እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ, ምላሽ ኢትዮጵያ ንኣዋጅ መራሕቲ ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ግብጺን ሱዳንን

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ብዝገበረሎም ዕድመ ኣብ ግብጺ ከተማ ኒው ኣል ዓለሜን ዝተኣከቡ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ከምኡ ከኣ ኣቦወንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ቀዳምን ሰንበትን ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ ንኣርባዕቲኤን ሃገራት ዝውክል "ሓባራዊ ኣዋጅ ኣል ዓለሜን" ዝሰመይዎ ኣጃው ኣውጺኦም ነይሮም።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ትካል ተሓላቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እዚ መጥቃዕቲ ብኣልማማ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ተግባር ብምዃኑ፡ ከም ገበን ኲናት ተወሲዱ ብቕልጡፍ ክምርመር ጸዊዑ ኣሎ።
  • ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ሃገረ-ወሽመጥ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተታሕዛ ዝገልጽ ጸብጻብን፡ እቲ ውግእ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምልሕማሙን ነቒፋ ኣላ።
  • ኣዛዚ ናይቲ ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተፈልዩ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዝብል ዝጽዋዕ ጕጅለ፡ ብዛዕባ ቀጻልነት ኢትዮጵያን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመስረተ ኣባል ዝዀነሉ ጥምረት ጕጅለታት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ መርገጺኡ ገሊጹ።
  • ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከባቢታት ዶብ ክልል ትግራይ-ዓፋር ዝተወልዐ ግጭት ብዝምልከት፡ ሓይልታት ትግራይ ንሰላማውያን ዜጋታት ዓፋር ኮነ ንሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ዒላማ ከም ዘይገበሩ ኣዛዚ ኣርሚ 33 ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ተኽላይ (ሸሪፎ) ንቢቢሲ ገሊጹ።
  • ናጽነት ኢንተርነት ዝከታተል ዓለምለኻዊ ትካል ኔትብሎክስ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ሓሙስ ለይቲ ጀሚሩ ኣገልግሎት ኢንተርነት ደው ምባሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።
  • እቲ ንመንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ንምውራድን መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛምን ዝዓለመ 'ምሕዝነት ንህልውና' ዝተሰምየ ልፍንቲ ዕጡቓት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ዕሽሽ ከም ዝበሎ ብምግላጽ ወቒሱ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሰራዊት ኢትየጵያ፡ 'ኣብ ዶብ ጥራይ ከምዘይድረት' የጠንቅቕ

    ኤታ ማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ትማሊ ነቲ ብቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ካብ ስልጣን ንምእላይ ዝዓለመ፡ "ምሕዝነት ንህልውና" ዝተሰምየ ሓድሽ ጥምረት‘’ኣይዕወትን’ዩ’’ ብምባል ከም ኣካል ናይቲ ብጎረቤት ሃገር ኤርትራ ሃገር ዘይምርግጋእ ዝገብርዎ ጻዕሪ ምዃኑ ገሊጹ።

    ንሱ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢቲቪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝመደበሩ ጕጅለ ህወሓት ከም ውክልና ትጥቀመሉ ከምዘላን ጸጋታት ትእክብ ከምዘላን ከምኡ’ውን ግብጽን ሱዳንን ክኖኡ'ውን "ካልኦት ሓይልታት" ንህወሓትን ኤርትራን ይድግፉ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

    እቲ ሓላፊ ሰራዊት፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ‘’ኣብ ውግኡ ኣብ ዶባዊ ከባቢታት ጥራይ ከምዘይድረት" ኣጠንቂቑ።

    ብርሃኑ፡ ብዛዕባ እቲ ትማሊ ዝተጀመረ ውግእ ግን ኣይተዛረበን። መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን’ውን ክሳብ ሕጂ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ዝረአ ዘሎ ሓደሽቲ ምዕባለታት ብዓቢኡ ሸለል ኢለንኦ ኣለዋ።

  2. ኢጋድ ወጥሪ ሰሜን ኢትዮጵያ ብህጹጽ ክሃድእ ኣተሓሳሲቡ

    ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ሓድሽ ውግእ፡ ምትሕዝ ሲቪላዊ መዓርፎታት ነፈርቲ ምስንኻል ናይ ኣየር መገሻታት ዝሕብሩ ጸብጻባት ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ከቢድ ስግኣቱ ገሊጹ።

    በይነ-መንግስታዊ በዓል-መዚ ንልምዓት (ኢጋድ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኵሎም ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ወገናት፡ ተጻብኦታቶም ብህጹጽ ደው ከብሉን ዝለዓለ ርእሰ-ምዕቃብ ከርእዩን ተማሕጺኑ።

