ንኽልተ ጐብለላት ዓለም ዘማእከለ ሺ ዢንፒን፡ እንታይ ከሲቡ እንታይከ ስኢኑ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት፡ ዋሽንግተንን ምዕራባውያን መሻርኽታን፡ ዓለም ብናታቶም ኣገባብ ክዝውሩዋ ፀኒሖም ኣለዉ።
ሎሚ ግን፡ ሰለስተ ካብቶም ኣዝዮም ሓያላት ቀንዲ ተዋሳእቲ ዓለም፡ ኣብ ክሊ ሓደ መኣዲ ኮፍ ክብሉ ዝግበረ ሺ ዢንፒን እዩ።
ስለዚ፡ ኣብዚ ቕነ ካልእ መራሒ ዓለም ዘይገበሮ ከምዘዓወተ ይኣምን ይኸውን።
ልዕሊኡ ድማ፡ ኣብ ዝተፀመበለ ዘስደምም ምርኢት፡ ድሮናት ኣብ ልዕሊ ሰማያታ ክዝንብያ፡ ሮቦታት ድማ ኣብ ጎደናታት ክስዕስዓ እንከለዋ፡ መራሒ-ኣልቦ መካይን ኣብ ሰማያት ሸንዘን ይዛውና ነይረን።
ንመራሕቲ ኤስያ ፓስፊክ ዝካየድ ቍጠባዊ ዋዕላ እዩ ዝመስል።
ንሺ ግን ቻይና ኣብ ዓለማዊ ቍጠባን ፖለቲካ ዓለምን ዘለዋ ግደ ዘርኢ እዩ።
ሃገሩ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ዋሽንግተን፡ ለንደን ወይ ብራስለስ ንዝውሰዱ ውሳነታት ጥራይ ግብረመልሲ ኣይትህብን - ኣብ ክንድኡ ቤይጂን ኣብ ሕመረት ናይቲ ኣብ ምቅራፅ ዝርከብ ዓለማዊ ስርዓት ኣላ።
እዚ ግን፡ ንሺ ክሳራ ዘይብሉ ኣይኮነን፤ ምስ ፑቲንን ትራምፕን ብቕሉዕ ዘይደልዮም ኣርእስቲ ዘልዕል ስለዝዀነ።
ንገሊኦም እስከ ንርአ፤
ነገር ዩክረይን
ቀዳማይ ነገር፡ ሕጂ ሓሙሻይ ዓመት ሒዙ ዘሎ ኲናት ዩክረይን፡ ኣብ ኣጀንዳ ክኣቱ ቻይና ድሌት የብላን።
ሺ ምስ ፑቲን ዘለዎ ርክብ፡ ንርክባት ቻይናን ኤውሮጳን ክጎድእ ከምዝኽእል ይፈልጥ እዩ።
ብፍላይ ኣብዚ እዋን ቍጠባ ቻይና ኣብ ሰደድ ብብዝሒ ኣብ ዝምርኮሰሉ ዘሎ እዋን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ቁልፊ ዕዳጋ እዩ።
ይዅን እምበር ሺ፡ እቲ ኲናት ነታ ቁልፊ መሓዛን ጎረቤትን ዝዀነት ሩስያ ብዝጓዳእ መልክዕ ክውዳእ ኣይደልን እዩ።
ቤይጂን፡ ኣብዚ ኲናት መንጎኛ ኰይና ክትቅጽል ትጽዕር ኣላ፣ ንወራር ሩስያ ካብ ምኹናን ተቘጢባ፡ ድርድርን ፖለቲካዊ ፍታሕን ክግበር እያ ትጠልብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ባይደንን እናሀለወት- ኣመሪካ ከምኡ'ውን ኤውሮጳ፡ ቻይና ኣብ ኲናት ዩክረይን ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ዝኽእሉ መሳርሕታት ንሩስያ ትሰድድ ኣላ ክብላ ክኸሳ ፀኒሐን እየን።
ኣብ ርእሲኡ ድማ ነዳድን ጋዝን ብምዕዳግ ቍጠባ እታ ሃገር ትደግፍ ኣላ ዝብል ይርከቦ።
ሺ ንፑቲን ከርሕቘ ኣይደልን፣ ብዙሕ ክቐርቦ'ውን ኣይደልን፤ ምኽንያቱ ጸገማት ሩስያ ጸገም ቻይና ክኸውን ስለዘይደሊ።
ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ቻይና
ዶናልድ ትራምፕ፡ እቶም ሰለስተ መራሕቲ ኣብ ምድራት ቀረብ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ዓለም ክዛተዩ ከም ዝደሊ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ።
ኣመሪካን ሩስያን ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዕቑር ኑክሌሳዊ ርእሲ-ኲናት ዝውንና እየን።
ቻይና ድማ ብቕልጡፍ ናብኡታት ትስጕም እያ ዘላ፣ እዚ ድማ ንዋሽንግተን ዘቕስን ኣይኰነን።
እቲ 'ኒውስታርት' ብዝብል ዝፍለጥ ናይ መወዳእታ ዓቢ ውዕል ምቍጽጻር ኣጽዋር ኣመሪካን ሩስያን ኣብዚ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት ስለዘብቅዕ፡ ንሕንሕ ኑክሌሳዊ ኣጽዋራት ከይለዓል የስግእ።
እቲ ስምምዕ፡ ኣብ መሳርሒታት ኣመሪካን ሩስያን፡ ንዝርከብ ብዝሒ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ንምቍጽጻር ዝዓለመ እዩ።
ትራምፕ፡ ቻይና ኣብ ሓድሽ ስምምዕ ክትኣቱ ይደሊ፡ ቤይጂን ግን ተድሓርሕር ኣላ።
ቻይና ናይ ባዕላ ኑክሌሳዊ ዓቕሚ ንምምዕባል ናጽነት ክህልዋ እያ ትኣምን።
እዚ ኣርእስቲ፡ ቻይና ኣብ መድረኽ ዓለም ከም ሓያል መራሒት ክትፍለጥ ንዝገብር ጻዕሪ፡ ከተሓላለኸ ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናይ መን ኣጀንዳ ይዕብልል?
ሺን ካልኦት ሓለፍቲ ቻይናን፡ ብጥንቃቐ ንዓላማ ናይዚ ኣኼባ ክቈጻጸርዎ ይደልዩ፤ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ።
ኣብዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዋዕላ ግን፡ ሺ ምስ ክልተ ኣዝዮም ዘይግመቱ መራሕቲ ክዋሳእ ክግደድ እዩ።
ክልቲኦም - ትራምፕን ፑቲንን - ነናይ ገዛእ ርእሶም ኣጀንዳታት ኣለዉዎም።
ክልቲኦም ነቲ ኣኼባ ክዕብለልዎን፡ ሺ ድማ ቀላሲ ናይቲ ዓቢ ዲፕሎማስያዊ መድረኸ ዘይኮነስ፡ ኣአንጋዲ ኮይኑ ከይረአ ስግኣት ኣሎ።
ብርግጽ ሺ ነዚ'ውን ድሉው ክኸውን ይኽእል እዩ።
እቲ መራሒ ቻይና ንነብሱ ከም ሓደ ርጉእ ዓለማዊ መራሒ ክስእላ ፀኒሑ እዩ፤ ኣብዚ ዋዕላ ኣብ ጎድኑ ክልተ ዕቡዳት ሰባት ክውድእዎ ዘይክእሉ ውግኣት እንክለዓል ፍሽኽ ክብል ይኽእል እዩ።
እቲ ንጹር መልእኽቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስዚ ዅሉ እቲ ኣቓልቦ፡ እዚ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ኣጀንዳ ዘለዎም ሰለስተ ዓበይቲ መራሕቲ ዝሳተፍዎ ኣኼባ፡ ዝኾነ ፍረ ከፍሪ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ።
ኣብ ዝመጽእ ዓመት ንዝካየድ ጉባኤ ዴሳዊ ሰልፊ ዝሰናዳእ ዘሎ ሺ ግን፡ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ምዕራፍ እዩ።
እታ ሃገር ምስ ዓበይቲ ውሽጣዊ ብድሆታት ትቃለስ ከምዘላ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነዚ ህሞት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም ፕሮፖጋንዳ ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ።
ሺ ኣብ ሃገራዊ መረፃ ክሽመም ግድን ኣይኰነን፣ እታ ሃገር ድማ ንዓሰርተታት ዓመታት ዓበይቲ ተቓውሞታት ኣይረኣየትን።
ውሽጣዊ ቍጠባውን ማሕበራውን ጸገማት እናዓበየ ምስ ዝኸይድ ግን፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ሰልፊ ዘለዎ ተፈታውነት ክሻቕሎ እዩ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን፡ ምስ ፑቲንን ትራምፕን ኣብ ክሊ ሓደ መኣዲ ዝሰኣሎ ስእሊ፡ "ዘመነ ውርደት" ሃገሩ ከም ዘብቀዐ መርትዖ ገይሩ ከቕርቦ እዩ።
ቻይና ድሕሪ ሕጂ ኣብ ምዕባይ ዘላ ዘይኰነትስ፡ ሕግታት ሓድሽ ስርዓተ ዓለም እናቐረጸት ትኸይድ ኣላ - ዝብል መልእኽቲ ከስምዕ እዩ።
























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
