እስራኤል ብኳዕቲ ልዕሊ 1 ሽሕ ዓመት ዕድመ ዘለዎ መስጊድ ረኺባ

እቲ መስጊድ ኔጌቭ ኣብ ዝበሃል ምድረበዳ እዩ ተረኺቡ።
መግለጺ ስእሊ, እቲ መስጊድ ኔጌቭ ኣብ ዝበሃል ምድረበዳ እዩ ተረኺቡ።
Published

ኣብ እስራኤል ኔጌቭ ኣብ ዝበሃል ምድረበዳ፡ ሰብ ሞያ ስነ ኳዕቲ እስራኤል፡ ቅድሚ 1,200 ዓመት ኣቢሉ ዝተሃነጸ መስጊድ ረኺቦም።

እቲ ዝተረኸበ መስጊድ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ዝበሃሉ እዩ።

ሓለዋ ቅርስታት እስራኤል ከምዝበሎ፡ እቲ መስጊድ ዝተረኸበ ንህንጸት ተባሂሉ ኳዕቲ ኣብ ዝካየደሉ እዋን እዩ።

እስራኤል
ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብቲ ሓድሽ ዝተረኸበ መስጊድ ክሰግድ እንከለዉ
መግለጺ ስእሊ, ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብቲ ሓድሽ ዝተረኸበ መስጊድ ክሰግድ እንከለዉ

እቲ ዝተረኸበ መስጊድ ምስቶም ኣብ መካን እዮርሳሌምን ዝተረኸቡ ናይቲ ዘመን መሳጊድ ብዕድመ ዝቀራረብ ምዃኑ'ውን ሓለዋ ቅርስታት እስራኤል ገሊጹ።

ነቲ ኳዕቲ ዘካየዱ ሰብ ሞያ ብወገኖም "ኣብ ዓለምና ካብ ዝተረኸቡ ኩሎም ፍልይ ዝበለ" ክብሉ ገሊጾምዎ።

ነቲ መስጊድ ድማ ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ይጥቀምሉ ነይሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ግምቶም ኣቐሚጦም ኣለዉ።

ሓለዋ ቅርሲ እስራኤል ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ መብርሂ ክህብ እንከሎ
መግለጺ ስእሊ, ኣባል ሓለዋ ቅርስታት እስራኤል ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ መብርሂ ክህብ እንከሎ

እቲ መስጊድ ናሕሲ ኣልቦ ክኸውን እንከሎ፡ ብቕርጺ ርቡዕ ኩርናዕ ዝተሃነጸ እዩ።

ሓለዋ ቅርስታት እስራኤል

እቶም ታሪኽ ሃይማኖት እስልምና ዘጽንዑ ሰብ ሞያ ከምዝብልዎ፡ እቲ መስጊድ፡ ሃይማኖት እስልምና ናብታ ናይ ሎሚ እስራኤል ኣብ ዝኣተወሉ ናይ መፈለምታ ዓመታት ካብ ዝተሃነጹ ፈላሞት መስጊዳት ሓደ እዩ።