እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማኦ ዜዶንግ፡ 'ጀነረሽን ዜድ' ንምንታይ በቲ ቅድሚ 50 ዓመት ዝዓረፈ 'መምህር' ክሳዕ ክንድዚ ይምሰጡ ኣለዉ?
"ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት ኣለዉ፡ እንተዀነ ሓደ መምህር ጥራይ እዩ ዘሎ።"
ሓያሎ መንእሰያት ቻይና ኣብ ኢንተርነት ነቲ ዝዓረፈ መራሒ ቻይና ማኦ ዜዶንግ ብቐጻሊ ዝጽውዕዎ በዚ መንገዲ እዚ እዩ - "መምህር"።
ኣብቲ 'ቢሊቢሊ' ዝተባህለ መድረኽ ቪድዮ "ማኦ ዜዶንግ" ወይ "መምህር" ኢልካ እንተ ደሊኻ፡ ካብ እተፈላለዩ ፊልምታትን ድራማታት ተለቪዥንን እተዋጽኡ፡ ናይ ማኦ ገጻት ዘርእዩ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ዝተቐናበሩ ቪድዮታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
እዞም ቪድዮታት`ዚኣቶም ንዝተፈላለየ መድረኻት ህይወት ማኦ ዘጠቓልሉ ኰይኖም፡ ታሪኽ ንእስነቱ፡ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዝነበረሉ እዋን፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ቻይና፡ ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን ዝነበረ ዝሑል ኲናት ዝመርሓሉ ዝነበረ እዋናት ዘርእዩ እዮም።
ብዙሓት ካብኣቶም ሚልዮናት ተዓዘብትን፡ "እቲ ዓቢ ሰብኣይ ንዘለኣለም ይንበር" ዝብል ናእዳታት ዝርከቦ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ርእይቶታትን ስሒቦም ኣለዉ።
ተጠቀምቲ ቢሊቢሊ መብዛሕትኦም መንእሰያት ኰይኖም፡ ዳርጋ 60 ምኢታዊት ካብኣቶም ዕድመኦም ካብ 18 ክሳዕ 24 ዓመት እዮም።
ማኦ ካብ ዝመውት ድሕሪ 50 ዓመት፡ ኣብ ናይ ኢንተርነት ባህሊ መንእሰያት ቻይና ብኸምዚ ዝበለ ጐሊሑ ዝወጽአ ደኣ`ሞ ስለምንታይ እዩ?
ዝተፈልየ ማኦ
ማኦ፡ ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘመን ቻይና ወሳኒ ፖለቲካዊ ሰብ ከም ምዃኑ መጠን፡ ካብ እታ ሪፓብሊክ ብ1949 ዝተመስረተትሉ ኣትሒዙ ክሳዕ እታ ብ1976 ዝዓረፈላ መዓልቲ ንዴሳዊ ሰልፍን ነታ ሃገርን መሪሑ እዩ።
ንቻይና ብ 'ዓቢ ዝላ ንቕድሚት'ን 'ባህላዊ ሰውራ'ን መሪሕዋ እዩ። እዚኣቶም ንቝጠባን ሕብረተሰብን እታ ሃገር ዝቐየሩ ግን ብዋጋ ህይወት ሚልዮናት ዝተኸፍለሎም ወፍርታት እዮም ነይሮም።
ሓደ ካብቶም ሎሚ ናብኡ ዝሰሓቡ ዘለዉ መንእሰያት፡ ዩኒቨርሲቲ ንምጅማር ኣብ ምድላው ዝርከብ ዶንግ ዝተባህለ ተመሃራይ ናንጂንግ እዩ።
ንሱ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ቻንግሻ ኣብ ዝርከብ 'ኦረንጅ ኣይል' ኣብ ቅድሚ እቲ ዓቢ ሓወልቲ መንእሰይ ማኦ ኰይነን ሃገራዊ ደርፊ ብዝደረፋ ክልተ መንእሰያት ኣዋልድ ዝቐረበ ቪድዮ ልቡ ተተንኪፉ ነይሩ።
ዶንግ ንቢቢሲ ክዛረብ ከሎ፡ "ብኸምኡ ዝበለ ስምዒት እየን ደሪፈን፣ እቲ ሓወልቲ ድማ ኣዝዩ ነዊሕን መንእሰያውን እዩ። ንዓኡ እናረኣኹ ድማ ብሃንደበት ዓሚቝ ስምዒት ተሰሚዑኒ፡" ይብል።
