እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ , ትግራይ፡ ውግእ ኣብ ዝቐጸለሉ፡ ኣብይ ኣሕመድ ንሓድሽ ሞጕዚት ምምሕዳር ይግምግም

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝቘመ ሞጕዚት ምምሕዳር ኣፈጻጽማ ስራሕ ንምግምጋምን ነቲ ክልል ንምርግጋእ ዝግበር ጻዕርታትን ኣመልኪቱ፡ ምስ ኣባላት እቲ ፈፃሚ ስራሕ ዘተ ኣካይዱ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ሃገራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ ፡ "ኣህጉራዊ ተቐባልነትን ተመኵሮን ብዘለዎም ትካላት" ዝምራሕን ኣፈጻጽማኡ ዝከታተልዎን ዘተ ምስ መንግስቲ ክካየድ ሕቶ እንተ ቐሪቡ "ምላሽ ንምሃብ ድሉው" ምዃኑ ወሃቢ-ቓል እቲ ጕጅለ ኣስረስ ማረ ንቢቢሲ ገሊጹ።
  • ኤርትራ፡ ውሑዳት ሃገራት ንቴክኖሎጂ ርክባት ካብ ምግባት ክቝጠባ ጻውዒት ኣቕሪባ። እዚ ዓለምለኻዊ ጻውዒት ዝቐርብ ዘሎ፡ ጽላት ቴለኮሙኒኬሽን እታ ሃገር ብመንግስቲ ተባሒቱ ኣብ ዘለወሉን ተበጻሕነት ኢንተርነት ኣብ ኣዝዩ ትሑት ደረጃ ኣብ ዝርከበሉን እዋን እዩ።
  • ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎ ኣብ መስመር ምክልኻል ዝጻወት ዩኤል ሕላፉ፡ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ናይ ነዊሕ እዋን ፕሮፌሽናል ውዕል ከምዝፈረመ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣፍሊጣ።
  • ፓኪስታንን ቱርክን፡ ነታ ኣባል እቲ ስምምዕ ዝዀነት ስዑዲ ዓረብ ካብ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ሑቲ ነብሳ ንምክልኻል እትገብሮ ጻዕሪ ክድግፋ ቃል ኣትየን።
  • ብሰንኪ ኣብ ዶብ ሞያለ ዝተፈጥረ ግጭት ንሓደ ወርሒ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓጺዮም ዝጸንሑ ልዕሊ 300 ኬንያውያን መራሕቲ መካይን፡ ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ማዕከናት ዜና ኬንያ ገሊጸን።
  • ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል "ብመንጽር ዋዛ" ብዝብል ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "ሕሱር ሓሶታትን ኣታላሊ ሽጣራን" ክብል ንመደረ ኣቢይ ኣሕመድ ነቒፉ።
  • 'ባባ ፈሪሐ ኣለኹ' - ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ድሮናት ሑቲ እትርከብ ሪያድ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. መርከብ ጽዕነት ኢማራት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል ብምጭዋያ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ዛይዱ

    ኣብ ወሽመጥ ዓደን ብገማግም ባሕሪ ሶማል ትጓዓዝ ዝነበረት ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጽዕነት መርከብ፡ ቀዳም 28 ሕዳር ብሽዱሽተ ዕጡቓት ተጨውያ።

    ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ፖሊስ ፑንትላንድ ንኣሶሸይትድ ፕረስ ከም ዘረጋገጾ፡ እታ ብባንዴራ ፓናማ እትጓዓዝ 'ኤም-ቪ ማርሳ ቪርጎ' ዝተባህለት መርከብ፡ ዓይነት ትሕዝቶኡ ዘይተረጋገጸ ጽዕነት ሒዛ ጕዕዞ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን እያ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዕጡቓት ኣትያ።

    እዚ ምጭዋይ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሶማልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ነቲ ኵነታት ፍሉይ ቈላሕታ ከም ዝስሕብ ገይሩ ኣሎ።

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል፡ 'ልዑላውነት ሃገርና ኣይተሓለወን' ብዝብል ክሲ፡ ነቲ ምስ ኢማራት ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ኣብ ክንዲ ብዘተ ምፍታሕ፡ ኣምባሳደር ኢማራት ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ትእዛዝ ምውጽኡ ይዝከር።

    ብዛዕባ እዚ መጥቃዕቲ፡ ካብ ክልተ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ትካላት ጸጥታ ባሕሪ ዝተወሃበ ሓበሬታታት ዝተቐራረበ እኳ እንተዀነ፡ ብዛዕባ ሓንቲ መርከብ ይዛረቡ ምህላዎም ግና ዛጊት ዝተረጋገጸ ነገር የሎን።

    ትካል ኦፕረሽናት ንግዲ ባሕሪ ብሪጣንያ (UKMTO)፡ ካፒቴን እታ መርከብ ካብ ባልሓፍ ናይ የመን ብሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ ኣስታት 119 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ዕጡቓት ናብታ መርከብ ከም ዝደየቡ ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

