‘. . . ንርስቲ ይዋግኣላ’ንስቲ!’ - ኣዛነይቲ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም

Published

ንሎሚ ዝመረጽናልኩም ዓሰርተ ኣዛነይቲ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም እነሆ ተዓደሙ።

‘ፍቕሪ ምስ ኩሉ’
መግለጺ ስእሊ, ‘ፍቕሪ ምስ ኩሉ’ - ኣናብስ ምልክት ሓይሊን ትብዓትን ውርዝይናን ከም ዝዀኑ ይግለጽ። እዚኦም ካብኡ ንላዕሊ'ዮም ዝመስሉ።
‘ቁልዕነት ጥዑም’
መግለጺ ስእሊ, ‘ቁልዕነት ጥዑም’ - እዞም ፍቕሪ ኣደ ንበረድን ቁሪን ዘረስዖም ማንታ ድቢ ብሃኦ ጂያንግ እዮም ተሳኢሎም።
‘ውዲት ሃድን’
መግለጺ ስእሊ, ‘ውዲት ሃድን’ - እዞም ሻርክ ሓደገኛ ይመስሉ፡ እንተኾነ ንባዕሎም ኣብ ሓደጋ ይርከቡ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዓሚቝ ዘይኰነ ውዑይ ማያት ይነብሩ።
‘ኣጥፊአ ድየ?’
መግለጺ ስእሊ, ‘በዲለ ድየ?’ - እዛ ንምጹጽላይ እትመስል እንስሳ ማርማት ትበሃል። ኣብ ምዕራባዊ ኣኽራናት ቲየን-ሻን ኣብ ማእከላይ ኤስያ ጥራይ ካብ ዝርከቡ ዓሌት'ያ።
‘እማንኪ ዲኺ?’
መግለጺ ስእሊ, ‘እማንኪ ዲኺ?’ - ዕርክነት ኣብ መንጎ ሓሪሽን ዑፍን ዘይመስል ኣይኰነን። ሓሪሻት፡ ኣብ ዝባኖም ዝወጹ ገለ ሓሳኹ የሸግርዎም’ዮም። እዘን 'ኦክስፔከር' ዝተበሃላ ኣዕዋፍ ድማ ኣብ ዝባኖም ዓለቢን ካብ ሓሳኹ ይገላግልኦም። ኣብቲ ከባቢ ሓደጋ እንተሃልዩ እውን ምልክት ይህብኦም። ከምዚ ዝበለ ዕርክነትን ሽርክነትን ኣበይ ይርከብ!
‘በይኑ ዝበልዕ በይኑ እንተሞይቱስ ንርኢ’
መግለጺ ስእሊ, ‘በይኑ ዝበልዕ በይኑ እንተሞይቱስ ንርኢ’ - ሊና ሄይኪነን፡ ኣብ ምድብ 15-17 ዝዕድሚኦም ውድድር ብሉጽ ሰኣላይ ዓመተ 2020 ዝተዓወተትላ ስእሊ እያ።
‘ምግቢስ ምስ ጠመኻ ደኣ. . .’
መግለጺ ስእሊ, ‘ምግቢስ ምስ ጠመኻ ደኣ. . .’ - ቁርሱ ብመልክዕ ሳሬት ዝተዓንገለ ዕንቁሮዖብ፡ መግቡ የስተማቕር።
‘እንታይ ዝብልዎ ጉድ እዩ’ዚ?’
መግለጺ ስእሊ, ‘እንታይ ዝብልዎ ጉድ እዩ’ዚ?’ - ሚርካት ወይ ሱሪካት ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ንኣሽቱ ዓይነት ሞንጎስ እዮም። እቲ ዝገርም ነገር እዞም እንስሳታት መርዚ ኣይጎድኦምን። ዋላ’ኳ ኣብ ምድረበዳ እንተነበሩ፡ ማይ ኣይሰትዩን። ንምእማኑ ብዘጸግም ካብ መግቢ ዝረኽብዎ እንተዘይኰይኑ ካልእ ማይ ኣይደልዩን።
‘ሓዝኩኺ’
መግለጺ ስእሊ, ‘ሓዝኩኺ’ - ሱማትራ እቶም ዝነኣሱ ዓይነት ነብሪ እዮም፡ ክግዕሩ እንከለዉ ድምጾም ክሳብ 3.2 ኪሎ ሜተር ክስማዕ ይኽእል።
‘. . . ንርስቲ ይዋግኣላ’ንስቲ!’
መግለጺ ስእሊ, ‘. . . ንርስቲ ይዋግኣላ’ንስቲ!’ - "ድሕሪ ነዊሕ ስደት ኣብ ክረምታዊ ቦታታት ማእከላይ ኣመሪካ ምስ በጽሐት ትራባሓሉ መሬት ረኺባ ይግባኣኒ ንምባል ትጭድር ነይራ" ይብል ሰኣሊኣ ጆሽዋ ጋሊኪ።