ሊዮነል መሲ፡ ናይ መወዳእታ ጸወታኡ - 'ዓለም ብምልእታ እያ ተመስግነካ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ብጸወታኡ ንኣርጀንቲናውያን ሓሊፉ ንመላእ ዓለም ዘሰራሰረ ሊዮነል መሲ ሎሚ ወጋሕታ ምስ ሃገራዊት ጋንታኡ ናይ መወዳእታ ጸወታኡ ብምክያድ ምስ ደገፍቱ ተፋንዩ።
ኣብቲ ኣብ ቦነስ ኣይረስ ሃገራዊት ጋንታኡ ኣንጻር በኒን ዘካየደቶ ጸወታ፡ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋብን ክልተ ውዱኣት ንሸቶ ዝዀና ኳዓሳሱ ብምቕራብ ኣብተን ሃገሩ ዘመዝገበተን ሰለስተ ሸቶታት ኣብ ኵለን እግሩ ሓዊሱ።
ወዲ 39 ዓመት ኰይኑ ዘሎ መሲ እዛ ጸወታ እዚኣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ኰይኑ ዘካየዳ መበል 208 ጸወታኡ ኰይና እዛ ብፍጹም ቅላዕ ኣብ መበል 71 ደቒቕ ዘመዝገበ ሸቶ ከኣ ምስ ሃገራዊት ጋንታኡ ኰይኑ ዘመዝገባ መበል 126 ሸቶን ናይ መወዳእታ ኰይና ተሰኒዳትሉ።
ኒኮላስ ኦታመንዲ ኣብ መበል 48 ደቂቕ ኒኪ ፓዚ ከኣ ኣብ መበል 61 ደቂቕ ንዘመዝገብወን ሸሮታት'ውን መሲ ባዕሉ'ዩ ፈትፊቱ ኣቐቢልዎም፤ በዚ ከኣ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ኣብ ልዕሊ ቤኒን 3 ብ 0 ተዓዊታ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ጫማኡ ከምዝሰቅል ዘፍለጠ መሲ፡ ኣብዛ ናይ ሎሚ ወጋሕታ ዝተኻየደት ጸወታ ኣብቲ 85 ሽሕ ተዓዘብቲ ብኣካል ዝርኣይዎ ጸወታ ን90 ደቂቕ'ዩ ተጻዊቱ።
ኣርጀንቲና ነቲ ንሃገራዊት ጋንታ ብዙሕ ዘበርከተ መሲ ንምፍናው እጅገኣ ሰብሲባ'ያ ክትዳሎ ወሪሓ።
ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ንምፍናው መሲ ንምድማቕ ዝተፈላለየ ናይ ሙዚቃ ምርኢታት'ዩ ተኻይዱ።
መሲ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዝስምዖ ናይ ኣስታት 10 ደቂቕ ናይ ምፍናው መደረ፡ ብደቂ ጋንታኡ ተሰንዩ ብንብዓት'ዩ መደረኡ ዛዚሙ።
መሲ ካብ ጸወታታት ሃገራዊት ጋንታ ድኣሉ ዝፋኖ ዘሎ እምበር ምስታ ዝጸወተላ ዘሎ ኣመሪካዊት ክለብ ኢንተር ማያሚ ክሳብ መወዳእታ 2028 ክጻወት ኩንትራት ኣለዎ።
ምስ ባርሲሎናን ምስ ፒኤስጂን ድሙቕ ሓያለ ዕዉታት ዓመታት ዘሕለፈ መሲ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገራዊታ ጋንታ ኣርጀንቲና'ውን እቲ ዝበዝሐ ሸቶታት ዘመዝገበ ተጻዋታይ'ዩ።
መሲ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ኣትሒዙ'ዩ ኣብ ስምዒት ኣትዩ ክነብዕ ጀመሩ፡ ስምዒቱ ክቈጻጸር'ኳ ይፍትን እንተነበረ፡ ጸወታ ኣብ ምጅማሩ ሃገራዊ መዝሙር ኣርጀንቲና ኣብ ዝዝመረሉ ዝነበረ እዋን ግን ብንብዓት ጀሚሩ ብንብዓት'ዩ ወዲእዎ።
ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ስታድዮም ብርቺታት ደሚቑ፡ 'gracias' [የቐንየልና] ዝብል ዝተጸሓፎ ማልያ ቁጽሪ ዓሰርተ ኣብ ሜዳ ተዘርጊሑ፡ ሄሊኮፕተር'ውን ተመሳሳሊ ማልያ ዘርጊሓ ኣብ ልዕሊ ሜዳ ኮሊላ።
ኵሉ ነገር ሃዲኡ፡ ዳኛ ጸወታ ምስ ጀመሮ እቲ ቀንዲ ማእከል ስሕበት እቲ ጸወታ ዝነበረ መሲ ቅድሚ ዕረፍቲ ጥራይ ክልተ ጽቡቓት ፈተነታት ኣካይዱ ሓላዊ ልዳት ግን መሊሱወን፡ ካብተን ካብ ቀረባ ኰይኑ ዝፈተነን ከኣ እታ ሓንቲ ዓንዲ ልዳት ሃሪማ።
መሲ ኣብ ሓምለ ጫማኡ ክሰቅል ምዃኑ ኣብ ዝነገረሉ፡ ጥሮታ ክትወጽእ 'ኣዝዩ'ዩ ዘቐንዙ፡ ግን እቲ እዋን መጺኡ'ዩ ሕጂ እዋኑ'ዩ" ኢሉ።
