ቀጥታ, ምላሽ ኢትዮጵያ ንኣዋጅ መራሕቲ ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ግብጺን ሱዳንን

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ብዝገበረሎም ዕድመ ኣብ ግብጺ ከተማ ኒው ኣል ዓለሜን ዝተኣከቡ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ከምኡ ከኣ ኣቦወንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ቀዳምን ሰንበትን ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ ንኣርባዕቲኤን ሃገራት ዝውክል "ሓባራዊ ኣዋጅ ኣል ዓለሜን" ዝሰመይዎ ኣጃው ኣውጺኦም ነይሮም።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ትካል ተሓላቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እዚ መጥቃዕቲ ብኣልማማ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ተግባር ብምዃኑ፡ ከም ገበን ኲናት ተወሲዱ ብቕልጡፍ ክምርመር ጸዊዑ ኣሎ።
  • ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ሃገረ-ወሽመጥ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተታሕዛ ዝገልጽ ጸብጻብን፡ እቲ ውግእ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምልሕማሙን ነቒፋ ኣላ።
  • ኣዛዚ ናይቲ ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተፈልዩ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዝብል ዝጽዋዕ ጕጅለ፡ ብዛዕባ ቀጻልነት ኢትዮጵያን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመስረተ ኣባል ዝዀነሉ ጥምረት ጕጅለታት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ መርገጺኡ ገሊጹ።
  • ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከባቢታት ዶብ ክልል ትግራይ-ዓፋር ዝተወልዐ ግጭት ብዝምልከት፡ ሓይልታት ትግራይ ንሰላማውያን ዜጋታት ዓፋር ኮነ ንሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ዒላማ ከም ዘይገበሩ ኣዛዚ ኣርሚ 33 ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ተኽላይ (ሸሪፎ) ንቢቢሲ ገሊጹ።
  • ናጽነት ኢንተርነት ዝከታተል ዓለምለኻዊ ትካል ኔትብሎክስ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ሓሙስ ለይቲ ጀሚሩ ኣገልግሎት ኢንተርነት ደው ምባሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።
  • እቲ ንመንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ንምውራድን መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛምን ዝዓለመ 'ምሕዝነት ንህልውና' ዝተሰምየ ልፍንቲ ዕጡቓት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ዕሽሽ ከም ዝበሎ ብምግላጽ ወቒሱ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዞባዊ ቅልውላው ከኸትል ከም ዝኽእል ሕብረት ኣውሮጳ ኣጠንቂቑ

    ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭትን ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናዓበየ ብዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ስክፍታኡ ገሊጹ።

    እዚ ኩነታት ኣብ ሰላምን ምርግጋእን መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ "ሰፊሕ ዞባዊ ግጭት" ከበግስ ከምዝኽእል እቲ ሕብረት ኣጠንቂቑ።

    እቲ ሕብረት ብሰኑይ 5 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዘሎ ወጥሪ ብቕልጡፍ ክዝሕል’ዩ ጸዊዑ።

    ብተወሳኺ ኵሎም ወገናት ነቲ ኵነታት ከጋድዱ ካብ ዝኽእሉ ተግባራትን ናይ ቃላት ምልውዋጥን ክቝጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

    ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ መግለጺኡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከቦም ኣውሓስትን ኣፈጸምቲን ከምኡ ከኣ ፈረምቲ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶርያ፡ ነቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ንምትግባር ዘለዎም ቃል ደጊሞም ከረጋግጹ ኣተሓሳሲቡ።

    ኣተሓሒዙ ኵሎም ተሳተፍቲ እቲ ግጭት፡ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከኽብሩ፡ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ከውሕሱ፡ ከምኡ ከኣ ገደብ ዘይብሉ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድኤታት ከረጋግጹ ተማሕጺኑ።

    ሕብረት ኤውሮጳ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኵለን ሃገራት ክኽበር ከምዘለዎ ብምጥቃስ “ናይ ደገ ምትእትታው ደው ክብል ኣለዎ” ብምባል ሃገራት ዘለወን ጽልዋታት ተጠቂመን ኣብ ክንዲ ነቲ ግጭት ምግዳድ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ፍታሓት ኣብ ምምጻእ ክሰርሓ ጸዊዑ።

    ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መወዳእታ መግለጺኡ “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዞባዊ ምርግጋእ፡ ሰላማዊ ምትሕብባርን ቍጠባዊ ውህደትን ንምርግጋጽ” ዘለዎ ድልውነት ብምግላጽ “ትርጕም ዘለዎ ዘተን ብሰላማዊ ፍታሕ ንግርጭታትን ንዝውሰድ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት” ከም ዝድግፍ ሓቢሩ።

    ወተሃደራር ዝጸዓና መካይን
  2. ኣብይ ኣሕመድ ንዝቕጽሉ 5 ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ክኸውን ተሰይሙ

    ኣብይ ኣሕመድ

    ኣብይ ኣሕመድ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኰይኑ ተሸይሙ

    ኣብ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ሰልፊ ብልጽግና ዝመርሕ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዳግማይ ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ተመዚዙ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝለዓለ መሪሕነት እታ ሃገር ክፀንሕ ምዃኑን፡ ን13 ዓመታት ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ዘኽእሎ ስጕምቲ እዩ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወሽመጥ ፋርስ፡ ማእከላይ ምብራቕን ዘሎ “ማዕበል ለውጢ” ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ “[ወሳኒ] ሃገር ናይ ምዃን ተራ ከምዘለዋ ብተደጋጋሚ ኣስሚሩ።

    ውሽጣዊን ግዳማውን ተለኣኣኽቲን “ብሓባር ከምዝተላዕሉ” እንተኾነ “ኣዝዮም ጽዒሮም፣ ተጓይዮም" ንኢትዮጵያ ከድክሙ ከምዘይከኣሉ ሓቢሩ።

    “ንጸላእትና ዘገድሶም ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከይትነግስ ምግባር ጥራይ’ዩ” እውን ኢሉ።

    ካብ ሃገራዊ ኣማኻሪ ኮምሽን ኢትዮጵያ ዝቐረቡ ኣጀንዳታትን ለበዋታትን ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ፈደራል መንግስቲን ክልላዊ መንግስታት ከምዝቐረቡ ዝዝከር እዩ።ካብዞም ለበዋታት መሰረት ብምግባር ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ግብሪ ዝፀንሐ ሕገ መንግስቲ ፈደራል ምምሕያሻት ከምዝግበር እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣኣንፊቱ ኣሎ።

  3. ኢትዮጵያ፡ ንዋዕላ መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ሶማልያን ዝሃበቶ ምላሽ

    ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌድዮን

    ኢትዮጵያ፡ ምስ ፈለግ ኒልን ቀይሕ ባሕርን ዝተኣሳሰሩ ጂኦግራፍያውን ታሪኻውን ሓቅታት ብፖለቲካዊ ክትዓትን ብተግባራት ሓይሊን ክቕየሩ ከምዘይክእሉ ገሊጻ።

    መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ሶማልያን ኣብ ጉዳያት ሽዱሽተ ነጥብታት፣ ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሶማልያ፡ ሱዳንን ፈለግ ኒልን (ኣባይ) ኣብ ዝምልከት ዘለዎም ሓባራዊ ኣረኣእያ ብመልክዕ ኣዋጅ ምጽዳቖም ስዒቡ እዩ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነዚ ምላሽ ዝህብ ዘሎ።

    ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ብዝገበረሎም ዕድመ ኣብ ግብጺ ከተማ ኒው ኣል ዓለሜን ዝተኣከቡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ከምኡ ከኣ ኣቦወንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ቀዳምን ሰንበትን ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ ንኣርባዕቲኤን ሃገራት ዝውክል "ሓባራዊ ኣዋጅ ኣል ዓለሜን" ዝሰመይዎ ኣዋጅ ኣውጺኦም ነይሮም።

    ብተወሳኺ ምሕደራን ምቁፅፃርን ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ብሕታዊ ሓላፍነት ምዃኑ ተሰማሚዖም።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣስማት እተን ኣርባዕተ ተቐናቐንቲ ሃገራት ይኹን ነቲ ዘውጽእኦ ሓባራዊ ኣዋጅ ከይጠቐሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ምንጪ ፈለግ ኒል ምዃናን፡ እቲ ሩባ ድማ 85 ሚእታዊት ካብ ማይ ኣባይ ዝመጽእ ምዃኑን ኣዘኻኺሩ።

    ስለዚ፡ ዝኾነ ይኹን ብዛዕባ ኣጠቓቕማን ምሕደራን ፈለግ ኒል ዝግበር ዘተ “ነዞም መሰረታዊ ሓቅታት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ” ክብል ኣስሚሩ።

    ኩሎም ዞባዊ ተዋሳእቲ ሓባራዊ ብድሆታቶም፡ ብግጭት ዘይኮነስ ብዘተ ክፈትሑ እውን ኣተሓሳሲቡ'ሎ።

  4. 'ቁጥዐ ኣብ ጎደናታት ስጳኛ’ - ቅልውላው ኣባይቲ ዘበገሶ ናዕቢ

    ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ሰልፊ ተሳቲፎም

    ኣብ መላእ ስጳኛ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ንተኻረይቲ ዝያዳ ሓለዋ ክግበረሎም ጸዊዖም።

    መንግስቲ ህጹጽ ሕጊ ኣባይቲ ከጽድቕ ዘይምኽኣሉ ስዒቡ እዩ ነበርቲ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለዉ።

    ትማሊ ቀዳም ኣብ ማድሪድ፡ ቫለንሽያን ባርሴሎናን ሓዊሱ ኣብ ከተማታት ኣስታት 50 ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዱ።

    ኣብ መንጎ ገለ ሰልፈኛታትን ፖሊስን እውን ጎንጺ ተፈጢሩ ኣሎ።

    ሓንቲ ጓል 87 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ብርቱዕ ወሰኽ ክራይ ገዛ ክትከፍል ብዘይምኽኣላ ካብ መንበሪኣ ምስጓጓ ስዒቡ እዩ፡ ኣብ መላእ ስጳኛ ብደረጃ ሃገር ተቓውሞታት ተላዒሉ።

    ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ቫለንሽያ፡ ኣብ ጥቓእቲ ናይ ንብረት ዋዕላ ዘአንግድ ዝነበረ ማእከል ስነጥበብ ፓላው ደ ለስ ኣርትስ ረይና ሶፍያ ምስ ኣባላት ፖሊስ ከምዝተጋጨዉ ኣሳእል የመልክቱ።

    ሓያሎ ሰልፈኛታት መከላኸሊታትን ኣቑሑን ናብ መኮንናት ንብረት ክድርብዩ እንከለዉ፡ ፖሊስ ድማብጎማ ጥይት ምላሽ ከምዝሃበ ማዕከናት ዜና ስጳኛ ሓቢረን።

    ህዝባዊ ፈነወ ኣርቲቪኢ፡ ትሽዓተ ኣባላት ፖሊስ ከምዝቖሰሉን 5 ሰባት ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ሓቢሩ።

    ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ፖሊስን ጎነጽ ኣጋጢሙ
  5. ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ዘተ ሰላም ክምለሳ ኣተሓሳሲባ

    ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቶሚ ፒጎት

    ዋሽንግተን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ጎረባብቲ ሃገራት ከኽብራን ወጥሪ ዝያዳ ከጋድድ ካብ ዝኽእሉ ተግባራት ክቑጠባን ጸዊዓ።

    ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቶሚ ፒጎት፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ "ኢትዮጵያን ኤርትራን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጎረባብተን ከኽብራ፡ ግጭት ካብ ዘጋድዱ ተግባራት ተቖጢበን: ናብ ዘተን ምትሕብባርን 2018 ክምለሳ" ሃገሩ ኣትሪራ ከምዘተሓሳሰበት ገሊጹ።

    "ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ወተሃደራዊ ግጭትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ክስከም ኣይክእልን'ዩ" ኢሉ።

    "ዝዀነ ግጭት ነቲ ምስ ክልቲአን ሃገራት ዝቕጽል ዘሎ ምትሕብባር ኣመሪካን ሓባራዊ ረብሓታትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ::"

    መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ "ኤርትራ ምስ ሱዳንን ግብጽን ኰይና ብዓመጽቲ ንዝቖመ ኪዳን ትድግፍ ኣላ" ብዝብል ክሲ: ምስታ ሃገር ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣቋሪጹ እዩ።

    ሰለስቲአን ሃገራት ግን ነዚ ክሲ ብተደጋጋሚ ክነጽጋ ጸኒሐን እየን::

    ኢትዮጵያ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ካብታ ሃገር ክወጹ ምእዛዛ ስዒቡ፡ ኤርትራ እውን ምስ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ኣፍሊጣ ኣላ::

  6. ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ህጹጽ ኣኼባ ክጽውዕ ኣምነስቲ ተማሕጺኑ

    ኣርማ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

    ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ንምህዳእ ህጹጽ ኣኼባ ክጽውዕ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።

    እቲ ትካል ተሓላቒ መሰላት ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሓድሽ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ግዳይ ሞት ኮይኖም ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ኣብ ሲቪላውያን ዝወርድ ሳዕቤናት ከይገድድ ስግኣት ከምዘለዎ የጠንቅቕ።

    "ዝኸፍአ ጃምላዊ ቅትለት ክፍጸምን ቊጽሪ ዝቕተሉ ሲቪላውያን ክውስኽን ክጽበ የብሉን" ክብል እቲ ኣህጉራዊ ሕብረት ንጡፍ ግዳ ክጻወት ሓቲቱ።

    በዚ መሰረት፡ ቤትምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ናይቲ ሕብረት ብቕልጡፍ ተኣኪቡ መፍትሒ ከናዲ ተላብዩ።

    ብመንግስቲ ፈደራል ዝድገፉ ሓይሊ ሰላም ተባሂሎም ዝፍለጡ ዕጡቓት ትግራይ ኣንጻር እቶም ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይይ "ጸረ-መጥቃዕቲ" ብምውሳድ ኣብ ዝደፍእሉ ዘለዉ እዋን'ዩ እቲ ተሓላቒ መሰላት ነቲ መግለጺ ዝህብ ዘሎ።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ህወሓት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ክዋግኡ ንዝጸንሑ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለን ዝርከብዎም ሸውዓተ ተቓውምቲ ጥምረት ብምፍጣር ኣንጻር ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ማእከላይ መንግስቲ ኲናት ከምዝኸፈቱ ምፍላጦም ይዝከር።

    ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን፡ ከምኡ'ውን ክልል ዓፋር ካብቲ ዝሓለፈ፡ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝቐዘፈ ኲናት፡ ከይሓወዩ'ዮም ደግሲ ደማዊ ግጭት ኣጋጢምዎም ዘሎ።

  7. 'ብጠበንጃ ዝምለስ ሕቶ ኦሮሞ ፈጺሙ ኣይክህሉን'ዩ' - ኣብይ ኣሕመድ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ሰላም፡ ዕርቅን ሕውነትን ከስፋሕፍሕ ጸዊዑ።

    ኣብይ ኣሕመድ፡ ሎሚ ዓርቢ 22 መስከረም 2019 (ግ) ክጽንበል ዝጀመረ ብዓል ዒሬቻ ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ዞባዊ ግጭትን ዲፕሎማስያዊ ወጥሪን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ናብ ሰላም ተመሊሶም ኣብ ዘተን ልምዓትን ትኹረት ክገብሩ ተማሕጺኑ።