    እቲ ውድብ፡ ንህይወት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝበኣሰ ሓደጋ ዘውድቑ ወይ ነቲ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ርግኣትን ንምዕቃብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ዘዐንቅፉ ስጕምትታት ካብ ምውሳድ ተቘጢቦም ክንቀሳቐሱ ኣጠንቂቑ።

    እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፡ “ኢጋድ፡ እቶም ወገናት ተጻብኦታት ደው ከብሉ፡ ዝለዓለ ርእሰ-ግትኣት ከርእዩ፡ ከምኡ’ውን ንህይወት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ወይ ንመስርሕ ሰላም ዘዐንቅፍ ዝዀነ ይዅን ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ክቘጠቡ ይጽውዕ፡” ይብል።

    እዚ ጻውዒት’ዚ ዝመጽእ ዘሎ፡ ኣብቲ እናተበላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ሰሜን ኢትዮጵያ እናወሰኸ ዝኸይድ ስግኣታት ኣብ ዘለወሉ እዋን ኰይኑ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ድማ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ብዓቢኡ ከም ዝተጋደደ ጸብጻባት ይሕብሩ።

    ኢጋድ፡ ንሰላማዊ ዘተን ዞባዊ ርግኣትን ንምድጋፍ ዘለዎ ጽኑዕ ተወፋይነት ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

  3. ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ትግራይ ዝብእስ ዘሎ ኵነታት ደው ክብል ጸዊዑ

    ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ጸጥታዊ ኵነታትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘስዕቦ ዘሎ ጽልዋን ከምዘሻቐሎ ገሊጹ።

    ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ወተሃደራዊ ረጽምታት ከምዘጋጠመ ዝሕብር ጸብጻባት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መቐለ፡ ኣኽሱም፡ ሽረ (ትግራይ) መዕርፎ ነፈርቲ ብሓይልታት ህወሓት ብምሓዝሞ ስክፍታኡ ገሊጹ።

    ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ሓያሎ መጥቃዕትታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብስክፍታ ክከታተሎ ከምዝጸንሐ ጠቒሱ።

    ሕብረት ኤውሮጳ "ወጥሪ ብቕጽበት ደው ክብል ኣለዎ" ብምባል፡ ክልቲኦም ወገናት እቲ ግጭት ንሓዋሩ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ዳግማይ ተወፋይነት ክገብሩ ጸዊዑ።

    ብተወሳኺ ፍልልያት ብዘተ ጥራይ እምበር ብወተሃደራዊ ስጉምቲ ከምዘይፍታሕ ኣስሚሩሉ።

    ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኵሎም ወገናት እቲ ግጭት፡ ንሰለማውያን ሰባት ክከላኸሉን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከኽብሩን፡ ኣተሓሳሲቡ።

    ኣብ ተመሳሳሊ መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ መካይን ሰብኣዊ ረድኤት ዝፍጸም መጥቃዕትን ንሰብኣዊ ሓገዝ ንምርካብ ዝዕንቅፍ ዝኾነ ይኹን ተግባራትን ብትሪ ኮኒኑ።

    እቲ ሕብረት፡ ወጥሪ ንምጕዳል ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ መስርሕ ሽምግልናን ትርጕም ዘለዎ ዘተን ከምዝድግፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

  4. ሕብረት ኣፍሪቃ ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዑ

    ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ወጥሪን ወተሃደራዊ ግጭትን እናገደደ ምምጽኡ “ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ” ገሊጹ። እቲ ግጭት "ብቕልጡፍ ደው ክብል" እውን ተማሕጺኑ። ትማሊ ረቡዕ 13 መስከረም 2019 [ግ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ፡ ኣኽሱምን ሽረን ኣብ ቁጽጽር ምእታዎም፤ ህወሓት ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ፌደራል ምሓዙን ህዝባዊ ኣገልግሎት ምትእጉጓሉን ከምዘሰክፎ ኣፍሊጡ። ረቡዕ ንጉሆ ሓይልታት ትግራይ ንመዓርፎ ነፈርቲ መቐለ ከምዝሓዙን ምስ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ጎንፂ ከምተወለዐን ጸብጻባት የመልክቱ።

    ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ደቡብ ትግራይን ክልል ዓፋርን እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ከምዘሻቐሎ እዩ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። ወሲኹ ድማ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ዝኾነ ጥምረት ዕጡቓት ጉጅለታት "ነቲ ዘይምርግጋእ ከጋድዶ'ዩ" ኢሉ።