ሓያሎ ኣብ ክፍሉ ዘለዉ መዘናታቱ፡ ብልሙድ "ጕጅለ ናይ ኪቦርድ ፖለቲካ" ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ፡ እዋናዊ ጉዳያት ኣብ ዝዘራረቡ ናይ ኢንተርነት ማሕበረሰባት መንእሰያት ይሳተፉ።
ካልእ መርኣያ ናይዚ ዝንባለ ድማ ካብ 2019 ጀሚሩ 'ሕሩያት ጽሑፋት ማኦ ዜዶንግ' ዝብል መጽሓፍ ትጽቢት ብዘይተገብረሉ መንገዲ ኣብ ኣብያተ-መጽሓፍ ዩኒቨርሲቲ ቲሲንግዋ ዝያዳ ዝተፈትወ መጽሓፍ ኰይኑ፡ ክሳዕ 2025 ድማ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓመት በዚ ደረጃኡ ምቕጻሉ እዩ።
እቲ ጐሊሑ ዝረአ ነገር፡ እዚ መንእሰያት ናይዚ ግዜ ኣብ ማኦ ዘለዎም ተገዳስነት፡ ካብቲ ወለዶም ዝዓበይሉ ህዝባዊ ትረኻ እተፈልየ ምዃኑ እዩ።
ብ1981፡ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ዴንግ ዢያውፒንግ እተዳለወ ውሳነ ኣጽዲቑ ነይሩ። እዚ ውሳነ፡ ንዓወታት ማኦ ምስ ጌጋታቱ ሚዛን ዝገበረ ወግዓዊ ገምጋም ዘቐመጠ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብ"70% ዓወታት፡ 30% ጌጋታት" ተባሂሉ ይጽምበል።
ኣብ ዘመናት ዴንግን ድሒሩ ድማ ጂያንግ ዜሚንን፡ ኣሳእል ማኦ ካብ መደበራት ባቡር፡ ህዝባዊ ኣደባባያትን ኣብያተ-ትምህርትን በብቝሩብ ክጠፍኡ ጀሚሮም ነይሮም።
ህዝቢ ንማኦ ከም ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ምርኣይ፡ ጕድለታት ከም ዘለዎ ሰብን ሰራሒ-ታሪኽ ሰብኣይን ገይሩ ዝያዳ ክርእዮ ጀሚሩ።
ዴንግ ብወገኑ፡ ናይ ሓድሽ ቍጠባዊ ዘመን ምልክት ኰይኑ — እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ናጻ ዕዳጋ ቍጠባ ናይ ምህናጽን ነቲ ቍጠባ ድማ ንዓለም ናይ ምኽፋትን ለውጢ ዘካየደ እዩ ነይሩ።
ሎሚ ግን ማኦ ኣብ መንእሰያት ቻይና ዳግማይ ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ፤ ዶንግ ዝርከቦም ብዙሓት ድማ ንማኦ ብስሙ ምጽዋዕ ሳሕቲ ኰይኑ፡ ኣብ ክንድኡ "መምህር" ኢሎም ይጽውዕዎ።
እዚ መዓርግ እዚ ፍሉይ መበገሲ ኣለዎ።
ብ1970 ምስ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ኤድጋር ስኖው ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ማኦ ነቲ ኣብ እዋን ባህላዊ ሰውራ ንዓኡ ዓቢ መምህር፡ መራሒ፡ ኣዛዝን መራሒ መርከብን ብምባል ንምንኣድ ይጥቀምሉ ዝነበሩ "ኣርባዕተ ዓበይቲ" ዝብል ፖለቲካዊ ጭርሖ ከም ዘይፈትዎ ብምግላጽ፡ "ሓንቲ ጥራይ ትትረፍ... መምህር፡ ምኽንያቱ ኣነ ኵሉ ግዜ መምህር እየ ነይረ፡" ከም ዝበለ ይንገር።
ዶንግን ምስኡ ዝመሃሩ መዛንኡን ብዛዕባ ማኦ ብሰፊሑ ብናጻ ይዘራረቡ። እንተዀነ፡ ናብቲ ናይ ሕጂ መራሒ ቻይና ሺ ጂንፒንግ ምስ መጽአ፡ ዶንግ "ብግህዶ ብቐሊሉ ዝዝረበሉ ነገር ኣይኰነን፡" ዝብል ስምዒት ኣለዎ።
