ኢትዮጵያ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ወተሃደራዊ ስልጠና ይወስዱ

ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ሩስያ ዑደት ዘካየደ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ንሰራዊቱ ብዘመናዊ ኣጽዋር ንምሕያል ዘለዎ ሸቶ ብምግላጽ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ዘገብራ እተባህለሉ ሱ-35 ዝዓይነተን ዘመናዊያን ነፈርቲ ውግእ ከም ዝተረከቡ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኢሳይያስን ፑቲንን ተዛትዮም

    እቶም መራሕቲ ኣብ ዘተ

    ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ብ 30 ጥቅምቲ ኣብ ክረምሊን ዘተ ብምክያድ፡ ክልተኣዊ ዝምድናታት ኣብ ምድልዳልን ኣብ ኣገደስቲ ቍጠባውያን ዓውድታት ምትሕብባር ኣብ ምስፋሕን ተመያይጦም ክብል ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።

    እቲ ርክብ ኣብ ጎድኒ መበል ሳልሳይ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ንኣቶ ኢሳይያስ ኣብቲ ዋዕላ ብምስታፉ ኣመስጊኑ፤ ሞስኮ ምስ ኤርትራ ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ ቴክኖሎጂ፡ ዕደና፡ ሕርሻን ውሕስነት መግብን ዘለዋ ምትሕብባር ንምዕማቝ ዘለዋ ድልውነት ዳግማይ ኣረጋጊጹ።

    ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ምኒስትሪ ዜና፡ ፑቲን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሓያሎ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ተመሳሳሊ መርገጺ ከም ዘለወን ብምግላጽ፡ ኤርትራ ኣብ መድረኻት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንእትህቦ ደገፍ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ዋዕላ ምስታፉ ከም ፍሉይ ዕድል ብምግላጽ፡ ሩስያ ብዘለዋ ናይ ቴክኖሎጂን ኢንዱስትሪን ዓቕሚ ተጠቒማ ምስ ኣፍሪቃ ኣብ ዘለዋ ርክብ መሪሕ ተራ ክትጻወት ከም ዝግባእ ኣረዲኡ።

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣብ ሩስያ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይን ኣብ ዝተረኽብሉ ናይ መኽፈቲ ርክብ ድሕሪ ምዝታዮም፡ ክልቲኦም መራሕቲ ዘተኦም ብዕጹው ማዕጾ ቀጺሎምዎ።

    ኣብቲ ዕለት ኣቐዲሙ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ትሕተ-ቕርጺ መጓዓዝያ ዝግበር ምትሕብባር ንምምይያጥ ምስ ምኒስተር መጓዓዝያ ሩስያ ዲሚትሪ ያድሮቭ ተራኺቡ ነይሩ።

    እቲ ዘተ ኣብ መሬታዊ፡ ባሕራውን ኣየራውን መጓዓዝያ ዘተኰረ ኰይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ምትሕብባር ንምስፋሕን ምስ ትካላት ሩስያ ሽርክነት ንምምችቻእን ዘለዎም ድሌት ገሊጾም። ልኡኽ ኤርትራ፡ ምምዕባል ትሕተ-ቕርጺ - ወደባት፡ መዓርፎታት ነፈርቲ፡ ጽርግያታትን መስመር ባቡርን ሓዊሱ - ኣብ ቍጠባ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስሚሩሉ።

    ብመሰረት ሓበሬታ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብዞም ዓውድታት እዚኦም ምትሕብባር ንምስጓም ዝዓለሙ ጭቡጣት መደባት ንምሕንጻጽ ተሰማሚዖም ኣለዉ።

    ሞስኮ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ከም ንግዲ፡ ትሕተ-ቕርጽን ቴክኖሎጂን ኣብ ዝኣመሰሉ ዓውድታት ዘለዋ ሽርክነት ንምስፋሕ ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ እዋን፡ እዚ ርክባት’ዚ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሩስያን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምትእስሳር ዘንጸባርቕ እዩ።

    ኤርትራን ሩስያን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታተን ዘደልደላ ኰይነን፡ ኣብ ሓያሎ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ድማ ተደጋጋሚ ተመሳሳሊ መርገጺታት ኣንጸባሪቐን እየን።

    ተወሳኺ ንባብ፤

  2. ትም-ሕትም መንግስቲ ኢትዮጵያ

    ካብ ሞያለ ዝሃደሙ ኣሽሓት ሰባት

    ኣብታ ኣብ መንጎ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን እትመሓደር ስትራተጅያዊት ናይ ዶብ ከተማ ሞያለ ብዝተወልዐ ደማዊ ግጭት፡ ኣስታት 50,000 ሰላማውያን ዜጋታት ተመዛቢሎም ናብ ዶብ ኬንያ ክሃድሙ እንከለዉ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ኣብ ትም-ሕትም ተዋሒጡ ይርከብ።

    እቲ ኣብ መንጎ ቦረና ኦሮሞን ጋሬ ሶማልን ብሰንኪ ምስቃል ባንዴራን ምኽፋት ሓድሽ ምምሕዳራዊ ቤት ጽሕፈትን ዝተወልዐ ምስሕሓብ፡ ብቕጽበት ናብ ከቢድ ደማዊ ረጽሚ ብምቕያር፡ ቅትለት፡ ምዕናው ንብረት፡ ምዕጻው ንግዳዊ ምንቅስቓሳትን ምቍራጽ ኣገልግሎታት ማይን መብራህትን ኣስዒቡ ኣሎ።

    ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን (UNHCR) ኣባላት ፓርላማ ኬንያን፡ እዚ ብዝሒ ተመዛበልቲ ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቕርጽን ጸጋታትን ሰሜናዊ ኬንያ ከቢድ ጸቕጢ ይፈጥር ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ እቲ ግጭት እንተ ዘይተዓጊቱ ዝገደደ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘስዕብ የጠንቅቑ ኣለዉ።

    ከንቲባ ከተማ ሞያለ ብወገን ኦሮምያ ጋልማ ቆሮፊቻ፡ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ሶማል ነቲ ባርዕ ኣቀጣጢሎምዎ ክብል ክኸስስ እንከሎ፤ ብወገን ክልል ሶማል ዝዀነ ከንቲባ ኩላ ዓሊ ዓብዲራሕማን ብግዲኡ ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ተቓወምቲ ነቲ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ሓባር ምምሕዳር ኣፍሪሶም ህይወት ሰባት የጥፍኡ ከም ዘለዉ ይገልጽ።

    ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝካየድ ዘሎ ናይ ብሄር ዘመተን ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ተሳቲፎም ዝብል ዘይተረጋገጸ ወረታትን ድማ ነቲ ወጥሪ መመሊሱ የጋድዶ ኣሎ።

    እቲ ዘገርም ግን፡ እዚ ኵሉ ህልቂትን ሰፊሕ ምምዝባልን እናተኻየደ፡ ጐረባብቲ ሃገራት ህጹጽ ደው ምባል ተዅስን ሰላማዊ ዘተን ክካየድ እናጸወዓ እንከለዋ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዅን ሓይልታት ጸጥታ ክሳዕ ሕጂ ዝሃብዎ ወግዓዊ መግለጺ የሎን።

    ቢቢሲ ብዛዕባ’ዚ ቅልውላው መብርሂ ንምርካብ ናብ ምኒስትሪ ሰላምን ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን ፈደራላዊ መንግስትን ብተደጋጋሚ ተሌፎን ብምድዋልን መልእኽቲ ብምስዳድን እኳ እንተፈተነ፡ ዝዀነ ምላሽ ኣይረኸበን።

    ንምሉእ ትሕዝቶ እዚ ጸብጻብ፤

    ተወሳኺ፤

  3. ኢትዮጵያ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ወተሃደራዊ ስልጠና ይወስዱ

    ሰበስልጣን ኢትዮጵያ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣባላት ካቢነን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ኣብ ሁርሶ ወተሃደራዊ ስልጠና ይወስዱ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ።

    እቶም ሰበስልጣን ዝወስድዎ ዘለዉ ስልጠና፡ ነቲ ኣብ “ዓቢይ ስትራተጂ ስልጣነ መደመር” ዝሰፈረ ኣምራት “ብግቡእ ንምርዳእን ንምትግባርን” ወሳኒ ምዃኑ ድማ ገሊጹ።

    እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኰይኑ ወተሃደራዊ ልምምድ እናገበረ ዘርእዩ ኣሳእል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘርጊሑ’ሎ።

    ካብቶም ወተሃደራዊ ዩኒፎርም ተኸዲኖም ዝተራእዩ ሓለፍቲ፡ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ሙፈሪያት ካሚል፡ ምኒስተር ፋይናንስ ዶ/ር ፍጹም ኣሰፋ ከምኡ’ውን ምኒስተር ጥዕና ዶ/ር መቕደስ ዳባ ይርከባኦም።

    ኣቢይ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ወተሃደራዊ ስነፍልጠት ንስነምግባርን ኣፈጻጽማን ደቂ-ሰብ ብምቕራጽ፡ “ሃገራዊ ድሕነት ንምውሓስን ንማንም ዘይትምብርከኽ ሃገር ንምህናጽ” ኣገዳሲ ተራ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

    እዚ ወተሃደራዊ ስልጠና ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝወሃብ ዘሎ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ህወሓት ዳግማይ ውግእ ተባሪዑ፡ ሰራዊት ፈደራል ምስ ናይ ትግራይ መሻርኽቱ “ሓይልታት ሰላም” ብምዃን መብዛሕትኡ ክፋል እታ ክልል ኣብ ዝተቘጻጸረሉ እዋን እዩ።

    ሰራዊት ፈደራል ናብቲ ትግራይ ምስ ኤርትራ እትዳወበሉ ከባቢታት እናተጸግዓሉ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ሓድሽ ውግእ ክውላዕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት እናዓበየ መጺኡ ኣሎ።

    ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰንኪ ምድጋፍ ተቓወምቲ ዕጡቓትን ሕቶ ዋንነት ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ኣብ ዝተሓላለኸ ምትፍናን ብምእታወን ዲፕሎማስያዊ ርክበን ኣቋሪጸን እየን።

    ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ሩስያ ዑደት ዘካየደ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ንሰራዊቱ ብዘመናዊ ኣጽዋር ንምሕያል ዘለዎ ሸቶ ብምግላጽ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ዘገብራ እተባህለሉ ሱ-35 ዝዓይነተን ዘመናዊያን ነፈርቲ ውግእ ከም ዝተረከቡ ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ሰበስልጣኑ ኣሰሊፉ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ምእታው ድማ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝዓለመ ምዃኑ ይግምገም።

    ተወሳኺ፤

  4. ኤርትራ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ምስዋር ዜጋታትን ብህጹጽ ደው ከተብል

    ቢትወደድ ኣብርሃ

    ገለልተኛታት ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ 1991 ጀሚሩ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ብግዲ ምስዋር ዜጋታትን ብዘይ ዝዀነ ተሓታትነት ይቕጽል ምህላዉ ብምግላጽ፡ እዚ ተግባር’ዚ ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዖም።

    እቶም ኣብ ጀነቫ ዝመደበሮም ክኢላታት፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ብዘይ ዝዀነ ክስን ፍርድን ኣብ በይናዊ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከም ዘለዉን፡ ኣድራሻኦም ስለ ዘይፍለጥ ድማ ኣብ ልዕሊ ቤተሰቦምን ማሕበረሰቦምን ቀጻሊ ስቓይ ፈጢሩ ከም ዘሎ ኣረዲኦም።

    እቶም ክኢላታት ከም መርኣያ ናይቲ ስእነት ፍትሒ፡ እቲ ካብ ጥቅምቲ 1991 ጀሚሩ ብሰንኪ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝነበሮ ፖለቲካዊ ፍልልይን ነቐፌታ ኣጠቓቕማ ወደብ ዓሰብን ንልዕሊ 35 ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሩ ዝርከብ ገዲም ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃ ጠቒሶም ኣለዉ።

    ብተመሳሳሊ፡ ድሕሪ ኲናት ዶብ ኣብ መስከረም 2001 ቅዋም ኣብ ግብሪ ንኽውዕልን ደሞክራስያዊ ለውጢ ክመጽእን ብምሕታቶም ዝተኣስሩ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ነበር (ጕጅለ-15)፡ ናጻ ጋዜጠኛታትን፡ ከምኡ’ውን ብኣማኢት ዝቝጸሩ መራሕቲ ሃይማኖታት ምስልምናን ክርስትናን ተሰዊሮም ከም ዘለዉ ተዘርዚሩ።

