ኣመሪካዊ ሰነተር ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ግጭት ንዞባዊ ርግኣትን ረብሓታት ኣመሪካን ከም ዘስግእ ኣጠንቂቑ
ኣቦ መንበር ኮሚተ ጕዳያት ወጻኢ ሰነት ኣመሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት፡ ዞባዊ ርግኣትን ረብሓታት ኣመሪካን ከቢድ ሳዕቤን ከሕድር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ኣባል ሪፓብሊካዊ ሰልፊ ዝዀነ ወኪል ክፍለ-ግዝኣት ኣይዳሆ ሰነተር ጂም ሪሽ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ኣርሲ፡ መብዛሕትኦም ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ምዃኖም ዝእመነሎም እንተወሓደ 34 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም፡ ነቲ ዝተጸብጸበ ቅትለታት ኣካል “ኣስካሕካሒ ኣንፈት” ክብል ገሊጽዎ።
ሪሽ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ኣስካሕካሒ ኣንፈት እዮም" ኢሉ። ወሲኹ ድማ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምርግጋእን ዓመጽን ንሰላማውያን ሰባት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዞባን ንረብሓታት ኣመሪካን ከቢድ ሳዕቤን ኣለዎ" ክብል ገሊጹ።
እቲ ዝተሓበረ መጥቃዕቲ ካብ ርእሰ-ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 400 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቍሸት እንዴቶ፡ ኣብ ጥቓ ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ማርያም እዩ ተፈጺሙ። ናይ ውሽጢ ዓዲ ማዕከናት ዜና ከም ዝጸብጸባኦ፡ ዕጡቓት ናብታ ቤተ-ክርስትያን ብምቕራብ እቶም ምእመናን ኢዶም ክህቡ ድሕሪ ምሕታቶም፡ ተዅሲ ከፊቶምሎም። ግብረ-መልሲ ተዅሲ ከም ዝሃቡ ዝተገልጹ ናይቲ ከባቢ ሓለውቲ ጸጥታ እውን ካብቶም ዝተቐትሉ ከም ዝዀኑ ተሓቢሩ።
ክፍሊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነቶም ጸብጻባት ከም ዝፈለጦም ብምግላጽ፡ ናጻ መርመራ ክካየድ ጸዊዑ።
ወሃቢ ቃል ምኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ዝወጹ ጸብጻባት ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ስጕምቲ ይሓቱ እዮም። ናጻ መርመራታትን ተሓታትነትን ክህሉ ንጽውዕ" ኢሉ።
መንነት እቶም ፈጸምቲ መጥቃዕቲ ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን። ይዅን እምበር፡ ናይ ውሽጢ ዓዲ ጸብጻባት ኣብቲ ክልል ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ምስቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ግብረ-ሽበራዊ ውድብ ዝተፈረጀ ዕጡቕ ጕጅለ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA) ኣተኣሳሲሮምዎም እዮም።
ኢትዮጵያ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣብ ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮምያን ዝካየዱ ግጭታት ሓዊሱ እናወሰኹ ዝኸዱ ብድሆታት ጸጥታ ገጢሞምዋ ኣለዉ። ተንተንቲ ከም ዝብልዎ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ብግጭት፡ ፍልሰትን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ዝተጸልወ ዞባ ካብ ዘለዋ ስትራተጅያዊ ተራ ተበጊሱ፡ ኣብዛ ብብዝሒ ህዝቢ ካልአይቲ ዝዀነት ሃገር ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ንኣመሪካ ሓዊሱ ንኣህጉራውያን መሻርኽቲ ዘተሓሳስብ ጕዳይ ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ።
ተወሳኺ፤