'መርካቶር ኢንስቲትዩት ፎር ቻይና ስታዲስ' (MERICS) ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዘረድኦ፡ ናይ ቻይና ናይ ኢንተርነት መድረኽ ክሳዕ ሕጂ ውሱን ህዝባዊ ዘተ ዘፍቅድ እኳ እንተዀነ፡ ነቶም ዝለዓሉ መራሕቲ ብቐጥታ ዝትንክፉ ኣርእስታት ግን መብዛሕትኡ ግዜ ብፍላጥ ይሕለፉ።
እቲ ጸብጻብ፡ እዚ "ተነቃፊ ናይ ዘተ ባይታ"፡ ውጽኢት ሳንሱርን ነብሰ-ሳንሱርን ምዃኑ ይማጐት።
'ናፍቖት ጥራይ ኣይኰነን'
ብኣረኣእያ ገሊኦም ሰብ-ሞያ፡ ገለ መንእሰያት ንማኦ ዝህብዎ ዘለዉ ሓድሽ ተገዳስነት፡ ምስ ከም ዘይምዕሩይነት ሃብትን ምንካይ ማሕበራዊ ዕድላትን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ጸገማት ዘለዎም ኣረኣእያ ዝተኣሳሰረ እዩ።
ንፖለቲካዊ ባህሊ መንእሰያት ቻይና ንነዊሕ እዋን ዘጽንዐ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ላይደን ፕሮፌሰር ዝዀነ ፍሎሪያን ሽናይደር፡ ናይ ሎሚ መንእሰያት ካብቶም ናይ ቀደም ወለዶታት ኣዝዩ ዝተፈልየ ክውንነት የጋጥሞም ከም ዘሎ ይገልጽ።
ወለዶም ኣብቲ ቍጠባዊ ዕቤት ንደረጃ ናብራ ኵሉ ሰብ ዘመሓየሸሉ ዝመስል ዝነበረ እዋን ዝነበሩ ኰይኖም፡ ሕጂ ግን ብዙሓት መንእሰያት በቲ ዴንግ ዘተኣታተዎ ናይ ለውጢ መደባት ትጽቢት ካብ ዝተኣተወሎም ምዕባለ ንድሕሪት ከም ዝተረፉ ይስምዖም።
ካብ ሃገራዊ ቢሮ ስታቲስቲክስ ቻይና እተረኽበ ናይ መወዳእታ ኣሃዛት ከም ዝሕብሮ፡ ተመሃሮ ዘይኰኑ ካብ 16 ክሳዕ 24 ዓመት ዝዕድመኦም መንእሰያት ናይ ከተማ ሽቕለት-ኣልቦነት መጠን ኣብ ሓምለ 2026 ናብ 17.9% ክብ ኢሉ ኣሎ — እዚ ድማ እቲ ኣገባብ ስታቲስቲክስ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ካብ ዝቕየር ጀሚሩ እቲ ዝለዓለ ደረጃ እዩ።
ሓደስቲ ቃላት ኣካል መዓልታዊ ቋንቋ መንእሰያት ኰይኖም ኣለዉ። "996" ዝብል ቃል፡ ኣብ ሰሙን ሽዱሽተ መዓልቲ ካብ ሰዓት 9፡00 ቅድሚ ቐትሪ ክሳዕ 9፡00 ድሕሪ ቐትሪ ምስራሕ የመልክት።
ብዙሓት ድማ ኣብቲ ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ ንምጽናሕ ኣበርቲዕካ ክትሰርሕ ዝጠልብ ኣድካሚ "ውሽጣዊ ምጕታት" ኣብ ክንዲ ዝጥሕሉ፡ ኣብ ባይታ "ምግዳም" ወይ ስቕ ምባል ይመርጹ ኣለዉ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት፡ ማኦ ኣብ ልዕሊ ርእሰ-ማልነት (ካፒታሊዝም) ዘቕርቦ ዝነበረ ነቐፌታ ኣብ ገሊኦም መንእሰያት ተሰማዕነት ይረክብ ኣሎ።
ሽናይደር ከም ዝብሎ፡ ገሊኦም ብዛዕባ እቲ "ካፒታሊዝም ንሃገር ተቘጻጺርዋ" ኢሎም ዝኣምንዎ ዘይዕግበቶም ንምግላጽ ብሓሳባት ማኦ ይጥቀሙ፡ ካልኦት ድማ ንጽሑፋት ማኦ ምስ ናይ ህይወት ተጻራሪ ጸገማት ንምግጣም ከም መምርሒ ይወስድዎ።
ዶንግ ተመሳሳሊ ርእይቶ ብምሃብ፡ "ወለዶና ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብርቱዕ ጻዕሪ ዋጋ ከም ዝህልዋ እዩ ተማሂሩ፡" ይብል።
ቀጺሉ፡ ቋንቋ ማኦ ቀጥታውን ንሰባት ናብ ዝተፈላለየ ምድባት ዝመቅልን ምዃኑ ይገልጽ።
"ንሱ መን ጨቋኒ ምዃኑን መን ተጨቋኒ ምዃኑን ብንጹር ይነግረካ። እዚ ቀሊል መዋቕር ካብቲ ረቂቕ ቃላት ቍጠባ ንምርዳኡ ኣዝዩ ዝቐለለ እዩ።"
