
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎስግኣት ዝተሰምዓ ብሪጣንያ ንዘለዉዋ ኣባላት ዕቚር ሰራዊት ናይ ተዳሎ መልእኽቲ ክትሰደሎም ጀሚራ።
ጸሓፊ (ላዕለዋይ ሚኒስተር) ምክልኻል እታ ሃገር ወስ ስትሪቲንግ ከምዝበሎ፡ "ናይ ስግኣት ሃዋሁ" ይብርኽ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጹ'ዩ ዝውሰድ ዘሎ።
ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ጋዜጣታትን እታ ሃገር ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ናብቶም ኣብ ሲቪላዊ ናብራኦም ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ነበር ዝተላእከ ደብዳቤታት ንክመጽእ ዝኽእል ኲናት ድሉዋት ኮይኖም ክጸንሑ ዘዘኻኽር እዩ።
እቲ ሚኒስተር ሎሚ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ "ኣብ ውሽጢ ዓዲ ሃገራዊ ሓደጋ እንተኣጋጢሙ ወይ ድማ ኣብ ካልእ ቦታ ከቢድ ስግኣት ወይ ግጭት እንተኣጋጢሙ" ንምምት ዘበገሶ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ቅድሚ ዝኣገረ እቶም ኣባላት "ስትራተጂካዊ ዕቚር ሰራዊት ኣበይ ከምዘለዉ ንምፍላጥ" ዝሕግዝ ምዃኑ'ውን እቲ ጸሓፊ ምክልኻል ገሊጹ።
"እታ ሃገር ክትስንብድ ዘይኮነ ትኲርቲ ክትከውን እያ ዝደልያ" ዝበለ እቲ ሚኒስተር "ኣብ ኣውሮጳ እንታይ ይኸውን ኣሎ እናራኣኻ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት እናኣንቆልቆለ ዝኸይድን ዝዛይድን ዘሎ ናይ ስግኣት ሃዋሁ ክትሻቐል ግድን" ይብል።
"ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሓደ ከቢድ ፍጻመ ተዓዚብና ነይርና - ሚሳይላት ሩስያ ናብ ግዝኣት ፖላንድ ዝኣተውሉ፣ ኣብ ልዕሊ ኣውሮጳ ዝተፈነወ ብመንግስቲ ሩስያ ዝተደገፈ ሽበራ ሪኢና፣ ከምኡ'ውን ምስ ኢራን ዝተኣሳሰር ኣብ መዓስከራት ሓይሊ ኣየር ብሪጣንያ ዝነበረ ፍጻሜታት" ብምባል ብፍላይ ካብ ሩስያ ዝብገስ ስግኣት እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ኣሚቱ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኲነታት "እታ ሃገር ነዞም ሓደጋታት እዚኦም ንምምካት ድልውቲ ክትከውን ኣለዋ" ኢሉ።
"ዝያዳ እንተ ተዳሊና፡ ናብ ግጭት ወይ ኲናት ክንኣቱ ዘሎ ተኽእሎ ዝያዳ ይንኪ፡ እዚ'ዩ ዕላማይ፡ ከምኡ'ውን ዕላማ ናይዚ መንግስቲ።
"ፈጣሪ ኣይበሎ፡ እዛ ሃገር ናብ ኲናት እንተ ኣትያ" እሞ፡ ምጽራይ ከይተገብረ እንተጸኒሑ ሚኒስትሪ ምክልኻል መዛግብቱ ከይተሓደሰ'ዩ ጸኒሑ ተባሂሉ'ዩ ክንቀፍ" ይብል እቲ ላዕለዋይ ሚኒስተር።
ብሪጣንያ ነቲ ሩስያ ኣብ ዩክራይን ተካይዶ ዘላ ኲናት ብምቅዋም ንኪቭ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ደገፍ ብምሃብ መሪሕ ተራ ትጻወት ዘላ ኣውሮጳዊት ሃገር ምዃና ይፍለጥ። ሞስኮ ብወገና፡ ለንደን ትህቦ ደገፍ ነቲ ኲናት ናብ ዝብኣሰ ደረጃ ዘዕቢ ምዃኑ ከተጠንቅቕ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ንመዓርፎ ነፈርቲ ሓያለ ሃገራት ኣውሮጳ ዒላማ ዝገበረ ናይ ድሮን መጥቃዕትታት ምፍጻሙ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ጸኒሑ'ሎ።