እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓንቲ ፖስት ማሕበራዊ ሚድያ ብኸመይ ሊብያ ኣብ ዝርከቡ ስደተኛታት ማዕበል ወረ-ሓሶትን ዕግርግርን ኣበጊሳ?
ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ ሓንቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐት ፖስት ንስደተኛታትን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ዒላማ ዝገበረ ሰፊሕ ማዕበል ወረ ሓሶት ከም ዘበገሰት፡ ቢቢሲ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።
ብ 3 ሰነ 2026፡ ሓደ ግብጻዊ ሕሳብ መርበብ ኤክስ (X) "ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት 850,000 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ማእከል ህዝቢ ሊብያ ይሰፍሩ ከም ዘለዉ ብትብዓት ኣፍሊጡ" ዝብል ጽሑፍ ዘርጊሑ፤ እዚ ሓበሬታ ግና ፈጺሙ ሓሶት እዩ ነይሩ።
ቢቢሲ ኣብ ሰነ ዝወጹ ኣማኢት ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ፖስትታት ብምድህሳስ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ እዚ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ሊብያ፡ ግብጽን ቱኒዝያን ብሓደ ግዜ ከም ዝተዘርግሐ ከምኡ'ውን ብሓገዝ ሓቀኛታት ዘይመስሉ ሰፊሕ መርበብ ሕሳባት ብዝያዳ ከም ዝጐልሐ ኣረጋጊጹ።
እዚ እናዀነ፡ እቲ ብUNHCR "ፈጺሙ ሓሶት እዩ" ብምባል ዝወጸ መግዓዊ ነጻጊ መግለጺ ግና ዳርጋ ኣብ ዝዀነ ማሕበራዊ ሚድያ ኣይተዘርግሐን።
ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ፡ ተቓወምቲ ኣብ ትሪፖሊ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት-ጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምእካብ፡ ናብቲ ቀጽሪ ብሓይሊ ብምእታው ቴንዳታት ተኺሎም፡ ኣብ ኣፍደገታት ናይቲ ቤት-ጽሕፈት ድማ ሑጻ ዀሚሮም።
ነቲ ኣብ ኢንተርነት ዝዝርጋሕ ዝነበረ ናይ ሓሶት ክስታት ደጋጊሞም ብምድማጽ ድማ፡ እቲ ትካል ካብታ ሃገር ክወጽእ ጸዊዖም።
ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ንምስፋር መደብ ኣሎ ብዝብል ዝተዘርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ፡ ነቲ ኣብ ትሪፖሊን ኣብ ምዕራባዊት ከተማ ዛውያን ዝተፈጥረ ግጭታት ሓዊሱ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ዝተላዕለ መጥቃዕቲ ከም ዘባርዖ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ ኵነታት፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ብዛዕባ ስደት ዝዝርጋሕ ናይ ኢንተርነት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከመይ ዝበለ ጭቡጥ ሓደጋ የኸትል ከም ዘሎ ዘርኢ ሓደ ካብቶም ናይ ቀረባ ግዜ ኣብነታት እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣሽሓት ስደተኛታት ካብ ሞሮኮ ናብታ ኣብ ትሕቲ ስጳኛ እትርከብ ግዝኣት ሴውታ ብማዕበል ንምስጋር ዝደረኾም እውን፡ ምስ ከምዚ ዓይነት ኣስሓቲ ሓበሬታታት ዝተኣሳሰረ እዩ ነይሩ።