ሽናይደር፡ "ዳግማይ-ትንሳኤ ማኦ ናፍቖት ጥራይ ኣይኰነን፡" ይብል። "መንእሰያት ነቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ዘይምዕሩይነትን ስእነት ውሕስነትን ንምግላጽን ንምጽዋዕን፡ በቲ ድሮ ዝነበረ ታሪኻዊ ቋንቋ ንምጥቃም ዝገብርዎ ፈተነ እዩ ዘንጸባርቕ።"
ፖለቲካዊ ሓይሊ
ወግዓዊ ገምጋም ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ብዛዕባ ማኦ ክሳዕ ሕጂ ኣብቲ ናይ 1981 ውሳነ ዝተመርኰሰ እዩ፤ ዓወታት ማኦ ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዙ ክዀኑ ከለዉ፡ ጌጋታቱ ድማ ካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ እዮም።
እቲ ሰልፊ ብ2021 ዘጽደቖ ሳልሳይ ታሪኻዊ ውሳነ፡ ን"ዓቢ ዳግመ-ህዳሰ ህዝቢ ቻይና" ኣብ ማእከል ትረኻኡ የቐምጦ።
ኣብ ውሽጢ እዚ መዋቕር፡ ሰውራ ማኦ፡ ቻይና "ብእግራ ዝቘመትሉ"፡ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ዘቘመትሉ፡ ሃገራዊ ናጽነት ዘውሓሰትሉን ንሃገራዊ ዳግመ-ህዳሰ መሰረት ዘንበረትሉን መድረኽ ተገይሩ ብተደጋጋሚ ይውሰድ።
ስለዚ ማኦ፡ ዓወታቱን ውድቀታቱን ዝግምገም ሰራሒ ታሪኻ ሰብኣይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓደ ካብቶም መበቈል ናይቲ ናይ ሎሚ ሃገራዊ ሓያልነት ትረኻ ኰይኑ እውን ይቐርብ።
ሽናይደር፡ "ናይቲ ሰልፊ ፖሊሲታት ትምህርቲ ነዚ ኣብዚ ግዜ`ዚ ማኦ ዝበራበሮ ዘሎ እንተ ወሓደ ብኸፊል ተሓታቲ እዩ። ንብዙሓት መንእሰያት፡ ናይ ማኦ ቻይና፡ እዚ ዓቢ መራሒ ሕቶ ዘይለዓለሉ ጀግና ዝዀነላ ናይ ሓሳብ ዓለም እያ፡" ኢሉ ይኣምን።
ንሱ፡ ብዙሓት መንእሰያት ብዛዕባ እቲ ዘስካሕክሕ ክውንነት ናይቲ 'ዓቢ ዝላ ንቕድሚት'ን 'ባህላዊ ሰውራ'ን ኣፍልጦ ከም ዘይብሎም፡ ወይ ድማ ማኦ ኣብኣቶም ብዛዕባ ዝነበሮ ተራ እተዛብዐ ግንዛበ ከም ዘለዎም ይማጐት።
ሽናይደር፡ እዚ ካብ ታሕቲ ዝመጽእ ንማኦ ዘሎ ኣድናቖት፡ ብቐሊሉ ካብ ዝርአ ንላዕሊ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዝሓዘ ምዃኑ የጠንቅቕ።
"እዚ ዝፍንጀር ሓይሊ ዘለዎ ምዕባለ እዩ፣ ምኽንያቱ እዚ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝመጽአ ናይ ማኦ ደገፍቲ ባህሊ ንጹር ናይ ፖፑሊዝም ባህሪ ዘለዎ ኰይኑ፡ ነቲ ናይ ሎሚ ኣገባብ ምሕደራ ብምሕታት ጥራይ ደው ክብል ናይ ግድን ኣይኰነን።"
ነዚ ነገር ምስቲ ኣብ ቻይና ዝረአ መግለጺታት ሃገራውነት ብምንጽጻር፡ "ከምዚ ዝበለ ፖፑሊስታዊ ስምዒታት ክሳዕ ዝዀነ መጠን ብሳንሱር ክዕገት ይኽእል ይኸውን፣ ምሉእ ብምሉእ ምቍጽጻሩ ግን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ፡" ይብል።
ንዶንግን ንመዛኖኡን፡ እዚ ናይ ሕጂ "ናይ ማኦ ተምሳጥ" ገና ኣየብቅዐን። እዚ ነገር ኣብ ናይ ኢንተርነት ባህሊ ጥራይ ተሓጺሩ ይተርፍ ወይስ ናብ ዝያዳ ነባሪ ዝዀነ ፖለቲካዊ መንነት ይምዕብል ዝብል ድማ ገና ዝርአ እዩ።