'ሻዕቢያ ኣብ ዘይእረም ስሕታን ዘኹድድ ሓይሊ እንተዀይኑ፡ ሳዕቤኑ ንኤርትራ እዩ' -ኣቢይ ኣሕመድ

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ 17 ሕዳር 2019 ዓ.ም. [ግ] ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ "ሻዕብያ ካብ ጌጋኡ ዘይእረም እንተዀይኑ፡ እቲ ዕንወት ንኤርትራ እዩ ክኸውን" ክብል ኣጠንቂቑ።

ኣቢይ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ኢላ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ "ወራር" ከምዘይትፍጽም ብምግላፅ፤ እንተኾነ ግን፡ ውግእ ዝጅመር እንተዀይኑ፡ "ሓደ ዘይኰነስ ምስኡ ክስለፍ እየ ዝብል ሓይሊ'ውን ክንስዕሮ ኢና" ክብል ተሓንዩ።

ኣብ ውዕሎ'ቲ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ፡ ካብ ተወከልቲ ባይቶ ዝቐረቡ ሕቶታት ሓደ ንኤርትራ ዝምልከት እዩ።

ኣቶ ጋሻው ዳኘው ዝተብሃሉ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፡ ኤርትራ "ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ንምዝራግ" ክትሰርሕ ከምዝጸንሐት ብምጥቃስ፡ "ክሳብ መዓስ ኢና ንሰላምን ድሕነትን ኢትዮጵያ ዝፈታተን ተግባራት ኤርትራ ክንጻወሮ ?" ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ።

ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ'ቲ ኣኼባ፡ ኣብ ቁጠባዊ ጉዳያት ኣተኲሩ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ድሕሪ ዕረፍቲ ንኤርትራ ዝምልከት ሕቶ፡ ኣብ ጉዳይ ሰላም፡ ጸጥታን ዲፕሎማሲን እዩ ተላዒሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ድሕሪ ናብ ስልጣን ምምፅኡ፡ ምስ ኤርትራ ስምምዕ ዝተበፅሐሉ እዋን ብምዝኽኻር፡ "ንመንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ተነጽሎ ኣውጺእናዮ፤ ናይ ገዛእ ርእስና ነፈርቲ ተጠቒምና ናብ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳንን ኬንያን ወሲድናዮም፡ ምስ ጎረባብትና ኣቀራሪብናዮም" ክብል ርእይቶኡ ሂቡ።

ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ፡ "ናብ ሓበራዊ ልምዓት ንምግስጋስ ርኡይ ጻዕርታት" ከምዝገበረት ዘመልከተ ኣቢይ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንምትሕብባር ድልየት የብሉን ክብል ነቒፉ።

"መንግስቲ ኤርትራ፡ ንስሙ መንግስቲ እዩ። ከም 'ልምዓት' ወይ 'ዕቤት' ዝኣመሰሉ ቃላት ኣብ ኣብ መዝገበ-ቃላቶም የለውን። ልምዓት ዝብል ሓሳብ- ህንፀት ጽርግያ ወይ ድልድል- ምሉእ ብምሉእ ንዓኣቶም ባዕዳዊ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ምስ መንግስቲ ኤርትራ ርክባት ክሕርፍፍ ዝጀመረ ድሕሪ ምፍራም ውዕል ፕሪቶርያ ከምዝዀነ'ውን ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ኣብ 2022 ኣብ ርእሰ-ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ -ፕሪቶርያ ዝተፈረመ እቲ ውዕል ሰላም፡ ነቲ ንኽልተ ዓመታት ዝዝለቐ ደማዊ ኲናት ትግራይ ንግዚኡ ጠጠው ዘበለ ዀይኑ፡ ኣብ ኣተገባብራ ንሕድሕዶም ክካሰሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ ድማ እቶም ተፃባእቲ ሓይልታት ዝሓለፈ መስከረም ናብ ካልእ ዙር ተፃብኦታት ኣትዮም ይርከቡ።

ኣቢይ፡ ወሲኹ፡ መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሮም ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ግጭት ተዋፊሮም ኣብ ዝርከብሉ እዋን፡ "ናብ ኤርትራ ኣትዮም ኣለዉ" ክብል ገሊጹ።

"እቶም ዝበስበሱ ሓይልታት፡ ትግራይ ዝነበራ ውሱን ሃብቲ ኣብ ተሽከርከርቲ ፅዒኖም ናብ ኤርትራ ኣስጊሮሞ" ክብል ድማ ከሲሱ ኣሎ።

ንሱ፡ እቲ ቅድም ክብል በቶም ሓደሽቲ ሹመኛታት ሞግዚት ምምሕዳር ትግራይ፡ ልዕሊ 800 መካይን ንብረት ትግራይ ፅዒነን፡ ናብ ኤርትራ ተሰጋጊረን ዝብል ክሲ'ዩ ኣስሚሩሉ ዘሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ይኹን ህወሓት፡ ቅድሚ ሕጂ ንማዕከን ዜና ፈረንሳ ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ካብቶም ሓደሽቲ ኣመሓደርቲ፡ 'ሓይልታት ህወሓት ዶብ ሰጊሮም ናብ ጎረቤት ሃገር - ኤርትራ ኣትዮም' ዝብል ክሲ ምንፃጐም ይዝከር።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብቲ ሎሚ ዝሃቦ መደረ፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ክልተ ነገራት ከም ዝጠልብ ኣመልኪቱ'ሎ።

"ቀዳማይ ንጸላእቲ ኢትዮጵያ ምዕጣቕ፡ ናይ ምዕጣቕ መስመር ምዃን፡ ንፀላእቲ ኢትዮጵያ ምትሕብባር ደው ኣብሉ" ኢሉ።

መንግስቲ ግብጺ ብኤርትራ ኣቢሉ ንሓይልታት ህወሓት፡ ኣጽዋር ከቕርብ ጸኒሑ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኸስስ ፀኒሑ እዩ።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ሓይልታት ህወሓት ብወደብ ምፅዋዕ ኣቢሉ ዝተሰጋገረ - ንወተሃደራዊ ሓይሊ ንእሽቶ ሃገር ንምዕጣቕ ዝኣክል - መኽዘን ኣጽዋር፡ ከምዝተረከቡ ከሲሱ ነይሩ።

ኣስመራ ነቲ ኣዲስ ኣበባ ተቕርቦ ተመሳሳሊ ክስታት ክትነጽጎ ጸኒሓ'ያ።

ኣቢይ ኣብ ዘልዓሎ ካልኣይ ነጥቢ ድማ "ኣብ ኩሉ ዓውድታት ሓባራዊ ልምዓት ብሓባር ምስራሕ" ዝብል እማመ እዩ።

ንሱ፡ "ክንተሓባበር እንተኽኢልና፡ ሓሳብ፡ ርእሰ-ማልን ጉልበትን ከነቕርብ ኢና። ተሓባበርቲ ክትኮኑ ጥራይ ኢና ንፅበየኩም። ካባኻትኩም ፋይናንሳዊ ኣበርክቶ ወይ ሓሳባት ኣይንጽበን፤ እዚ ምግባር ዝከኣል እንተኾይኑ፡ ሰላማዊ ርክብ ክንገብር ንኽእል ኢና" ክብል'ውን ተዛሪቡ'ሎ።

ይኹን'ምበር፡ እዞም ክልተ ኢትዮጵያ እትደልዮም ዕላማታት ክጭበጡ እንተዘይክኢሎም፡ ውጽኢቶም "ጥፍኣት" ከምዝኸውን ኣጠንቂቑ።

"ሻዕቢያ ኣብ ዘይእረም ስሕታን ዘዳኽር ሓይሊ እንተዀይኑ፡ ሳዕቤኑ ንኤርትራ እዩ ክኸውን"" ኢሉ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ ኣብ ምውሓስ መእተዊ ኣፍደገ- ቀይሕ ባሕሪ፡ "ኢትዮጵያ ንኤርትራ ክትወርር ከም እትሓስብ" ዝሕብር ስክፍታታት ከምዝተላዕለ ኣቢይ ኣመልኪቱ።

"'ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ ክትብል ወራር ክትፍፅም እያ' ይበሃል- ወራር ግን ኣይነበግስን ኢና። ወራር ኣድላዪ ኣይኮነን፤ ብሰላምን ዘተን ኢና ክነውሕሶ ንደሊ" ክብል ገሊፁ።

እንተዀነ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ዓጊትካ ምንባር ከምዘይከኣል ኣመልኪቱ።

"መንግስቲ ኤርትራ ግን ክፈልጥ ኣለዎ። ኣባይ [ናይል) ካብ ጣና'ኳ እንተ ተበገሰ፡ በቲ ትፈልጥዎ ባህርያዊ መስመሩ ተኸቲሉ መገዱ ሒዙ ናብ ሱዳን'ዩ ዝኣቱ። ናብ ሱዳን ኣይትኣቱን ኢኻ ኢልና እንተ ንዓግቶ፡ ንዓና ሒዙና'ዩ ዝኸይድ እምበር ንኣባይ ደው ከነብሎ ኣይንኽእልን ኢና።