    ማእከል ጸጥታ ባሕሪ ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ፡ ካብ ቦሳሶ ናይ ሶማል 222 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መስመር ባሕሪ ተመሳሳሊ ፍጻመ ከም ዘጋጠመ ኣፍሊጡ።

    ዋላ እኳ ዕጡቓት ነታ መርከብ እንተ ተቘጻጸሩዋ፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ውሽጢ ውሑስ ክፍሊ ስለ ዝተሓብኡ፡ ዝዀነ ምልውዋጥ ተዅሲ ይዅን ጕድኣት ከም ዘየጋጠመ እቲ ማእከል ኣብሪሁ።

    ዛጊት ዝዀነ ወገን ሓላፍነት ዘይወሰደሉ እዚ መጥቃዕቲ፡ ወተሃደራዊ ስርሒት ባሕሪ ሕብረት ኤውሮጳ (ኣታላንታ) ኵነታት እናተኸታተለ የጻርዮን ከም ዘሎ ገሊጹ ኣሎ።

    ሸፍትነት ባሕሪ ሶማል፡ ድሕሪ ናይ ሓያሎ ዓመታት ተዛማዲ ርግኣት ኣብዚ ዓመት’ዚ ዳግማይ ህይወት ዘሪኡ ይርከብ።

    ንኣብነት እታ ኣብ ሓምለ ዝተጨውየት 'ኣሳና' ዝተባህለት መርከብ ነዳዲ፡ ክሳዕ 18 ሕዳር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሸፋቱ ባሕሪ ከም ዘላ ጸብጻባት የመልክቱ።

    ኵሉ እዚ ኣብዚ ስትራተጅያዊ ዞባ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ጸጥታዊ ብድሆታት ድማ ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ ንግዲ ኣሉታዊ ቍጠባዊ ጽልዋ የስዕብ ምህላዉ ተንተንቲ የገንዝቡ።

    ተወሳኺ፤

  2. መራሒ ሱዳን፡ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ኲናት ንዳዕመ-ሰሪዕ ይሕግዛ ኣለዋ ክብል ከሲሱ

    ኣቦ መንበር ባይቶ ልዑላውነትን ኣዛዚ ሰራዊትን ሱዳን ሌተና ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ኣርባዕተ ጐረባብቲ ሃገራት ንዳዕመ-ሰሪዕ ካብ መሬተን ተበጊሱ ኣብ ልዕሊ ሱዳን መጥቃዕቲ ክፍጽም የፍቅዳሉ ኣለዋ ክብል ብትሪ ከሲሱ።

    እቲ ጀነራል ብ28 ሕዳር ብወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን (ሱና) ኣቢሉ ኣብ ዩቱብ ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ኣብዚ እዋን፡ መብዛሕትኡ ጐረባብትና ሃገራት ነዚ ብዳዕመ-ሰሪዕ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንምድጋፍ ድሉዋት ኰይነን ኣለዋ። ኣንጻርና ንኽዋግኡ ድማ ገንዘብ ተኸፊልዎም እዩ፡" ኢሉ።

    ኣል-ቡርሃን ንሊብያ፡ ኢትዮጵያ፡ ጫድን ደቡብ ሱዳንን፡ እቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ውሽጢ ሱዳን መጥቃዕቲ ንኽፍጽም መሬተን ከም መበገሲ ክጥቀም የፍቅዳ ኣለዋ ብምባል ብቐጥታ ዝኸሰሰ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱዳን ዝግበር መጥቃዕቲ እትሳተፍ ዝዀነት ሃገር ወይ ኣካል "ዋጋ ክትከፍል እያ" ክብል ድማ ተሓንዩ።

    ስም ዝዀነት ሃገር ብቐጥታ እኳ እንተ ዘይጠቐሰ፡ ገለ ሃገራት ናይ ፋይናንስ ዓቕመን ብምጥቃስ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከም ዝድግፋን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገሩ ኢድ ከም ዘእትዋን ኣል-ቡርሃን ገሊጹ።

    መንግስቲ ሱዳን ኣቐዲሙ'ውን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ ብገንዘብን ኣጽዋርን ትሕግዝ ኣላ ብምባል ተመሳሳሊ ክስታት ገይሩ ነይሩ እዩ፤ ኢማራት ግና ነዚ ክሲ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ።

    ሰራዊት ሱዳንን መሓዙቱን ዳዕመ-ሰሪዕ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዝድምስስዎ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊኦም ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ክምክትዎ ምዃኖም እቲ ጀነራል መብጽዓ ኣትዩ።

    እቲ ካብ ምያዝያ 2023 ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ክልተኦም ሓይልታት ዝተወልዐ ኲናት፡ ነታ ሃገር ናብ ሓደ ካብ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቕልውላው ዓለም ኣእትዩዋ ይርከብ።