ሸሞንተ ግዜ ተዓዋቲ ባሎን ዲ ኦር ክኸውን ዝኸኣለ መሲ፡ ኣብ መዛዘሚ ዋንጫ ዓለም ኣብ ናይ ፍጻመ ጸወታ ሃገሩ ብስጳኛ ምስ ተሰዓረት ድሕሪ ክልተ መዓልታት'ዩ ብ21 ሓምለ ጸወታ ከቋርጽ ከም ዝመደበ መልእኽቲ ጽሒፉ።
መሲ ንመጀመርታ ግዜ ንሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ወኪሉ ዝተጻወተሉ እዋን ኣብ 2005 እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ሃገሩ ኣንጻር ሃንጋሪ ተካይዶ ዝነበረት ምሕዝነታዊ ጸወታን 2 ብ 1 ዝተዓወተትሉን ኣብ መበል 63 ደቂቕ'ኳ ተቐይሩ እንተኣተወ፡ ኣብ ልዕሊ ተኸላኻላይ ሃንጋሪ ቪልሞስ ቫንክዛክ ብዝፈጸሞ በደል ሓንቲ ደቂቕ ከይተጻወተ'ዩ ካብ ሜዳ ብቀይሕ ወጺኡ።
መሲ ዋላ ድኣ ኣብታ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ዝተሰለፈላ ሕማቕ ተመኵሮ እንተኣጋጠሞ፡ ንሃገራዊት ጋንታኡ ምስ ደቂ ጋንታኡ ብምዃን ዋንጫ ዓለምን ክልተ ኮፓ ኣመሪካን ከግዝማ ክኢሉ'ዩ።
ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ነቲ 22 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ዘሎ ፈረንሳዊ ክልያን ምባፐ ተኸቲሉ ብ21 ሸቶታት ካልኣይ ዝበዝሐ ሸቶታት ዘመዝገበ ተጻወታይ'ዩ።
ኣብ ኣህጉራዊ ጸወታታት ከኣ ብብዝሒ ዘመዝገቦ ሸቶታት ነቲ ምስ ፖርቱጋል ብምዃን 146 ሸቶታት ዘመዝገበ ክሪስትያኖ ሮናልዶ ተኸቲሉ ብ126 ሸቶታት ኣብ ካልኣይ ተሰሪዑ ኣሎ።
ገለ ካብ መጻውትቱ ዝበልዎ ናይ ፋንዋ ቃላት
መሲ እዛ ምስ በኒን ዘካይዳ ጸወታ ናይ መወዳእታ ጸወታኡ ምዃና ምስ ኣፍለጠ፡ ካብቶም ሕጂ ምስኡ ዝጻወቱ ዘለውን መጻውትቱ ዝነበሩን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓያለ ናይ ፋንዋ ቃላት'ዩ ውሒዝዎ።
ኣብ ባርሲሎናን ኣብ ፒኤስጂን ምስ ሜሲ ዝተጻወተ ብራዚላዊ ነይማር "ኣርጀንቲና ጥራይ ኣይኰነትን ተመስግነካ፡ ኣብ ኵዕሶ ብዝገበርካዮ ኵሉ ነገር ዓለም ብምልእታ'ያ ተመስግነካ" ኢሉ ጽሒፍሉ።
ነይማር ወሲኹ፡ "ንኵዕሶ እግሪ ኣዝየ ክፈትዎ ስለዝገበርካኒ ኣዝየ የመስግነካ፡ ኣንጻርካ ተሰሊፈ ስለዝተጻወትኩ ንዓይ ዓቢ ሓበን'ዩ፣ እቲ ዝያዳ ዘሐብነኒ ከኣ ኣብ ጎንኻ ኰይነ ስለዝተጻወትኩ'ዩ" ብምባል'ዩ ኣብ ልዕሊ መሲ ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ።
ናይ ቀረባ ዓርኪ መሲን ኣብ ሃገራዊት ጋንታን ኣብ ክለብን ምስ መሲ ዝተጻወተ ሮድሪጎ ድ ፖል ብወገኑ "[መሲ] ኣብ ኵዕሶ እግሪ ጥራይ ዘይኰነ ብሓፈሻ ከም ሰብ ንኽዓቢ ዓቢ ኣስተዋጽኦ'ዩ ገይሩ፡ ሳላኡ ዝሓሸ ሰብ፡ ንፉዕ ስፖርታዊ፡ ንፉዕ ኣቦን ንፉዕ ዓርክን ኰይነ" ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ "ኣዝየ ከምዘፍቅሮ ክነግሮ ይደሊ፣ ሓወይ ምዃኑ ይፈልጥ'ዩ ኣዝዩ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎ ሓው'ዩ" ኢሉ።
ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲ ብምዃን ኣብ ጐድኒ መሲ ኰይኑ ኣብ 2022 ዋንጫ ዓለም ዝተዓወተን ኣንገል ዲ ማርያ ብወገኑ "ኵሉ ነገሩ ንኵዕሶ እግሪ ዝሃበ'ዩ፣ ንሱ ተሓጒሱ ክንርእዮ እንከለና ድማ ንዓና'ውን ዘሐጕሰና፡ ንዅሉ ኣብ ኣበርክቶኡ ነመስገን" ኢሉ።
ገለ ኣሳእል ካብ ናይ መወዳእታ ጸወታ መሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, Getty Images




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