    ንኣፍሪቃ ሞዴል ክትከውን እትኽእል ኢትዮጵያ ክሃንጽ ድሌት ከምዘለዎ ብምግላጽ ድማ፡ ብሰላም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ንዝደልዩ ጉጅለታት "ኣፍደገ ሰላም" ክፉት ምዃኑ ኣስሚሩ።

    ኣብይ ነዚ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ዘሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጸጥታውን ዲፕሎማስያውን ቅልውላው ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን እዩ።

    ብፍላይ ኣብ ትግራይን ሰሜን ኢትዮጵያ ብሓፈሻን ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታትን ዳግማይ ውግእ ካብ ዝጅመር ሰሙን ኣቝጺሩ ኣሎ።

    መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራ፣ ሱዳንን ግብጽን ንተቓወምቲ ሓይልታት ይድግፋ ኣለዋ ክብል ክኸስስ እንከሎ፡ እተን ሃገራት ግና ነቲ ክሲ ነጺገንኦ እየን።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ከምዝዓጸወትን 10 ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዝኣዘዘትን ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጣ ነይራ። ኤርትራ ኣብ ዝሃበቶ ግብረመልሲ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ገሊጻ።

    ብዘይካ'ዚ፡ ኢትዮጵያ፡ ሓደ ግብጻዊ ዲፕሎማት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጽእ’ውን ኣዚዛ'ላ። ግብጺ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ኣማኻሪ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ክወጽእ ብምእዛዝ ምላሽ ሂባ ኣላ። እዚ ስጉምትታት እዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ቅልውላው ኣጋዲድዎ ኣሎ።

  8. ፈረንሳ፡ ብሰንኪ ተቓውሞ ተመሃሮ ኣማኢት ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን

    መኪና እናተቓጸለት ብድሕሪት ሓይልታት ጸጥታ መንገዲ ኣጽዮም ይረኣዩ

    ምስ ምምሕያሽ ኩነታት ኣብያተ-ትምህርቲ ዝተሓሓዝ ተቓውሞታት ተመሃሮ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ 40 ርእሰ መምህራን ቆሲሎም ኣለዉ።

    ሚኒስተር ትምህርቲ ኤድዋርድ ጌፍራይ ንማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 40 ርእሰ መምህራን ዝርከብዎም 65 ሰራሕተኛታት ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝቖሰሉን፡ ትማሊ ሓሙስ ጥራይ ድማ 1949 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ገሊጹ።

    ጠንቂ እቲ ተቓውሞታት፡ ሕጽረት መምህራን፡ ልዕሊ ዓቐን ጽዑቕ ክፍልታትን ዝዓነወ ህንጻታትን ኰይኑ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን እዩ ኣብ ፓሪስ ተጀሚሩ። ድሕሪኡ ግን ናብ መላእ እታ ሃገር ተዘርጊሑ’ሎ።

    ሎሚ ንግሆ ኣብ ምዕራባዊ ፈረንሳ ከተማ ብሬስት፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰልፈኛታት ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሞም።

    ኣብ ከተማ ረንስ ዝነብር ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ፖሊስ ዝወስዶ ዘሎ ግብረ መልሲ ንሰልፈኛታት "ዝያዳ ከምዘቖጥዖም" ገሊጹ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ፍትሒ ፈረንሳ ጀራልድ ዳርማኒን ብወገኑ "ካብ ሰልፊ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ናብ ምዝንባዕ ህዝባዊ ስርዓት ተሰጋጊርና" ክብል ነቲ ኵነታት ገሊጽዎ'ሎ።

  9. ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ኣብ እዋናዊ ኵነታት እንታይ ኢሉ?

    ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ትማሊ 1 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሓድሽ ውግእ ምጅማሩ ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናይ ህልውና ምዃኑ ገሊጹ።

    ኣብ ርእሲ እዚ፡ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ ኣፈላላያቱ ንጐድኒ ብምሕዳግ ንህልውናኡ ደው ክብል ተማሕጺኑ።

    ብዛዕባ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ወተሃደራዊ ኵነታት መብርሂ ዝሃበ ደብረጽዮን፡ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝተፈለለየ ከባቢታት ይዋጋእ ከም ዘሎን እቲ ኲናት ተንቀሳቓሲ ብምዃኑ ሓይልታት ፈደራል ገለ ቦታታት ትግራይ ክሕዙ ከም ዝኽእሉን ኣፍሊጡ።

    ብተመሳሳሊ፡ ድሕሪ መግለጺ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣዛዚ ናይቲ ካብ ህወሓት ዝተፈንጨለ 'ሓይሊ ሰላም ትግራይ' ዝተባህለ ዕጡቕ ጕጅለ ዝዀነ ብርጋደር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ፡ ኣብ ዩቱብ ቻነል 'ቲቢኤስ ቲቪ' ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሱ ዝመርሖ ሓይልን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ተቘጻጺሮም ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

    ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ መብዛሕትኡ ከባቢታት ራያ፡ ከምኡ'ውን "ገለ ከባቢታት እንደርታ፡ ሳምረን ተምቤንን ምቍጽጻር ጀሚርና ኣለና፡" ኢሉ።ምሉእ ንባብ

