ኢትዮጵያ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ዝፈጠሮ ቅሬታ - ድሒሩ ካብ ዝተኣልየ ሓተታ

Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ሶማልያ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ዞባዊ ዋዕላ ንኣዋጅ ኣል-ዓለሜን ምድጋፍ ዝወሰነቶ ውሳነ፡ ካብ ገለ ኢትዮጵያውያን ተንተንትን ሰበ-ስልጣንን ነቐፌታ ኣስዒቡ ኣሎ።

እዚ ስምምዕ ካብ ኣጠቓቕማ ማይ ኣባይ ክሳብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘለዉ ጕዳያት ንረብሓታት ኢትዮጵያ ክጐድእ ይኽእል እዩ ዝብል ምጕት ድማ ኣብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ብስፍሓት ቀሪቡ ነይሩ። እንተዀነ እቲ "ጥልመት ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ንዞባዊ ክውንነታት ብኸመይ ኣዳኺምዎ?" [How President Hassan Sheikh Mohamud's Betrayal Undermines Regional Realities] ብዝብል ኣርእስቲ ብስም " ገዝሙ ኢድቻ" ብእንግሊዝኛ ተጻሒፉ ብ 6 ጥቅምቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መንግስታዊ ፡ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝተሓትመ ሓተታ ድሒሩ ካብቲ ገጽ ከም ዝእለ ተገይሩ እዩ።

ብ4 ጥቅምቲ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምስ ዞባውያን መራሕቲ ኣብ ሓዳስ ከተማ ኣል-ዓለሜን ብምርኻብ፡ ኣብ ዞባዊ ምትሕብባር፡ ምምሕዳርን ጸጥታን ዘተኰረ ናይ ኣርባዕተ ወገናት ኣዋጅ ፈሪሙ።

ደገፍቲ ነዚ ተበግሶ ኣብ መንጎ'ተን ተሳተፍቲ ሃገራት ምውህሃድ ንምሕያል ዝዓለመ ጻዕሪ እዩ ክብሉ ክገልጽዎ ከለዉ፡ ነቐፍቲ ግን ንስትራተጂያዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ክድርት ዝኽእል ናይ ሓደ ሰፊሕ ምትእስሳር ኣካል ገይሮም ይርእይዎ።

እቲ ሓተታ፡ ኣብቲ ኣዋጅ ኣልዓለሜን ንምምኽኻር፡ ሓባራዊ ምርድዳእን ኣብ ምምሕዳር ሓባራዊ ጸጋታት ጕድኣት ናይ ምውጋድ መትከልን ዘጕልሑ ዓንቀጻት ተመልኪቱ ምህላው ይጠቅስ።

እዚ ዓይነት ኣቀራርባ ድማ ነቲ ግብጺ እትድግፎ ናይ ነዊሕ እዋን መርገጺታት ዘንጸባርቕ ምዃኑን፡ ኣብ ርእሲ ኣባይ ዝስራሕ ትሕተ-ቅርጺ ሓዊሱ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል እቲ ሩባ ዝካየዱ ናይ ልምዓት ፕሮጀክትታት ንምብዳህ ክውዕል ከም ዝኽእልን ምጕቱ ኣቕሪቡ።

ኢትዮጵያ፡ ምስ ፈለግ ኒልን ቀይሕ ባሕርን ዝተኣሳሰሩ ጂኦግራፍያውን ታሪኻውን ሓቅታት ብፖለቲካዊ ክትዓትን ብተግባራት ሓይሊን ክቕየሩ ከምዘይክእሉ ገሊጻ።

ኣቐዲሙ እውን ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ነቲ መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ሶማልያን ኣብ ሽዱሽተ ነጥብታት፤ ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሶማልያ፡ ሱዳንን ፈለግ ኒልን (ኣባይ) ኣብ ዝምልከት ዘለዎም ሓባራዊ ኣረኣእያ ብመልክዕ ኣዋጅ ምጽዳቖም ምላሽ ምሃቡ ዝዝከር እዩ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ብዝገበረሎም ዕድመ ኣብ ግብጺ ከተማ ኒው ኣል ዓለሜን ዝተኣከቡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ከምኡ ከኣ ኣቦወንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝሓፈለ ቀዳምን ሰንበትን ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ ንኣርባዕቲአን ሃገራት ዝውክል "ሓባራዊ ኣዋጅ ኣል ዓለሜን" ዝሰመይዎ ኣዋጅ ኣውጺኦም።

