ቀጥታ , 'መራሕቲ ህወሓት ኣስመራ ክኣትዉ ኣይተፈቕደሎምን'

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኤርትራ ይድገፉ እዮም ክብል ብተደጋጋሚ ዝኸሶም መራሕቲ ህወሓት ኣስመራ ክኣትዉ ከም ዘይተፈቕደሎም፡ “ንመራሕቲ ህወሓት ደዊልኩም ሕተቱ” ብምባል ተዛሪቡ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • እዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያን ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎን ከምኡ ከኣ ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብታ ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ወጥሪ ኣብ ዘላትሉ'ዩ ዝካየድ ዘሎ።
  • ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከስዕብ ከም ዝኽእል ዝተገመተ ኤል ኒኖ፡ "ሓደ ሚእታዊት እኳ ዝኸውን ጸቕጢ ከይፈጠረ እዩ ሓሊፉ" ኢሉ። እንተዀነ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኣሰካፊ ኵነታት ድርቂ ምህላዉ እዩ ዝፍለጥ።
  • ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኣብ ዝህነጹ ፕሮጀክትታት ተቘጺሮም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት "ስኢንና፡ እሱራት ኣውጺእና" ብምስራሕ ኣብ መዓልቲ ክሳዕ ሸውዓተ ሚእቲ ብር ንኸፍል ኣለና ክብል ተዛሪቡ።
  • 'ተልእኾ ግብጺ ተቐቢሎም ዝንቀሳቐሱ' ዝተባህሉ ዕጡቓት ሓይልታት እታ ሃገር ብገበን ክሕደት ሃገር ዘሕትት ቀዋሚ ሕጊ ክህሉ ይግባእ' ዝብል ሕቶ ቀሪቡ።
  • ኣብዚ ኣኼባ፡ እቲ ንኤርትራ ዝምልከት ዝቐረበ ሕቶ፡ እንታይ ምላሽ ይወሃቦ ይኸውን ዝብል፡ ልዑል ትጽቢት ኣሕዲሩ'ሎ።
  • ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ምስ ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ባድር ዓብደልዓጢ ኣብ ህልው ኵነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ተዘራሪቦም

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ግብጺ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ልዕሊ 30 ሰባት ሞይቶም

    ኣስከሬን ናይታ ዝተቓጸለት ቦጥ

    ኣብ ግብጺ ኣብ ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ብውሕዱ 31 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ ኣፍሊጦም።

    እቲ ኣብ ማእከል ከተማ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ሓደ ጽዑቕ ጐደና ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሓንቲ ነዳዲ ዝጸዓነት ቦጥ ምስ ካልእ መኪና ድሕሪ ምግጫዋ ባርዕ ብምፍጣራ ዝሰዓበ'ዩ።

    ኣብቲ ሓደጋ ብሓዊ ዝተቓጸሉን ዝቖሰሉን 20 ሰባት ኣብ ዝተፈላዩ ሆስፒታላት ይእለዩ ከምዘለዉ'ውን ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም ኣለዉ።

    ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ምዃኑ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።

    ሓደ ንእሽቶ መኪና ሒዙ ዝነበረ ዘዋሪ ኣብ ስዓት 110 ኪሜ ይጓዓዝ ከምዝነበረን ጠንቂ ሓደጋ ምዃኑን ተኣሚኑ ክብሉ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣሚቶም ኣለዉ።

    ኣቐዲሙ ግን፡ ልዑል-ሓይሊ ዘለዎ ገመድ ኤለክትሪክ ኣብ ልዕሊ እታ ቦጥ ድሕሪ ምውዳቑ ዝሰዓበ ሓደጋ ምዃኑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ንምንጭታት መርመርቲ ብምጥቃስ ጸብጺበን ነይረን።

    ንቤተሰብ ግዳያት ናይቲ ሓደጋ ንምድጋፍ ዛጊት ኣስታት 200 ሽሕ ዶላር ከምዝተዋጽአ ሓደ ሓደ ኣባል ካቢነ ሚኒስተራት ተዛሪቡ።

    ኣብ መላእ እታ ሃገር ክካየዱ ተመዲቦም ዝነበሩ ጽንብላት ንክብሪ ናይቶም ግዳያት ተሰሪዞም ኣለዉ።

  2. ግብጺ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ንሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት መብርሂ ይህብ

    ኣብ ቅድሚኡ ባንዴራ ኤርትራ ኣብ ዘለዎ ጣውላ ዝገበረ ዑስማን ሳልሕ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ እናሰምዐ

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ግብጺ ንዝርከቡ ኣምባሳደራት ሃገራት ኣውሮጳ መብርሂ ሂቡ።

    ኣብ ዋዕላ 'መድረኽ ኣስዋን' ክሳተፍ ዝቐነየ ዑስማን ሳልሕ፡ ነቶም ወከልቲ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዝኾኑ ዲፕሎማሰኛታት ብዛዕባ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጐዶቦታቱን መግለጺ ከምዝሃቦም ተገሊጹ።

    "ክቡር ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ንኣብ ግብጺ ዝመደበሮም ኣምበሳደራት ኣባላት ሕብረት ኤውሮፓ ኣብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ን ህሉው ኩነታት ዞባናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀይሕ ባሕርን ከምኡ'ውን ኸሊጅ ዓደንን" መብርሂ ከምዝሃበ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ይጠቅስ።

    ብረቡዕ'ውን እቲ ኤርትራዊ ሚኒስተር ምስ ግብጻዊ መዘናኡ ባድር ዓብደልዓጢ ተዘራሪቡ ነይሩ።

    ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ፡ ከምኡ'ውን ንህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ኣመልኪቶም ከምዝተላዘቡ ሚኒስተር ዓብደልዓጢ ኣፍሊጡ።

    እቲ ጽዑቕ ዲፕሎስያዊ ጽምዶ ኣብ ምግባር ዝርከብ ሚኒስተር ዑስማን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ምስ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ ጓውንግ ኮንግ፡ ከም'ውን ምስ ፍሉይ ወኪል ሕብረት ኣውሮጳ ኣብቲ ዞባ ፐካ ሃቪስቶ ተዘራሪቡ ምንባሩ'ውን ይዝከር።

    ብዘይካ'ዚ ዑስማን ሳልሕ ምስ ፍሉይ ወኪል ብሪጣንያ ኣብ ሱዳን'ውን ተዘራሪቡ ነይሩ።

    ንመብርሂ ዑስማን ሳልሕ ንምስማዕ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ኮፍ ዝበሉ ዲፕሎማሰኛታት ኣውሮጳ

    ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ናብ ኣዕናዊ ኲናት ከየምርሕ ዓለምለኻዊ ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

    ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ መንጐ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ዘሎ ወጥሪ፡ ናይ ሶማልያን ደቡብ ሱንን ሕዱር ጸጥታዊ ብድሆታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብዘሎ ግጭታት ናብ ዝኸፍአ ዘይምርግጋእ ኣትዩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

    ደቡባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕርን መጻብቦ ባብ-ኢልመንዳብን'ውን ብሰንኪ የመናውያን ዝቕጽልዎ ዘለዉ ኲናትን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ ከካይድዎ ዝጸንሑ መጥቃዕትታትን ኣብ ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት ኣትዩ ይርከብ።

    ዑስማን ሳልሕ መብርሂ እናሃበ
  3. ኣባላት ዕቚር ሰራዊት ብሪጣንያ ናይ ተዳሎ መልእኽቲ ተሰዲድሎም

    ወተሃደራት ብሪጣንያ ኣብ ልምምድ

    እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎስግኣት ዝተሰምዓ ብሪጣንያ ንዘለዉዋ ኣባላት ዕቚር ሰራዊት ናይ ተዳሎ መልእኽቲ ክትሰደሎም ጀሚራ።

    ጸሓፊ (ላዕለዋይ ሚኒስተር) ምክልኻል እታ ሃገር ወስ ስትሪቲንግ ከምዝበሎ፡ "ናይ ስግኣት ሃዋሁ" ይብርኽ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጹ'ዩ ዝውሰድ ዘሎ።

    ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ጋዜጣታትን እታ ሃገር ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ናብቶም ኣብ ሲቪላዊ ናብራኦም ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ነበር ዝተላእከ ደብዳቤታት ንክመጽእ ዝኽእል ኲናት ድሉዋት ኮይኖም ክጸንሑ ዘዘኻኽር እዩ።

    እቲ ሚኒስተር ሎሚ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ "ኣብ ውሽጢ ዓዲ ሃገራዊ ሓደጋ እንተኣጋጢሙ ወይ ድማ ኣብ ካልእ ቦታ ከቢድ ስግኣት ወይ ግጭት እንተኣጋጢሙ" ንምምት ዘበገሶ ምዃኑ ተዛሪቡ።

    ቅድሚ ዝኣገረ እቶም ኣባላት "ስትራተጂካዊ ዕቚር ሰራዊት ኣበይ ከምዘለዉ ንምፍላጥ" ዝሕግዝ ምዃኑ'ውን እቲ ጸሓፊ ምክልኻል ገሊጹ።

    "እታ ሃገር ክትስንብድ ዘይኮነ ትኲርቲ ክትከውን እያ ዝደልያ" ዝበለ እቲ ሚኒስተር "ኣብ ኣውሮጳ እንታይ ይኸውን ኣሎ እናራኣኻ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት እናኣንቆልቆለ ዝኸይድን ዝዛይድን ዘሎ ናይ ስግኣት ሃዋሁ ክትሻቐል ግድን" ይብል።

    "ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሓደ ከቢድ ፍጻመ ተዓዚብና ነይርና - ሚሳይላት ሩስያ ናብ ግዝኣት ፖላንድ ዝኣተውሉ፣ ኣብ ልዕሊ ኣውሮጳ ዝተፈነወ ብመንግስቲ ሩስያ ዝተደገፈ ሽበራ ሪኢና፣ ከምኡ'ውን ምስ ኢራን ዝተኣሳሰር ኣብ መዓስከራት ሓይሊ ኣየር ብሪጣንያ ዝነበረ ፍጻሜታት" ብምባል ብፍላይ ካብ ሩስያ ዝብገስ ስግኣት እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ኣሚቱ።

    ኣብ ከምዚ ዝበለ ኲነታት "እታ ሃገር ነዞም ሓደጋታት እዚኦም ንምምካት ድልውቲ ክትከውን ኣለዋ" ኢሉ።

    "ዝያዳ እንተ ተዳሊና፡ ናብ ግጭት ወይ ኲናት ክንኣቱ ዘሎ ተኽእሎ ዝያዳ ይንኪ፡ እዚ'ዩ ዕላማይ፡ ከምኡ'ውን ዕላማ ናይዚ መንግስቲ።

    "ፈጣሪ ኣይበሎ፡ እዛ ሃገር ናብ ኲናት እንተ ኣትያ" እሞ፡ ምጽራይ ከይተገብረ እንተጸኒሑ ሚኒስትሪ ምክልኻል መዛግብቱ ከይተሓደሰ'ዩ ጸኒሑ ተባሂሉ'ዩ ክንቀፍ" ይብል እቲ ላዕለዋይ ሚኒስተር።

    ብሪጣንያ ነቲ ሩስያ ኣብ ዩክራይን ተካይዶ ዘላ ኲናት ብምቅዋም ንኪቭ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ደገፍ ብምሃብ መሪሕ ተራ ትጻወት ዘላ ኣውሮጳዊት ሃገር ምዃና ይፍለጥ። ሞስኮ ብወገና፡ ለንደን ትህቦ ደገፍ ነቲ ኲናት ናብ ዝብኣሰ ደረጃ ዘዕቢ ምዃኑ ከተጠንቅቕ ምጽንሓ ይፍለጥ።

    ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ንመዓርፎ ነፈርቲ ሓያለ ሃገራት ኣውሮጳ ዒላማ ዝገበረ ናይ ድሮን መጥቃዕትታት ምፍጻሙ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ጸኒሑ'ሎ።

  4. 'መራሕቲ ህወሓት ኣስመራ ክኣትዉ ኣይተፈቕደሎምን'

    ቀዳማይ ምኒስተር

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝበለጸ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ዘተኣሳስረን ብዙሕ ነገራት ከም ዘሎን፡ ኢትዮጵያ ድማ ንሓባራዊ ረብሓ ንምስራሕ ድልውቲ ምዃናን ገሊጹ።

    ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቍጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብሰላም እናሰርሑ ይነብሩ ምህላዎም ከም ኣብነት ጠቒሱ። ብኣንጻሩ ግን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ “10 ኢትዮጵያውያን” ምህላዎም ኣብ ሕቶ ኣእትዩ።

    መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኤርትራ ይድገፉ እዮም ክብል ብተደጋጋሚ ዝኸሶም መራሕቲ ህወሓት ኣስመራ ክኣትዉ ከም ዘይተፈቕደሎም፡ “ንመራሕቲ ህወሓት ደዊልኩም ሕተቱ” ብምባል ተዛሪቡ።

    ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ እትጽበዮ ቀንዲ ጕዳይ ኢሉ ኣብቲ ባይቶ ዝጠቐሶ፡ ንተቓወምቲ ከይተዕጥቕን ከይትሕግዝን ከምኡ’ውን ብሓባር ንልምዓት ምስራሕ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