  10. ኣብ 2018 ዝተፈረመ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን

    • ኣብ መንጎኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ኩነተ-ኲናት ኣኽቲሙ ኣሎ። ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን ተራሕዩ ኣሎ።
    • ክልቲኦም መንግስታት፡ህያው ረብሓታት ህዝብታቶም ንዘገልግልን ዘሳጒምን፡ ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ጸጥታዊ ምትሕብባር ክሰርሑ እዮም።
    • ኣብ መንጎክልቲአን ሃገራት፡ ናይ መጓዓዝያን ንግድን ተለኮሚኒኬሽንን ርክብ እንደገና ክጅምር፡ ዲፕሎማስያዊ ህላወን ንጥፈታትን ክሕደስ እዩ።
    • ውሳኔ ዶብኤርትራን ኢትዮጵያን ኪትግበር እዩ።
    • ክልቲአን ሃገራትዞባዊ ሰላምን ልምዓትን ምትሕብባርን ንምውሓስ ብሓባር ክሰርሓ እየን። ክልቲኦም መንግስታት፡ ንኹሎም ኣዕሩኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ንኹሎም ደለይቲ ሰላም ምስጋናኦም እናኣቕረቡ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ህሞት ምሕዝነቶምን ደገፎምን ከሐይሉ ይጽውዑ።
    ኣብ 2018 ዝተፈረመ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን
  11. መንግስታዊ ተሌቪዥን ኢትዮጵያ፡ "ግብጺ፡ ብድሕሪ እቲ ህውከት ኢድ ኣለዋ’’ ክትብል ትኸስስ

    መንግስታዊ ኣገልግሎት ተሌቪዥን ኢትዮጵያ ትማሊ ምሸት ንግብጺ ዝነቅፍ ናይ ሓደ ደቒቕ ጸብጻብ ኣመሓላሊፉ።

    እቲ ጸብጻብ ግብጺ፡ "ብድሕሪ እቲ ህውከት ኢድ" ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ ካይሮ ኣብቲ ብ20 መስከረም ዝጀመረ ሓድሽ ውግእ ከም ዝተሳተፈት ዘመልክት እዩ።

    ኢቢሲ፡ ንግብጺ “ካብ ውሽጢ ንኢትዮጵያ ንምድኻምን ንምስንኻልን ስዉር ስትራተጂ ትጥቀም ኣላ” ክትብል ትኸስስ።

    ብተወሳኺ፡ ካይሮ "ከፋፊልካ ናይ ምግዛእ ስትራተጂ" ትጥቀም ከምዘላ እውን ትገልጽ። "ብሓያልን ስምረትን ኢትዮጵያ ዝተሰናበደት ካይሮ፡ ሃገር ከተደሚ ንዓመጽቲ ንምዕጣቕን ንምድጋፍን ገንዘብ ኣፍሲሳ እያ።''

    " እቲ መግለጺ መንግስታዊ ተሌቪዥን ኢትዮጵያ ወሲኹ ግብጺ "ዲጂታዊ ውግእ፡ ንሰፊሕ መርበባት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምምዋል ጽልኢ ዝመልኦ ዘረባታት ንምዝርጋሕን ዜጋታት ኣንጻር ንሓድሕዶም ንምጽላእን" ትጥቀም ከምዘላ ገሊጻ።

    ኢትዮጵያን ግብጽን ብቐንዱ ምስ ህንጸት ግድብ ህዳሰ ሩባ ኣባይ ዝተኣሳሰረ ነዊሕ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ተሸሚመን ከምዝጸንሓ ይፍለጥ።

    እቲ ግብጺ ንውሕስነት ማይ ናይ ህልውና ስግኣት ገይራ እትርእዮ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ መስከረም 2025 ተመሪቑ።

    እቲ ግብጺ ንውሕስነት ማይ ናይ ህልውና ስግኣት ገይራ እትርእዮ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ መስከረም 2025 ተመሪቑ።
  12. ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን ዘሎ ወጥሪ ክሃድእ ጸዊዑ

    ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ብዓቢይ ሻቕሎት ይከታተሎ ምህላዉ ብምግላጽ፡ ሰለስተአን ኣባል ሃገራት ዝለዓለ ዓቕሊ ክገብራን ነቲ ዞባ ናብ ዝገደደ ቅልውላው ዘእቱ ስጕምቲታት ካብ ምውሳድ ክሕየባን ኣጥቢቑ ጸዊዑ።

    እቲ ኮምሽን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰለስተአን ሃገራት ነቲ ዘሎ ወጥሪ ዘጋድድን ዞባዊ ቍጠባውን ፖለቲካውን ምርጋእ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ዝዀነ ዓይነት ተግባራት ወይ መግለጺታት ካብ ምሃብ ክቝጠባ ኣተሓሳሲቡ።

    ኣብ መንጎአን ዘሎ መስመራት ርክብ ቀጻሊ ኰይኑ ክጸንሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘስመረ እቲ ኮምሽን፡ እተን ሃገራት ንፍልልያተን ብመሰረት መትከላት መስራቲ ውዕል ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዝተለምዱ ዲፕሎማስያዊ መስመራትን ሰላማዊ ዘተን ክፍትሓኦ ተማሕጺኑ።