ብተወሳኺ ምሕደራን ምቍጽጻርን ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ብሕታዊ ሓላፍነት ምዃኑ ተሰማሚዖም።

እቲ ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣስማት እተን ኣርባዕተ ሃገራት ይዅን ነቲ ዘውጽእኦ ሓባራዊ ኣዋጅ ከይጠቐሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ምንጪ ፈለግ ኒል ምዃናን፡ እቲ ሩባ ድማ 85 ሚእታዊት ካብ ማይ ኣባይ ዝመጽእ ምዃኑን ኣዘኻኺሩ።

ብመንገዲ ተፋሰስ ኣባይ ርኡይ ብጽሒት ማይ እተበርክት ኢትዮጵያ፡ እተን ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ዘለዋ ሃገራት ንሓባራዊ ጸጋታት ማይ ንልምዓት ናይ ምጥቃም መሰል ኣለወን ክትብል ብቐጻሊ ክትማጐት ጸኒሓ እያ።

ኣዲስ ኣበባ፡ ኣጠቓቕማ ማይ ኣብ ታሪኻዊ ስምምዓት (ነተን ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ዘለዋ ሃገራት ዘግለለ እዩ እትብሎ) ዘይኰነስ፡ ኣብ ፍትሓውን ግቡእን ኣጠቓቕማ ዝተመርኰሰ ክኸውን ኣለዎ ትብል።

ኣብዚ ብፍሉይ ናብ መራሒ ሶማልያ ዘነጻጸረ ሓተታ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝቐረበ ክትዕ ድማ፡ ኢትዮጵያ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሶማልያ ክትዋሳእ ምጽንሓ ብምዝኽኻር፡ ሶማልያ ኣብ ከምዚ ዝበለ ንረብሓ ኢትዮጵያ ዝጐድእ ኣዋጃት ምስታፋ ግቡእ ከምዘይኰነ እዩ ዝምጕት።

ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ካብ ዝወድቕ ብ1991 ኣትሒዙ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶታትን ጸጥታዊ ስርሒታትን ዓቢ ተራ ከም ዝተጻወተት እቲ ሓተታ እውን የዘኻኽር።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ፡ ሓያሎ ዋዕላታት ተበግሶታት ሰላም ሶማልያ ዘአንገደት ምዃናን፡ ኣብ ሶማልያ ንዝርከብ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓዊሱ ናብ ብዙሓት ሃገራት ዘሳተፈ ልኡኻት ድጋፍ ሰላም ወተሃደራት ኣዋፊራ እያ፡ ይብል።

እዚ ንመርገጺ ኢትዮጵያ ዘንጸባርቕ ሓተታ ገዝሙ ኢድቻ፡ ነዚ ታሪኽ ጸጥታዊ ምትሕብባር፡ ንውሳነ ሞቓድሾ ብፍላይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝገብሮ ይምጕት።

ሶማልያ ኣብ ተበግሶ ኣል ዓለሜን ምስታፋ፡ ምስቲ ኢትዮጵያ ክትህቦ ዝጸንሐት ናይ ነዊሕ እዋን ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ደገፍ ዝጻረር ምዃኑ ድማ ኣቕሪቡ።

ሶማልያ ግን ከም ዝዀነት ልዑላዊት ሃገር፡ ናይ ባዕላ ሃገራዊ ረብሓታት ዘንጸባርቕ ዲፕሎማስያዊ ምሕዝነት ናይ ምኽታል መሰል ከም ዘለዋ ክትማጐት ጸኒሓ እያ።

ሰበ-ስልጣን ሶማልያ ንግዝኣታዊ ሓድነት እታ ሃገር ምሕላውን ምስ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን መሻርኽቲ ሃናጺ ዝምድናታት ምዕቃብን ዘለዎ ኣገዳስነት ብተደጋጋሚ ኣስሚሮምሉ እዮም።