    ደቂ እቶም ግዳያት ዝዀኑ ሃና ጴጥሮስ ሰሎሞንን ኢብራሂም ማሕሙድን፡ ክልቲኦም ወለዶም ብግዲ ተወሲዶም ንዓሰርተታት ዓመታት ደሃዮም ብዘይምፍላጡ ዝወረዶም መሪር ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንብራት መስኪሮም እዮም።

    እቶም ክኢላታት፡ እዚ ስርዓታዊ ጥሕሰት “ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት” ክኸውን ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዅሎም እሱራት ብዘይ ቅድመ-ዅነት ክፍትሕ፡ ደሃዮም ከነጽር፡ ከምኡ’ውን ናጻ መርመራ ኣካይዱ ግቡእ ካሕሳ ክኸፍል ጸዊዖም ኣለዉ።

    እዚ ጻውዒት፡ ቅድሚ ሕጂ ብኮምሽን መርመራ ሕቡራት ሃገራትን ኮምሽን ኣፍሪቃን ካብ ዝተመሓላለፉ ውሳነታት ዝተቐድሐ እዩ።

    መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ እዞም ጸብጻባት ልኡላውነት ንምድኻም ዝዓለሙ ፖለቲካዊ ውዲታት ምዃኖም ብምግላጽ ክነጽጎም ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ነቶም ናይ 2001 እሱራት ድማ ኣብ እዋን ኲናት ምስ ተጻባእቲ ብምሻራኽ “ሃገራዊ ክድዓት ፈጺሞም” ብምባል ይኸሶም።

    ተወሳኺ ካልእ ትሕዝቶታት ንምርኣይ

  5. ኣስታት 50 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ካብ ዓመጽ ሃዲሞም ናብ ኬንያ ይኣትዉ

    ሰብኣዊ ትካላት፡ ካብ ዓመጽ ሃዲሞም ናብ ኬንያ ንዝሃደሙ ኢትዮጵያውያን ህጹጽ ሓገዝ ንምሃብ 1.16 ቢልዮን (10 ሚልዮን ዶላር) ይሓቱ ኣለዉ።

    ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ከም ዝጸብጸቦ፡ ካብ 22 ጥቅምቲ 2026 ጀሚሩ ብውሕዱ 50 ሽሕ ሰባት ዶብ ሰጊሮም ኣለዉ።

    እቲ ገንዘብ ኣብ ኬንያ ድሕነት ንዝደልዩ ሰባት መግብን ካልእ ኣገዳሲ ሓገዛትን ንምሃብ ዝሕግዝ እዩ።

    ኣብታ ኣብ ዶብ ኬንያን ኢትዮጵያን እትርከብ ከተማ፡ ካብ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ መንጎ ኣባላት ማሕበረሰባት ኦሮሞን ሶማልያን ግጭት ይካየድ ኣሎ።

    በቲ ዝተወልዐ ግጭት መንበሪ ኣባይትን ትካላት ንግድን ሓዊሱ ብዙሓት ንብረታት ከም ዝተቓጸሉ ምንጭታት ንቢቢሲ ገሊጾም እዮም።

    ተወሳኺ ካልእ ትሕዝቶታት ንምርኣይ

    ኣስታት 50 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ካብ ዓመጽ ሃዲሞም ናብ ኬንያ ይኣትዉ
  6. ኤስ-400 ጸረ-ኣየር ሚሳይል እንታይ'ዩ ብኸመይከ ይሰርሕ?

    ኤስ-400 ጸረ-ኣየር ሚሳይል እንታይ'ዩ ብኸመይከ ይሰርሕ

    ኤስ-400 (S-400) ኣብ ሩስያ ዝተሰርሐ ናይ ኣየር ስርዓት ምክልኻል እዩ። ዕላማኡ ካብ ሰማይ ዝመጹ ስግኣታት ከም ተዋጋእቲ ኣውሮፕላናት፣ ድሮናት ከምኡ ሚሳይላት ንምርካብን ምውዳቕን እዩ።

    'ባትሪ' ዝብል መጸውዒ ንሓደ ኣሃዱ ስርዓተ-መዳፍዕን ሚሳይላትን ዝውክል እዩ። ስለዚ ኣርባዕተ ባትሪታት ኤስ-400 ኣርባዕተ ተሸከምቲን ናይ መራኸቢታትን ድሩዓት መካይን ዘጠቓለለ ጕጅለታት ናይቲ ዕጥቂ ማለት'ዩ።

    ነፍሲወከፍ ስርዓተ-ምክልኻል ናይቲ ሚሳይላት ምስ ሓበሬታ ራዳርን ዒላማታትን ተወሃሂዱ ዝሰርሕ ምዃኑ ይፍለጥ።

    ፈለማ ኣብ ርሑቕ ዝርከብ መቈጻጸሪ ራዳር፡ ነቲ ዒላማ ረኺቡ፡ ነቲ ሓበሬታ ናብታ መአዘዚት ተሽከርካሪት ይሰዶ።

    እቲ ዒላማ ምስ ተለለየ ድማ፡ እታ መአዘዚት ተሽከርካሪት እቲ ሚሳይል ክትኮስ ትእዝዝ።

    እቲ ትእዛዝ፡ ናብታ ኣብ ዝሓሸ ቦታ ዘላ ሚሳይል ዝጸዓነት ድርዕቲ ተሽከርካሪት ይለኣኽ፡ ሽዑ ድማ እቲ ሚሳይል ይውንጨፍ።

    ብቐሊሉ እንተርኢናዮ፡ ኤስ-400 ቀዳማይ ነቲ ስግኣት ይርእዮ፣ ድሕሪኡ ይከታተሎ፣ መወዳእታ ድማ ንምውዳቑ ሚሳይል ይትኹስ። እዚ ዂሉ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ወይ ሰከንድታት እዩ ዝፍጸም።

    ተወሳኺ ካልእ ትሕዝቶታት ንምርኣይ

  7. ኢትዮጵያ ሱ-35 ምዕጣቓ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሚዛን ቀርኒ ኣፍሪቃ እንታይ ጽልዋ ይፈጥር?

    ኢትዮጵያ ሱ-35 ምዕጣቓ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሚዛን ቀርኒ ኣፍሪቃ እንታይ ጽልዋ ይፈጥር?

    ኢትዮጵያ 12 ዘመናውያን ሱ-35 ነፈርቲ ወግእ፤ ኣብ ቀጻሊ እውን ኣርባዕተ ኤስ-400 ስርዓተ-መከላኸሊ ኣየር ከም እትረክብ ክግለጽ ቀንዩ ኣሎ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ነዘን ኣብ መንጎ ራብዓይን ሓምሻይን ወለዶ ተዋጋእቲ ነፈርቲ ኲናት ዝርከባ ዘመናውያን ነፈርቲ ምዕጣቓ፡ "ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ" ከም እትኸውን ጠቒሱ ነይሩ።

    ክሳብ ሕጂ ብዘይካ ኢትዮጵያ ነዘን ነፈርቲ ኲናት ዝዓጠቐት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣልጀርያ ጥራይ ምዃና እዩ ዝንገር።

    ብዛዕባ'ዘን ብዙሕ ክዝረበለን ዝቐነየ ነፈርቲ ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ዝገበረ ምኩር መራሕ ነፋሪት ኲናትን ኣሰልጣንን ካፕተን ተሾመ ተንኮሉ፡ ኢትዮጵያ ነዘን ዘመናውያን ነፈርቲ ምዕጣቓ ከም ዘደንቖ ይገልጽ። ምሉእ ዛንታ ኣብዚ ኣንብቡ

    ተወሳኺ ካልእ ትሕዝቶታት ንምርኣይ

  8. ኢማራት ንኣዘዝቲ ሱዳን ንማእሰርቲ ፈሪዳ፡ ካርቱም ንሕጹይነት ኣቡ ዳቢ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተቓዊማቶ

    ምክትል ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ያሲር ኣል-ዓጣ
    መግለጺ ስእሊ, ምክትል ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ያሲር ኣል-ዓጣ

    ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርከብ ፈደራላዊ ቤትፍርዲ ይግባይ ኣቡ ዳቢ፡ ንሸሞንተ ዜጋታት ሱዳን - እንተላይ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊትን ስለያን እታ ሃገር - ብገበን ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣጽዋርን ምሕጻብ ገንዘብን ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ፈሪዱ።

    እዚ ስጕምቲ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት እናተበላሸወ ንዝመጽአ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዘንጸባርቕ ኰይኑ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ሱዳን ንሕጹይነት ዜጋ ኢማራት ኣብ መዝነት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብትሪ ተቓዊማ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ወግዓዊ ማዕከን ዜና ኢማራት (ዋም)፡ እቶም ብኣካል ኣብ ዘይተረኽቡሉ ዝተፈርዱ ሓለፍቲ፡ ምክትል ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ያሲር ኣል-ዓጣ፡ ናይ ቀደም ሓላፊ ሃገራዊ ስለያ ሳላሕ ዓብደላ (ሳላሕ ጎሽ)፡ ከምኡ'ውን ላዕለዋይ ሓላፊ ፋይናንስ ሰራዊት ሱዳን ዑስማን ኣል-ዙበይር ይርከብዎም።

    ተወሳኺ ካልእ ትሕዝቶታት ንምርኣይ

  9. ሶማሊላንድ፡ ን28 ዓመታት ዝተዳጐነ ኢትዮጵያዊ ብናጻ ኣፋንያ

    ዳሂር ቃስም ምስቲ መተኣስርቱ ዝነበረ ምኒስተር ሰላም እናተበሃሃሉ
    መግለጺ ስእሊ, ዳሂር ቃስም ዓብደላ (የማናይ) ምስቲ መተኣስርቱ ዝነበረ ምኒስተር ዮኒስ ኣሕመድ

    መንግስቲ ሶማሊላንድ፡ ብጉዳይ ቅትለት ተኸሲሱ ን28 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ ዳሂር ቃስም ዓብደላ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ፡ መንቀጺ ደም ካሕሳ ክኸፍል ድሕሪ ዝተገብረ ስምምዕ ብናጻ ተፋንዩ።

    እቲ ዝገርም ፍጻመ፡ እዚ ናጽነት ክረጋገጽ ዝኸኣለ፡ ናይ ሕጂ ምኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ዮኒስ ኣሕመድ፡ ኣብ 2017 ምስቲ እሱር ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ስለ ዝነበረን ንኽሕግዞ ቃል ኣትዩሉ ስለ ዝነበረን እዩ።

    እቲ ካብ ብሄር ኦሮሞ ዝዀነ ዳሂር፡ ኣብ 2000ታት ምስኡ ይሰርሕ ንዝነበረ ሰብ ብምቕታሉ እዩ ኣብ ማእከላይ ቤት ማእሰርቲ ሃርጌሳ ተኣሲሩ ነይሩ።

    እቲ ጉዳይ ንነዊሕ ዓመታት መዕለቢ ስኢኑ ዝተደናጐየሉ ምኽንያት ድማ ካሕሳ ክወስዱ ዝግበኦም ስድራቤት ናይቲ ግዳይ ብቐሊሉ ክርከቡ ኣጸጋሚ ኰይኑ ስለ ዝጸንሐ እዩ።

    ምኒስተር ዮኒስ ኣሕመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ድሕሪ ዝተኻየደ ነዊሕ ዘተ፡ ክልተኡ ስድራቤት ኣብ ጉዳይ መንቀጺ-ደም ካሕሳ ክሰማምዑ ብምግባር ነቲ ጉዳይ ፈቲሕናዮ ኣለና፡" ኢሉ።

    ነዚ ንምዕዋት፡ ምኒስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያን ኣብ ሶማሊላንድ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሓባራዊ ጻዕሪ ገይሩ እዩ። ይዅን`ምበር፡ ብዛዕባ መጠን እቲ ዝተኸፍለ ካሕሳ ዝተዋህበ ዝርዝር ሓበሬታ የሎን።

    ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ መሪር ተመኵሮ ማእሰርትን ድሕሪ 28 ዓመታት ዝተረኽበ ናጽነትን ንምሕታት ምስ ዳሂር ንምርኻብ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበረ፡ ናብ ሃገሩ ይምለስ ስለ ዘሎ ግን ክርከብ ኣይተኻእለን።

    ተወሳኺ ካልእ ትሕዝቶታት ንምርኣይ

  10. ስሙይ ተዋሳኣይ ፊልም 'ስታር ትሬክ' ሰር ፓትሪክ ስቱዋርት ኣብ 86 ዓመቱ ዓሪፉ

    ሰር ፓትሪክ

    ብፍላይ ኣብ ተኸታታሊ ፊልምታት ስታር ትሬክ (Star Trek) ገጸ-ባህሪ ‘ካፕተን ዣን-ሉክ ፒካርድ’ ሒዙ ብምውሳእ ዝፍለጥ ብሪጣንያዊ ተዋሳኣይ ሰር ፓትሪክ ስቱዋርት፡ ምስ ሕማም ኣልዛይመር ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 86 ዓመቱ ዓሪፉ።

    ኣብ 1940 ኣብ ዮርክሻየር ዝተወልደ ስቱዋርት፡ ኣብ ትያትር፡ ተሌቪዥንን ፊልምን ዝሰፍሐ ብሉጽ ሞያዊ ኣበርክቶ ዝሃነጸ እዩ።

    ንሱ ኣብ 1966 ኣብ ሮያል ሼክስፒር ካምፓኒ ዝተጸንበረ ኰይኑ፡ ኣብ 'ስታር ትሬክ፡ ዘ ኔክስት ጀነሬሽን' ከምኡ'ውን ጸኒሑ ኣብ 'ስታር ትሬክ፡ ፒካርድ' ብምውሳእ ዓለምለኻዊ ዝና ቅድሚ ምርካቡ፡ ሓደ ካብቶም ዝለዓለ ኣድናቖት ዝረኸቡ ክላሲካውያን ተዋሳእቲ ብሪጣንያ ኰይኑ ነይሩ እዩ።

    ስቱዋርት ካብ ስታር ትሬክ ብተወሳኺ፡ ኣብ ፊልምታት ኤክስ-መን (X-Men) ብገጸ-ባህሪ ፕሮፌሰር ቻርለስ ዛቭየር ብምውሳእ ብሰፊሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ንልዕሊ 60 ዓማታት ኣብ ዝጸንሐ ሞያኡ ኣብ ብዙሕ ናይ መድረኽን ስክሪንን ስርሓት ተዋሲኡ እዩ።

    መሳርሕቱን ደገፍቱን ከም ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ክቡራትን ጽልዋ ዘለዎምን ተዋሳእቲ ወለዶኡ ብምዝካር፡ ካብ መላእ ኢንዱስትሪ መዘናግዒ ናይ ሓዘንን ኣድናቖትን መግለጺታት ይውሕዝ ኣሎ። 'ደገፍቱ እውን ኣብ ልዕሊኡ ዘለዎ ኣኽብሮት ንምግላጽ ኣብ ሆሊዉድ ‘ዎክ ኦፍ ፌም’ ኣብ ዝርከብ ኮዀቡ (ስሙ ኣብ ዝሰፈረሉ ቦታ) ተኣኪቦም ኣለዉ።

    ስቱዋርት ኣብ 2010 ንስነ-ጥበብ ድራማ ብዘበርከቶ ኣገልግሎት ብንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ ማዕረግ ሹመት (Knighthood / ማዕረግ 'ሰር') ተዋሂብዎ እዩ።

    ንሱ ንክላሲካዊ ትያትርን ዘመናዊ ናይ ሳይንስ-ልቢወለድ ፊልምታትን ኣብ ምቕራጽ ዝሓገዘ ዓቢ ሓድጊ ገዲፉ እዩ ዝሓልፍ ዘሎ።

    ተወሳኺ ካልእ ትሕዝቶታት ንምርኣይ

  11. ኣብ መረጻ እስራኤል ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ዕንቅፋት እናዓመቘ ይኸይድ ኣሎ

    ብዩሱፍ ጃባሪን (ማእከል) እትምራሕ 'ሓባራዊት ዝርዝር' ሓዊሱ፡ ብዓረባውያን ዝምርሓ ሰልፍታት፡ ታሪኻዊ ክብረ-ወሰን ዝዀነ 19 መናብር ብምዕዋት፡ ወሳኒ ሓይሊ ናይ ምዃን ተራ ክጻወታ ይኽእላ እየን።
    መግለጺ ስእሊ, ብዩሱፍ ጃባሪን (ማእከል) እትምራሕ 'ሓባራዊት ዝርዝር' ሓዊሱ፡ ብዓረባውያን ዝምርሓ ሰልፍታት፡ ታሪኻዊ ክብረ-ወሰን ዝዀነ 19 መናብር ብምዕዋት፡ ወሳኒ ሓይሊ ናይ ምዃን ተራ ክጻወታ ይኽእላ እየን።

    መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ እስራኤል ጋዲ ኣይዘንኮት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁ ጥምረቱ ኣብ ባይቶ ዝነበሮ ኣብዝሓ ድምጺ ድሕሪ ምስኣኑ ንውጽኢት መረጻ ከዳኽምን ክጻባእን ይፍትን ኣሎ ክብል ኸሲሱ።

    ሰልፊ ሊኲድ ናይ ነታንያሁ፡ ዓረባውያን ሰልፍታት ካብ ወጻኢ ገንዘባዊ ደገፍን ጉቦ መረጽትን ተጠቒሞም ዝብል ክሲ ብምቕራቡ፡ ጸጥታዊ መርመራ ክካየድ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ። ዓረባውያን ሰልፍታትን ቐጠርን ግን ነዚ ክስታት ብትሪ ነጺጐምዎ እዮም።

    ናይ መወዳእታ ውጽኢት ከም ዘርእዮ፡ ዋላ ሓደ ፖለቲካዊ ጕጅለ ኣብዝሓ ድምጺ ኣይረኸበን። ዓረባውያን ሰልፍታት ኣብቲ 120 ኣባላት ዘለዎ ባይቶ 19 መናብር ብምዕዋት ታሪኻዊ ክብረ-ወሰን ዘመዝገቡ ዀይኖም፡ ኣብ ዝግበር ናይ ጥምረት ዘተታት ወሰንቲ ሓይሊ ክዀኑ ተኽእሎ ኣሎ።