  5. ህወሓት፡ 'ሰፊሕ መጥቃዕቲ' ከምዘካየደ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኮኒኑ

    ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ፡ መራሕቲ ህወሓት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ "ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈንዮም" ብምባል ክሲሱ።

    እቲ ኣምባሳደር፡ ረቡዕ 23 መስከረም 2026፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ክልል ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝቶቖጻጸረ ድሕሪ ምግላጹ እዩ ወቐሳኡ ኣስሚዑ።

    ኣምባሳደር ማሲንጋ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ኤምባሲን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቶም ዝሓለፈ ዓመት ብመንግስቲ ኣመሪካ እገዳ ዝተገብረሎም መራሕቲ ህወሓት፡ "ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምክያድ ዝወሰድዎ ድኹም ውሳነ ከምዝሓዘነ" ገሊጹ።

    እቲ ኣምባሳደር፡ መራሕቲ ህወሓት ነቲ ብናይጀርያ ፕረዚደንት ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ብምንጻጎም'ውን ነቒፉ።

    "ክዕወቱ ኣብ ዘይክእሉ ኲናት ምእታው ንህዝቢ ኣይጠቅምን'ዩ" ክብል ድማ ነቒፉ።

  6. መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ዝካየድ ኵሉ በረራታት ደው ኣቢሉ

    መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝግበረ በረራታት "ንግዚኡ ምቍራጹ" ኣፍሊጡ።

    ህወሓት ነቲ ብፈደራላዊ መንግስቲ ብበይናዊ ዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ስልጣን ብምእላይ ንምምሕዳር እታ ክልል ድሕሪ ምቍጽጻሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብታ ክልል ወጥሪ ሰፊኑ ጸኒሑ'ዩ።

    ብተወሳኺ፡ ኣብታ ክልል ኣብ ዝተፈለለያ እዋናት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት መጥቃዕትታት ድሮን ክፍጸም ጸኒሑ'ዩ።

    ምቍራጽ እዚ በረራታት፡ ዕጡቓት ትግራይ ነቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ድሕሪ ምቍጸጻሮም ስዒቡ ምዃኑ እዩ ዝግለፅ።

    ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሸውዓተ ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ነቲ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ብምውዳቕ "ንዅሉ ዝሓቘፈ መሰጋገሪ መንግስቲ" ንምምስራት ብዝብል ዕላማ፡ "ምሕዝነት ንህልውና" ዝተባህለ ጥምረት ምምስራቶም ይዝከር።

  7. ሓይልታት ፌዴራልን ትግራይን 'ኣብ ቅሉዕ ውግእ'

    ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ሚኒሰተር ፌዴራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ገለ መዋሰንቲ ከባብታት ቅሉዕ ውግእ ከምዝተወልዐ ኣፍሊጦም።

    ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ትግራይ፡ ኣብ ሰዓታት ረፋድ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቱ "ቅሉዕ ወራርን መጥቃዕትን ከምዝተፈፀመ" ብምኽሳስ፡ ሓይልታት ትግራይ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ክወስዱ ትእዛዝ ከምዝተወሃቦም ወግዓዊ ገይሩ'ሎ።

    እቲ መግለፂ ከምዝብሎ፡ እዚ ካብቲ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ክፍፀም ዝወዓለ መጥቃዕቲ ድሮን መቐፀልታ እዩ።

    "ካብ'ዚ ብምብጋስ ዋልታ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቡ ዝኾነ ሰራዊትና፡ ኣብ ልዕሌና ንዝተኸፈተ መጥቃዕትን ወራርን ንኽምክት መምርሒ ተዋሂቡዎ ናብ ናይ ምክልኻል ውግእ ኣትዩ ኣሎ"።

    ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣማኻሪ ሚኒሰተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ "መሪሕነት ህወሓት ሎሚ ንግሆ ብወገን ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኩሉ ዓይነት መጥቃዕቲ ፈንዮም" ክብል ኣብ ፌስቢክ ገፁ ከሲሱ።

    "ፖለቲካዊ-ወተሃደራዊ መሪሕነት ህወሓት፡ ነቲ ዘይሓላፍነታዊ ተግባሩ ናብ ካልእ ብራኸ ወሲዶዎ ኣሎ" ።

    ክልቲኦም ተፃባእቲ ኣካላት፡ nቲ ግጭት መን ጀሚሩዎ ኣብ ዝብል ይካሰሱ ኣለዉ።

    ቢቢሲ ትግርኛ፡ ነቲ ክስተት ብባዕሉ ወይ ድማ ብሳልሳይ ወገን ኣየፃረየን።