    እዚ ኲናት ንህይወት ኣሽሓት ዜጋታት ዘጥፍአ ኰይኑ፡ ንዅሉ መዳያት መነባብሮ፡ ብፍላይ ድማ ንቝጠባን ቍጠባዊ ትሕተ-ቕርጽን ብምሉእ ኣዕንይዎ።

    እተን ብጀነራል ኣል-ቡርሃን ዝተኸሰሳ ጐረባብቲ ሃገራትን ዳዕመ-ሰሪዕን ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ክሲ ዛጊት ዝሃብዎ ወግዓዊ ምላሽ የሎን።

    ይዅን’ምበር፡ ንኣብነት ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺታት፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢድ ከም ዘይብላን ኣብ ዘተ ሰላም ጥራይ ከም እተተኵርን ክትገልጽ ምጽንሓ ይፍለጥ።

    ነዚ ኲናት ደው ንምባል ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲ ዛጊት ፍረ ኣይሃበን።

    ተወሳኺ፤

  3. ኣብ ትግራይ ውግእ እናቐጸለ፡ ኣብይ ኣሕመድ ንኣፈጻጽማ ሓድሽ ሞጕዚት ምምሕዳር ገምጊሙ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝቘመ ሓድሽ ሞጕዚት ምምሕዳር ኣፈጻጽማ ስራሕ ንምግምጋምን ነቲ ክልል ንምርግጋእ ዝግበር ጻዕርታትን ኣመልኪቱ፡ ምስ ኣባላት እቲ ምምሕዳር ዘተ ኣካይዱ።

    እዚ ርክብ ዝካየድ ዘሎ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራልን ዕጡቓት ህወሓትን ሓድሽ ውግእ ድሕሪ ምውላዑ፡ እቲ ንሓደ መንፈቕ ጥራይ ዕማም ዝተዋህቦ ሞጕዚት ምምሕዳር፡ ስራሕ ኣብ ዝጀመረሉን ስትራተጅያዊ ቦታታት ኣብ ዝተቘጻጸረሉን እዋን እዩ።

    እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ድሕሪ'ቲ ዘተ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘገሖ ጽሑፍ፡ እቲ ዘተ ንኣፈጻጽማ ስራሕ እቲ ምምሕዳር ብሓፈሻኡ ኣብ ምግምጋምን ሓባራዊ ቀዳምነታት ኣብ ምድልዳልን ዘተኰረ ምንባሩ እኳ ገሊፁ።

    ብ16 ጥቅምቲ 2026 ብውሳነ ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ብደንቢ ቤትምኽሪ ምኒስተራትን ዝቘመ እዚ ሞጕዚት ምምሕዳር፡ ሰላምን ጸጥታን ናብ ንቡር ናይ ምምላስን ዝዓነወ ቍጠባዊ ትሕተ-ቕርጺ ናይ ምህናጽን ሓላፍነት ተዋሂብዎ ናብ ስራሕ ኣትዩ ኣሎ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ (ኢዜኣ)፡ እቲ ምምሕዳር ስራሕ ካብ ዝጅምር፡ ኣብ ኵሉ ከባቢታት እቲ ክልል ህዝባዊ ዘተታት ከም ዝተኻየደን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናብ ስርሖም ተመሊሶም መሃያ ክኽፈሉ ከም ዝጀመሩን ሓቢሩ።

    ብኣንጻሩ፡ ህወሓት ነዚ ብመንግስቲ ፈደራል ዝተመስረተ ሞጕዚት ምምሕዳር ብትሪ ይነጽጎ።

    እዚ ሓድሽ ምምሕዳር ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጥሕስን ብዘይ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ዝተጻዕነን እዩ ብምባል፡ ነቲ ዘሎ ግጭት መሊሱ ዘጋድድ ኰይኑ ከም ዘሎ ይገልጽ።

    እቲ ብስምምዕ ሰላም ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ድሕሪ ምፍራሱ ስዒቡ፡ እቲ ፖለቲካዊ ምፍልላይ ናብ ዳግማይ ውግእ ኣምሪሑ ይርከብ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ እቲ መግለጺታት መንግስቲ ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ክውንነት ዝጋጮ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

    ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን፡ ኣብቲ ክልል ዘሎ ውግእ ከም ዘብቅዐ እኳ እንተ ገለጹ፡ ኣብ ገለ ዶባት ኤርትራ ውግኣት ይካየድ ምህላዉን ጸጥታ መሊኡ ከም ዘይተዋሕሰን ፀብፃባት ይሕብሩ።

    ገለ ክፋል እቲ ክልል፡ ዛጊት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ወጥሪ ምህላዉን ሓያሎ ከባቢታት ድማ ዛጊት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከም ዘይረኸቡን ይንገር።