    ተወሳኺ፤

  5. ‘ንስኻትኩም [ዕጡቓት] ሓደ ስጕምቲ ክትሓስቡ ከለኹም 20 ዕጽፊ ዝሓስብ መንግስቲ እዩ ዘሎ’ ኣቢይ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ኣብቲ ብኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረቡሉ ሕቶታት መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ፡ ዕጡቓት ሓይልታት እታ ሃገር ምስ ካልኦት ሓይልታት ወጻኢ ብምትሕብባር ሃገሮም ይወግኡ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።

    ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት ብምልዓል፡ እዞም ሓይልታት ካብ መንግስቲ ሓሊፎም ንሓድሕዶም ይጋጨዉ እዮም ብምባል ድማ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ እዞም ሓይልታት ቅድሚ ሕጂ ሕቶ ብሄር ብምልዓል ዘይምስምማዓት ንምፍጣር ተንቀሳቒሶም እዮም ኢሉ።

    ሕጂ ድማ ጉዳይ ሃይማኖታት እናልዓሉ ግጭታት የስፋሕፍሑ ኣለዉ ክብል ተዛሪቡ።

    እቲ ቀዳማይ ምኒስተር “መሳርሒ ሰብ ኴንኩም ንገዛእ ኣሕዋትኩም ካብ ምጥፋእ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ኣቲኹም ብመንገዲ ሰላም እንተ ሰራሕኩም ይሓይሽ” ዝብል ጻውዒት ብምቕራብ፡ መኸተምታ [ውድቀት] መንግስቲ ዝጽበዩ ንዝበሎም ኣካላት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

    “እዚ መንግስቲ መስከረም እዩ መወዳእታኡ፤ እዚ መንግስቲ ጥቅምቲ እዩ መወዳእታኡ” ዝብል ዘረባታት ጠቒሱ፡ “ኣነ ኣይመስለንን፡ እዚ መንግስቲ ክጸንሕ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።

    “እዚ መንግስቲ ንነብሱ ንምጽናሕ ዘይኰነስ፡ መሰረት ብልጽግና ኢትዮጵያ ንምንባር ኣመና ሓያል ብዝዀነ መንገዲ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ” ክብል ገሊጹ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ንተቐናቐንቱ “ኣብ ዝዀነ እውን እንተዀነ ኣይሳኽዓልኩምን እዩ” ብምባል፡ “ንስኻትኩም ሓደ ስጕምቲ ክትሓስቡ ከለኹም 20 ዕጽፊ ዝሓስብ መንግስቲ እዩ ዘሎ፤ ንስኻትኩም ናይ ሓደ ወርሒ ክትዳለዉ ከለኹም ናይ 20 ዓመት ዝዳሎ መንግስቲ እዩ ዘሎ” ብምባል፡ እዞም ሓይልታት መሳርሒ ካልኦት ካብ ምዃን ክቝጠቡ ተዛሪቡ።

    ናብ ሕግን ስርዓትን እንተ ትምለሱ ይሓይሽ ክብል እውን ኣጠንቂቑ።

  6. ኤል ኒኖ “ሓደ ሚእታዊት እኳ ጸቕጢ ከይፈጠረ እዩ ሓሊፉ” - ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከስዕብ ከም ዝኽእል ዝተገመተ ኤል ኒኖ፡ “ሓደ ሚእታዊት እኳ ዝኸውን ጸቕጢ ከይፈጠረ እዩ ሓሊፉ” ኢሉ።

    ከቢድ ኵነታት ኣየር ዝፈጥር ኤል ኒኖ፡ ልዕሊ መጠን ዝዀነ ዓቐን ማይ ክህሉ ወይ ድማ ጠሊ ብዝለዓለ መጠን ክንኪ ዝገብር ተፈጥሮኣዊ ክስተት እዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ክስተት ኤል ኒኖ፡ ኣብ ታሪኽ ካብ ዝተመዝገቡ እቲ ዝሓየለ ከም ዝኸውን ተገሚቱ ኣሎ።

    ጽልዋ ኤል ኒኖ ዝለዓለ ክዀነሉ እዩ ኣብ ዝተባህለ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ እዚ ኵነታት ኣየር ካብ ዘጋጥመን ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያ እያ።

    ኣብ ናይ ሎሚ ውዕሎ ፓርላማ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ዘልዓለ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ግን ኤል ኒኖ “ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከቢድ ድርቅን ሞትን ከስዕብ እዩ ዝብል ትንቢት እዩ ነይሩ” ኢሉ። መንግስቲ እውን ኣቐዲሙ “ሰፊሕ ምድላው” ከም ዝገበረ ጠቒሱ።

    ካብቶም ምድላዋት፡ “ኣብ ቈላታት ብቕልጡፍ ዝፈርዩ ሓደስቲ ዘርኢ ምምጻእ፡ ቀለብ እንስሳት ብሰፊሑ ብምፍራይ ምኽዛን፡ ከምኡ’ውን ብሰፊሑ ክፈሪ ዝኽእለሎም ከባቢታት ድማ ብግቡእ ምስራሕ” ከም ዝርከብዎም ዘርዚሩ።

    ወሲኹ፡ “ኤል ኒኖ ከውርዶ እዩ ዝተባህለ ጕድኣት ዋላ ዜሮ እዩ እንተ ዘይበልኩ፡ እኹል ምድላው ብምግባርና ሓደ ሚእታዊት እኳ ዝኣክል ጸቕጢ ከይፈጠረ እዩ ሓሊፉ” ክብል ተዛሪቡ።

    ሕጽረት ዝናብ ዘስዕብ ክስተት ኤል ኒኖ ምስ ተፈጥረ “ማይ በዚሑ ውሕጅ ከስዕብ እዩ” ዝብል ስግኣት ከም ዘሎ ዝጠቐሰ ኣቢይ፡ ነዚ ንምክልኻል “ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ቦታታት መዕቈሪ ማይን ጥንቃቐታትን ብሰፊሑ” ከም ዝተሰርሑ ተዛሪቡ።

    “ኤል ኒኖ ኣብ ምዕራባዊ ከባቢ - ቡን፡ ስርናይ፡ ሩዝ ኣብ ዝፈርየሎም ከባቢታት - ልዑል ዝናብ እዩ ዘሎ፤ ጸገም ዝናብ የሎን። ኣብ ቈላታት ድማ ኣብ ገለ ፍሉያት ቦታታት ከቢድ ሕጽረት ዝናብ ነይሩ፤ ነቲ እዋን ግን ሓሊፍናዮ ኢና” ኢሉ።

