ኢሳይያስን ፑቲንን ተዛትዮም

ምንጪ ስእሊ, MOI
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ብ 30 ጥቅምቲ ኣብ ክረምሊን ዘተ ብምክያድ፡ ክልተኣዊ ዝምድናታት ኣብ ምድልዳልን ኣብ ኣገደስቲ ቍጠባውያን ዓውድታት ምትሕብባር ኣብ ምስፋሕን ተመያይጦም ክብል ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።
እቲ ርክብ ኣብ ጎድኒ መበል ሳልሳይ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ንኣቶ ኢሳይያስ ኣብቲ ዋዕላ ብምስታፉ ኣመስጊኑ፤ ሞስኮ ምስ ኤርትራ ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ ቴክኖሎጂ፡ ዕደና፡ ሕርሻን ውሕስነት መግብን ዘለዋ ምትሕብባር ንምዕማቝ ዘለዋ ድልውነት ዳግማይ ኣረጋጊጹ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ምኒስትሪ ዜና፡ ፑቲን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሓያሎ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ተመሳሳሊ መርገጺ ከም ዘለወን ብምግላጽ፡ ኤርትራ ኣብ መድረኻት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንእትህቦ ደገፍ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ዋዕላ ምስታፉ ከም ፍሉይ ዕድል ብምግላጽ፡ ሩስያ ብዘለዋ ናይ ቴክኖሎጂን ኢንዱስትሪን ዓቕሚ ተጠቒማ ምስ ኣፍሪቃ ኣብ ዘለዋ ርክብ መሪሕ ተራ ክትጻወት ከም ዝግባእ ኣረዲኡ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣብ ሩስያ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይን ኣብ ዝተረኽብሉ ናይ መኽፈቲ ርክብ ድሕሪ ምዝታዮም፡ ክልቲኦም መራሕቲ ዘተኦም ብዕጹው ማዕጾ ቀጺሎምዎ።
ኣብቲ ዕለት ኣቐዲሙ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ትሕተ-ቕርጺ መጓዓዝያ ዝግበር ምትሕብባር ንምምይያጥ ምስ ምኒስተር መጓዓዝያ ሩስያ ዲሚትሪ ያድሮቭ ተራኺቡ ነይሩ።
እቲ ዘተ ኣብ መሬታዊ፡ ባሕራውን ኣየራውን መጓዓዝያ ዘተኰረ ኰይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ምትሕብባር ንምስፋሕን ምስ ትካላት ሩስያ ሽርክነት ንምምችቻእን ዘለዎም ድሌት ገሊጾም። ልኡኽ ኤርትራ፡ ምምዕባል ትሕተ-ቕርጺ - ወደባት፡ መዓርፎታት ነፈርቲ፡ ጽርግያታትን መስመር ባቡርን ሓዊሱ - ኣብ ቍጠባ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስሚሩሉ።
ብመሰረት ሓበሬታ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብዞም ዓውድታት እዚኦም ምትሕብባር ንምስጓም ዝዓለሙ ጭቡጣት መደባት ንምሕንጻጽ ተሰማሚዖም ኣለዉ።
ሞስኮ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ከም ንግዲ፡ ትሕተ-ቕርጽን ቴክኖሎጂን ኣብ ዝኣመሰሉ ዓውድታት ዘለዋ ሽርክነት ንምስፋሕ ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ እዋን፡ እዚ ርክባት’ዚ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሩስያን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምትእስሳር ዘንጸባርቕ እዩ።
ኤርትራን ሩስያን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታተን ዘደልደላ ኰይነን፡ ኣብ ሓያሎ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ድማ ተደጋጋሚ ተመሳሳሊ መርገጺታት ኣንጸባሪቐን እየን።
ተወሳኺ ንባብ፤











![ድምፂ ወያ [ኣርማ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/vivo/live/images/2026/10/29/b8af57eb-ebb0-4be8-93a8-5a6f5fb1dda3.jpg.webp)






![ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ [ስፐይን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/vivo/live/images/2026/10/28/135f92d5-b748-4011-896a-a1e87fbe1c7a.jpg.webp)