    ነቐፍቲ ከም ዝብልዎ፡ ክስታት ነታንያሁ ሓድሽ መንግስቲ ንምቛም ደገፎም ኣዝዩ ወሳኒ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ንዓረባውያን መረጽትን ሰልፍታትን ተቐባልነቶም ወይ ሕጋውነቶም ናይ ምሕዳግ ሓደጋ ኣለዎ።

    እስራኤል ኣብዚ እዋን ከበድቲ ዘተታት ጥምረት ገጢምዋ ኣሎ። እቲ ኣማራጺታት ድማ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት፡ ብነታንያሁ ዝምራሕ ጥምረት፡ ወይ ድማ ብዓረባውያን ሰልፍታት ዝድገፍ ብኣይዘንኮት ዝምራሕ ምምሕዳር ዘጠቓልል እዩ።

    ተወሳኺ ካልእ ትሕዝቶታት ንምርኣይ

  12. ድምፂ ወያነ ትግራይ ‘ማዕዶት’ ብዝብል ሓድሽ ስም ክሰርሕ ተወሲኑ

    ድምፂ ወያ [ኣርማ]

    ድምፂ ወያነ ትግራይ፡ ‘ማዕዶት ብሮድካስቲንግ አገልግሎት’ ብዝብል ሓድሽ ሰም፡ ናብ ስራሕ ክኣቱ ከምዝተወሰነ በዓልመዚ ብሮድካስት መንግስቲ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

    እቲ በዓል መዚ፡ ፍቓድ ናይቲ መራኸቢ ብዙኃን ተሓዲጉ ከምዝፀንሐ ብምጥቃስ እዩ፡ እቲ ትካል ሚድያ በዚ ሓድሽ ስያመ ናብ ኣየር ክምለስ ምዃኑ ሎማ መዓልቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብሪሁ ዘሎ።

    ብመሰረት እቲ መግለፂ፡ ኣገልግሎት ራድዮን ቴሌቪዥንን እቲ ትካል ድማ ናብ ሓደ ተዋሂዱ ኣሎ።

    እቲ በዓል መዚ፡ ኣብ ድሮ ምጅማር ዳግማይ ውግእ ትግራይ፡ ንትግራይ ቴሌቪዥን ምስ ኣዋጅ መራኸቢ ብዙሐን እቲ በዓል መዚ ዝቃረን ስራሓት ይነዝሕ ኣሎ ብዝብል፡ ኣጊድዎ ምንባሩ ይዝከር።

    እንተዀነ እቲ እገዳ ንድምፂ ወያነ ዘካትት ምዃኑ ኣብቲ እዋን ዝተገልፀ ነገር ኣይነበረን።

    ኣብ ትግራይ ዝተገብረ ፖለቲካዊ ለውጢ ስዒቡ፡ ነቲ ክልል ከመሓድር መንግስቲ ፌዴራል ዝተሾመ፡ ‘ሞግዚት’ ምምሕዳር ብዘቕረቦ ሕቶን ስያመን፡ ሓድሽ ፍቓድ ረኺቡ፡ ናብ ኣገልግሎት ይምለስ ከምዘሎ እቲ መግለፂ ሓበሩ።

    እቲ ኣብ ፌስቡክ 856 ሽሕ፡ ኣብ ዩቱብ ድማ 527 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ገፃት ድምፂ ወያነ፡ ካብ ዕለት 14 መስከረም ጀሚሩ ዝዀነ ዓይነት ሓበረታ ኣይሓተመ፡ ኣገልግሎት ቴሌቪዥንን ራድዮን ድማ ካብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ጀሚሩ ተቛሪፁ ይርከብ።

    ድምፂ ወያነ ትግራይ፡ 30 መስከረም 1972 ዓ.ም [ግ] ኣብ በረኻ ሳሕል [ኤርትራ] ካብ ዝጣየስ ጀሚሩ፡ ልሳን ህወሓት ኰይኑ ከገልግል ዝፀንሐ ዀይኑ፡ ኣብ 2010 ዓ.ም ድማ ኣገልግሎት [ሳተላይት] ቴሌቪዥን ጀሚሩ ነይሩ።

    ተወሳኺ ካልእ ትሕዝቶታት ንምርኣይ

  13. ኬንያ፡ ምዝገባ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዳግማይ ክጅምር ቤት ፍርዲ ኣዚዙ

    ከተማ ናይሮቢ

    ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ መንግስቲ ነቲ ንሓተትቲ ዑቕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ምዝገባ ብቕጽበት ዳግማይ ክጅምር ብምእዛዝ፡ እቲ ንሓደ ዓመት ዝጸንሐ ምድንጓይ ዘይሕጋዊ፡ ኣድልዎ ዝመልኦን ምስ ናይ ኬንያ ግዴታታት ሓለዋ ስደተኛታት ዝጻረርን እዩ ክብል ውሳነ ሂቡ።

    ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንመሰላት ስደተኛታት ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነ ውሳነ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ካብ ሓምለ 2025 ኣትሒዙ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ስርዓት ዑቕባ ስደተኛታት ኬንያ ከይኣትዉ ዝኸልከለ መምርሒ መንግስቲ ኣፍሪስዎ ኣሎ።

    እዚ ውሳነ፡ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ሕጋዊ ክርክር፡ ኣሽሓት ሓተትቲ ዑቕባ ጕዳዮም ክርአ መንገዲ ዝጸርግ ምዃኑ ተፈሎጡ'ሎ።

    ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ መንግስቲ ነቲ ንሓተትቲ ዑቕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ምዝገባ ብቐጥታ ዳግማይ ክጅምር ብምእዛዝ፡ ነቲ ብምኽንያት "ጸጥታን ጸረ-ንግዲ ደቂ-ሰባትን" ደው ኢሉ ዝነበረ መስርሕ ዝስርዝ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ።

    ብ19 ጥቅምቲ ኣብ ዝተውሃበ ውሳነ፡ ዳኛ ግረጎሪ ሙታይ፡ እቲ ምድንጓይ ዘይሕጋዊ፡ ኣድልዎ ዝመልኦን ንቕዋም ኬንያን ምስ ስደተኛታት ንዘለዋ ኣህጉራዊ ግዴታታትን ዝጥሕስ እዩ ክብል ፈሪዱ። ምሉእ ዛንታ ኣብዚ ኣንብቡ

    ተወሳኺ ካልእ ትሕዝቶታት ንምርኣይ

  14. ሩስያ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን 'እምንቲ' መንጐኛ ክትከውን ትኽእልዶ - ስለምንታይከ ተበጊሳ?

