ኣከዳድና ኣዋልድ ብኣወዳት

Published

ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያን ብስእሊ ኣብዚ ቅነ

ተዋዘይቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ክፋል ኣይቮሪኮስት ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ካርኒቫል ኣለባብሳ ተረኺቦም ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣከዳድና ኣርእዮም።
መግለጺ ስእሊ, ተዋዘይቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ክፋል ኣይቮሪኮስት ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ካርኒቫል ኣለባብሳ ተረኺቦም ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣከዳድና ኣርእዮም።
ኣብቲ ናይ ኣይቮሪኮስት ካርኒቫል ኣወዳት ናይ ኣዋልድ ክዳውንትን መጸባበቒ ንዋትን ገይሮም ምርእታቶም ኣቕሪቦም።
መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ናይ ኣይቮሪኮስት ካርኒቫል ኣወዳት ናይ ኣዋልድ ክዳውንትን መጸባበቒ ንዋትን ገይሮም ምርእታቶም ኣቕሪቦም።
እዞም ክልተ ተባዕትዮ መርዓትን መርዓውን ኮይኖም ኣብቲ ካርኒቫል ተራእዮም።
መግለጺ ስእሊ, እዞም ክልተ ተባዕትዮ መርዓትን መርዓውን ኮይኖም ኣብቲ ካርኒቫል ተራእዮም።
ካልኦት ድማ ኣብ ገጾም ዝተፈላለዩ ሕብርታት ቀሊሞም ኣብ ርእሶም ቱፋሕ ሰቒሎም ናብቲ ካርኒቫል ቀሪቦም።
መግለጺ ስእሊ, ካልኦት ድማ ኣብ ገጾም ዝተፈላለዩ ሕብርታት ቀሊሞም ኣብ ርእሶም ቱፋሕ ሰቒሎም ናብቲ ካርኒቫል ቀሪቦም።
ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ዝነብራ ሶማልያውያን ተኣኪበን ኣብ ሰሓቕ ጸወታ እንከለዋ ዝተወሰደ ቅላዕ።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ዝነብራ ሶማልያውያን ተኣኪበን ኣብ ሰሓቕ ጸወታ እንከለዋ ዝተወሰደ ቅላዕ።
ኣብ ቀብሪ ዊነ ማዲዚከላ ማንዴላ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ተረኺቦም።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቀብሪ ዊነ ማዲዚከላ ማንዴላ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ተረኺቦም።
ውሩይ ሞዴል ናኦሚ ካምቤል ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዊነ ማዲዚከላ ማንዴላ ምስ ስድራ መዋቲት ኢድ ንኢድ ተጨባቢጡ።
መግለጺ ስእሊ, ውሩይ ሞዴል ናኦሚ ካምቤል ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዊነ ማዲዚከላ ማንዴላ ምስ ስድራ መዋቲት ኢድ ንኢድ ተጨባቢጡ።
ህጻዉንቲ ዝምባብዌ ኣብ ክብረ በዓል ናጽነት እታ ሃገር፡ ስእሊ ፕሬዚደንት ኢመርሰን ምናንጋግዋ ብጥበብ እናርኣዩ።
መግለጺ ስእሊ, ህጻዉንቲ ዝምባብዌ ኣብ ክብረ በዓል ናጽነት እታ ሃገር፡ ስእሊ ፕሬዚደንት ኢመርሰን ምናንጋግዋ ብጥበብ እናርኣዩ።

ፍልፍል ስእልታት AFP፣ Getty Imagesን EPA ን