    ተዛመድቲ ዛዕባታት፤

  7. ሰራሕተኛታት ስለ ዝተሳእኑ እሱራት ኣውጺእና ነስርሕ ኣለና - ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኣብ ዝህነጹ ፕሮጀክትታት ተቘጺሮም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት “ስኢንና፡ እሱራት ኣውጺእና” ብምስራሕ ኣብ መዓልቲ ክሳዕ ሸውዓተ ሚእቲ ብር ንኸፍል ኣለና ክብል ተዛሪቡ።

    ኣብቲ ናይ ሎሚ መብርሂኡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ነዚ ዝበለ ምስ ምፍጣር ዕድል ስራሕ ብዝተኣሳሰረ ንዝተላዕለሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እዩ።

    ኣቢይ፡ “ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ስራሕ የሎን” ዝብል ነቐፌታ ከም ዝለዓል ጠቒሱ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝህነጹ ዘለዉ ፕሮጀክትታት ግን ሰራሕተኛታት ክርከቡ ከምዘይተኻእሉ ክዛረብ ተሰሚዑ።

    “ነዛ ሕጂ ንሃንጻ ዘለና ኢትዮጵያ ንምህናጽ፡ ስራሕ እናሃለወ ሰራሕተኛታት እንሽገረሎም ቦታታት ግን ማእለያ የብሎምን፣ ነዚ ድማ ኢትዮጵያውያን ወለዲ ብግቡእ ክሰምዑኒ እደሊ” ኢሉ።

    ነዚ “ሕጽረት ሰራሕተኛ” ንምምላእ ተባሂሉ እውን፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰባት ንመዓልታዊ ስራሕ ይቝጸሩ ምህላዎም ተዛሪቡ።

    “ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝርከቡ፡ ኣነ ብቐጥታ ኣብ ዝከታተሎም ሓያሎ ፕሮጀክትታት ሰራሕተኛታት ስኢንና፡ እሱራት ኣውጺእና ኣብ መዓልቲ 500፡ 600፡ 700 ብር ንሓንቲ መዓልቲ እናኸፈልና ኢና ነስርሖም ዘለና” ክብል መንግስቱ ዝተኸተሎ ኣማራጺ ጠቒሱ።

    “ኣብ ገለ ቦታታት እሱራት ባዕላቶም ‘ደኺምና ኣይንሰርሕን’ ናብ ዝብል ደረጃ በጺሖም ኣለዉ” ክብል እውን ወሲኹ።

    ኣቢይ፡ “መራሕ መኪና ጸገም እዩ፣ ቀባኢ ቀለም ጸገም እዩ፣ ሰራሕተኛ ጽሬት ጸገም እዩ... ንኣሽቱ ዝበሃሉ ስራሕቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብቐሊሉ ሰብ ረኺብካ ምስራሕ የጸግም እዩ” ብምባል ወቒሱ።

    “ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኢና ሰብ እናወሰድና ነቶም ፕሮጀክትታት ነስርሖም ዘለና” ዝበለ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ምናልባት ሓደ ካብቲ ጸገም “ስራሕ ዝመርጹ” ሰባት ምብዛሖም ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ፤ ስርቂ ድማ ካልኣይ ጸገም ምዃኑ ወሲኹ።

    “ስራሕ መሪጽና፡ ክንሰርሕ ከለና እውን ሰሪቕና እንተ ዀይኑ የጸግም እዩ። ኣብ መዓልቲ 500፡ 600 ብር ናይ መዓልቲ ስራሕ ዝኽፈል እንተ ዀይኑ፡ ዋላ ኣብ ወርሒ 20፡ 25 መዓልቲ ዝሰርሐ ሰብ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ክረክብ ከም ዝኽእል ገምቱ” ክብል እውን ንኣባላት ፓርላማ ተዛሪቡ።

    “ነዚ ንዒቑ፡ ‘ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ስራሕ የሎን’ ኢሉ ካብ ኢትዮጵያ ዝስደድ ሰብ እንተ ኣልዩ፡ እንታይ ክሰርሕ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ዝብል ሕቶ የልዕል” ኢሉ።

  8. ዕጡቓት ተቓወምቲ "ብክሕደት ሃገር ክኽሰሱ ኣለዎም" - ኣባል ባይቶ ቀጀላ መርዳሳ

    ቀጀላ

    ኣባል ባይቶ ቀጀላ መርዳሳ፡ "ካብ ግብጺ ተልእኾ" ተቐቢሎም ዝበሎም ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት "ብክሕደት ሃገር" ክኽሰሱ ዝብል ሕቶ ንቀዳማይ ምኒስተር ኣቕሪቡ’ሎ።

    ነዞም ሓይልታት ትድግፍ እያ ዝበላ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ "ዘይተኣወጀ ኲናት" ከፊታ ኣላ ክብል ድማ፡ ንካይሮ ሰላምን ጸጥታን እታ ሃገር ንምዝራግ ትጽዕር ኣላ ክብል ከሲሱ።

    ወሲኹ፡ "ከዳዓት ውሽጢ ዓዲ" ዝበሎም ሓይልታት ካብ ግብጺ ደገፋት ብምርካብ፡ ኣብ ልዕሊ ሓድነትን ሉዓላውነትን ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ድሕነት እቲ ህዝቢ ሓደጋ ንምውዳቕ ይጽዕሩ ምህላዎም ገሊጹ።

    ስለዚ፡ "ብዘይ ዝዀነ ሕንከት ንኢትዮጵያ ናይ ምፍርራስ ተልእኾ ግብጺ ተቐቢሎም ንኢትዮጵያ ዝወግኡን ኣብ ልዕሊ ሉዓላውነታ ሓደጋ ዘንጸላልዉን ከዳዓት፡ ብገበን ክሕደት ሃገር ዘሕትት ቀዋሚ ሕጋዊ ማዕቀፍ ክህሉ ይግባእ" ክብል ኣቶ ቀጀላ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

    ፈጻሚ ኣካል ነዚ ሓሳብ ተቐቢሉ ረቂቕ ሕጋዊ ማዕቀፍ ኣዳልዩ ናብ ባይቶ ብምቕራብ ከም ዝጸድቕ ክገብር፡ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀጀላ ሓቲቱ።

    ተወሳኺ

  9. ንኤርትራ ዝምልከት ዝቐረበ ሕቶ?