ብኻልእ ወገን ነቲ ኣዋጅ ኣል-ዓለሜን ዝነቕፉ ወገናት፡ ነቲ ብታሪኽ ግብጺ እትጣበቐሉ መርገጺታት ዘንጸባርቕ ምዃኑን ኣብ መንጎ ገለ ዞባውያን ኣካላት ንዝጸንሐ ስምምዓት ከዳኽም ከም ዝኽእልን ይምጕቱ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ኣዋጅ መትከላት ምምኽኻርን ጕድኣት ምውጋድን ኣብ ኣህጉራዊ ምምሕዳር ማይ ጽቡቕ ዝተሰረቱ ኣምራት ምዃኖምን ንዞባዊ ምርግጋእ ኣስተዋጽኦ ክገብሩ ከም ዝኽእሉን ይማጐቱ።

ካልእ ኣካታዒ ዛዕባ ብዛዕባ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት እዩ። ኢትዮጵያ ባሕሪ ኣልቦ ሃገር እኳ እንተ ዀነት፡ ብሰንኪ ብዝሒ ህዝባ፡ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቍጠባኣን፡ ብጐረባብቲ ሃገራት ኣቢሉ ኣብ ዝሓልፍ ናይ ባሕሪ መስመራት ንግዲ ዘለዋ ጽግዕተኛነትን፡ ኣብ ጕዳያት ቀይሕ ባሕሪ ዓቢ ቍጠባውን ጸጥታውን ረብሓታት ከም ዘለዋ ብተደጋጋሚ ክትማጐት ጸኒሓ እያ።

ገለ ኢትዮጵያውያን ተንተንቲ፡ ንኣዲስ ኣበባ ካብ ዘተታት ምምሕዳር ቀይሕ ባሕሪ ንምግላል ዝዓለሙ ዞባዊ ጻዕርታት ነዞም ሓቅታት እዚኦም ሸለል ይብሉ እዮም ይብሉ።

ካልኦት ኣብቲ ዞባ ዘለዋ መንግስታት ግን፡ ገማግም ባሕሪ ዘለወን ሃገራት መጻኢ ጸጥታዊ ኵነታት ናይቲ መስመር ማይ ኣብ ምውሳን ቀንዲን ወሳኒን ተራ ክጻወታ ከም ዘለወን፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ድማ ምስተን ኣብ ውሽጢ ዘለዋ ጐረባብቲ ሃገራት ክሳተፋ ከም ዘለወን ብተደጋጋሚ ክገልጻ ጸኒሐን እየን።

እዚ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታትን ድሌታትን ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ሰፊሕ ጂኦ-ፖለቲካዊ ወጥሪ ዘጕልሕ እዩ፤ ኣብዚ ዞባ ኣብ ልዕሊ መስመራት ባሕሪ፡ ጸጋታት ማይን ዞባዊ ጽልዋን ዝግበር ንሕንሕ ንዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ወሳኒ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ኣዋጅ ኣል ዓለሜን ዞባዊ ምትሕብባር የደልድልዶ ወይስ ነቲ ዘሎ ምክፍፋል ዝያዳ ከዕምቈ እዩ ዝብል ሕቶ ኣካታዒ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ንጹር ዝዀነ ነገር ግን እቲ ስምምዕ ኣብ ሓደ ካብቶም ብስትራተጂያዊ መዳይ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ ዞባታት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ልዑላውነት፡ ምክፋል ጸጋታትን ጸጥታን ኣብ ዝግበር ሰፊሕ ዘተታት ሕምረት ኰይኑ ኣሎ።

ዝምድና ኢትዮጵያን ሶማልያን

እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተፈጠረ ዲፕሎማስያዊ ቅልውላው፡ ድሕሪ'ቲ ብ 1 ጥሪ 2024 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ብዝተኸተመ መዘክር ምርድዳእ እዩ ተበጊሱ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ንንግዳውን ንሓይሊ ባሕሪን ዝውዕል ኣፍደገ ባሕሪ ሶማሊላንድ ክትረክብ፣ ሶማሊላንድ ብወገና ከም "ልኡላዊት ሃገር" ኣፍልጦ ኢትዮጵያ ክትረክብ ትጽቢት ነይሩ።

