03 ጥቅምቲ ዝኽሪ ላምፐዱሳ፡ ህይወት ኣማኢት ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ህልቂት

ምንጪ ስእሊ, Solomon
ቅድሚ 13 ዓመታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ህይወቶም ንዝሰኣኑ 368 ሰባት ንምዝካር፡ ሎሚ 3 ጥቅምቲ 2026 ኣብታ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፔዱሳ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ይካየድ ኣሎ።
እቲ 'መዓልቲ ዝኽርን ቅበላን' (Giornata della Memoria e dell'Accoglienza) ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓመታዊ ዝኽሪ፡ ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ 2016 ብኢጣልያ ዝጀመረ እዩ።
እታ ኣብ 2013 ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ፡ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝዀኑ ኣማኢት ስደተኛታት ጽዒና እንከላ ባርዕ ሓዊ ተላዒልዋ ኣብ ጥቓ ላምፔዱሳ እያ ጥሒላ።
ናይ ሎሚ ዓመት መደባት ዝኽሪ፡ ኣብ ትሕቲ "ድምጽታት ማእከላይ ባሕሪ" ("Voci del Mediterraneo") ዝብል ቴማ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ካብ 30 መስከረም ኣትሒዙ፡ ካብ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዝመጹ ተምሃሮ፡ ኣብቲ ተመኵሮታት ስደተኛታት ዝንገረሉ፡ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ፡ ስድራቤታትን ማሕበረሰብ እቲ ከባብን ዝተሳተፍዎ ኣኼባታት፡ ዓውደ-መጽናዕትታትን ዘተታትን ከም ዝተሳተፉ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይነግር።
ሎሚ ምሸት ሰዓት 7:00 ድማ ኣብ ደብሪ ሳን ጀርላንዶ፡ ኣብ ትሕቲ "ብለይቲ ናብ ወጋሕታ" ("Nella notte verso il mattino") ዝብል ቴማ፡ ንዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ዘሳተፈ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ክካየድ ተመዲቡ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
እቲ ስነ-ስርዓት ነቶም 368 ግዳያት፡ ከምኡ'ውን ነቶም ድሕነት ንምርካብ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ክፍትኑ ህይወቶም ክስእኑ ምዃኖም እናፈልጡ ዝቐጸሉ ሰባት ክዝክር እዩ።
እዚ ዓመታዊ ዝኽሪ፡ ነቶም ኣብቲ ዘሕዝን ፍጻመ ብዙሓት ኣዝማዶም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ስድራቤታት ብፍላይ ዓቢ ትርጕም ዘለዎ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Solomon

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, Solomon

ምንጪ ስእሊ, Solomon

ምንጪ ስእሊ, Solomon

ምንጪ ስእሊ, Solomon

ምንጪ ስእሊ, Solomon

ምንጪ ስእሊ, Solomon



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
