ዕልቕልቕ ከራላ፡ ሚልዮናት ተመዛቢሎም

ሰለስተ ሰባት ኣብቲ ብዕልቕልቕ ዝተሃስየ ቦታ ብጃልባ እናተጓዓዙ
Published

ኣብ ህንዲ፡ ዞባ ከራላ ብምኽንያት ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣስታት 400 ሰባት ክሞቱ እንክልዉ ኣሽሓት ብዘይ ቤትን ንብረትን ተሪፎም፡ እዚ ኣብ ዞባ ከላራ ዝተራኣየ ዕልቕልቕ ኣብዚ ምሉእ ዘመን ካብ ዘጋጠመ እቲ ዝኸፈአ ተባሂሉ እዩ ዝንገር።

በዚ ዕልቕልቕ ልዕሊ ሚልዮን ክመዛበሉ እንከልዉ፡ ዝበዝሑ ካብኣቶም ኣብታ ዞባ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ቴንዳ ኣጽሊሎም ከምዘለዉ እዩ ዝፍለጥ።

ብርቱዕ ዝናብ ምህራም ኣብ ዘቋረጸሉ፡ ንግዳያት መሰረታዊ ቀረባት ናይ ምቕራብን ናብቲ ተነጺሉ ዘሎ ቦታታት ናይ ምድህሳስን ስራሓት ይቕጽል ኣሎ።

ካብ ወተሃድራዊ ሄሊኮፕተር ንብረት እናኣራገፉ
መግለጺ ስእሊ, ነቶም ኣብ ተኣፋፊ ቦታታት ዘለዉ ግዳያት ሰራዊት ህንዲ መሰረታዊ ቀርባት የበጻጽሕሎም ኣለዉ
ወተሃደራዊት ጃልባ ህንዲ ናብ ግዳያት ዕልቕልቕ መግቢ እናኣበጻጸሐት
ደቂ ኣንስትዮን ድቂ ተናዕትዮን ኣብ ገምገም ፈለግ ኮይኖም መግቢ እናተቀበሉ
ስድራ፡ ኣብታ ባማይ ዝተኸበበት ቤቶም
መግለጺ ስእሊ, ኣሽሓት ኣብ ቤቶም ብማይ ተኸቢቦም ይርከቡ
ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ነቶም ኣብ ቤቶም ብማይ ተከቢቦም ዘለዉ ናይ መግቢ ሓገዝ እናገበርሎም
ብማይ ዘዕለቕለቐ መጸበዩ ኣውቶቡስ
ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ግዝያዊ መጽለሊ
መግለጺ ስእሊ, እቶም ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ኣብ ግዘያዊ መዕቀሊ ኣጽሊሎም ይርከቡ
ኣብ ግዝያዊ መዕቀሊ ኣጽሊሎም ዝርከቡ ቆልዑ
ብማይ ዘዕለቕለቐ ገዛውቲ
መግለጺ ስእሊ, እቲ ወሑጅ ክሳብ ዝገድፎ ናብ ቤቶም ክምለሱ ኣይክእሉን እዮም
ድሕሪ እቲ ብርቱዕ ውሑጅ ገዛኣ ከተጻራሪ ዝጀመረት ሰበይቲ
መግለጺ ስእሊ, ንብዙሓት እቲ ብርቱዕ ወሑጅ ምቁራጹ ምፍርራይ ክጅምሩ ሓጊዝዎም ኣሎ
ኣብ ቀብሪ ዝሳተፉ ዘለዉ ሰባት
መግለጺ ስእሊ, ነቶም በዚ ዕልቕልቕ ሂወቶም ዝሳኑ ኣስታት 400 ሰባት ፡ ስነስርዓት ቀብሮም ይካየድ ኣሎ