ሶማልያ ግን፡ ሶማሊላንድ ኣካል ልኡላዊ ግዝኣታ ምዃና ብምምጓት፡ እቲ ስምምዕ ንሉኣላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ዝጥሕስ እዩ ብምባል ነጺጋቶ።

ኣብዚ ጉዳይ ደገፍ ጐረባብቲ ሃገራት ንምርካብ ድማ ብጽዑቕ - ብፍላይ ናብ ግብጽን ኤርትራን፣ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ መገሻታት ኣካይዱ።

እዚ ዘይምስምማዕ ብቕልጡፍ እናዓበየ ብምኻድ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝተራእየ ኣዝዩ ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ተሰጋጊሩ።

ሶማልያ ኣምባሳደራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክትጽውዕ እንከላ፡ ኣንጻር እቲ መዘክር ምርድዳእ ድማ ሰፊሕ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ ጀሚራ።

ኣብ ሚያዝያ 2024፡ ሞቓድሾ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ብምስጓጕ፡ ኣብ ሶማሊላንድን ፑንትላንድን ዝርከባ ቆንስላታት ኢትዮጵያ ክዕጸዋ ኣዚዛ። ንኢትዮጵያ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶማልያ ኢዳ ተእቱ ኣላ ክብል ከሲሳታ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ንግብጺ፡ ኤርትራን ሶማልያን ዘሳተፈ፡ ስሉሳዊ ኪዳን ዝብል ሓድሽ ዞባዊ ኣሰላልፋ ኣብ ኣስመራ ብዝተገብረ ውዕል ሰለስቲኦም መራሕቲ ተቐልቂሉ።

ግብጺን ኤርትራን ንመርገጺ ሶማልያ ብምድጋፍ፡ ንግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ዘለወን ደገፍ ኣረጋጊጸን። ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ወጥሪ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እተን ሰለስተ ሃገራት ዲፕሎማስያውን ጸጥታውን ውህደተን ኣዕብየን።

ነዚ እናማዕበለ ዝመጽአ ሓባራዊ ምሕዝነት ግብጺ-ኤርትራ-ሶማልያ፡ ከም ግብረ-መልሲ ናይቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊላንድ ዝወሰደቶ ተበግሶ፡ ኣብ ልዕሊ ማይ ኣባይ ዘሎ ሰፊሕ ምስሕሓባትን፡ ኣዲስ ኣበባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ተገዳስነትን ተገይሩ ብሰፊሑ ተገልጸ።

እቲ ምስሕሓብ ብዛዕባ ዞባዊ ምርግጋጽ ስግኣታት ዘሕደረ ክኸውን ከሎ፡ ብፍላይ ድማ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሶማልያ ኣንጻር ኣል-ሸባብ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ርኡይ ተራ ይጻወቱ ብምንባሮም እዩ። ብዛዕባ መጻኢ ጸጥታዊ ምትሕብባርን ተሳትፎ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሶማልያ ኣብ ዝንቀሳቐስ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቶታት ተላዒሉ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ብመንጎኝነት ቱርኪ ብዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ኣብ ታሕሳስ 2024 ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ዘተ ክሳተፋን ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ክኽበርን ዘመባጽዕ 'ኣዋጅ ኣንካራ' ዝተሰምየ ስምምዕ ፈሪመን።

እቲ ናይ ሶማሊላንድ መዘክር ምርድዳእ ግን ኣብ መንጎ እተን ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ዓሚቝ ዘይምትእምማን ፈጢሩ ነይሩ እዩ።

እዚ ቅልውላው፡ ምስ ድሌታት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ሶማልያ፡ ግብጽን ኤርትራን ዝተሳተፋሉ ዝሰፍሐ ጂኦ-ፖለቲካዊ ንሕንሕ ብኸመይ ከም ዝተሓላለኸን፡ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከብ ፖለቲካዊ ምሕዝነታት ዳግም ብኸመይ ከም ዝውስን ከርኢ ጸኒሑ እዩ።

እንተዀነ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብፍላይ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያን ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ብተደጋጋሚ ክራኸቡን ክዛተዩን ተራእዮም ነይሮም።

እዞም ክልተ መራሕቲ ቀቅድሚ ዋዕላ ኣል ዓለሜን እውን ተራኺቦ ተዛትዮም ምንባሮም ይፍለጥ።