ኣብተን ስዒበን ዝመጻ ሰሙናት፡ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቝባን፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ መጥቃዕትን ምክልባትን እናወሰኸ ከም ዝመጸ ሓቢሮም ኣለዉ።
ኣብ ሊብያ ዕቝባ እትሓትት ዘላ ሱዳናዊት ጋዜጠኛ ማርያም ዓሊ (ሓቀኛ ስማ ኣይኰነን)፡ ንቢቢሲ ከም ዝገለጸቶ፡ ሕጂ ምስ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ዓይነት ርክብ ምግባር ንስደተኛታት ኣብ ልዑል ሓደጋ የውድቖም ኣሎ።
ኣብ ሊብያ ሓታቲ ዕቝባ ዝዀነ ሱዳናዊ ኣሕመድ ሓሰን (ሓቀኛ ስሙ ኣይኰነን) እውን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እታ ሓለዋ ክትገብረልናን፡ ንዓናን ንስድራቤትናን ናብ ዝሓሸ ህይወት ንምስግጋር ከም ቀዳማይ ጸግዒ ኰይና ከተገልግለናን ዝግባእ ዝነበረት ካርድ ስደተኛ፡ ሕጂ ንተወሳኺ መጥቃዕትን ሓደጋን ተቃልዓና ኣላ" ኢሉ።
ካርድ ስተኛታት፡ ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንስደተኛታትን ሓተቲ ዕቝባን ዝወሃብ ወግዓዊ ናይ መንነት ሰነድ እዩ።
ኣሕመድ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰሙናት፡ ኣብታ ሕጂ ንሱ ዝነብረላ ከተማ ትሪፖሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ጐደናታትን ኣብ ቦታ ስርሖምን መጥቃዕቲ ይወርዶም ከም ዘሎን፡ ኣባይቶም እውን ከይተረፈ ብሰበ-ስልጣንን ብዜጋታት ሊብያን ይፍተሽን ይግሃስን ከም ዘሎ ገሊጹ።
"ናብ ዝኸድናዮ ዅሉ ንፈርህ ኢና ዘለና" ድማ ይብል።
ሊብያ ንስደተኛታት መዕረፊትን ናብ ካልእ መሰጋገሪትን እያ። ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ከም ዝግምቶ፡ ኣብ መጀመርታ ዓመተ 2026 ኣብ ሊብያ ልዕሊ 930,000 ስደተኛታት ነይሮም፤ መብዛሕትኦም ድማ ካብ ሱዳን፡ ናይጀርያ፡ ግብጽን ጫድን ዝመጹ እዮም።
መረዳእታ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘርእዮ፡ ልዕሊ 112,000 ዝዀኑ ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቝባን እውን ከም ዝነበሩን፣ ዝበዝሑ ድማ ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ካብ ቤት-ንብረቶም ዝተመዛበሉ ሱዳናውያን ምዃኖምን ይሕብር።
ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን ሊብያ ዝርከቡ ሰበስልጣን፡ ካብ መጀመርታ ሰነ ኣትሒዞም ማእሰርቲ፡ መዳጐኒን ናብ ሃገሮም ምጥራዝን ዘጠቓለለ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ተኸታታሊ ተሪር ስጕምትታት ወይ ግፋ ከም ዘካየዱ ኣፍሊጦም እዮም።
ኣብ ምብራቕ ሊብያ ዝመደበሩ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ነቲ "ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ምስፋር" ዝብል ሓሳብ ዝነጽግ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።
እቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝመደበሩ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት እውን ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ 'ናይ ምስፋር' ሓሳብ ነጺጉዎ እዩ።
ቢቢሲ ኣብ ትሪፖሊ ንዝርከብ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት ኣዘራሪቡ ነይሩ። ወሃብ-ቃል ናይቲ ምኒስትሪ ግን ኣብዚ ጕዳይ ርእይቶ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኰነን።
ኣይፋል ንሰፈራ
ተመራማሪት ጕዳያት ሊብያ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝዀነት ናደጅ ላህማር ከም ዘብረሃቶ፡ እዚ ክሲ እዚ ኣካል ናይቲ ኣብ መላእ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ምንቅስቓስ "ኣይፋል ንሰፈራ" ምዃኑ ተረድእ።
"እዚ 'ኣይፋል ንሰፈራ' ዝብል ምንቅስቓስ ካብ 2023 ኣትሒዙ ኣብ መላእ ሰሜን ኣፍሪቃ እናማዕበለ ዝመጸ እዩ" ትብል።
"እንተዀነ ብኽንድዚ ዓቐን ኣብ ልዕሊ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ጭቡጥ ተቓውሞ ምክያድን፡ ከምኡ'ውን ነቲ ብስም ጥራይ 'ምስፋር' ተባሂሉ ዝጥቀስ ስርሖም ዒላማ ብምግባር ንትካላት ሕቡራት ሃገራት ምጥቃዕ፡ ኣብ ኣዘራርባኦምን መደረኦምን ሓድሽ ምዕባለ እዩ።"
ላህማር ከም ዘመልከተቶ፡ እዚ ኣበሃህላ እዚ ኣብ ቱኒዝያ፡ ሞሮኮ፡ ኣልጀርያን ግብጽን ብብዝሒ ክዝውተር ከም ዝረኣየት ትሕብር።
ኣብዚ ምንቅስቓስ እዚ፡ "ን[ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን] ዝዀነ ዓይነት ደገፍ፡ ኣፍልጦ ወይ መሰል ምሃብ፡ ንሰፈራኦም ከም ምድጋፍ እዩ ዝቝጸር" ዝብል ኣረኣእያ ከም ዘሎ እውን ትገልጽ።
እንተዀነ፡ "ሰብኣዊ ደገፍ ምሃብ ማለት፡ ግድን ህላወ ሓደ ሰብ ኣብ ሓንቲ ሃገር ምድጋፍ ማለት ኣይኰነን" ትብል።
ኣሰር ወረ-ሓሶት ኣብ ኢንተርነት
ቢቢሲ ንሱረያ ትወቢ ርእይቶ ንኽትህብ ኣዘራሪቡዋ ነይሩ። እቲ ብዛዕባ ሰፈራ ዝቐረበ ክሲ፡ ኣብ ትርጕም ወይ ምርዳእ ሰነዳት ኣይኦኤምን ዩኤንኤችሲኣርን ዝተሞርከሰ ምዃኑ ገሊጻ።
ካብዚኣቶም ሓደ፡ "ኣብ ሊብያ፡ መንግስቲ ኣብ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ቈጸራ ህዝቢ፡ ንገለ ክፋል ስደተኛታት (ንኡስ-ጕጅለ ሓተቲ ዕቝባ ሓዊሱ) ኣእትዩ ኣሎ" ዝብል ዓመታዊ ጸብጻብ 2024 ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊብያ እዩ።
ሱረያ፡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ኣብ ቈጸራ ህዝቢ ምእታዎም፡ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ን"ምስፋር" ከም ዘሎ መደብ ገይራ እያ ተረዲኣቶ።
ንሳ ብተወሳኺ፡ ኣብ ሊብያ ብዘይ ፍቓድ ዝግበር ሰፈራ ወጻእተኛታት ንምክልኻል ስጕምትታት ዝሕግግን ዘይስሩዕ ስደት ከም ገበን ዝቘጽርን ሓደ ናይ ሊብያ ሕጊ ትጠቅስ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ሕጊ እዚ ክስረዝ ምሕታቱ ድማ፡ ሓተቲ ዑቕባ ንምስፋር ሓሳብ ከም ዘለዎ ዘርኢ ምልክት እዩ ዝብል እምነት ኣለዋ። ሱረያ ንቢቢሲ ክትገልጽ ከላ፡ ኣካል ናይ ሓደ ወፈራ ምዃና እኳ እንተኣመነት "ኣብ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምዝርጋሕ ግና ኣይሳተፍን እየ" ኢላ።
