ኢልሃንን ብጾታን ሓድሽ ውግእ ኢትዮጵያ ብምዅናን ህጹጽ ዘተ ክካየድ ጸዊዖም

ኢህልሃን ዑመር ማይኮሮፎን ሒዛ እናተዛረበት
መግለጺ ስእሊ, ኣባል ጕጅለ ዕማም ፖሊሲ ኣመሪካ-ኣፍሪቃ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ዝዀነት ኢልሃን ዑመር
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወልዐ ወተሃደራዊ ግጭትን ኣብ ርእሰ-ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰምዐ ነተጕትን ስዒቡ፡ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካን ትካል ሰላም ኤውሮጳን ኵሎም ተጻባእቲ ወገናት ብህጹጽ ተዅሲ ደው ከብሉን ናብ መኣዲ ዘተ ክምለሱን ጸዊዖም።

ኣባላት ጕጅለ ዕማም ፖሊሲ ኣመሪካ-ኣፍሪቃ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ዝዀኑ ኢልሃን ዑመር፡ ጆን ጋራመንዲን ጂም ማክጎቨርንን ብ1 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እናበኣሰ ብዝኸይድ ዘሎ ግጭት ዓሚቝ ስግኣቶም ገሊጾም።

እቶም ኣባላት ባይቶ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ልዕሊ ዘመላልሳ ዝነበራ መካይን ረድኤት ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣትሪሮም ኰኒኖም።

እዚ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታትን ንዋትን ረድኤት ዝበጽሕ ዘሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ድሮ ተደሪቱ ዘሎ ተበጻሕነት ህይወት ኣድሕን ዝያዳ ዘሰናኽል ምዃኑ ገሊጾም።

እቶም ወከልቲ ህዝቢ፡ እቲ ኣብ 2022 ዝተኸተመ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብግብሪ ኣይተሓለወን ብምባል፡ እዚ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ንመላእ እታ ሃገርን ነቲ ብዅናት ሱዳን ብኸቢድ ተሃስዩ ዘሎ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ዝኸፍአ ስትራተጅያዊ ሓደጋ የውድቖ ምህላዉ ኣረዲኦም።

እዞም ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎም ኣባላት ባይቶ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነዚ ግጭት ንምስዓርን ተሓታትነት ንምርግጋጽን ምስ ኵሎም ወገናት ብቐረባ ክሰርሕ ኣተሓሳሲቦም።

ብተመሳሳሊ፡ ወኪል ትካል ሰላም ኤውሮጳ ሚስተር ኬይሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰምዐ ጸብጻባት ሓደጋ ነተጕትን ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ዳግማይ ተወሊዑ ዘሎ ውግኣትን ኣብ ልዕሊ ድሕንነት ሰለማውያን ሰባት ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተፈጺሙ ዝተባህለ ፍጻመ ነተጕቲ፡ እንታይ ዓይነት ጕድኣት ከም ዘስዓበ ዝሕብር ንጹር ሓበሬታ ዛጊት የሎን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ወይ ፖሊስ ፈደራል'ውን ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ክሳዕ ሕጂ ዝሃብዎ መብርሂ የሎን።

ሚስተር ኬይሲ፡ ካብ ዝሓለፈ ኣዕናዊ ተመኵሮ ብምምሃር፡ ኵሎም ወገናት ንህዝቦም ናብ ጐደና ሰላም ክመርሑ ተማሕጺኖም።

ትካሎም ኣብ ኣፍሪቃ ዘላቒ ርግኣት ንምምጻእ ብዘለዎ ተበግሶ መሰረት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ እቲ "ዓለምለኻዊ ሰላም 2030" ዝብል መደብ ዝተዳለወ "ሰላማዊት ሃገር" ዘርእስቱ ጕዕዞ ክትጽንበር ጸዊዖም።

እዚ ጕዕዞ ሰላም፡ ተጻባእቲ ሓይልታት ብመንጎኝነት ኣህጉራውያን ትካላት ናብ ሓባራዊ ምርድዳእ ክበጽሑ ዘተባብዕ መደብ እዩ።

"መርገጽየይ ንጹር እዩ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ምምጻእ ይከኣል እዩ። ኵሎም ተጻባእቲ ወገናት ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ብምፍራም ኣብ ትርጕም ዘለዎ ሰላማዊ ዘተ ክሳተፉ ኣለዎም፡" ክብል መርገጺኡ ኣነጺሩ።

ብዛዕባ'ዚ ብኣባላት ባይቶ ኣመሪካን ትካል ሰላም ኤውሮጳን ዝቐረበ ሓደስቲ መግለጺታት - ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ መካይን ረድኤት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝምልከት ክሲ - መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሃቦ ወግዓዊ ምላሽ ክሳዕ ሕጂ የሎን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ ዓርቢ 2 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ሓድሽ ውግእ እናሰፍሐ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ህጹጽ ኣኼባ ክጽውዕ ጸዊዑ ኣሎ።

ኣምነስቲ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ጃምላዊ ህልቂት ክሳዕ ዝወርድ ከይተጸበየ፡ ህጹጽ ስጕምቲ ብምውሳድ ኵሎም ወገናት ብቕጽበት ተዅሲ ደው ከብሉ ጸቕጢ ክገብር ኣተሓሳሲቡ።