    እቲ ሞጕዚት ምምሕዳር ኣብቲ ዝተዋህቦ ናይ ሓደ መንፈቕ ግዜ ነዚ ጕዕዞ ዳግመ-ህንጸት ከሳልጥ ትጽቢት ይግበር።

    ነቶም ገና ዘለዉ ፖለቲካውን ጸጥታውን ብድሆታት ፈቲሑ፡ ሓድሽ መረጻ ዝካየደሉ ባይታ ሰላም ንምድላው፡ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት ብምሉእ ደው ክብል ከም ዘለዎ ተንተንቲ የገንዝቡ።

    ተወሳኺ፤

  4. ሰላም ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ

    ብሩኽ ሰንበት ክገብረልኩም እናተመነና፡ ንሎሚ ዘዳለናዮም እዋናዊ ዜናን ሓበሬታን ክትከታተሉ ንዕድመኩም።

    ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢታትና - ዩቱብ፡ ፈይስቡክ፡ ኢንስታግራም፡ ቲክቶክን ዋትስኣፕን - ብምብጻሕ ቤተሰብ ኵኑ።

  5. ፋኖ ‘ኣህጉራዊ ተቐባልነት ብዘለዎም ትካላት’ ንዝምራሕ ዘተ ምላሽ ንምሃብ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ

    ሃገራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ ፡ "ኣህጉራዊ ተቐባልነትን ተመኵሮን ብዘለዎም ትካላት" ዝምራሕን ኣፈጻጽማኡ ዝከታተልዎን ዘተ ምስ መንግስቲ ክካየድ ሕቶ እንተ ቐሪቡ "ምላሽ ንምሃብ ድሉው" ምዃኑ ወሃቢ-ቓል እቲ ጕጅለ ኣስረስ ማረ ንቢቢሲ ገሊጹ።

    ኣብ ክልል ኣምሓራ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ምስ መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ፋኖ ወሃቢ-ቓል ዝዀነ ኣስረስ፡ ነዚ ዝገለጸ ዓርቢ 18 ሕዳር 2019 ዓ.ም.ግ. ምስ ቢቢሲ ኣምሓርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት እዩ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓሙስ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ከምቶም ካብ ኦሮምያ፡ ኣምሓራን ትግራይን ዝተመልሱ ብሰላም ክሰርሑ ጸዊዑ፡ “ኣብ ዝዀነ ይዅን እዋን እውን እንተ ዀነ ኣይቀንዓኩምን እዩ” ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

    ነዚ ዝመለሰ ኣስረስ፡ እቶም ጻውዒታት "ናይ ኢድኩም ሃቡ ጻውዒታት እምበር ናይ ዘተ ኣይኰኑን" ብምባል ነጺግዎም።

    መንግስቲ ንፖለቲካዊ ሕቶ ህዝቢ ኣምሓራ ኣፍልጦ ሂቡ ብሳልሳይ ወገን ቍጽጽር ዝግበረሉ ዘተ ንምክያድ ቅሩብነት ከም ዘየርኣየ ዝወቐሰ ኣስረስ፡ ፋኖ ንሰላማዊ ዘተ ዝኸውን ስልትታት ብሰነድ ከም ዘዳለወን ኣህጉራውያን ትካላት ዝመርሕዎን ዝከታተልዎን ዘተ እንተ ቐሪቡ ግቡእ ምላሽ ክህብ ድሉው ምዃኑን ኣብሪሁ።

    ብተወሳኺ፡ መራሒ ኣፋብንን ሸውዓተ ዕጡቓት ሓይልታት (ፋኖ፡ ህወሓትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ሓዊሱ) ዝሓቘፈ "ምትሕብባር ህዝባዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህላወ"ን ዝዀነ ዘመነ ካሴ፡ ኣብ መጀመርታ ሕዳር ምስ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጓንግ ኮንግ ከም ዝተዛተየ ኣስረስ ኣረጋጊጹ።

    ኣብቲ ዘተ፡ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ኣብ ኢትዮጵያ ሓቛፊ ዘተን ስምምዕ ድርድርን ክካየድ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ክገብሩ ከም ዝተሓተተ ሓቢሩ።

    ፍሉይ ልኡኽ ጓንግ ኮንግ ቅድሚ ምስ ዘመነ ካሴ ምዝታዩ፡ ምስ ኣማኻሪ ጕዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ዝዀነ ጌታቸው ረዳ እውን ተራኺቡ ነይሩ። ጌታቸው ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝገለጾ፡ ዘተኦም ኣብ ግጭታት ሱዳንን ሶማልያን ከምኡ’ውን ኣብቲ "ኣዕናዊ ግደ ስርዓት ኣስመራ ኣብቲ ዞባ" ዝበሎ ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

    ድሕሪ ምምስራት እቲ ምትሕብባር ኣብ ትግራይ ውግእ ዳግማይ ተወሊዑ፡ ሰራዊት ፈደራል ቀንዲ ከተማታት እቲ ክልል ድሕሪ ምቍጽጻሩ ኣብዚ እዋን ውግእ ኣብ ቀረባ ዶብ ኤርትራ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ይካየድ ምህላዉ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም እዮም።

