እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያ፡ ብስናዕ ሰነድ ዝተታሕዙ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት
ኣብ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም ካብ ዝተታሕዙ ስደተኛታት፡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ንዝበዝሐ ቍጽሪ ብምሓዝ ኣብ ቅድሚት ከም ዝተሰርዑ ሓደ ጸብጻብ መንግስቲ ኬንያ ኣፍሊጡ።
እዚ ጸብጻብ ወግዓዊ ኰይኑ ዘሎ፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኬንያ ንሓተትቲ ዕቝባ ናይዘን ክልተ ሃገራት ዝግበር ምዝገባ ብቕጽበት ዳግማይ ክጅምር ትእዛዝ ኣብ ዘመሓላለፈሉ እዋን እዩ።
ኣብ መንጎ መስከረም 2025ን ነሓሰ 2026ን ኣብ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሰጊሮም ካብ ዝተታሕዙ 1,048 ስደተኛታት፡ እቶም 592 ኢትዮጵያውያን ክዀኑ ከለዉ፡ እዚ ድማ 56.5 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ቍጽሪ ይሽፍን። ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ግዜ ዝተታሕዙ 670 ኢትዮጵያውያን ክነጻጸር ከሎ ግን ነክዩ ኣሎ።
ቀጺሎም ሶማልያውያን ብ156፡ ከምኡ'ውን ኤርትራውያን ብ126 ዝተታሕዙ ሰባት ይስዕቡ።
ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንባይቶ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኵነታት እታ ሃገር፡ ጠቕላላ ቍጽሪ ዝተታሕዙ ስደተኛታት ምስ ናይ 2024/2025 ግዜ ክነጻጸር ከሎ ብ10 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸ ኣፍሊጡ ኣሎ። ካልኦት ዜጋታት ብሩንዲ፡ ኡጋንዳን ታንዛንያን'ውን ኣብቲ መዝገብ ይርከብዎም።
እዞም ዜጋታት ንምንታይ ይስደዱ ኣለዉ ዝብል ሕቶ ክለዓል ከሎ፡ ኣብ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ጭቡጥ ኵነታት ከም ቀንዲ ደፋኢ ምኽንያት ይጥቀስ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ብረታዊ ግጭታት፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ከቢድ ቍጠባዊ ዝቕባበን ንዜጋታት ናብ ስደት የገድዶም ኣሎ።
ብተመሳሳሊ፡ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ካብቲ ንነዊሕ እዋን ዝቕጽል ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ፖለቲካዊ ኵነታትን ቍጠባዊ ጸገማትን ንምህዳም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዕቝባ ክደልዩ ጸኒሖም እዮም።
ይዅን'ምበር ንመብዛሕትኦም ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኬንያ መዕረፊቶም ኣይኰነትን። ኣብ ክንድኡ፡ ነታ ሃገር ከም መሕለፊ መስመር ብምጥቃም፡ በቲ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ዝገልጾ 'ደቡባዊ መስመር' ኣቢሎም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይጓዓዙ። ኣብዚ ጕዕዞ ሓያሎ ሰባት ህይወቶም ከም ዝስእኑ ድማ ጸብጻባት የነጽር።
ዝበዝሑ ኤርትራውያን ድማ ናብ ኡጓንዳ ብምስጋር፡ ብዝተፈላለየ መንገድታት ናብ ሃገራት ምዕራብ ይቕጽሉ።
መንግስቲ ኬንያ፡ እዚ ዘይስሩዕ ስደት ንሃገራዊ ጸጥታ ስግኣት ይፈጥር ከም ዘሎ የረድእ። ኣስገርትን ስግረ-ዶባዊ ጕጅለታት ገበንን ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ቅልውላው ብምምዝማዝ ሰባት የሰጋግሩ ኣለዉ።
እቲ ጸብጻብ ከም ዝገልጾ፡ ብሰንኪ ብልሽውና ገለ ሰበስልጣን፡ ኣብ ከተማታት ናይሮቢን ሞምባሳን ሓዊሱ ኣብ ሓያሎ ዞባታት ናይ ሓሶት መንነት ወረቐትን ፓስፖርትን ብስፍሓት ይወሃብ ኣሎ።
እዚ ናይ ሓሶት ሰነዳት ንስደተኛታት ብኬንያ ኣቢሎም ንኽሓልፉን ንገበነኛታት ድማ ንፋይናንስ ግብረ-ሽበራን ንምሕጻብ ገንዘብን መንገዲ ይኸፍት ምህላዉ ተሓቢሩ።
መንግስቲ ኬንያ ንዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ምትሓዝን ምእሳርን እኳ እንተ ተዋፈረ፡ ብኣንጻሩ ግን እቲ መንግስቲ ባዕሉ ሕጋዊ መስርሕ ዕቝባ ዓጽይዎ ብምጽናሑ ነቶም ስደተኛታት ናብ ማእሰርቲ ከም ዘቃልዖም ተጣበቕቲ መሰላት ይነቕፉ።
ከም ድሕረ-ባይታ ናይዚ ኵነታት፡ ብ29 ጥቅምቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ መንግስቲ ነቲ ንሓተትቲ ዕቝባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ምዝገባ ብቕጽበት ዳግማይ ክጅምር ኣዚዙ ነይሩ እዩ።
ዳኛ ግረጎሪ ሙታይ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ እቲ ካብ ሓምለ 2025 ኣትሒዙ ንሓደ ዓመት ዝጸንሐ ምዝገባ ናይ ምቋረጽ መምርሒ ዘይሕጋዊ፡ ኣድልዎ ዝመልኦን ምስ ናይ ኬንያ ግዴታታት ሓለዋ ስደተኛታት ዝጻረርን እዩ ክብል ፈሪዱ።
መንግስቲ፡ እቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ ብሰንኪ ንግዲ ደቂ-ሰብ፡ ዘይሕጋውያን ኣስገርትን ስግኣት ጸጥታን ምዃኑ ክማጐት ጸኒሑ እዩ።
ሰበስልጣን ንቤትፍርዲ ከም ዝገለጽዎ፡ ገለ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ስርዓት ዕቝባ ኬንያ ከም መሰጋገሪ ናብ ካልኦት ሃገራት (ደቡብ ኣፍሪቃን ሊብያን ሓዊሱ) ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም።
እንተዀነ፡ እቲ ቤትፍርዲ፡ ጉዳያ ስደተኛታት ብመንጽር ጸጥታ በብውልቂ (ጉዳይ ብጉዳይ) ክጻረ መሰል መንግስቲ እኳ እንተዀነ፡ ብጅምላ ምዝገባ ደው ምባልን ምግላልን ግን ንሓተትቲ ዕቝባ ቅድሚ ጉዳያኦም ምጽራዩ ንማእሰርትን ክስን ዘቃልዕ ፍጹም ጌጋ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
በዚ ድማ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ነዚ ውሳነ ቤትፍርዲ ብኸመይ የተግብሮ ከም ዘሎ ጸብጻብ ከቕርብ ትእዛዝ ተዋሂብዎ ኣሎ።
በዚ ውሳነ መሰረት መንግስቲ ኬንያ ብሓደ ወገን ዘይሕጋዊ ስደትን ጕጅለታት ገበንን ንምግታእ ጽኑዕ ቍጽጽር እናገበረ፡ በቲ ካልእ ድማ መሰል ሓተትቲ ዕቝባ ንምኽባር ነቲ ዘቋረጾ ምዝገባ ዳግማይ ክጅምር ሕጋዊ ግዴታ ተነቢሩዎ ይርከብ።