ሕክምና ብቐልቀል፡ ንሕሙማት ዝፍውሱ 'ብሉጻት ለገስቲ' ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ምርምር

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ቀልቀል ናይ ሓደ ጥዑይ ሰብ ወሲድካ ናብ መዓናጡ ሕሙም ናይ ምትእትታው ሕክምና፡ ኣብ ዓለም እናተዘውተረ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ሜላ ፈውሲ ኰይኑ ኣሎ።

እንተዀነ፡ ካብቶም ቀልቀሎም ንምልጋስ ድሌት ዘለዎም ሰባት፡ ነቲ ሓያል ረቛሒታት ጥዕና ኣማሊኦም ዝሓልፉ ትሕቲ ሰለስተ ሚእታዊት ጥራይ እዮም።

እቶም ንሕሙማት ብልዑል ደረጃ ናይ ምፍዋስ ፍሉይ ዓቕሚ ዘለዎም "ብሉጻት ለገስቲ" ተባሂሎም ዝጽውዑ ድማ ኣዝዮም ሳሕቲ እዮም ዝርከቡ።

ኣብ 2013፡ ኣዳም ፈይ ዝተባህለ ተማሃራይ ሕክምና ፡ ብሰንኪ 'ክሎስትሪድዮይድስ ዲፊሲል' ዝተባህለ ንጸረ-ነፍሳት (ኣንቲባዮቲክስ) ዝጻወር ባክተርያ ብኸቢድ ዝተሳቐየት ብዕድመ ዝደፍአት ሕምምቲ ንምድሓን ዘይተለምደ ስጕምቲ ወሰደ።

እታ ሕምምቲ ብተደጋጋሚ መዓናጡኣ ይልከፍ ብምንባሩ፡ እቲ እንኮ መፍትሒ ጥዑያት ባክተርያታት ካብ ካልእ ሰብ ወሲድካ ናብ መዓናጡኣ ምእታው ጥራይ ነበረ።

ኣብቲ እዋን ዝተዳለወ ናይ ቀልቀል ባንክ ስለ ዘይነበረ፡ ካብ ቤተሰባ'ውን ለጋሲ ስለ ዝሰኣነት፡ ፈይ ባዕሉ ቀልቀሉ ለገሰላ።

ነቲ ዝወጽአ ቀልቀል ብጨርቅን ማይ ጨውን ኣጻርዩ፡ ብመሳርሒ መርመራ መዓናጡ (ኮሎኖስኮፒ) ኣቢሉ ናብ ውሽጢ መዓናጡኣ ኣእተዎ።

እቲ ውጽኢት ዘገርም ነበረ—እታ ሕምምቲ ካብቲ ተደጋጋሚ ሕማም ምሉእ ብምሉእ ሓወየት። ሎሚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክ ናይ ከብድን መዓናጡን ስፔሻሊስት ሓኪም ዝዀነ ፈይ፡ እዚ ተመኵሮ'ዚ ኣብዚ ዓውዲ ንዝግበር ምርምር ዓቢ መበገሲ ከም ዝዀኖ ይገልጽ።

እዚ ሕክምና ስለምንታይ እዩ ዘድሊ?

ሎሚ፡ እቲ ኣብ መዓናጡና ዝነብር ረቂቕ ህዋሳት (ማይክሮባዮም) ንጥዕናና ዘለዎ ኣገዳስነት ብዓቢዩ ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ብምልጋስ ቀልቀል ዝግበር ሕክምና፡ ነቲ ንመድሓኒት ዘይጸዓድ ረኽሲ 'ክሎስትሪድዮይድስ ዲፊሲል' ንምፍዋስ ወግዓዊ ፍቓድ ረኺቡ ይርከብ።

ብተወሳኺ፡ ንሕማም ቍጥዐ መዓናጡ (IBS)፡ ሕማም ሽኮር፡ ኦቲዝም፡ ድኻም ዓጽሚ፡ ከምኡ'ውን ንስነኣእምሮኣዊ ጸገማት ንምሕካም ፈተነታት ይካየድ ኣሎ።

እዚ ሕክምና'ዚ ብቐጥታ ናብ መዓናጡ ብምእታው ወይ ድማ ብመልክዕ ከኒና ብኣፍ ብምውሓጥ ይወሃብ። ይዅን'ምበር፡ ነዚ ዝኸውን ፍጹም ጥዕና ዘለዎ ለጋሲ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

መን እዩ ክልግስ ዝኽእል?