    ኣስረስ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝተራእየ ምዕባለ “ዘይተጸበናዮ ወተሃደራዊ ውጽኢት” ክብል ብምግላጽ፡ መራሕቲ እተን መስረትቲ ውድባት ብኣካል እናተራኸቡ ነቲ ኵነታት ንምቕልባስን ሓባራዊ ፖለቲካዊ መደቦም ንምትግባርን ብሓባር ይሰርሑ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ።

    ተወሳኺ፤

  6. ትሑት ተጠቃምነት ኢንተርነት ዘለዋ ኤርትራ፡ ኣንጻር ዓለማዊ ምግባት ቴክኖሎጂ ጻውዒት ኣቕሪባ

    ኤርትራ፡ ውሑዳት ሃገራት ንቴክኖሎጂ ርክባት ካብ ምግባት ክቝጠባ ጻውዒት ኣቕሪባ። እዚ ዓለምለኻዊ ጻውዒት ዝቐርብ ዘሎ፡ ጽላት ቴለኮሙኒኬሽን እታ ሃገር ብመንግስቲ ተባሒቱ ኣብ ዘለወሉን ተበጻሕነት ኢንተርነት ኣብ ኣዝዩ ትሑት ደረጃ ኣብ ዝርከበሉን እዋን እዩ።

    ቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ቐጠር መሓመድ ዑስማን ሙሳ፡ ካብ 9 ክሳዕ 27 ሕዳር 2026 ኣብ ዶሓ ኣብ ዝተኻየደ መበል 22 ዋዕላ ኣህጉራዊ ሕብረት ርክባት (ITU) ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኵለን ኣባል ሃገራት ኣብ ቴክኖሎጅን ዘዋድዶ ዕድላትን ማዕረ ተበጻሕነት ክህልወን ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

    ኣብዚ "ብሓባር ንዝተኣሳሰረ ድጂታላዊ መጻኢ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ኤርትራ ብኣምባሳድር ዓሊ ኢብራሂምን መሓመድ ዑስማን ሙሳን ተወኪላ።

    እዚ ጻውዒት ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ብፍላይ ኣብ መንጎ ከም ኣመሪካን ቻይናን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሃገራት ኣብ ጉዳይ 5G፡ ኪነታዊ-ብልሒ (AI)ን ናይ ሳተላይት ኢንተርነትን ዘሎ ጂኦ-ፖለቲካዊ ቅድድም እናዓበየ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን ዝቐረበ ኰይኑ፡ ምዕቡላት ሃገራት ነዚ ቴክኖሎጂ ንዓብላሊ ጽልዋ ከይጥቀማሉ ዝብል ስግኣት ዘጕልሕ እዩ።

    እንተዀነ፡ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ንምግባት ቴክኖሎጂ ክነቅፍ ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዘሎ ክውንነት ግን ኣንጻሩ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

    ኵሉ ኣገልግሎታት ተለኮሙኒኬሽንን ኢንተርነትን ብመንግስቲ ብዝመሓደር ትካል 'ኤሪቴል' (EriTel) ተባሒቱ ይርከብ።

    ብመሰረት ጸብጻባት ኣህጉራዊ ሕብረት ርክባት (ITU)ን ባንክ ዓለምን፡ ኤርትራ ምስ ኣህጉራዊ መስመር ትሕቲ-ባሕሪ (Submarine cable) ዘይተኣሳሰረት እንኮ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ሃገር እያ።

    በዚ ምኽንያትን ብሰንኪ ስእነት ውድድርን ድማ ኤሪቴል ንውሽጣውን ኣህጉራውን ጻውዒታት ዘኽፍሎ ዋጋታት ብደረጃ ኣፍሪቃ ካብቶም ኣዝዮም ክቡራት ኰይኑ ይረአ። እቲ ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ዝግበር ጻውዒት’ውን ካብቲ ልሙድ ናይ ኣፍሪቃ ክፍሊት ብዕጽፊ ይዓቢ።

    ብተወሳኺ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ዳታ-ሪፖርታል፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ተጠቃምነት ኢንተርነት ኣስታት 20 ሚእታዊት ጥራይ ኰይኑ፡ እቲ ዝተረፈ 80 ሚእታዊት ህዝቢ ብዘይ ዝዀነ ርክባት ሓበሬታ እዩ ዝነብር።

    ዜጋታት ብሰንኪ እዚ ትሑት ተበጻሕነት ቴክኖሎጅን ምግባት ዝፈጠሮ ክቡር ዋጋታትን፡ ካብቲ ንቝጠባዊ ዕብየት፡ ድጂታላዊ ትምህርትን ኣህጉራዊ ንግድን ዘድሊ ዓለማዊ ተመኵሮ ይሕረሙ ከም ዘለዉ ይግለጽ።

