘክሮታትካ ዕርቂ ናይ ምፍጣር ሓደ መንገዲ እዩ፡" ይውስኽ።
ኣብታ ግጥሙ፡ "እቲ ዓራት ስድራቤት" እውን፡ ኲናት ንመደቀሲ ሰብ ሓዳር ብኸመይ ከም ዝዘረጎ ከርኢ ከሎ፡ "ዋላ'ኳ ንሳ ብፍቕሪ ለይቲ እንተ ኣመነት / ንሱ ግና ብብርሃን ሞት'ዩ ዝኣምን፡" ብምባል ፍቕርን ሞትን ኣብ ሓደ ዓራት ከም ዝተዘርግሑ የስፍር።
እዚ ስእላዊ ስብርባር ምስቲ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ "መንፊት ዓድና" ዘቕረቦ፡ ሃገር ንደቃ እናነፈየት እትጸፍዕ መንፊት ምዃና ዘርእየሉ ስእልን ኣብ "ኣብርህለይ ጥዋፍ" ዝገለጾ፡ "ኣሎ ምቝሕ፡ ብርሃን ዘይረኣየ / ኣሎ ሓሳብ፡ ኣብ ማሕዩር ዝበለየ፡" ዝብል ድምጽን ይጋጠም።
ብገለ ሰባት፡ ስደት ናጽነት ተባሂሉ ክሕሰብ እንከሎ፡ ኣብ ግጥምታት ኤርትራውያን ግን ሓደ ዓቢ ስነኣእምሮኣዊ መጻወድያ ኰይኑ ይቐርብ።
ዓወት ፍስሃየ ኣብታ "ብዘይካ ናብ ኤርትራ" እትብል ግጥሙ፡ ናይ ስደተኛ መገሺ ወረቐት ምስ ተዋህበ ናብ ኵሉ ዓለም ክበርር ክንፊ ከም ዘብቈለ ተሰሚዕዎ ክነሱ፡ እቲ ሰነድ ግን ናብታ እንኮ ክኸዳ ዝደሊ ሃገሩ ምኻድ ከም ዘየኽእሎ የስቈንቍን፤
"'ብዘይካ ናብ ኤርትራ / ናብ ኵለን ሃገራት የግይሽ' / ናብ ኵለን ሃገራት - / ብዘይካ ናብ ኤርትራ፧ / እታ እንኮ ዓለመይ በሪረ ክኸዳ / ክንፊ ዝደልየላ።"
ገጣሚት ኮዀብ ተስፋልደት ብወገና፡ ኣብታ "ግጥሚ ነይሩ..." ዘርእስታ ግጥማ፡ ስነግጥሚ ንሕማቕ እዋን ከም ስንቂ ዝዕቈር ክነሱ፡ ኣብ መወዳእታ ግን "ካብ ናፍቖትካ ዘየድሕን" ምዃኑ ተስፍር።
ኮዀብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "እቲ ዘለናዮ ሓቂ፡ ካብ ግጥሚ ንላዕሊ ኰይኑ እዩ ዝስመዓኒ፤ ግጥሚ ክፍውሶ ዘይክእል ናፍቖትን ቃንዛን እዩ ዘለና፡" ኢላ።
ዲፕሎማስያዊ ጸቕጥን ብድሆታት ስደትን

ምንጪ ስእሊ, PEN Eritrean in Exile
ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ኣብ ኣደራሽ ፐን ኦስትርያ ኣብ ዝቐጸለ መደብ፡ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ካረን ሊደር ኣብ ስነግጥምን ትርጕምን ዘተኰረ ትምህርታዊ መደረ ኣቕሪባ።
ተርጐምቲ፡ ሓደ ስነጽሑፍ ዶባት ሰጊሩ ናብ ሓደስቲ ኣንበብቲ ንኽበጽሕ ዘለዎም ዘይትካእ ግደ ኣስሚራትሉ።
ቀጺሉ፡ ብጋዜጠኛን ደራሲትን ኤልከ ሽሚተር ዝተመርሐ ዘተ ፓነል ተኻይዱ።
ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ሽወደናዊ ጋዜጠኛን ተጣባቒ ጉዳይ ዳዊት ይስሓቕን ከምኡ'ውን ኦስትርያዊት ጋዜጠኛ ረናታ ሽሚድትኩንዝ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እኹል ጸቕጢ ብዘይምፍጣሩን ሃለዋት እቶም ዝተሰወሩ እሱራት ንምፍላጥ ሓያል ስጕምቲ ብዘይምውሳዱን ነቒፎም።
ብተወሳኺ፡ ኣብ መላእ ዓለም ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት እናኣንቈልቈለ ይኸይድ ምህላዉ ስክፍታኦም ገሊጾም።
ኣቦ-መንበር ማዕከን ህጹጽ ደገፍ ፐን ዝዀነ ጆብ ደገናር እውን፡ ሓገዝ ዝሓቱ ዘለዉ ጸሓፍቲ ቍጽሮም እናወሰኸ ምምጽኡ ብምግላጽ፡ እቲ ዓለማዊ ቅልውላው ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ መዛዘሚ መዓልቲ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ኦስትርያውያንን ገጠምትን ተርጐምትን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቬና ዕጹው ናይ ስራሕ ምይይጥ ተኻይዱ።
ኣብቲ ዘተ፡ ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ኣብ ጕዕዞ ስደት ዘጋጥሞም ናይ ናብራን ቍጠባን ጸገማት፡ ሓደስቲ ቋንቋታት ናይ ምልማድን ስነጽሑፋዊ ስርሖም ናይ ምሕታምን ብድሆታት ተላዒሉ።
ኣብቲ ብደገፍ ቤትጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ቬና ዝተኻየደ መዛዘሚ ስነስርዓት፡ ብባላፎንን ከበሮን ዝተሰነየ ግጥምታት ቀሪቡ።
ኣብቲ ፈስቲቫል ገጠምቲ ሃይለ ቢዘን፡ ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ሳባ ኪዳነ፡ ኮዀብ ተስፋልደት፡ ዓወት ፍስሃየ፡ ኣኽበረት መሓሪ፡ ኤርምያስ ዕቝበ፡ ዮናስ ወልደሩፋኤል፡ እስማዒል ሙሳ ከምኡ'ውን ኣካያዲ ኣሕታሚ እምኵሉ ቴድሮስ ኣብርሃም ካብ ወገን ኤርትራ፤ ካብ ኦስትርያ ድማ ሎሬና ፒርሸር፡ ሳንያ ኣብራሞቪች፡ ኮርነልያ ሁልምባወር፡ ፖል-ሄንሪ ካምፕበልን ሰሚር ኢንሳይፍን ተሳቲፎም።
እቲ ኣብ ቬና ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ፈስቲቫል፡ "ስነግጥሚ ዶባት ሰጊሩ ንዝተሓረመ ናጽነት ድምጺ ኰይኑ ከም ዘገልግልን ድምጺ እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ጸሓፍቲ ከኣ ብስነጽሑፍ ኣቢሉ ህያው ኰይኑ ከም ዝቕጽልን፡" ብምሕባር ተዛዚሙ።


























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