"ናይ ቀይሕ ባሕሪ ጉዳይ'ውን ልክዕ ከምዚ'ዩ" ብምባል ካብ ኣባላት ባይቶ ድሙቕ ጣቕዒት ዝረኸበሉ ምጉት ኣቕሪቡ።

"ኢትዮጵያ እንተዘይማዕቢላ፡ ሰላም እንተዘይረኺባ፡ እቲ ዞባ ይኹን ኣፍሪቃ ሰላም ክኸውን ኣይክእልን'ዩ። ንሕና ዓቢ ህዝቢ ኢና፤ ዘይምርግጋእና ሰፊሕ ምዝንባዕ የስዕብ። ከም ዓባይ ገረብ ኢና፡ ፀኒዕና እንተጸኒሕና ጽላሎትና ንመላእ ጎረቤት ይጠቅም፤ ጉንድና እንተተጎዲኡ ግን ኩሉ ሰብ ይሳቐ" ኢሉ።

ኣቢይ ወሲኹ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘውሓሳ ዝበለን ሃገራት፡ ከም በዓል ዮርዳኖስ፡ ዒራቕን ፖላንድን ዝኣመሰላ ኣብነታት ብምጥቃስ፡ "እዚ ግብራዊ ምግባር እዩ ዝጠቅም፤ ኲናት ኣየድልን" ኢሉ።

"ብሓይሊ ዝኾነ ነገር ክንዘምት ወይ ክንቈፃፀር ኣይንደልን። መትከልና 'እንካን ሃባን' እዩ፡ ብሓባር ድማ ንዓቢ። ንስኻትኩም እናጠመኹም ንሕና ንበልጽግ ዝበለ የለን። ነዚ ጉዳይ እዩ እዚ ንምትሕልላኽ ብዙሕ ዓይነት ጠላዕ እዩ ዝዝረብ ዘሎ" ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ብስም ፀሪሑ ዘይጠቐሰን ገለ ሃገራት፡ ንኢትዮጵያ "ብመሬትን ብኣየርን፡ ክዓግታ" ይሓስባ ከምዘለዋ ስክፍትኡ ኣመልኪቱ።

"ኢትዮጵያ ተዓጽያ እንከላ ኣፍሪቃ ወይ ዞባ ብሰላም ክትህሉ ዝብል ሓሳብ - ብመሬት ይኹን ብኣየር - ካብ ሕልሚ ሓሊፉ ካልእ ኣይኮነን" ክብል ገሊጹ።

ቀይሕ ባሕሪ ብዙሕ ሃብቲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ "ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕን ኣብ ውሽጢ ሕጊ ክንሰርሕን ንኽእል ኢና" ዝብል መርገጺኡ ደጊሙ ተዛሪቡ።

"ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ምርካብና ንኤርትራ ዝጎድእ እንተዝኸውን፡ ጌጋ ምኾነ ነይሩ። ይኹን'ምበር፡ ኤርትራ ን30 ዓመታት ሸለል ኢላቶ ዘላ ግዝኣት - ክሳብ ሓንቲ ኪሎ ሜተር ኣስፋልት'ኳ ዘይተነጽፈላ - ኣብ ጥቕሚ ዘይወዓለ መሬት ክትረክብ ምሕታት ፀገም የብሉን። ንሳቶም ይጠቐሙ፡ ንሕና ንጠቐም፡ ብሓባር ንዕበ።"

ኣብዚ እዋን'ዚ ኢትዮጵያውያን ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ "ስትራተጂካዊ ምንቕቓሕ" ከምዝርከቡ ጠቒሱ።

"ሓደ ክርድኦ ዘለና ነገር፡ ምልጋስ ነይሩ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ። ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ ርድኢት፡ ኣብ ሓደ እዋን ናይ ኢትዮጵያ ልሂቃን ፖለቲካ ተጋግዮም ነይሮም። ሕጂ ግን ኣብ ስትራተጂክ ኣዌከኒን (ስትራተጂካዊ ምንቕቓሕ) ኢና ዘለና። ቅኑዕ ከምዘይኮነ ተበራቢርና ኢና" ክብል ኣዊጁ።

"ሰላም እንተድኣ ተደልዩ፡ ሕጂ ምትሕብባር'ዩ። እኹል ጸጋ'ዩ፡ ዋሕዲ ዘለዎ ጸጋ ኣይኮነን፡ ብሕጋዊ ኣገባብ ክንሰርሖ ንኽእል ኢና።

"ኣይፋል፡ ኢትዮጵያ ኣየድልያን'ዩ፡ ክስታይ'ዩ፡ ከምዚ'ዩ ዝብሃል ነገር ግን፡ ብምድርን ሰማይን ተዓጺና ካብ እንሃልቕ. . .ስለዚ ምሕሳብ ጸቡቕ'ዩ" ምስ በለ ኣብቲ ባይቶ ዓቢ ጣቒዒት ተሰሚዑ።

ኲናት እንተተላዒሉ ግን "ዝሕግዘካ ሰብ ኣይክህሉን እዩ- ነቲ ጾር በይንኻ ኢኻ ትሽከሞ" ክብል ብምባል ድማ ኣፈራሪሑ።

"ዝሕግዙ ኣካላት ኣለዉ፡ ብዓል ክስቶ ክሕግዙ'ዮም፡ ብዓል ክስቶ ክሕግዙ'ዮም፡ ብዓል እገለ ክሕግዙ'ዮም ገለታት ዝብል ኣሎ፡ ከምኡ ዝኸውን ኣይመስለኒን፡ ከምኡ ዝኸውን ኣይመስለኒን። እንተ ተኣትዩ ዝሕግዘካ የለን፡ ባዕልኻ ኢኻ ትሽከሞ።

"ናብ ጥፍኣት ክንምርሽ ኣይንደልን ኢና፤ ስለዚ፡ ብጥንቃቐ ክንሓስብ ኣለና። ብሓባር ክንዓቢ ኣለና-ኲናት ፍታሕ ኣይኮነን" ክብል ኣስሚሩ።

"ውግእ እንተሃልዩኸ? ኢትዮጵያ ተዓዋቲት ኮይና ከም እትወጽእ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ዋላ'ውን ክድምር'የ ዝብል ሓይኢሊ እንተሎ'ውን- ሓደ ጥራይ ዘይኮነስ ዝኾነ ተደሚሮም፡ ንሕና ተዓወትቲ ክንከውን ኢና፤ ንሕና ነዚ ኢና ንዳሎ ዘለና" ክብል ኣጠንቂቑ።

"ሓቂ ንምዝራብ፡ ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንላዕሊ ዝቐርባ የለን፡ ብባህሊ፡ ብቋንቋ፡ ብእምነትን ብጂኦግራፊን፡ ማንም ዝቐረባ የለን፡ ማንም" ብምባል ዕበይየት ኢትዮጵያን ንጐረባብቲ ሃገራት ከምዘይጎድእ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ "ልኡላዊ መውጽኢ ባሕሪ" ብምውሓስ ብዝብል ምስምስ፡ ወራር ንምኽፋት ትልሚ ከምዘለዋ ብተደጋጋሚ ክኸስስ ጸኒሑ'ዩ።

ኣቢይ ነዚ ዝገለጸ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ዳግማይ ዝተጀመረ ግጭት፡ እቲ ጐንፂ ናብ ኤርትራ ክዓቢ ይኽእል'ዩ ዝብል ስክፍታታት ኣብ ዝሓየለሉ እዋን'ዩ።

ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ ምጅማር እቲ ወጥሪ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣቋሪፀን ይርከባ።

ምስ ሓይልታት ህወሓት ግጭት ምስተጀመረ ነዊሕ ከይፀንሐ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ተቘፃፂሩ ዘሎ ዀይኑ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ውግእ ናብቲ ኣብ ጥቓ ኤርትራ ዝርከብ ዶባዊ ከባቢታት ተሰጋጊሩ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ግጭታት ዝከታተል ማእከል- ኣክሌድ፡ [ACLED Armed Conflict Location & Event Data Project] ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ጥቓ ዶባት ሰራዊተን የተኣኻኽባ ከምዘለዋ ኣብሪሁ።

እዚ ምዕባለ እዚ፡ ክልቲኦም ሃገራት ናብ ምሉእ ኲናት ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስክፍታታት ኣልዒሉ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ወተሃደራት ኤርትራ ወራር ኣካይዶም ብምባል ናብ ሕቡራት ሃገራት ክሲ ምቕራቡ ይዝከር። ከምኡ'ውን፡ ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ኣንፈት ዓዲግራት ናብ ክልል ትግራይ ከምዝኣተዉ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር። ኤርትራ ነዚ ክሲ ነጺጋቶ ነይራ'ያ።

ከም ግብረ መልሲ ድማ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊኣ ወራር ክትፍጽም መደብ ከም ዘለዋ ብምኽሳስ ናብ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ሰዲዳ ነይራ።

ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ብፍላይ ወተሃደራዊ ድልውነት፡ ብተዛማዲ ዝሓየለ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ወፍሪ ጐስጓሳትን ጻውዒታት ክተትን ዘወሃሃደ ምንቅስቓሳት ኣብ ምክያድ ትርከብ።