    ነዚ ብዝምልከት ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ቀዳምነት ንመሰረታዊ ልምዓት ከም ማይ፡ ጥዕናን ምህናጽ መንገድን ከም ዝህብ እዩ ዝገልጽ።

    ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ነዚ ምብሓት ቴለኮሙኒኬሽን ከም ሓደ ካብ ናይ ወጻኢ ጽግዕተኛነትን ጸጥታዊ ስግኣትን ናጻ ንምዃን ዝወሰዶ ስትራተጅያዊ ስጕምቲ ገይሩ እዩ ዘቕርቦ።

    ኣብዚ ወከልቲ 176 ኣባል ሃገራት ኣብ ዝተረኽብሉ ዋዕላ ዶሓ፡ ብዛዕባ መጻኢ ቴክኖሎጂ ርክባትን ምስፋሕ ተበጻሕነትን ሰፊሕ ዘተ ድሕሪ ምክያዶም፡ ንፈጸምቲ ኣካላት ናይቲ ሕብረት ንናይ 2027–2030 እዋን ዕዮ ዘገልግሉ መራሕቲ ብምምራጽ ዋዕላኦም ዛዚሞም።

    ኤርትራ ካብ 1993 ኣትሒዛ ኣባል እዚ ኣህጉራዊ ሕብረት ርክባት ኰይና ጸኒሓ እያ።

    ብተወሳኺ፤

  7. ኤርትራ ዝመበቈሉ መንእሰይ ዩኤል ሕላፉ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ፕሮፌሽናል ውዕል ፈሪሙ

    ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎ ኣብ መስመር ምክልኻል ዝጻወት ዩኤል ሕላፉ፡ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ናይ ነዊሕ እዋን ፕሮፌሽናል ውዕል ከምዝፈረመ እታ ክለብ ኣፍሊጣ።

    እዚ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ፡ ብስርዓት ኣካዳሚ ዩናይትድ ኣቢሉ ቀጻሊ ምዕባለ ድሕሪ ምርኣዩ፡ መጻኢኡ ምስታ እንግሊዛዊት ክለብ ንምትእስሳር ወሲኑ ኣሎ።

    ኣብ 2025 ናይ ትምህርቲ ዕድል (ስኮላርሺፕ) ውዕል ካብ ዝፈርም ጀሚሩ፡ ኣብ ጋንታ መንእሰያት ወሳኒ ኣባል ኰይኑ ዝጸንሐ ክኸውን እንከሎ፡ እታ ጋንታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ናይ መወዳእታ ጸወታ ዋንጫ መንእሰያት (FA Youth Cup) ኣብ ዝገበረቶ ጕዕዞ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

    ዩኤል ኣብ ጋንታ ትሕቲ 18 ዓመት ብቐዋምነት ካብ ምጽዋት ብተወሳኺ፡ ኣብ ፕሪምየር ሊግ-2 ንጋንታ ዩናይትድ ትሕቲ 21 ዓመት ደዪቡ ተጻዊቱ እዩ።

    ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ድማ፡ እዚ መንእሰይ ከም ናይ ጐድኒ ተኸላኻላይ ናብ ናይ እንግሊዝ ትሕቲ 18ን ትሕቲ 19ን ሃገራውያን ጋንታታት ጻውዒት ዝረኸበ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ተስፋ ዝግበረሎም ብሉጻት ተጻወትቲ እታ ክለብ ምዃኑ ዘነጽር ብቕዓቱ እዩ።

    ማንቸስተር ዩናይትድ ነቲ ውዕል ኣብ ዘፍለጠትሉ እዋን፡ “ተውህቦ ዘለዎ መንእሰይ ዩኤል ሕላፉ መጻኢኡ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ክቕጽል ወሲኑ ኣሎ።

    እዚ ወዲ 18 ዓመት ተኸላኻላይ ናይ ነዊሕ እዋን ፕሮፌሽናል ውዕል ፈሪሙ ኣሎ” ኢላ። እታ ክለብ ወሲኻ፡ ኣብ ኦልድ ትራፎርድ ዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እዚ መንእሰይ ጻንሒቱ ብምንዋሑ ኣዝዩ ከምዝተሓጎሰን፡ ቀጻሊ ምዕባለኡ ንምርኣይ ብሃንቀውታ ከምዝጽበን ገሊጻ።

    እዚ ሓድሽ ውዕል ኣብ ናይ ዩኤል ጕዕዞ ኩዕሶ እግሪ ዓቢ ምዕራፍ ዝኸፍት ኰይኑ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ኣካዳሚ ዘመዝገቦ ዓወት መሰረት ብምግባር ናብ ቀዳመይቲ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ንምቕራብ ክጽዕር እዩ።

