ኣፍሪቃ ኣብዚ ሰሙን ብስእሊ ከመይ ቐንያ? 29 ሰነ ክሳብ 5 ሓምለ 2018

Published

ካብ ኣፍሪቃን ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ዓለማትን ዝተሓረዩ ዉቁባት ስእሊታት ኣፍሪቃ እዚ ሰሙን።

ሞዴል ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ንምርኢት መድረኽ ፋሽን "ደርባን ጁላይ" እናተዳለወት 30 ሰነ 2018 ደርባን
መግለጺ ስእሊ, ሞዴል ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ንምርኢት መድረኽ ፋሽን "ደርባን ጁላይ" እናተዳለወት
ደቂ ተባዕትዮ ሞዴላት፡ ኣብ ደርባን፡ 30 ሰነ 2018
መግለጺ ስእሊ, ብመሰረት ናይዚ ዓመት ቴማ "እዋኑ ሕጂ'ዩ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሰብ ሞያ ቅዲ ኽዳን ዘዳለዉዎ ፋሽን
ኔልሰን ማንዴላ 18 ሓምለ 1918 ተወሊዱ 5 ታሕሳስ 2013 ሞይቱ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ "ኣካል እቲ ሌጋሲ ኹን" ብዝብል ኔልሰን ማንዴላ ንምዝካር ቅርጺ ኣቀማቕማ ጸጉሪ ማንዴላ ዝቕምቐም መንእሰይ
እዚ ዓመታዊ ፌስቲቫል ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ እንትኾን፡ ባህላዊ ልምዲታት 14 ዓሌታት ንመስሕብ ቱሪዝም እታ ሃገር ክላለዩ ይግበር
መግለጺ ስእሊ, እዘን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዓሌት ቱርካ እንትኾና፡ ኣብ ደቡብ ምብራቓዊት ከተማ ኬንያ ሎያንጋላኒ ኣብ ዝነበረ ፌስቲቫል እናተሳተፋ
ካብ ህዝቢ ስዋዚላንድ
መግለጺ ስእሊ, እዛ ጓል ኣንስተይቲ ተመሳሳሊ ጾታ ንምድኻም ዝግበር ቃልሲ ክብርትዕ ትሓትት
ተጻዋቲ ሳክስፎን ማኑ ዲባንጎ 29 ሰነ 2018
መግለጺ ስእሊ, ፍሉጥ ካሜሮንኣዊ ተጻዋቲ ሳክስፎን ማኑ ዲባንጎ ኣብ ሙዚቃ ዝጸንሐሎም 60 ዓመታት ኣብ ኣይቬሪኮስት ምርኢት ሙዚቃ ብምቕራብ ኣኽቢሩ
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን (ማእኸል) ናይጀሪያዉያን ኣርቲስታት ኣብ ሌጎስ 3 ሓምለ 2018.
መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብ ፍሉጥ ቤት ምዝንጋዕ ናይጀሪያ ኣፍሪካ ሽሪን ምስ ኣርቲስታት "ሰልፊ" ተላዒሉ
3 ሓምለ 2018፡ ኣብ ስፔን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ንዓኣቶም ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ቤት ትምህርቲ'ዮም ዝመሃሩ።
መግለጺ ስእሊ, ንድሕሪት ተመሊስና ኣብ ኤዉሮጳ፡ ኡጋንዳዊ-ፈረንሳዊ ካሻምባ፡ ኣብ ደገ ኣፌት ዝተገለለ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ስፔን፡ ባርሴሎና ጠጠዉ ኢሉ
መርዓዊ ሳንዶ (ብየማን) መርዓ (ጸጋም) ላይቤሪያ 30 ሰነ 2018
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ላይቤሪያ ሞንሮቪያ፡ መርዑት ሳንዶ ብሮዉኔልን ኔስተር ሳየን ናይ መርዓ ኬክ እናተኾላለሱ
እዞም ሰልፈኛታት "ጅምላዊ ጨፍጫፍ ጠጠዉ ይበል' ክብሉ 23 ሰነ ተሰሊፎም
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ማሊ ባማኮ፡ ካብ ዓሌት ፍሉኒ ዝመጽአ ህጻን ኣብታ ሃገር ኣብ ሞንጎ ሓረስቶትን ኣርባሕቲ እንስሳን ዘጋጥም ጎንጺ ጠጠዉ ከብል ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተሳተፈ ህጻን
መላለዪ ሸርፊ ወጻኢ ብዝተጠቅዐሉ ቤት ጽሕፈት ትሓልፍ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ግብጺ፡ ካይሮ 4 ሓምለ 2018
መግለጺ ስእሊ, መላለዪ ሸርፊ ወጻኢ ብዝተጠቅዐሉ ቤት ጽሕፈት ትሓልፍ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ግብጺ፡ ካይሮ

ስእሊታት ካብ፡ ማቲያስ ዋሲክ፣ ኤኤፍፒ፣ ኢፒእ፣ ጌቲ ኢሜጅን ሮይተርስን