ናይታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት መኽዘን ሓበሬታ (ብላክ ቦክስ) ናብ ፈረንሳይ ተላኢኹ

ምንጪ ስእሊ, Jemal Countess
Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ
ዝሓለፈ ሰንበት ንጉሆ፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ ተሓምሺሻ 157 ሰባት ሞይቶም እዮም።
መኽዘን ሓበሬታ (ብላክ ቦክስ) ናይዛ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት፡ ንምርመራ ሎሚ ናብ ሃገረ ፈረንሳይ ከምዝተልኣኸ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ'ሎ።
ጀርመን ነቲ መኽዘን ሓበሬታ ክትምርምር ተሓቲታ፡ እቲ 'ሶፍትዌር' ከምዘይብላ ብምግላጽ ነቲ ሕቶ ከይተቐበለቶ ከምዝተረፈት ትማሊ ተገሊጹ እዩ።
ብቢሮ ምርመራ ሓደጋታት ኣቭየሽን ዝምራሕ ጉጅለ እዩ ነቲ መኽዘን ሓበሬታ ሒዙ ናብ ፓሪስ ከይዱ ዘሎ።
እቲ መኽዘን ሓበሬታ፡ ኣብ 'ጋቢና' ናይታ ነፋሪት ዝቕመጥ መቕድሒ ድምጺ ከምኡ ድማ ኩነታት እቲ በረራ ዝገልጽ ዲጂታላዊ መኽዝን እዩ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