    ገላ ካብቲ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶታት

    ንኣብይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ፓርላማ ካብ ዝቕረበሉ ሕቶታት፡ ብዛዕባ እታ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ኵናት ከይትኣቱ ትስጋእ ዘላ ኤርትራ ዝምልከት’ዩ።

    ኣቶ ጋሻው ዳኘው ዝተበሃለ ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ “መንግስቲ ኤርትራ ካብታ ዝተመስረተላ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣዕናውን ኣሉታውን’ዩ” ብምባል ከሱሱ።

    “ናይ ሕውነትን ኢድ ተዘርጊሕሉ’ውን ክጥቀመሉ ኣይከኣለን፡ ብኣንጻሩ ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ንምዝራግ” ኣብ ምንቅስቃስ ከምዝርከብ እዚ ኣባል ባይቶ ተዛሪቡ።

    መንግስቲ ኤርትራ “ነቶም ኣፍረስቲ ሓይልታት ብምድጋፍን ብምዕጣቕን ህላወኡ ከረጋግጽ ከምዝደሊ ብተደጋጋሚ ከርኢ ጸኒሑ’ዩ፡ ካብ ታሪኻዊ ጌጋታቱ’ውን ክእረም ኣይክኣለን” ኢሉ።

    ብምስዓብ “ብመንጽር’ዚ ናይ ምድማር መንግስትና፡ ነዚ ዘለዎ ፖሊስን ግብራውi መልስን እንታይ’ዩ፣ ንህላወን ሰላምን ኢትዮጵያ ንዝፈታተን ክሳብ ክንደይ ኢና ክንዕገሶ?

    “ኣማራጺ ሰላም ንዝቕበሉ ሓይልታት ንፖለቲካዊ ዘተ ማዕጾ ክፉት ክኸውን ኣለዎ፣ ብሓይሊ ክቕጽሉ ንዝደለዩ ከኣ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ተሪርን ውጽኢታውን ስጉuምቲ” ክውሰድ ኣተሓሳሲቡ።

    ተወሳኺ

  10. ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተረኸበሉ ኣኼባ ፓርላማ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ኣሎ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተረኸበሉ ኣኼባ ፓርላማ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ኣሎ

    ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ደጊሙ ዝተመረጸ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሓሙስ 26 ሕዳር 2026 ካብ ኣባላት ፓርላም ብምቕራብ ሕቶታት ክምልስን መብርሂ ክህብን’ዩ።

    ኣባላት ቤት ቤት ምኽሪ’ውን ንቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሕቶታት ከቕርብሉ ጀሚሮም ኣለዉ።

    እዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያን ኵናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎን ከምኡ ከኣ ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብታ ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ወጥሪ ኣብ ዘላትሉ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

    ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስዚ ዝተሓሓዝን ካልእ ጉዳያት ዝትንክፍን ሕቶታት ክልዓል ትጽቢት ይግበር።

    ተወሳኺ

  11. ሰላም ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ

    ብሩኽ ሓሙስ ክዀነልኩም ንምነ። ኣብዚ ቀጥታዊ ፈነወና ዝተፈላለየ እዋናዊ ዜናን ሓበሬታን ከነቕርበልኩም ኢና።ብተወሳኺ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትና እነቕርቦ ዝተፈላለየ መደባት ክትከታተሉ ንዕድመኩም።መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ

  12. ኣምባሳደር ካናዳ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣስመራ ኣትዩ

    የማነ ገብረመስቀል ምስ ጆሹዋ ታባህ

    ዘዋሪ ኣምባሳደር ካናዳ ኣብ ኤርትራ ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ተዘራሪቡ።

    እቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝርከብ ኣምባሳደር ጆሹዋ ታባህ ምስ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብምርኻብ ከምዝተዘራረበ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጹ።

    ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ኣተኲሮም ከምዝተላዘቡ'ውን እቲ ዲፕሎማሰኛ ሓቢሩ'ሎ።

    "ብዛዕባ ንካናዳን ኤርትራን ዘገድሱ ጉዳያት ዕቱብ ምልውዋጥ ሓሳባት ክንገብር ንዝረኸብክዎ ዕድል እንእድ" ኢሉ።

    እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ካናዳ ኣብ ኬንያን ዩጋንዳን ዝኾነ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ሶማልያን ኤርትራን ከም ዘዋሪ ኣምባሳደር ዘገልግል'ዩ።

    ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ሳሕቲ'ዮም ብኣካል ተራኺቦም ክዘራረቡ ዝራኣዩ።

    ካናዳ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ዝወጹ ኤርትራውያን ዝዕቆብላ ሃገር ምዃና ይፍለጥ።

    ካብ 2023 ክሳብ 2025 ኣብ ዝነበረ እዋን ከም ኣምባሳደር ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ጂቡቲን ብምዃን ዝሰርሐ ምዃኑ'ውን ድሕረባይታኡ የመልክት።

  13. ዚምባብወ ንወዲ ፕረዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋበ ትእዛዝ ማእሰርቲ ኣውጺኣ

    ቤላርሚን ቻቱንጋ
    መግለጺ ስእሊ, ቤላርሚን ቻቱንጋ

    ቤት ፍርዲ ዚምባብዌ ንወዲ ፕረዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋበ ኣብ መዓልቲ ቆፀሮ ኣብ መጋባእያ ብዘይምቕራቡ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣውጺኡ።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ቤላርሚን ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ውልቀሰባት - ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣዝየን ክባራት መካይን ተሳትፎ ኣለዎ ብዝብል ምርመራ ይግበረሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ኣባል ፖሊስ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተባሂሉ እዩ ተኸሲሱ።

    እቶም ብዝምታን ዕንወት ንብረትን ተኸሲሶም ዘለዉ ውልቀሰባት፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ብዋሕስ ተፈቲሖም ትማሊ ሰሉስ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ተኣዚዞም ነይሮም።

    እቲ ካልኣይ ተኸሳስን ሰለስተ ኣባላት ፀጥታን ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም፤ ቤት ፍርዲ ክሳብ 1 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም [ግ] ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክጸንሑ ኣዚዙ ኣሎ።

    እንተኾነ ወዲ ሙጋበ ቤላርሚን ክቐርብ ኣይከኣለን።

    ቤላርሚን ቻቱንጋ ሕሳስ-ለደ ንሮበርት ሙጋቤን ካብ ካልኣይቲ በዓልቲ ቤቱ ግሬስ ሙጋበን ዝተወልደ እዩ።

    ሮበርት ሙጋቤ ኣብ 2017 ኣብ መበል 93 ዓመት ዕድሚኡ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣን ክሳብ ዝእለ ን37 ዓመታት ንዚምባብወ ኣመሓዲሩ፤ ኣብ 2019 ድማ ዓሪፉ።

  14. ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ምስ ግብጻዊ መዘናኡ ይዘራረብ

    ዑስማን ሳልሕን ባድር ዓብደልዓጢን ናይ ኢድ ሰላምታ እናተለዋወጡ ንስእሊ ደው ኢሎም

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ምስ ግብጻዊ መዘናኡ ባድር ዓብደልዓጢ ተዘራሪቡ።

    ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ፡ ከምኡ'ውን ንህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ኣመልኪቶም ከምዝተላዘቡ ሚኒስተር ዓብደልዓጢ ኣፍሊጡ።

    "ምስ ሓወይ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ፡ ብዛዕባ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ደገፍ ልኡላውነትን፡ ከምኡ'ውን ምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪን ቀይሕ ባሕሪን ተመያይጥና" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ጽሒፉ።

    መቐናቕንቲ ኣዲስ ኣበባ ዝኾና ካይሮን ኣስመራን ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ጥቡቕ ዝምድና ኣብ ምምስራት ተጸሚደን ከምዝጸንሓ ይፍለጥ።

    ኣብ ዋዕላ 'መድረኽ ኣስዋን' ንምስታፍ ኣብ ግብጺ ዝርከብ እቲ ኤርትራዊ ሚኒስተር ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከካይድ ምቕናዩ ይዝከር።

    ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ምስ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ ጓውንግ ኮንግ፡ ከም'ውን ምስ ፍሉይ ወኪል ሕብረት ኣውሮጳ ኣብቲ ዞባ ፐካ ሃቪስቶ ተዘራሪቡ ነይሩ።

    ብዘይካ'ዚ ዑስማን ሳልሕ ምስ ፍሉይ ወኪል ብሪጣንያ ኣብ ሱዳን'ውን ተዘራሪቡ'ሎ።

  15. ግበረ-መልሲ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ኣመሪካ ንዝተነብረ ቀረፅ

    ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየንን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ንግዳዊ ስምምዕ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ኣብ ተርንቤሪ ስኮትላንድ፡ ሓምለ 2025
    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየንን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን፡ ዝተበፅሐ ንግዳዊ ስምምዕ፡ ሓምለ 2025

    ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ ነቲ ሓድሽ ቀረጽ ኣመሪካ ኣመልኪቱ ተሪር ግብረ መልሲ ሂቡ ኣሎ።

    እቲ ኮሚሽን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣውሮጳ ምንጪ ልዕሊ ዓቐን ፍርያት ኰይና ኣላ ዝብል ክሲ ብትሪ ንነጽጎ" ኢሉ።

    ብኣንጻሩ፡ ኣውሮጳ ካብተን ንዋሕዚ ልዕሊ ዓቐን ፍርያት ከልኦት ሃገራት ዝተቓልዐት ምዃና ገሊፁ።

    ንውጽኢት ናይቲ ንኣዋርሕ ዝወሰደ መርመራ ዋሽንግተን ከምዝምልከቶ ዝገለፀ እቲ ኮሚሽን፡ ቀረጽ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ኡርሱላ ቮን ደር ሌየንን ዶናልድ ትራምፕን ዝተበፅሐ ስምምዕ- 15 ምኢታዊ ዝተሓጽረ ምዃኑ ሓቢሩ።

    ብተወሳኺ ኣውሮጳ ብዛዕባ ፍርያት ቻይና ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ስክፍታታት ከምዘለዋ እቲ ኮሚሽን ኣብሪሁ።

    "ርግፅ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን፡ ብዛዕባ ዓለማዊ ልዕሊ ዓቐን ፍርያት ቻይና ሓበራዊ ስክፍታ ኣለወን፡ መብዛሕትኡ ብመንግስቲ ዝምራሕን ኣብ ሳልሳይ ሃገራት ዝቝለልን እዩ። ሓባራዊ ስጉምቲ ዘይምውሳድና የሕዝን" ይብል።

    ምስ ምምሕዳር ኣመሪካ ኣብ ኣተገባብራ ሓባራዊ ግብርን ቀረፅን ዝርርባት ከምዝቕፅል ድማ ኣፍሊጡ።

  16. ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ሓድሽ ቀረጽ ክትውስን'ያ

    ትራምፕ

    ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ንግዳዊ መሻርኽታ ሓድሽ ቀረጽ ክትውስን ምዃና ኣፍሊጣ።

    እዚ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝሓስቦ ዘሎ ንገለ ንግዳዊ ኣቚሑት ዝምልከት ተወሳኺ ቀረጽ ንሕብረት ኣውሮጳ፡ ቻይናን፡ ጃፓንን ህንድን ዝርከብአን መሻርኽቲ ዒላማ ዝገበረ'ዩ።

    ስዊዘርላንድ፡ ሲንጋፖር፡ ቬትናም፡ ታይዋን፡ ኢንዶኔዥያ፡ ማሌዥያ፡ ባንግላደሽ፡ ታይላንድን ካምቦዲያን'ውን ኣብቲ ውሳነ ዝኣተዋ ሃገራት'የ ን።

    ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ካልእ ወሰኽ ቀረጽ ክግበር ምዃኑ'ውን እቲ ናይ ሎሚ መግለጺ የመልክት።

    እቲ ዝዛየደ (40%) ወሰኽ ናብ ቻይና ዘነጻጸረ ክኸውን እንከሎ፡ ቬትናም'ውን 35% ወሰኽ ክግበረላ እዩ።

    እዚ ናይ ሎሚ ውሳነ፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ንሓየሎ እማመታት ቀረጽ ፕረዚደንት ትራምፕ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ድሕሪ ምብያኑ'ዩ ዝውሰድ ዘሎ። እቲ ምምሕዳር ነቲ ቀረጽ ንምውሳን ሕጋዊ መዋጽኦ ሃሰው ክብል ምጽንሑ ይፍለጥ።ካልእ ዛንታ፡

  17. ትግራይ፡ ‘ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ግፍዒ ዝፈጸሙ ኣብ ዝኣተዉዎ ኣትዮም ተሓተቲ ክዀኑ እዮም’

    ኣብርሃ ኣስፋሃ

    ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ትግራይ ጾታዊ ዓመጽን ግፍዕን ዝፈጸሙ ኣካላት፡ ኣብ ዝኣተዉዎ ኣትዮም ተሓተቲ ከም ዝዀኑን ካብ ሕጊ ከም ዘየምልጡን፡ ኣብ ሞግዚት ምምሕዳር ትግራይ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ጉዳያት ምምሕዳርን ኣገልግሎት ህዝብን ኣቶ ኣሰፋ ኣብርሃ ከም ዘፍለጠ፡ ተለቪዥን ትግራይ ኣብ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ ዜና ሓቢሩ።

    ኣቶ ኣሰፋ ነዚ መርገጺ ዘስመረሉ፡ "ፍትሒ ንግዳያት፤ ድሕነት ኣደታትን መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮን ብምሕላው ባህሊ ዘይተሓታትነት ነብቅዕ" ብዝብል ቴማ፡ ኣብ መላእ ትግራይ ንመበል 21 ግዜ ኣብ ዝተኸብረ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምውጋድ ጾታዊ መጥቃዕቲ (መዓልቲ ጻዕዳ ሪቫን) ተረኺቡ ኣብ ዘስመዖ መደረ እዩ።

