መቐለ፡ ሓይልታት ትግራይ ነታ ከተማ ለቒቘም ከም ዝወጹ ተሓቢሩ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ሓይልታት ትግራይ ነታ ርእሰ-ከተማ ለቒቖም ከም ዝወጹ፡ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ንጋዜጠኛን ነበርትን እታ ክልል ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

ቀዳም 3 ጥቅምቲ 2026፡ ሓይልታት ትግራይ ንመቐለ ለቒቖም ይወጹ ምህላዎም ዝንገር ዘሎ፡ ሓይልታት ፈደራል ናብታ ከተማ ይቐርቡ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

ኤኤፍፒ ኣብ ጸብጻቡ ሓይልታት ፈደራል ናብታ ከተማ ምጽጋዖም እውን ጠቒሱ ኣሎ።

ኣብ ጐድኒ ሰራዊት መንግስቲ ፈደራል ብምዃን ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝዋጋእ ዘሎ 'ሓይሊ ሰላም ትግራይ' ብወገኑ፡ ነቲ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ እቲ ክልል ከም ዝተቘጻጸረ ምግላጹ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ህወሓት ሓዊሱ ሸውዓተ ዕጡቓት ጕጅለታት ጥምረት ንህልውና ዝብል ኪዳን ከም ዝመስረቱ ኣብ ዘፍለጡሉ ጽባሕ፡ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግም ተወሊዑ።

ረቡዕ 23 መስከረም፡ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ከም ዝተቘጻጸሩ ድሕሪ ምግላጽ፡ ዝሰዓቡ መዓልታት፡ ኣብ መዳውብቲ ከባቢታት ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ውግእ ቀጺሉ።

ብዓርቢ 'ሓይሊ ሰላም ትግራይ' ኣብ ኤክስ ብዘውጽኦ ጽሑፍ፡ "ንመዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ መቐለ ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺርናዮ ኣለና" ክብል ኣፍሊጡ።

ነዚ ኣመልኪቱ ሮይተርስ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ከም ዘይሰለጠ ኣመልኪቱ። ብወገን ህወሓት እውን ርእይቶ ምርካብ ከም ዘይተኻእለ ተጠቒሱ'ሎ።

ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግም ምውልዑ፡ ነታ ሃገር ናብቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብስምምዕ ፕሪቶርያ ተዛዚሙ ዝነበረ ደማዊ ኲናት ክመልሳ እዩ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ሰራዊት ፈደራል ናብ ርእሰ-ከተማ ትግራይ ይቐርብ ምህላዉ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ሓይልታት ፈደራልን መሻርኽቲ መንግስቲ ዝዀኑ ሓይልታት ጸጥታን ብዝወስድዎ ዘለዉ ስጕምቲ፡ ንከተማ ኣላማጣ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተቘጻጺሮም ናብ ርእሰ-ከተማ እታ ክልል ዝዀነት መቐለ ክምርሹ ምጽንሖም ክግለጽ ቀንዩ እዩ።

ኤኤፍፒ ዘዛራረቦ ጋዜጠኛ፡ "ዕጡቓትን መራሕትን ህወሓት ነታ ከተማ ለቒቖም ይወጹ ኣለዉ" ኢሉ። ይዅን እምበር፡ ሓይልታት ፈደራል ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ከም ዘይተራእዩ ጠቒሱ፤ ኣብያተ-ዕዮ መንግስትን መደበራት ፖሊስን ብዘይ ዝዀነ ሓይሊ ጸጥታ ከም ዝተረፉ እውን እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ሓደ ነባሪ እታ ከተማ ብወገኑ፡ ኣብታ ከተማ ሓይልታት ጸጥታ ብዘይምህላዎም "ንብረት መንግስትን ህዝብን ንዝምታ ክቃላዕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት" ከም ዘለዎም ገሊጾም። ካልእ ነባሪ እውን፡ "ኣብታ ከተማ ስርዓት-ኣልቦነት ክስፋሕፍሕ ከም ዝኽእልን ንህይወቶም ከም ዝሰግኡን" ነቲ ወኪል ዜና ተዛሪቡ።

ቅድሚ ሕጂ እውን ስሙ ከይጥቀስ ዝሓተተ ምንጪ ትካል ረድኤት፡ ሓይልታት ህወሓት ካብ ዓፋር ምሉእ ብምሉእ ከም ዝወጹ ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣቦ-መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) ብሓሙስ ብቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝተመሓላለፈ መግለጺኡ፡ ኣብቲ ውግእ ዘሎ ወተሃደራዊ ኵነታት ኣብ ዘብርሃሉ፡ ሰራዊት ትግራይ "ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይዋጋእ ምህላዉ" ገሊጹ።

ኣተሓሒዙ እውን እቲ ውግእ "ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐስ" ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሓይልታት ፈደራል "ገለ ክፋላት" ትግራይ ክሕዙ ከም ዝኽእሉ ኣሚቱ ነይሩ። ይዅን እምበር፡ እዚ "ኰነ ተባሂሉ ዝተገብረ ስትራተጂያዊ ስጕምቲ" ምዃኑ ገሊጾም።

መንግስቲ ፈደራልን መሻርኽቱን፡ ዕጡቓት ህወሓት ሒዞምዎም ዝነበሩ ገለ ቦታታት ከም ዘለቐቕዎም ኣብ ዝተሰምዓሉ እዋን መግለጺ ዝሃበ ደብረጽዮን፡ "ንጸላኢ እንወቕዖ ንሱ ኣብ ዝመረጸልና ቦታ ዘይኰነስ፡ ንሕና ኣብ ዝመረጽናዮ ቦታ እዩ" ኢሉ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣዛዚ ናይቲ ካብ ህወሓት ተፈልዩ ዝወጸ ብ'ሓይሊ ሰላም ትግራይ' ዝፍለጥ ዕጡቕ ጕጅለ ዝዀነ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ፡ ቲቢኤስ (TBS) ንዝተባህለ ቻነል ዩትዩብ፡ "ሰራዊቶምን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ንሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ተቘጻጺሮም ከም ዘለዉ" ተዛሪቦም።

"መብዛሕትኦም ከባቢታት ራያን፡ ገለ ከባቢታት እንደርታ፡ ሳምረን ተምቤንን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ክኣትዉ ጀሚሮም ኣለዉ" ኢሉ። ወሲኹ እውን "ኣብ ቀረባ ናብ ማእከል ትግራይ ክንኣቱ ኢና" ብምባል፡ ምሊሻታትን ፖሊስን ሰላም ኣብ ምርግጋጽን ንብረት ሰባት ኣብ ምሕላውን ክሳተፉ ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ።

ቢቢሲ ክልቲኦም ወገናት ንዝተዛረብዎ ብናጻ ወገን ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ሰብኣዊ ቅልውላው እናተጋደደ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ግጭት ብህጹጽ ደው ክብል ጻውዒት ምቕራቡ ይቕጽል ኣሎ።