  8. ፓኪስታንን ቱርክን፡ ንስዑዲ ዓረብ ካብ መጥቃዕቲ ሑቲ ክከላኸላላ ቃል ኣትየን

    ብመሰረት እቲ ውዕል ሓባራዊ ምክልኻል መካ ዝፍለጥ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሃገር ዝኽፈት መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኵለን ከም ዝተፈነወ ኰይኑ ዝቝጸረሉ ስሉሳዊ ስምምዕ ምክልኻል ኣብ ነሓሰ ዝተፈራረማ ፓኪስታንን ቱርክን፡ ነታ ኣባል እቲ ስምምዕ ዝዀነት ስዑዲ ዓረብ ካብ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ሑቲ ነብሳ ንምክልኻል እትገብሮ ጻዕሪ ክድግፋ ቃል ኣትየን።

    ናይ ምክልኻልን ወተሃደራውን ሰበ-ስልጣን እተን ሰለስተ ሃገራት፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኵነታት ንምዝታይ ኣብ ኢስላማባድ ንልዕሊ ክልተ ሰዓታት ዝጸንሐ ዘተ ኣካይዶም።

    ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ዞባዊ ወጥርታት ንምህዳእ ዝግበሩ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ንምድጋፍ ቃል ከም ዝኣተዉ ሰበ-ስልጣን ፓኪስታን ገሊጾም።

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን ኢሻቕ ዳር ብተሌቪዥን ኣብ ዝተመሓላለፈ መግለጺኡ፡ እቲ ኣኼባ ዞባዊ ወጥርታት ንምህዳእ ዝግበሩ ጻዕርታት ምድጋፉ ንምቕጻልን፡ ዘይምስምማዓት ብዘተን ብዲፕሎማስያዊ መንገድን ብሰላም ክፍትሑ ንምትብባዕን ከም ዝተሰማምዐ ኣሶሸይትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

    እተን ሰለስተ ሃገራት፡ እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ የመን ኣብ ውሽጢ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባትን ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጽታትን ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ከም ዝዀነና እቲ ምኒስተር ኣፍሊጡ።

    ብመሰረት እቲ ኣብ ነሓሰ ዝተፈረመ ስምምዕ ምክልኻል እውን፡ “ድሕንነት፡ ሉዓላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን” ስዑዲ ንክኽበር ደገፍ ከም ዝገብራ ደጊመን ከም ዘረጋገጻ ዳር ተዛሪቡ።

    ገለ ተንተንቲ “ስምምዕ ሱኒ” ወይ “ኔቶ ሙስሊም” ብምባል ዝጸውዕዎ እዚ ስምምዕ ምክልኻል፡ ኣብ ነሓሰ 2026 ኣብታ ቅድስቲ ከተማ ዝዀነት መካ እዩ ተፈጺሙ።

    ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ቱርክ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን፡ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማንን ቀዳማይ ምኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍን ኣብ መካ ተረኺቦም ተፈራሪሞም እዮም።

    ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ክፍጽሙ ዝጀመሩ ድሕሪ ምፍራም እቲ ስምምዕ እዩ።

    ጸብጻብ ኤፒ ከም ዘመልክቶ፡ ቱርክ ናብ ስዑዲ ዓረብ ወተሃደራዊ ደገፍ ንምልኣኽ ትሓስብ ምህላዋ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም። ይዅን እምበር፡ ስምምዕ መካ ናይ ምክልኻል ዕላማ ጥራይ ስለ ዘለዎ፡ ወተሃደራት ቱርክ ኣብ የመን ከም ዘይዋግኡ ወይ ንሑቲ ከም ዘየጥቅዑ ብንጹር ተዛሪቦም።

    ፓኪስታን እውን እቲ ስምምዕ ንምክልኻል ጥራይ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጻ ኣላ። ንኢራን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ዝዀነት ሃገር ዘነጸረ ከም ዘይኰነን፡ ስትራተጅያዊ ጸጥታዊ ምትሕብባር ንምሕያል ዘሎ ሓባራዊ ድሌት ዘንጸባርቕ ምዃኑን ኣፍሊጣ ኣላ።

    ተዛመድቲ ዛዕባታት፤

  9. ኣብ ኢትዮጵያ ንሓደ ወርሒ ተዓጊቶም ዝጸንሑ ልዕሊ 300 መራሕቲ መካይን ናብ ኬንያ ተመሊሶም

    ብሰንኪ ኣብ ዶብ ሞያለ ዝተፈጥረ ግጭት ንሓደ ወርሒ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓጺዮም ዝጸንሑ ልዕሊ 300 ኬንያውያን መራሕቲ መካይን፡ ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ማዕከናት ዜና ኬንያ ገሊጸን።

    መንግስቲ ኬንያን ማሕበር መራሕቲ መካይን ጽዕነትን ድሕሪ ዘካየዱዎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት፡ እቶም መራሕቲ መካይን ሓሙስ 26 ሕዳር 2026 ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኖም ናብ ኬንያ ክኣትዉ ጀሚሮም።

    እዞም ኣብቲ ምስ ኬንያ ዝዳወብ ደቡባዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝነብሩ ማሕበረሰባት ኦሮሞን ሶማልን፡ ብጉዳያ ዋንነት መሬትን ናብ ኬንያን ሶማልያን ዘእቱ መንገድታትን ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ክዋግኡ ጸኒሖም እዮም።

    መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ን34 መዓልታት ዝቐጸለ ግጭት ስዒቡ ብሓሙስ ኣብ መንጎ ክልተኦም ማሕበረሰባት ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝተበጽሐ ኣፍሊጡ። እዚ ስጕምቲ፡ ፈደራላዊ ፖሊስ ናብቲ ከባቢ ብምእታው ህዝባዊ ስርዓት ክመልስን ጸጥታ ከውሕስን ዘኽእል እዩ።

    እታ ኣብ ኬንያን ኢትዮጵያን እትርከብ ከተማ ሞያለ፡ ልዑል ቍጠባዊ ዓቕሚ ስለ ዘለዋ፡ ማእከል እቲ ኣብ መንጎ ክልተኡ ማሕበረሰባት ዝካየድ ዘሎ ብርቱዕ ውድድር ኰይና ኣላ።

    እቲ ኣብ መንጎኦም ዝጸንሐ ናይ መሬት ምስሕሓብ፡ ኣብ መፋርቕ ጥቅምቲ ብሰንኪ ምምሕዳር ናይቲ ኣካራኻሪ ቦታታትን ባንዴራ ክልል ሶማሌ ምስቃልን ብዝተፈጥረ ወጥሪ ናብ ውግእ ዓሪጉ።

    እቲ ኣብ መንጎ ክልተኦም ዕጡቓት ጕጅለታትን ሓይልታት ክልልን ዝተላዕለ ግጭት ኣብ ክልተኡ ወገን ዶብ ናብ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ብምልባዑ፡ ስድራቤታት ናብ ኬንያ ክሃድሙ ተገዲዶም።

    ከተማ ሞያለ ኣብቲ ንናይሮቢን ኣዲስ ኣበባን ዘራኽብ ቀንዲ መስመር መጓዓዝያ ስለ እትርከብ፡ እቲ ግጭት ኣብ ቍጠባ እቲ ዞባ ከቢድ ሃስያ ኣውሪዱ ኣሎ።

    ጸጥታ ብምዝንባሉ ምንቅስቓስ ተገዲቡ፡ መራሕቲ መካይን ኣብኡ ክተርፉን ሓያሎ ትካላት ንግዲ ክዕጸዋን ተቐሲበን እየን። በዚ ምኽንያት ነጋዶን መራሕቲ መካይንን ቀንዲ ምንጪ ኣታዊኦም ስለ ዝሰኣኑ፡ ኣብ ክልተኡ ወገን ዶብ ከቢድ ቍጠባዊ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።

    ሳዕቤን ናይቲ ኣብ መንጎ ክልተኦም ማሕበረሰባት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናብ ኬንያ’ውን ተሳጊሩ እዩ።ኣብ ዶብ እቲ ከባቢ ዝርከባ ሓያሎ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣቐዲመን ክዕጸዋ ክግደዳ ከለዋ፡ ከቢድ ብረትን ጠያይትን ኣብ ኣባይትን ህንጻታትን ብምዕላቡ፡ ነበርቲ ካብ መረበቶም ክሃድሙ ተገዲዶም ኣለዉ።

    ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ እቲ ግጭት ናብ ኬንያ ሓሊፉ ብውሕዱ 6 ሰባት ክቕተሉ ከለዉ፡ ካልኦት ሓያሎ ከኣ ቈሲሎም ኣለዉ።

    እዚ ኵነታት ኣብቶም ብሰላም ክነብሩን ኣብ ሞያለ ንግዲ ከካይዱን ዝጸንሑ ማሕበረሰባት ራዕዲ ከም ዝፈጠረ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ገሊጾም ኣለዉ።

    ቀይሕ መስቀል ኬንያን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሓዊሱ ኣብቲ ከባቢ ረድኤት ንምቕራብ ዝተዋፈሩ ትካላት ግብረ-ሰናይ ከም ዝገለጽዎ፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ልዕሊ 50,000 ሰባት ተመዛቢሎም ኣብ ግዝያዊ መዓስከራት ተዓቚቦም ይርከቡ።

    ብተወሳኺ፤

  10. መርሓባ ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ

    ብሩኽ ቀዳመ-ሰንበት ክዀነልኩም እናተመነና ቀጥታዊ ፈነወና ንጅምር ኣለና፤ እዋናዊ ዜናን ሓበሬታ ንምርካብ ክትከታተሉና ንዕድመኩም።

    ብተወሳኺ፡ ኣብ ዋትስኣፕ፡ ቲክቶክ፡ ዩቱብ፡ ኢንስታግራምን ፈይስቡክን እነቕርቦም ዝተፈላለየ መደባት'ውን ጆባእ ንብለኩም - ብጽሑና ብዙሕ ሓበሬታት ክትቋደሱ ኢኹም።