    ንሱ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ በዓል፡ ኣወዳት ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዘብጽሕዎ በደላት ንምውጋድን ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ንምቕራብን ቃል ዝእተወሉ መድረኽ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ትግራይ ብተራ ዜጋታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብስልጣንን ብዓቕምን ዝምክሑ ኣካላት`ውን ከይተረፈ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ከቢድ ግህሰታት ከም ዝፈጸሙ ኣቃሊዑ።

    ኣስዒቡ ንግዳያት ብቐጥታ ብምምልካት፡ "ተደፊርክን፡ ተጐዲእክን፡ ኣብ ዘይሕማምክን ሕማም ዝተሸከምክን፡ ብዘይ ድሌትክን ተዓሚጽክን ዝወለድክንን ኣብ በበይኑ ከባቢታት ትግራይ ብስቓይ እትነብራ ዘለኽን ደቂ-ኣንስትዮ፡ እቶም ገበነኛታት ኣብ ዝኣተዉዎ ኣትዮም ተሓተቲ ክዀኑ እዮም፡" ክብል ቃል ኣትዩ።

    ትግራይ መትከል ሕግን ስርዓትን እተኽብር ምዃና ዝሓበረ እቲ ዋና ፈጻሚ ስራሕ፡ እቲ ገበን ቀደም ይዅን ሕጂ ዝተፈጸመ፡ ፍትሕን ርትዕን ዝሰፍነሉ ግብራዊ ስጕምቲ ከም ዝውሰድ ኣስሚርሉ።

    ምክትል ሓላፊት ቢሮ ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ ትግራይ ሰናይት ኣይናለም፡ እቲ ናይ ጻዕዳ ሪቫን ወፈራ ካብ 25 ሕዳር ክሳዕ 10 ታሕሳስ 2026 (ካብ 16 ሕዳር ክሳብ 1 ታሕሳስ 2019 ግእዝ) ን16 መዓልታት ብዝተፈላለዩ ህዝባዊ ንጥፈታት ከም ዝቕጽል ኣፍሊጣ።

    ሰናይት ወሲኻ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ትግራይ ድሕሪ እቲ ኣብ 2020 (2013) ዝተወልዐ ኲናት ጀሚረን ክሳዕ ሕጂ ናይ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ግዳይ እናዀና ከም ዝመጻ ብምግላጽ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ደቂ-ኣንስትዮ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ብትሪ ነቒፋ።

    ኵሉ ሕብረተሰብ ነዚ ኣረሜናዊ ተግባራት ሓቢሩ ክዅንኖን ኣብ ልዕሊ ፈጸምቲ ገበን ተሓታትነት ክረጋገጽን ድማ ጸዊዓ።

    ተወሳኺ፤

  18. መንኰርኰር ኤውሮጳ፡ ኣብ ልዕሊ ከውሒ ህዋ ዝወረደ ዕንወት ንምምርማር ናብቲ ቦታ በጺሓ

    ኣስትሮይድን ሳተላይትን ዘርኢ ስእሊ

    ወኪል ህዋ ኤውሮጳ (ESA) ‘ሄራ’ ዝተሰምየት መንኰርኰሩ፡ ነቲ ናሳ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ሓደ ከውሒ ህዋ (ኣስትሮይድ) ብፍላጥ ዘካየዶ ታሪኻዊ ምግጫው ስዒቡ ዝወረደ ዕንወት ንምምርማር ናብቲ ቦታ በጺሓ።

    እዚ ጕዕዞ’ዚ፡ ደቂ-ሰብ ንመሬት ካብ ዘስግእ ናይ ህዋ ሓደጋ ንምክልኻል ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ፡ ኣብ ታሪኽ እቲ ቀዳማይ መርመራዊ ስጕምቲ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

    ናሳ ኣብ 2022 ዘካየዶ ፈተነ፡ ‘ዳርት’ እትበሃል መንኰርኰር ኣመሪካ ብልዑል ፍጥነት ናብ ‘ዲሞርፎስ’ እትበሃል ንእሽቶ ከውሒ ህዋ ክትላተም ብምግባር ዝተኻየደ እዩ ነይሩ።

    እቲ ብዓይኒ ሳተላይት ዝተዓዘብዎ ሓያል ግጭት፡ ዲሞርፎስ ኣብ ዙርያ እታ ዝዓበየት ከውሒ ህዋ ‘ዲዲሞስ’ እትገብሮ ዑደት ብ33 ደቓይቕ ከም ዝሓጽር ብምግባር፡ ኣንፈት ናይ ሓደ ኣስትሮይድ ብሓይሊ ምቕያር ከም ዝከኣል ዘመስከረ ዓወት ኰይኑ ሓሊፉ።

    ሕጂ ኣብቲ ቦታ በጺሓ ዘላ መንኰርኰር ኤውሮጳ ድማ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ከውሒ ዘስዓቦ ጕድኣት፡ ዝፈጠሮ ጕድጓድ ወይ ምሉእ ብምሉእ ዘስዓቦ ቅርጻዊ ለውጢ ንምዕቃን ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ መጽናዕቲ ከተካይድ እያ።

    እዚ መረዳእታ’ዚ፡ ንመሬት ዘስግእ ከውሒ ህዋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ብኸመይ ዓቐንን ፍጥነትን ዝውንጨፍ መንኰርኰር ገይርና ካብ መስመሩ ከነልግሶ ከም እንኽእል ንምውሳን ወሳኒ ባይታ ዘንብር እዩ።

    ተመራመርቲ ስነ-ህዋ፡ ንኸተማታት ብምሉኡ ከዕንዉ ዝኽእሉ ማእከላይ ዓቐን ዘለዎም ኣኻውሕ ህዋ ንምክትታል ቀጻሊ ስጕምቲ ይወስዱ ኣለዉ።

    ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ 2027 ሓድሽ ናይ ህዋ ቴለስኮፕ ክውንጨፍ እንከሎ፡ ኣብ 2029 ብቐረባ መሬት ንእትሓልፍ ‘ኣፖፊስ’ እትበሃል ኣስትሮይድ ብቐረባ ንምጽናዕ፡ ካልኦት መንኰርኰራት ኣመሪካን ኤውሮጳን ናብቲ ከባቢ ከም ዝልኣኻ ተፈሊጡ ኣሎ።