    ሩስያ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን 'እምንቲ' መንጐኛ ክትከውን ትኽእልዶ - ስለምንታይከ ተበጊሳ?

    ሩስያ፡ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣብ ሞስኮ ዝርከቡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን "ድሌት እንተ ኣርእዮም" ከተዘራርቦም ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ እያ።

    ኣብዚ ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዲፕሎማስያዊ ርክቦም ምሉእ ብምሉእ ካብ ዘቋርጹ ንነጀው፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሓደ መድረኽ ዝሳተፉሉ እዩ።

    ቅድሚ እቲ ዋዕላ ምስ ጋዜጠኛታት መግለጺ ዝገበረ ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ ነተን ክልተ ሃገራት ናይ ምዝርራብ ተራኦም ክዋጽኡ ድሉዋት ምዃኖም ተዛሪቡ።

    ሩስያ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ምሽምጋል ተራኣ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ኣየኖት መዛተዪ ነጥብታት ክለዓሉ ይኽእሉ? ውጽኢታዊኸ ክኸውን ይኽእልዶ? ኣብ ዝብሉን ተዛመድቲ ጕዳያትን፡ ተንተንቲ ፖለቲካን ጸጥታን ርእይቶታቶም ንቢቢሲ ኣካፊሎም ኣለዉ።

    ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝህሉ ዝርርብ፡ ካብቶም ቀንዲ ዝዀኑ ነጥብታት ጕዳይ ኣፍደገ ባሕሪ እዩ።

    ተወሳኺ ካልእ ትሕዝቶታት ንምርኣይ

  15. ሱዳን ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸዓት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ንኢትዮጵያ ኸሲሳ

    ቀ.ሚ ኣብይ ኣሕመድ - ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን

    መንግስቲ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ቦታታት፡ መኽዘን ነዳድን ትሕተ-ቅርጺ ጸዓትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ሱዳን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ኢድ ከም ዘለዋ ኸሲሱ ክብል፡ ማዕከን ዜና መንግስቲ ሱዳን - ሱና - ትማሊ ኣቃሊሑ።

    “መንግስቲ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጽን መደበራት ጸዓትን ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለ-ሃገራት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ርእሰ-ቅትለታውን ስትራተጂያውን ድሮናት ኢድ ከም ዘለዋ ዘረጋገጽ ዝተሰነደ መርትዖ ኣቕሪቡ ኣሎ” ክብል ሱና ገሊጹ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ሱና፡ ሰበስልጣን ምኒስትሪታት ምክልኻል፡ ጕዳያት ወጻእን ሓበሬታን፡ ከምኡ'ውን ትካል ስለያ እታ ሃገር ዝዀኑ ሰበስልጣን፡ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ትሕተ-ቅርጺ ኣብ ክፍለ-ሃገራት ካርቱም፡ ጀዚራ፡ ዋይት ናይል፡ ሰናርን ገዳርፍን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ "ካብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዝተበገሰ" ምዃኑ ተዛሪቦም።

    እቲ ማዕከን ዜና ንሰበ-ስልጣን ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ እተን ብሰራዊት ሱዳን ዝወደቓ ድሮናት፡ ብምዕቡል ሶፍትዌር ተጠቒምካ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፡ መበገሲ መተሓላለፊአን ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ፡ መዕረፍ ነፈርቲ ባህርዳር ሓዊሱ ምስ ዝርከቡ ቦታታት ዝተኣሳሰር ምዃኑ እዩ።

    ምክትል ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሱዳን ሙዓውያ ዑስማን ኻልድ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ንሱ “መጥቃዕቲ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ልዕሊ ሱዳን” ክብል ዝጸውዖ ጕዳይ “ዕሽሽ ከይብሎ” ጸዊዑ።

    ብተወሳኺ፡ ሱዳን ግዝኣታ ናይ ምክልኻል መሰላ ዝተሓለወ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነተን ክልተ ሃገራት ነዚ መጥቃዕትታት ድሮን ብምምችቻእ ከሲሱወን።

    ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ድሮን፡ ኣብ ሓያሎ ክፍለ-ሃገራት ንዝርከቡ መደበራት ጸዓትን መኽዘን ነዳድን ዘዕነወ ኰይኑ፡ ምቍራጽ ኤሌክትሪክ ኣስዒቡ እዩ። በዚ መጥቃዕትታት ድማ ዳዕመ-ሰሪዕ ክኽሰስ ጸኒሑ እዩ።

    ተወሳኺ ካልእ ትሕዝቶታት ንምርኣይ

  16. ስጳኛ ብሓደጋ ባቡር ዓሰርተታት ሰባት ድሕሪ ምቕታሎመ ንሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ

    ስጳኛ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኤውሮጳ ካብ ዘጋጠሙ ዝኸፍኡ ሓደጋታት ባቡር ብውሕዱ 68 ሰባት ድሕሪ ምሟቶምን ካልኦት ዓሰርተታት ምቑሳሎምን ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ሓዘን ጀሚራ ኣላ።

    ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት፡ ግዳያት ንምድላይ ኣብ ትሕቲ ሓያል መብራህቲ ምሉእ ለይቲ ክሰርሑ ሓዲሮም፡ ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ ሓደጋ ዝሞቱ መንነቶም ገና ኣይተፈልጠን ዘሎ።

    ሰበስልጣን ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ገና ይምርምሩ ኣለዉ። እዚ ሓደጋ፡ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ካብ ማድሪድ ናብ ሰቪላ እትጓዓዝ ዝነበረት ባቡር ናብ ሓንቲ ደው ዝበለት ባቡር ምስ ኣተወት ዘጋጠመ እዩ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ፔድሮ ሳንቸዝ "ምሉእ ስጳኛ ትሓዝን ኣላ" ክብል፡ "ህይወት ተበታቲኑ፡ ስድራቤታት ተበታቲኑ፡ እቲ ቃንዛ ኣዝዩ ዓቢ እዩ" ዘሎ ኢሉ።