    እዚ ጻውዒት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመጽእ ዘሎ፡ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣስመራን ካይሮን ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ውጥረት ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ ወሳኒ እዋን እዩ።

  13. ኢትዮጵያ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ካብታ ሃገር ክወጹ ኣዚዛ

    ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጹ ተኣዚዞም።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሎሚ 01 ጥቀምቲ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ "ተግባራት ተጻብኦ ኤርትራ" ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዘሎ ኤምባሲኡ ክዕጾ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

    "እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዓሰርተ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ 'ፐርሶና ናን ግራታ' [ኣፍልጦን ሓለዋን ዝተነፍጐም ውልቀሰባት] ምዃኖም" ኣዊጁ ከምዘሎ ገሊጹ።

    እቶም ብስም ዘይተጠቕሱ ዲፕሎማሰኛታት "ውዕል ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ቬና ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ሓደጋ ኣብ ዘስዕብ ንጥፈታት ብምስታፎም" ክወጹ ከምዝተወሰነ'ዩ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

    "እዞም ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ተኣዚዞም ኣለዉ" ድማ ይብል።

    ኢትዮጵያ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ካብታ ሃገር ክወጹ ኣዚዛ
  14. ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ኣፍሊጣ

    ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ዲፕሎማሰኛታት ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ክትበትኮ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብሓሙስ 01 ጥቀምቲ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ "ተግባራት ተጻብኦ ኤርትራ" ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዘሎ ኤምባሲኡ ከምዝዕጾ ብምግላጽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ 10 ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ክወጹ ከምዝኣዘዘ ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ኣስመራ ብወገና፡ ኣማስያኣ ኣብ ዝሃበቶ ግብረመልሲ፡ ነቲ "ተጻባኢ" ዝበለቶ ውሳነ ኢትዮጵያ ብምቃፍ፡ ኣዲስ ኣበባ ንዕጡቓት ኤርትራውያን ተቓወምቲ ብምዕጣቕ ኣብ ኤርትራ "ውሽጣዊ ግጭት ብምስዋር ናይ ስርዓት ለውጢ" ክትፈጥር ትፍትን ከምዘላ ከሲሳ።

    ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ኣፍሊጣ
  15. ኣፍኮን፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከቢድ ስዕረት ዘሰከመ ግጥም

    ደው ኢሎም ከቢቦም ዝሰምዑ ዘለዉ ሰማያዊ ማልያ ዝገበሩ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ

    ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 'ኣፍኮን 2027' ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ከቢድ ስዕረት ኣጋጢምዋ።

    ብሰንኪ ዘይብቕዓት ስታድዮማታ ናብ ካይሮ ግብጺ ተጓዒዛ ኣንጻር ኣንጻር ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተጻወተት ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ 5-0 ተሳዒራ።

    ደቡብ ኣፍሪቃ ዳርጋ ንመላእ እቲ ጸወታ ተቖጻጺራ ሓያል መጥቃዕቲ ብምግባር ኣብ ምድባ ንኻልኣይ ግዜ ተኸታታሊ ዓወት ኣመዝጊባ'ላ።

    እዚ ስዕረት፡ ኤርትራ ኣብ መኽፈቲ መጻረዪ ጸወታ ኣብ ናይሮቢ ኣንጻር ኬንያ 1ብ1 ድሕሪ ምፍልላያ፡ ካብ ክልተ ጸወታታት ሓንቲ ነጥቢ ጥራይ ሒዛ ኣላ። ዝቕጽል ጸወታኣ ኣንጻር ጊኒ ኣብ ርእሰከተማ ኮናክሪ ክኸውን እዩ።

    እታ ብኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ትፍለጥ ጋንታ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ናብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ምምላሳ ንደገፍታ ተስፋ ኣስኒቓ ምጽንሓ ይፍለጥ።

  16. ብሓላፊ ህግደፍ ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ሰበስልጣን ግብጺ ተዘራሪቡ

    ሓጐስ ገብረሂወትን ባድር ዓብደልዓጢን

    ብሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ግብጺ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

    እቲ ብሓጐስ ገብረሂወት ዝምራሕ ጉጅለ ንሚኒስተር ንግዲ ኤርትራ ነስረዲን መሓመድ ሰላሕ ዘጠቓለለ'ዩ።

    እቲ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ልኡኽ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደልዓጢ ብምርኻብ ብዛዕባ "ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት" ከምዝተዘራረበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

    ክልቲኦም ሰበስልጣን ኤርትራ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናብ ርእሰከተማ ሪያድ ብምብጻሕ ምስ ሰበስልጣን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ተዘራሪቦም ምንባሮም ይዝከር።

    ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዝጸንሐ ወጥሪ ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን'ዮም ክልቲኦም ሰበስልጣን ነዚ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ዘካይዱ ዘለዉ።

    ኣስመራ ምስ ሪያድን ግብጽን ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ይንገር።

    ሰበስልጣን ኤርትራን ግብጺን ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ሚኒስተር ደዳያት ወጻኢ ግብጺ ኮፍ ኢሎም እናተዘራረቡ

    ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ከምዝበሎ፡ ምስ ሚኒስተር መጓዓዝያ ግብጺ ሌ/ጀነራል ካምል ኣል-ዋዚርን ተራኺቦም ነይሮም።

    "ክልቲኦም ወገናት ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ጽላታትን ካልእ ዓውድታት ክልተዊ ምትሕግጋዛትን ንዝተበጽሐ ገስጋስ ብምግምጋም፡ ብዛዕባ ዝቕጽል ስጉምቲ ሓሳብ ተለዋዊጦም" ይብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ።

    እንተኾነ ብዛዕባ'ቲ ተጨቢጡ ዝበሎ ዓወታት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንቦት፡ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ኣስመራ፡ ሓባራዊ መስመራት መራኽብ ንምምዕባልን ምትእስሳር ወደባት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያልን፡ ወግዓዊ ስምምዕ ምትሕብባር መጓዓዝያ ባሕሪ ፈሪመን ምንባረን ይዝከር።

    ቅድሚኡ'ውን ኣብ ወርሒ ምያዝያ፡ ሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ሚኒስተር ንግዲ ኤርትራን ናብ ካይሮ ብምኻድ ምስ ግብጻውያን ምኒስተራት ወጻኢ፡ ወፍሪ፡ ንግዲን ኢንዱስትሪን፡ መጓዓዝያ፡ ኤለክትሪሲቲን ጸዓትን፡ ሕርሻን መሬትን ካልኦት ሰብመዚ ሰፊሕ ዝርርባት ኣካይዱ ነይሩ'ዩ።

  17. ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምብራር ከምዝተኸልከለ ተገሊጹ

    ሎጎ ኤጀንሲ ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን

    ኤጀንሲ ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን ኢትዮጵያ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ንምብራር ፍቓድ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ።

    ሎሚ 30 መስከረም 2026 ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣብ ዝዀነ ከባቢን ካብ ዝዀነ ብራኸን ዝብገሳን ዝነፍራን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምልላይ፡ ብምዕጋትን ኣብ ዘድሊ ቦታ ብምዕላብን፡ ከምኡ’ውን ልክዕ ኣቀማምጣ ናይቶም ኣብረርቲ ብምልላይን ብምእሳርን ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ’ዩ” ክብል ኣጠንቂቑ።

    "ከምቲ ልሙድ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝንቀሳቐሱ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ካልኦት ተመሳሰልቲ ዝነፍሩ ነገራትን ዝከታተል ዝተዋደደ ፀረ ሰብ ኣልቦ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ክትትልን ቁፅፅርን ይካየድ ኣሎ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

    እቲ ትካል፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ዳግማይ ኣብ ዝጋደደሉ እዋን እዩ ነዚ መግለጺ ዝህብ ዘሎ።

    ብተወሳኺ "ምስ ዝምልከቶም ወገናት ብምትሕብባር፡ ድሕነት መራሕቲ፡ ቁልፊ ትሕተ-ቅርጽን ሃገራዊ ፍጻሜታትን ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ንምፍጻም" ንዘይተወሰነ እዋን ክጸንሕ እዩ ዝበሎ እገዳ በረራ ከም ዘተግብረ ገሊጹ።

  18. ኣቕራቢ ዜና ዝነበረ ጋዜጠኛ ዘውዲ ንግስነት ደፊኡ

    ዘውዲ ዝደፍአ ኤድዋርድ ሩኪዲ ኪጃናንጎማ

    ኣብ ኡጋንዳ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሃገራዊ መደበር ተለቪዥን ኣቕራቢ ዜናን ኣሰናዳእን ኰይኑ ዘገልገለ ኤድዋርድ ሩኪዲ ኪጃናንጎማ፡ ንጉስ ንግስነት ቶሮ ኰይኑ ዘውዲ ደፊኡ።

    ሕጂ ንጉስ ኤድዋርድ ሩኪዲ ኪጃናንጎማ ንያቦንጎ ቀዳማዊ ተባሂሉ ዝተሰየመ እዚ ወዲ 56 ዓመት ጋዜጠኛ፡ ናብ ስልጣን ምድያቡ ኣብታ ሃገር ርሱን ክትዕ ስለ ዘለዓዓለ፡ ባዕሉ መዛረቢ መራኸቢታት ብዙሓን ኰይኑ ኣሎ።

    ንግስነት ቶሮ፡ ኣብ ኡጋንዳ ብወግዒ ተፈላጥነት ካብ ዘለወን ኣርባዕተ ታሪኻውያን ንግስነታት ሓንቲ እያ።

    እዛ ንግስነት ኣብ ዝሓለፉ 31 ዓመታት፡ ኣብ መበል ሳልሳይ ዓመቱ ናብ ስልጣን ብምምጻእ "ንኡስ (ቈልዓ) ንጉስ" ተባሂሉ ብዝፍለጥ ዝነበረ ንጉስ ኦዮ ትምራሕ ነይራ።

    ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ዓለም እቲ ዝነኣሰ ንጉስ ዝነበረ ኦዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መበል 34 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም መንሽሮ እዩ ዓሪፉ።