ብመሰረት ዓመታዊ ጸብጻብ ውጽኢት 2024 UNHCR፡ "መንግስቲ ሊብያ ኣብ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ቈጸራ ህዝቢ፡ ንገለ ኽፋል ስደተኛታት (ንኡስ-ጕጅለ ሓተቲ ዑቕባ ሓዊሱ) ኣእትዩ ኣሎ። ኣብቲ ቆጸራ ምእታዎም ድማ፡ ሓተቲ ዑቕባ፡ ስደተኛታትን ዜጋታት እታ ሃገርን ሓዊሱ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ዘሎ ድሌታት ንምርዳእ ወሳኒ ስጕምቲ እዩ።"
ዜጋታት ካልእ ሃገር ኣብ ቈጸራ ህዝቢ ምእታዎም፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንስደተኛታት ኣብ ሊብያ የሰፍሮም ከም ዘሎ ዘመልክት ዋላ ሓደ መርትዖ የለን።
እቲ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘብረሆ፡ እዚ ኣብ ቈጸራ ምእታው እዚ "ሓተቲ ዑቕባ፡ ስደተኛታትን ዜጋታትን ሓዊሱ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ዘሎ ድሌታት ንምርዳእ ወሳኒ ስጕምቲ እዩ።"
እቲ ናይ ሱረያ ትወቢ ቃለ-መሕትት ዝሓዘ ቪድዮ ድማ፡ ብሓደ ንመንግስቲ ግብጺ ዝድግፍ ዝመስልን ኣብ መዓልቲ ን24 ሰዓታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ብተደጋጋሚ ፖስት ብዝገብርን ኣካውንት ኤክስ (X) ተዘርጊሑ።
እቲ ኣካውንት ነቲ ኣብቲ ቃለ-መሕትት ዝነበረ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ናብቶም ኣስታት 13,000 ዝዀኑ ሰዓብቱ ደጋጊሙ ብምቕራብ፡ ነቲ ክሲ ኣብቲ ዞባ ከም ዝጋዋሕ ጌሩዎ እዩ።
ቢቢሲ ንመንነት ዋና ናይቲ ኣካውንት ከረጋግጽ ኣይከኣለን። እቲ ኣካውንት ዛጊት ንጡፍ ኰይኑ ብብዝሒ ፖስት ይገብር ኣሎ፤ እቲ ናይ ትወቢ ቃለ-መሕትት ዝሓዘት ፖስት እውን ክሳብ ሕጂ ኣላ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እዞም ናይ ሓሶት ክስታትን ብዛዕባቲ ነዚ ዛንታ እዚ ኣብ ፈለማ ዘጋውሖ ኣካውንትን ርእይቶ ክህበሉ ንኩባንያ ኤክስ ሓቲቱ እኳ እንተነበረ፡ ምላሽ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኰነን።
ብመሰረት ዝገበርናዮ መጽናዕቲ፡ እዚ ክሲ ብኣካውንታት ግብጺ፡ ቱኒዝያን ሊብያን ኣቢሉ ዝተዘርግሐ ኰይኑ፡ እንተወሓደ ንሓደ ሚልዮን ተጠቀምቲ በጺሑ እዩ።
መብዛሕትኦም ነዚ ዛንታ እዚ ዘራጕዱ ኣካውንታት ሓቀኛታት ዘይምዃኖም ዘርኢ ባህርያት ዘንጸባረቑ ኰይኖም፡ ዳርጋ ሓደ ዓይነት ዝዀነ ትሕዝቶ ዘለዎም ክስታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣካውንታት ተደጋጊሞም ተዘርጊሖም እዮም።
ቢቢሲ ቅድሚ እቲ ተቓውሞ ኣብ ዝነበረ ሓደ ወርሒ፡ ጸረ-ስደተኛታት ዝዀነ ዘረባታት ዘጋውሑ፡ ሓቀኛታት ዘይመስሉን ብውህደት ዝሰርሑን መርበብ ኣካውንትታት ኣብ ፌስቡክ ኣለልዩ ኣሎ።
እዞም ኣካውንትታት፡ ቪድዮታት ናይቲ ተቓውሞ ብምዝርጋሕ፡ ድሕሪኡ እውን ጸረ-ስደተኛታት ዝዀነ ዛንታታት ክዝርግሑ ጸኒሖም እዮም።
ኣብቲ መርበብ ዝርከቡ ኣካውንትታት ነቲ ተቓውሞታት ኣተባቢዖም እዮም። ሓደ ካብኣቶም ኣብ 3 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ፖስት፡ "ጽባሕ ኣብ ኣል-ሰራጅ ብፍላይ ዓቢይ ሰልፊ ክህሉ እዩ፡ ኵሉ ህዝቢ ድማ ኣንጻር ኣፍሪቃውያን ክወጽእ እዩ" ኢሉ።
ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ፡ ብዙሓት ምልክታት ነዚ ብውህደት ዝሰርሕ ዘይቅኑዕ ባህሪ ከም ዘረጋግጹ ረኺቡ እዩ። 34 ካብቶም 40 ሕሳባት፡ ኣብ መንጎ 2ን 7ን ግንቦት 2026 ኣብ ዘሎ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ግዜ ውሽጢ ዝተኸፍቱ እዮም።
እዚ ድማ ብእኩብ ከም ዝተኸፍቱ (batch activation) ዘርኢ ኰይኑ፡ ልሙድ ምልክት ናይ ውህደት እዩ። እዞም ሕሳባት ከም መፍለዪ ስእሎም (profile pictures) ዝተለምዱ ናይ ሓባር ስእልታት ተጠቒሞም፣ ከምኡ'ውን ኣብ መላእ እቲ መርበብ ዳርጋ ሓደ ዓይነት ፖስትታት ዘርጊሖም እዮም።
ኣብዚ ሓጺር ግዜ፡ እዞም ሓደሽቲ ዝተኸፍቱ ሕሳባት ብሓባር 1.46 ሚልዮን ሰዓብቲ ረኺቦም እዮም።
ዋንነት ፌስቡክ ዝሓዘ ኩባንያ ሜታ፡ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኵነታት ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓታት፡ ኣብ ሰሙን 7 መዓልታት (24/7) ዝከታተሉን ፖሊሲታቱ ዝጥሕሱ ትሕዝቶታት ዝድምስሱን ጕጅለታት ከም ዘለዉዎ ገሊጹ።
እዚ ድማ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ኣንጻር ስደተኛታት፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤትን ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ዓመጽ ዝልዕል ትሕዝቶታትን የጠቓልል።
እቲ ኩባንያ ነቶም ብቢቢሲ ዝተለለዩ ሕሳባት ይምርምሮም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። ቢቢሲ ርክብ ምስ ገበረሉ ድማ፡ ሜታ ን11 ካብቶም ኣብቲ መርበብ ዝነበሩ ሕሳባት ኣልዩዎም እዩ።
እዞም ናይ ሓሶት ዛንታታት ኣብ ኢንተርነት እናተዘርግሑ ኣብ ዝኸዱሉ ዘለዉ እዋን፡ ሓተቲ ዕቝባ ኣብ ህይወቶም (ካብ ኢንተርነት ወጻኢ) ግዳይ ዓመጽ ካብ ምዃን ኣየዕረፉን።
ኣምና፡ ኣብ 2024 ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ኣብ ዝገበረቶ ጕዕዞ ብዘጋጠመ ዓመጽ፡ ሓደ ካብ ደቃ ዝሰኣነት ሱዳናዊት ኣደ እያ።
ንሳ ብሰንኪ እቲ ሓታቲት ዕቝባ ምዃና፡ ግዳይ መጥቃዕቲ ከም ዝዀነት ንቢቢሲ ትገልጽ።
ሽዱሽተ መንእሰያት፡ ኣብቲ ንሳን ወዲ 12 ዓመት ወዳን ዝነብሩሉ ገዛ ብዕግርግር ከም ዝኣተዉ ትዛረብ። ንኽልቲኦም ከም ዝሃረሙዎም፡ ሕጃባ ብሓይሊ ከም ዝቐንጠጡዎን ክዳና ከም ዝቐደዱዎን ገሊጻ።
እቶም ሰባት ነቲ ገዛ ድሕሪ ምፍታሽ፡ ካርድ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናይ ሰብኣያን መንነት ወረቐት ወዳን ረኺቦም ብምቕዳድ፡ ነቲ ስድራቤት ዝነበሮ ሒደት ጥረ-ገንዘብን ወዳ ዝጥቀመላ ዝነበረ ሞባይልን ሒዞም ከም ዝኸዱ ትገልጽ።
"ወደይ፡ ክዳነይ ተቐንጢጡ ክህረም ብምርኣዩ ኣዝዩ ተሃስዩ እዩ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። ወሲኻ፡ "ንሱ ብዕድመ ንእሽቶ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ዘጋጥም ዝነበረ ነገር ደው ንምባል ዝዀነ ዓቕሚ ኣይነበሮን" ኢላ።