    መንኰርኰር ‘ሄራ’፡ ዲሞርፎስ ኣብ ድሕረ-ባይታኣ ኰይና እትርኣየሉ ስእሊ ዲዲሞስ ድሮ ሰዲዳ ኣላ
    መግለጺ ስእሊ, መንኰርኰር ‘ሄራ’፡ ዲሞርፎስ ኣብ ድሕረ-ባይታኣ ኰይና እትርኣየሉ ስእሊ ዲዲሞስ ድሮ ሰዲዳ ኣላ

    ተወሳኺ፤

  19. ኣብ ልዕሊ ሲኣይኤ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ

    ናይ ሲኣይኤ ሎጎ

    ማእከላይ ወኪል ስለያ ኣመሪካ (ሲኣይኤ)ን ቤትጽሕፈት ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያን፡ ምስጢራዊ ትሕዝቶታት ዘለዎ ናይ መረዳእታ ስርዓተን ዘቃልዐ መጥቃዕቲ ሳይበር ከም ዘጋጠመን ምፍላጠን ጋዜጣ ‘ኒው ዮርክ ታይምስ’ ጸብጺባ።

    እታ ጋዜጣ ንሓለፍቲ ኣመሪካን ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝፈልጡ ምንጭታትን ብምጥቃስ ከም ዘረድኣቶ፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ ካብ ቅሉዕን ምስጢራዊ ዘይኰነን ምንጭታት ኣገደስቲ ሓበሬታታት ንምእካብ ኣብ ዘገልግል ክፉት መርበብ መረዳእታ እዩ ኣነጻጺሩ።

    እንተዀነ፡ እቶም ኣዝዮም ተነቀፍትን ምስጢራውያንን ዝዀኑ ሰነዳት ኣብ ሓደጋ ከም ዘይወደቑ ተገሊጹ።

    እዚ ቅሉዕ ናይ መረዳእታ መርበብ፡ ንንግዲ ዝቐርቡ ዓበይቲ ዝተኸዘኑ ዳታታት፡ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትሕዝቶታት፡ ናይ ሳተላይት ኣሳእልን ካልእ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ሓበሬታታትን ዘጠቓልል እዩ።

    እዞም መረዳእታታት ንበይኖም ክረኣዩ እንከለዉ ተራ ይመስሉ እኳ እንተዀኑ፡ ምስ ካልኦት መረዳእታታት ተደሚሮም ክትንተኑ እንከለዉ ግን ንኣገደስቲ ምስጢራት ሃገር ናይ ምግላጽ ዓቕሚ ከም ዘለዎም እቲ ጸብጻብ የረድእ።

    እዚ መጥቃዕቲ ሳይበር ዝቃላዕ ዘሎ፡ ምኒስትሪ ሕርሻን ፈደራላዊ ቢሮ መርመራን (ኤፍቢኣይ) ዝርከብዎም ሓያሎ ትካላት መንግስቲ ኣመሪካ ተመሳሳሊ መጥቃዕትታት ድሕሪ ምእንጋዶም ኰይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ሓለፍቲ ስለያ እታ ሃገር ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

    ምኒስትሪ ሕርሻ ኣመሪካ ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ሰሙን ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ኰይኑ፡ እቶም ሰርሰርቲ (ሃከርስ) ነቲ ንሓረስቶት ክፍሊት ንምፍጻም ዘገልግል ናይቲ ምኒስትሪ ስርዓተ-መረዳእታ ጥሒሶም ከም ዝኣተዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

    ብተመሳሳሊ፡ ኤፍቢኣይ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝጥቀመሉ መዝገብ ገበን ናይ ድሕነት ጥሕሰት ከም ዘጋጠሞ ኣረጋጊጹ፡ መርመራ የካይድ ኣሎ።

    ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሃገራዊ ትካል ድሕነት ኣመሪካ ዝጥቀመሉ ኣዝዩ ምስጢራዊ ውሽጣዊ መርበብ ርክብ ንግዜኡ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኰይኑ ነይሩ።

    እንተዀነ፡ ሓለፍቲ እቲ ትካል እቲ ምቍራጽ ብሰንኪ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዘይኰነ ኣነጺሮም ኣለዉ። እዚ ኣብቲ ትካል ስለያ ዘጋጠመ ምቍራጽ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ መደበራት ነፈርቲ፡ ባንክታትን ካልኦት ኩባንያታትን ዓበይቲ ቴክኒካዊ ጸገማት ድሕሪ ምኽሳቱ ዝሰዓበ እዩ።

    ተወሳኺ፤

  20. ኤርትራ፡ ኣብ ከረን ብሓደጋ ምህማም መሬት ህይወት ኣርባዕተ ቈልዑ ሓሊፉ

    ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ዘርኢ ስእሊ

    ኣብ ከተማ ከረን፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት ናይ ኣርባዕተ ቈልዑ ህይወት ክሓልፍ እንከሎ፡ ክልተ ድማ ብህይወት ከም ዝደሓኑ መንግስታዊት ጋዜጣ ‘ሓዳስ ኤርትራ’ ሓቢራ።

    እቲ ሓደጋ ብ21 ሕዳር ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ፡ ኣብታ ከተማ ምምሕዳር ከባቢ 02 ‘ሓንሽ’ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ዘጋጠመ ምዃኑ፡ እታ ጋዜጣ ንሓላፊ መርመራ ገበን ካልኣይ መደበር ፖሊስ ከተማ ከረን ኣቶ ሚካኤል የማነ ብምጥቃስ ጸብጺባ። እቶም ናይቲ ሓደጋ ግዳይ ዝዀኑ ቈልዑ ድማ ኣብ ክሊ ዕድመ ካብ 7 ክሳዕ 17 ዓመት ዝርከቡ እዮም።

    ርእሰ-ከተማ ዞባ ዓንሰባ ዝዀነት ከረን፡ ካብ ዋና ከተማ ኣስመራ ብኣንፈት ሰሜናዊ-ምዕራብ ኣስታት 91 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኰይና፡ ብብዝሒ ህዝባ ድሕሪ ኣስመራ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ኤርትራ እያ።

    እታ ኣብ መንጎ ኣኽራናት ተዓቚባ እትርከብ ውዕውዕቲ ከተማ፡ ብኣገዳሲ ንግዳዊ መስመራ፡ ንጡፍ ናይ ሕርሻ ዕዳጋታታን ፍሉይ ማእከል ባህላዊ ብዙሕነትን ብምዃን ትልለ።

    ኣብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ከተማ ከረን ሓላፊ መርመራ ገበን ኣቶ ሚካኤል፡ ወለዲ ንምንቅስቓስ ደቆም ብቐረባ ክከታተሉ፡ ከምኡ’ውን ነበርትን ዝምልከቶም ኣካላትን ቈልዑ ዝጻወትሎም ከባቢታት ካብ ተመሳሳሊ ሓደጋታት ውሑሳት ምዃኖም ከረጋግጹ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

    ተወሳኺ፤