ብስእልታት እንስሳ ዘገዳም ተዛነዩ

ኣዝዩ ዝሰንበደ ምጹጽላይ
መግለጺ ስእሊ, ኣዝዩ ዝሰንበደ ምጹጽላይ
Published

ፖል ጆይንሰን-ሂክስ፡ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰኣላይ እንስሳ ዘገዳም ኮይኑ እናሰርሐ እንከሎ፡ገለ ካብቶም ስእሊታቱ ርእዩ ክርትም ኢሉ ስሒቑ።

ዋዛ ናይቶም ስእልታት ዘዘናግዕ ጥራይ ኣይኮነን፤ ሰባት ኣብቶም ንእንስሳታት ዘጋጥሞም ዘሎ ስግኣታት ንኽፈልጡ ዝሕግዝ መሳርሒ ምዃኑ ተረዲኡ።

እንስሳታትን እቶም ዝጸልውዎም ጉዳያትን ብሓቂ ንምርዳእ፡ ከም ብጾት ነበርቲ እዛ መሬት ስምዒታቶምን ተመክሮኦምን ክንካፈል ኣለና።

ስለዚ ድማ፡ ኣብ 2015፡ ሓሳብ ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ተጸንሰ።

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ምስ ሓባራዊ መስራትን ሰኣላይን ቶም ሱላም ተማኺሮም። ክልቲኦም ፕሮፌሽናል ሰኣልትን ውዕዉዓት ዕቃበን ብሓባር ውድድር ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ክጅምር ገይሮም። ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ሚሸል ዉድ ተጸንቢራ።

ካብ’ቲ እዋን’ቲ ጀሚሩ ድማ፡ እናዓበየ ከይዱ ንዓለም እንስሳ ዘገዳም ትርጉም ዘለዎ ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል ዓለማዊ ውድድር ኮይኑ።

እዚ ዘዘናግዕ ውድድር ገለ ካብቶም ዝያዳ ዘስሕቑ ምስልታት ተፈጥሮኣዊ ዓለም ንምርኣይ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ብቐንዱ ንዕቃበ እንስሳ ዘገዳም ድማ ዘጉልሕ እዩ።

በብዓመቱ ካብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ጀመርትን ክኢላታትን ሰኣልቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምስልታት ብምቕባል ዓለምለኻዊ ሽፋን መራኸቢ ብዙሃን ይረኽቡ።

ቢቢሲ እውን ንዝሓለፉ ዓመታት መስሓቕቲ ተዓወትትን ሕጹያትን ስእልታት እዚ ውድድር ከቕርብ ጸኒሑ እዩ።

ቁሩብ ክትስሕቑ ድሌት እንተሃሊኹም፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመተ ውድድራት ካብ ዝቐረቡ ገለ ስእልታት መሪጽናልኩም ኣለና። እነሆ ፍሽኽ በሉ...

‘ምስ ክንፈይ ተዛረብ!’
መግለጺ ስእሊ, ‘ምስ ክንፈይ ተዛረቢ!’
ፍቕሪ ኣብ ትሕቲ ከዋኽብቲ
መግለጺ ስእሊ, ፍቕሪ ኣብ ትሕቲ ከዋኽብቲ
'ናብ ቤት እግዚአብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ...’
መግለጺ ስእሊ, 'ናብ ቤት እግዚአብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ...’
‘ጉዳይ ኣህባይ'
መግለጺ ስእሊ, ‘ነገር ኣህባይ'
እዚ ኣባ-ጎብየ እንታይ ይብል ኣሎ?
መግለጺ ስእሊ, እዚ ኣባ-ጎብየ እንታይ ይብል ኣሎ?
ኣዝዩ ድራማዊ ባእሲ
መግለጺ ስእሊ, ