ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣመሪካ ዘንበረቶ እገዳ ከተልዕል ጸዊዑ
ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊታ ብኸቢድ ቍጠባዊ ቅልውላው ተሃስያ ዘላ ኩባ ዘንበረቶ እገዳ ከተልዕል ጸዊዑ።
ዶ/ር ቴድሮስ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ሃቫና ዑደት ድሕሪ ምክያዱ፡ እቲ ቍጠባዊ እገዳ ንህይወት ህጻናት ኣብ ሓደጋ የውድቖ ምህላዉ ብምጥቃስ እዩ።
ኣመሪካ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ ኣብ ልዕሊ ኩባ ተሪር እገዳታትን ናይ ነዳዲ ክልከላን ብምትግባራ፡ እታ ሃገር ኣብ ሰፊሕ ምቍራጽ ጸዓት ኤለክትሪክን ስእነት መሰረታዊ ሃለኽትን ወዲቓ ኣላ።
ዶ/ር ቴድሮስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ "ሆስፒታል ብንኣሽቱ ህጻናት መሊኡ ኣሎ። ህጻናት ግዳይ ፖለቲካዊ ግጭታት ኰይኖም ዋጋ ክኸፍሉ የብሎምን። ኣመሪካ እገዳኣ ከተልዕል እምሕጸን፡" ኢሉ።
ብሰንኪ እዚ ቅልውላው፡ ትጽቢት ዕድመ ዜጋታት ኩባ ካብ 78.8 ናብ 74.4 ዓመት ወሪዱ ይርከብ። እዚ ድማ ካብ 1950 ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ናይ ፈለማ ምጕዳል እዩ። ብተወሳኺ፡ መጠን ሞት ሓደስቲ ዝውለዱ ህጻናት ካብ 1,000 ብህይወት ዝውለዱ ኣስታት 4 ዝነበረ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ 9.9 ክብ ኢሉ ኣሎ።
ነዚ ጸገም ንምቅላል፡ ውድብ ጥዕና ዓለም 2 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዝመደበ ዝሓበረ ዶ/ር ቴድሮስ፡ ጸገም ጥዕና ኩባ ብሰንኪ እገዳ ጥራይ ዘይኰነስ "ውሽጣዊ ጸገማት" እውን ከም ዘለዎ ጠቒሱ፡ መንግስቲ ዘካይዶ ዘሎ ቍጠባዊ ምምሕያሻት ንኢዱ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ኩባ ወተሃደራዊ ኢድ-ኣእታውነት ክገብር ከም ዝኽእል ምሕባሩ ይዝከር። ዶ/ር ቴድሮስ ነዚ ጻውዒት ዘቕርብ ዘሎ፡ ትራምፕ ንውድብ ጥዕና ዓለም ድሕሪ ምውቃሱ፡ ኣመሪካ ብወግዒ ካብ ኣባልነት እቲ ትካል ካብ ትወጽእ ሓደ ዓመት ኣብ ዝመልኣሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ተወሳኺ፤