    ስጳኛ ብሓደጋ ባቡር ዓሰርተታት ሰባት ድሕሪ ምቕታሎመ ንሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ
  17. ካብ ኣርሲ ክሳብ ሞያለ፡ ኣብ ሓደ ሰሙን ህይወት 85 ሰባት ዝቐዘፈ ደማዊ መጥቃዕትታት ኢትዮጵያ

    ከላሽን ዝሓዘ ሰብ

    ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ኣርሲ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 60 ሰባት ግዳያት ቅትለት ኰይኖም ኣለዉ።

    ብ20 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ወረዳ መርቲ ብውሕዱ 14 ሰባት ክቕተሉ ከለዉ፡ ብ24 ጥቅምቲ ድማ ኣብ ወረዳ ሸርካ 46 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

    ኣብ ወረዳ መርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ እቶም ዕጡቓት ንነበርቲ ብዅሉ ሸነኽ ብምኽባብ ከም ዝፈጸምዎ ሓደ ነባሪ የረድእ። "ካብቲ ክባ ዘየምለጠ ኵሉ ግዳይ ቅትለት ኰይኑ እዩ፡" ብምባል እቲ ነባሪ ነቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ይገልጾ።

    ኣብ ወረዳ ሸርካ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ጅምላዊ መጥቃዕቲ፡ ሓሙሽተ ቈልዑ ዝርከብዎም 46 ሰባት ኣብ ውሽጢ ኣባይቶም ከለዉ ማዕጾ እናተሰብረ ከም ዝተቐተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

    ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብዘን ወረዳታት ብድምር 60 ምእመናን ብግፍዒ ከም ዝተቐተሉን መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝዓነወን ኣረጋጊጹ።ካብ ኣርሲ ክሳብ ሞያለ፡ ኣብ ሓደ ሰሙን ህይወት 85 ሰባት ዝቐዘፈ ደማዊ መጥቃዕትታት ኢትዮጵያ

    ተወሳኺ ካልእ ትሕዝቶታት ንምርኣይ

  18. ኢትዮጵያ ካብ ሩስያ ብዛዕባ ዝዓደገተን '4ይ ወለዶ' ነፈርቲ ውግእን ጸረ-ኣየርን እንታይ ንፈልጥ?

    ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቅድሚ ሱ-35

    ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብርክት ዝበላ ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናት ካብ ሩስያ ተረኪቡ ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብረቡዕ 28 ጥቅምቲ ብወግዒ ኣፍሊጡ ነይሩ።

    እተን ሱ-35 ዝተባህላ 12 ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ዝኣዘዘተንን ሓደ ዓመት ኣቐዲመን ዝተረከባን ምዃነን ኣቢይ ጠቒሱ'ሎ።

    ብዘይካ'ዚ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበለ ጸረ- ኣየር ሚሳይላት'ውን ካብ ሩስያ ክትርከብ ምዃና ገሊጻ'ላ።

    ኣብቲ ኣብ ከባቢ ርእሰከተማ ሞስኮ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዙኮቭስኪ ከምዝተኻየደ ዝግለጽ ዘሎ ናይ ምርኽካብ ስነስርዓት ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌ/ጀነራል ይልማ መርዳሳ፡ ከምኡ'ውን ሓላፊ ትካል ኑክሌር ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ተረኺቦም ነይሮም።

    እዚ ተወሳኺ ምዕቡል ዕጥቂ'ዚ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ መሪሕ ቦታ ከምእትሕዝ ክገብራ'ዩ ክብል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተነይቱ'ሎ።

    ንምዃኑ እዘን ነፈርቲ ከመይ ዝበላ'የን? ብልጫታተንከ እንታይ'ዩ? ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ሊንክ

  19. ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ይገይሽ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ [ስፐይን]
    መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ [ስፐይን]

    ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ [ስፐይን]፡ ፔድሮ ሳንቸዝ ናብቲ ሓደጋ ባቡር ዘጋጠመሉ ከባቢ ኡርዳ ይገይሽ ኣሎ።

    መንግስቲ ስጳኛ ኣብ ኤክስ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብቲ ካበቢ ዝገይሽ ዘሎ፡ "ንስራሕ ናይተን ሀጉጅለታት ህጹጽ ረድኤት ክድግፍን ነቶም ዝተጎድኡን ስድራቤቶምን ኣብ ጐኖም ንክኸውን" ምዃኑ ገሊፁ።

    መብዛሕትኦም መራሕቲ ሰልፍታት’ታ ሃገር፡ ንቲ 29 ሕዳር ዝካየድ ሓፈሻዊ ሃገራዊ መረፃ ዝግበር ጎስጓስ ደው ኣቢሎም ኣለዉ።

  20. ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ህይወት ንምድሓን ይፅዕሩ ኣለዉ

    ፃዕርታት ህይወት ምድሓን ይቕፅል
    መግለጺ ስእሊ, ፃዕርታት ህይወት ምድሓን ይቕፅል

    ኣብ ከባቢ እቲ ሓደጋ ባቡራት ዘጋጠመሉ ኡርዳ፡ ኣብ ዝርከብ ቦታ ፃዕርታት ህይወት ምድሓን ይቕፅል ኣሎ።

    ብዛዕባ ዘመድ ኣዝማዶም ዜና ክሰምዑ ዝፀበዩ ሰባት ድማ ኣብ ጥቓኡ ተኣኪቦም ኣላዉ።

    እቲ ሓደጋ ስዒቡ፡ ብቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተመርመረ ሓደ ስእሊ፡ ነዊሕ ክፋል ኣካል ናይታ ሓንቲ ባቡር በታ ካልእ ባቡር ወጊኡ ክሓልፍ የርኢ።

    ብቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተመርመረ ሓደ ስእሊ፡
    መግለጺ ስእሊ, ብቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተመርመረ ስእሊ፡
    ግዳይ እቲ ሓደጋ ዝዀኑ ካብ ተሳፈርቲ