ብሉፃት ምስልታት ኣፍሪካ

Published

ካብ መላእ ኣፍሪካ ዝተኣኻኸቡ፡ ሕሩያት ምስልታት ኣፍሪካ እዚ ሰሙን። ከምኡ'ውን ኣፍሪካውያን ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ኣብዚ ሰሙን።

ሳንድራ ኩኣዲዮ ምስ ኣሰራርሓ ፀጉራ - ኣቢጃን አይቮሪኮስት

ሳንድራ ኮኣዲዮ፡ በዚ ኣሰራርሓ ፀጉራ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣየቮሪ ኮስት - ኣቢጃን ሸናዕ እንትትብል...

ሰራሒ ፀጉሪ ሳይመን ኬንዶህ፡ ዓማዊሉ እንትፅበ - ኣይቮሪኮስት (ኣቢጃነ) 13 ጥቅምቲ 2017

ኣብ ከተማ ኣቢጃን ዝነብር ሰራሕ ጸጉሪ ሳይመን ኬንዶህ ዓማዊሉ እንትፅበ።

ንቅነ ፋሽን ኬንሻሳ ስርሓ ተዳሉ ዘላ በዓልቲ-ሞያ

ኣብ ርእሰ ከተማ ዴሞክራቲክ ኮንጎ - ኬንሻሳ ንዝተዳለወ ቅነ ፋሽን፡ ንዝቐርብ ስራሕ ዝዳለው ዘለው ሞዴላት

ኣብ ምድላው ዘላ ሞዴል - ኬንሻሳ

ገለ ኪኢላታት ንምፅብባቕ፡ መብራህቲ ሞባይል ስልኮም ይጥቀሙ ነይሮም።

ስርሕቲ ፋሽን ኣብ መድረኽ እተቕርብ ሞዴል - ኪንሻሳ

ካብ ኮንጎ ብዝመፀት ዲዛይነር ዝቐረበ ስራሕ ዘቕረበት ሞዴል።

ባህላዊ ምርኢት ጅጋኑ ተዋጋእቲ ኣብ ሞሮኮ

ፈረሰኛታት ተዋጋእቲ ሞሮኮ ኣብ ምዕራብ ካዛብላንካ - ከተማ ኤል ጀዲዳ ባህላዊ ምርኢት እንተቕርቡ

ባህላዊ ምርኢት ፈረሰኛታት ተዋጋእቲ ሞሮኮ

እቶም ፈረሰኛታት መስርዖም ሓልዮም ብሓባር ብምኻድ እዮም ምርኢቶም ዘቕርቡ። ብማዕረ ናህሪ እናጋለቡ ብዝሓዝዎ ጠመንጃ ናብ ሰማይ ይትኩሱ።

ባህላዊ በዓል ህንዳውያን 'ዳዋሊ' ዘድምቓ ህንዳውያን - ደቡብ ኣፍሪካ

ባህላዊ ተላሃይቲ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ - ደርባን፡ ንባህላዊ በዓል ህንዲ 'ዳዋሊ' ዘድምቕ ትልሂት ንምቕራብ እንትዳለዋ።

ሳዕሳዕቲ ናየጀርያ ኣቢጃን - 17 ጥቅምቲ 2017

ሳዕሳዕቲ ኣቢጃን - ኣብ ጉባኤ ኣንስቲ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ምርኢት ኣቕሪቦም። እቲ ጉባኤ ትሕቲ ዕድመ ሸቅሊ ንምቅላስ ዝዓለመ እዩ።

ላይቤሪያውያን ህፃናት ተምሃሮ

ህፃናት ተምሃሮ ላያቤርያ፡ ኣብ ከተማ ሞኖሮቪያ ማዕርነት ፆታ ዝገልፅ መልእኽቲ ኣብ ግምባረን ኣሲረን ይርኣያ። እታ ሃገር መዓልቲ ህፃናት ደቀ-ኣንስትዮ ተኽብር እያ።

ጋዜጣ ክዕድጉ ዘይክእሉ ላይቤርያውያን ውፅኢት መረፃ ሃገሮም ኣብ ፀሊም ሰሌዳ ይከታተሉ

ኣብ ላይቤርያ ጋዜጣ ንምግዛእ ዓቕሚ ዘይብሎምን ሞባይል ኢንተርኔት ዘይጥቀሙን ዜጋታት፡ ውፅኢት መረፃ ሃገሮም ኣብ ፀሊም ሰሌዳ ካብ ዝጥቃዕ ሓበሬታ ይከታተሉ።

ኣጥቃዓይ ጋንታ ዶርትሙንድ ብዘቑፀራ ሸቶ ታሕጓሱ እንትገልፅ

ጋቦናዊ ኣጥቃዓየ ፒየረ-ኤምሪክ ኡባሚኣንግ፡ ኣብ ቀዳማይ ዲቪዝዮን ጀርመን ንጋንትኡ ዶርትሙንድ ድሕሪ ዘመዝገባ ሸቶ፡ ታሕጓሱ ብኸምዚ ገሊፁ።