    እቲ ካብ ፍርቂ ለይቲ ኣትሒዙ ዝጀመረ ስነ-ስርዓት ምድፋእ ዘውዲ፡ ብባህላዊ ልምድታት ዝተሰነየ ኰይኑ፡ ኪጃናንጎማ ናብቲ ወግዓዊ ቤተ-መንግስቲ ካሩዚይካ ናይ ኣስታት 4 ኪሎሜተር ጕዕዞ ብእግሩ ኣካይዱ።

  19. ፑንትላንድ፡ ሸፋቱ ባሕሪ ሶማል ነታ ዝጨወይዋ መርከብ ነዳዲ ቅድሚ ምምላሳ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ቀቲሎም

    ሓይልታት ጸጥታ ፑንትላንድ ነታ ብሸፋቱ ባሕሪ ተጨውያ ዝነበረት መርከብ ነዳዲ 'ኤምቲ ሆነር 25' ንምድሓን ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳዶም፡ እቶም ሸፋቱ ባሕሪ ንሓሙሽተ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ከም ዝቐተልዎም ምክትል ምኒስተር ዜና እቲ ዞባ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

    ምክትል ምኒስተር ቢለ ቃቦውሳደ፡ ሓይልታት ፑንትላንድ ነታ መርከብ ንምምላስ ኣብ ዝተንቀሳቐስሉ እዋን እቶም ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ድሮ ተቐቲሎም ምንባሮም ብምግላጽ፡ እቲ ቅትለት ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ሸፋቱ ባሕርን ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዅሲ ከም ዘይኰነ ኣረዲኡ።

    ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ-ስልጣን ፑንትላንድ፡ እቶም ዝተቐትሉ ሰለስተ ፓኪስታናውያን፡ ሓደ ህንዳውን ሓደ ዜጋ ሚያንማርን እዮም። ብተወሳኺ፡ ሰለስተ ፓኪስታናውያንን ሓደ ህንዳውን ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ቈሲሎም ኣለዉ።

    እቲ ስርሒት ከም ዝተዛዘመን እታ መርከብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽር ሓይልታት መንግስቲ ከም ዘላን ዘመልከተ እቲ ምኒተር፡ 16 ሸፋቱ ባሕሪ ከም ዝተታሕዙን ዝሃደሙ ካልኦት ድማ ይድለዩ ከም ዘለዉን ሓቢሩ።

    ቢለ ቃቦውሳደ፡ "ሓይልታት ጸጥታ ንገሊኦም ሸፋቱ ባሕሪ ንኽሃድሙ ሓጊዞም፡" ዝብል ክሲ፡ መሰረት ዘይብሉ ፕሮፓጋንዳ ብምባል ነጺግዎ።

    18,500 በርሚል ነዳዲ ጽዒና ናብ ርእሰ-ኸተማ ሞቓዲሾ ትጓዓዝ ዝነበረት እዛ ብድምር 17 ሰራሕተኛታት ዝነበርዋ መርከብ፡ ኣብ ምያዝያ ብሽዱሽተ ዕጡቓት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል ተጨውያ ነይራ።

    ሓይልታት ሓለዋ ባሕሪ ፑንትላንድ
  20. ሱዳን፡ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ትድግፍ ኣላ ንዝብል ክሲ ነጺጋቶ

    ሱዳን፡ ንመንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝቃወሙ ዕጡቓት ጕጅለታት ትድግፍ ኣላ ተባሂሉ ብኢትዮጵያ ዝቐረበላ ክሲ "መሰረት ዘይብሉን ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎን" ብምባል ትማሊ ብጽኑዕ ነጺጋቶ።

    ብተወሳኺ፡ ሱዳን ነቲ ኣዲስ ኣበባ ንዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ከም ዘላ እተቕርቦ ዘላ ክሲ ዳግም ኣሐዲሳቶ።

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብ23 መስከረም ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ንሱዳን ናብቲ ንኢትዮጵያ ሸሚሙዋ ዘሎ ውሽጣዊ ግጭታት ንምስሓብ ዝዓለመ ቅሉዕ ፈተነ" ምዃኑ ገሊጹ።

    እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ፡ ፖሊሲ ወጻኢ ሱዳን ኣብ ምኽባር ልዑላውነት ሃገራት፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ኢድ ዘይምትእትታው፡ ምኽባር ኣህጉራዊ ሕግን ኣብ መትከላት ሰናይ ጕርብትናን ዝተሰረተ ምዃኑ ኣረዲኡ።

    እቲ ምኒስትሪ፡ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ቀጻሊ ቀጥታዊ ደገፍ ትህብ ኣላ ዝብል ክሱ ዳግም ኣሐዲሱ።

    ኢትዮጵያ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ደገፍን ስልጠናን ከም ዝሃበት፡ መርየታ ኣንጻር ሱዳን ንዝካየድ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ክውዕል ከም ዘፍቀደትን ካብ ግዝኣታ ድሮናት ክውንጨፉ ባይታ ከም ዘጣጥሐትን ዘረጋግጽ "ሰነዳዊ ሓበሬታን ርጉጽ መርትዖን" ከም ዘለዎ’ውን እቲ ምኒስትሪ ኣፍሊጡ።

    ኢትዮጵያ ብወገና፡ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ኣላ ንዝብል ክሲ ኣቐዲማ ነጺጋቶ ነይራ እያ።ፍ