ሓደ ሰብ ቀልቀሉ ንኽልግስ ዝሓልፎ መስርሕ፡ ልክዕ ከም ናይ ደም ወይ ኵሊት ለጋሲ ኣዝዩ ጥንቁቕን ጽኑዕን መርመራ ይሓትት።

ለገስቲ ዝዀነ ሕዱር ሕማም፡ ናይ ኣእምሮ ወይ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣካል ጸገም ዘይብሎም ክዀኑ ኣለዎም።

ልዕሊ 30 ዓይነት ተመሓላለፍቲ ረኽስታት፡ ሓሳኹ ከብዲ፡ ንመድሓኒት ዝጻወሩ ባክተርያታትን ከም ኮቪድ-19 ዝኣመሰሉ ቫይረሳትን ከይህልዉ ብደምን ብቐልቀልን ይምርመሩ። ብተወሳኺ፡ ዝወስድዎም ቫይታሚናትን ናይ መግቢ ልማዶምን ይጽናዕ።

መብዛሕትኦም ለገስቲ ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳዕ 48 ዓመት ዝዀኑ፡ ጽቡቕ ልምዲ ኣመጋግባ (ብፍላይ ልዑል ፋይበር ዘለዎም ፍረታትን ኣሕምልትን ዝምገቡ)፡ ረጐድቲ ዘይኰኑን ስሩዕ ምንቅስቓስ ኣካል ዘዘውትሩን እዮም።

ብመሰረት ክኢላታት፡ ካብቶም ንምልጋስ ዝፍትኑ ሰባት እቶም ትሕቲ ሰለስተ ሚእታዊት ጥራይ እዮም ነቲ ናይ መጀመርታ መርመራ ዝሓልፉ። ካብዚኦም ድማ እቶም ፍርቆም ጥራይ እዮም ስሩዓት ለገስቲ ኰይኖም ክቕጽሉ ዘኽእል ቅኑዕ ሚዛን ባክተርያ ዘለዎም።

'ብሉጻት ለገስቲ ቀልቀል' እንታይ እዮም?

ገለ ፍሉያት ለገስቲ ግን ካብ ካልኦት ብዝበለጸ ንሕሙማት ናይ ምሕዋይ ዘገርም ዓቕሚ ኣለዎም።

ንኣብነት፡ ኣብ 2015 ኣብ ልዕሊ ሕሙማት መዓናጡ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ካብቶም ዝሓወዩ ትሸዓተ ሕሙማት፡ እቶም ሸውዓተ ካብ ሓደ ፍሉይ ለጋሲ ዝተረኽበ ቀልቀል እዩ ተዋሂብዎም።

እዞም "ብሉጻት ለገስቲ ቀልቀል" (Super Poopers) ዝበሃሉ ሰባት፡ ኣብ መዓናጡኦም ኣዝዮም ዝተፈላለዩን ብዝሒ ዘለዎምን ጥዑያት ባክተርያታት ዝሓዙ እዮም።

ብፍላይ ከም 'ፌካሊባክተርየም ፕራውስኒትዚ' ዝኣመሰሉ ቃንዛ መዓናጡ ዝከላኸሉን ንሕበጥ ዝንክዩን ባክተርያታት ኣብ መዓናጡኦም ብብዝሒ ይርከቡ።

ይዅን'ምበር፡ ኵሉ ሕማም ብሓደ ዓይነት ለጋሲ ጥራይ ክፍወስ ስለ ዘይክእል፡ ንነፍሲወከፍ ሕሙም ዝሰማማዕ ፍሉይ ለጋሲ ናይ ምምራጽ ምርምር ገና ይቕጽል ኣሎ።

ካብ ቀልቀል ናብ ከኒና

ተመራመርቲ ነዚ ሕክምና'ዚ ካብቲ ልሙድ ስግኣታቱ ኣውጺኦም፡ ናብ ዝተደኰነን ውሑስን መድሃኒት ንምቕያር ይጽዕሩ ኣለዉ።

ኣብ ኣመሪካ፡ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን (FDA) ንሕማም 'ክሎስትሪድዮይድስ ዲፊሲል' ዝፍውሱ፡ ካብ ናይ ሰብ ቀልቀል ብዝተረኽቡ ጥዑያት ባክተርያታት ዝተዳለዉ ክልተ ፍሉያት መድሓኒታት (ሬብዮታ/REBYOTA ዝተባህለ ፈሳስን፡ ቮውስት/VOWST ዝተባህለ ከኒናን) ኣጽዲቑ ኣሎ።

እዚ ድማ ቀልቀል ደቂ-ሰብ ካብቲ ከም ሓደ ዘጸይፍ ረሳሕ ነገር ዝውሰዶ ዝነበረ፡ ናብ ህይወት ዘድሕን ዘመናዊ መድሓኒት ይቕየር ምህላዉ ዘርኢ ዓቢ ስጕምቲ እዩ።