ሜላኒያ ትራምፕ፡ ምኽትል ኣማኻሪት ጸጥታ ዋይት ሃውስ ካብ ስርሓ ክትስጎግ ሓቲታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/ Reuters
ቀዳማዊት እመቤት ኣሜሪካ፡ ሜላንያ ትራምፕ፡ ምኽትል ኣማኻሪት ሃገራዊ ጸጥታ ካብ ስርሓ ክትስጎግ ንበዓልቤታ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ሓቲታ።
ሜላንያ ትራምፕ ምስ ምኽትል ኣማኻሪት ሃገራዊ ጸጥታ ዝተገራጨወት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዑደት ትገብረሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ከም ዝኾነ መራኸቢ ብዙሓን ኣሜሪካ ይጽብጽባ።
"ቀዳማዊት እመቤት፡ እታ ምኽትል ኣማኻሪት ኣብ ዋይት ሃውስ ክትሰርሕ ኣይትበቅዕን'ያ ዝብል መርገጺ ኣለዋ" ክብል ወሃቢ ቃል እታ ቀዳማዊት እመቤት ተዛሪቡ።
ዋይት ሃውስ ኮነ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ኣይሃቡን።
ሚስ ሪካርደል፡ ኣብ ትሕቲ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድህነተ ጆን ቦልተን፡ ከም ምኽትል ኣማኻሪት ሃገራዊ ድህነት ንዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣገልጊላ።
ሚስ ሜላንያ ትራምፕ ኣብቲ ናብ ኣፍሪቃ ዝነበራ ዑደት፡ ምስ ሚስ ሪካርደል ኣብ ነፋሪት ብዝነበረ መስርዕ ናይ ኣቀማምጣ ከም ዝተስሓሓባ መራኸቢ ብዙሓን ኣሜሪካ ጸብጺበን።
ኣብቲ እዋን ሜላንያ ትራምፕ፡ ንኤቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ዘይትኣምኖም ሰባት ከም ዘለው ተዛሪባ ነይራ።
ንሳ ወሲኻ ንፕረዚደንት ትራምፕ "ቅኑዕ ዝኾነ ማዕዳን ቅኑዕ ዝኾነ ርእይቶይን ኢየ ዝህቦ፤ እቲ ውሳነ ግና ናቱ ኢዩ" ብምባል ርእይቶኣ ኣካፊላ ነይራ።


![ቢን ሳልማን [ማእከል] ብየማኑ ኤርዶጋን፡ ብጸጋሙ ድማ ሸሪፍ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/7b12/live/e9429690-9998-11f1-870d-5d08c49babb2.jpg.webp)









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



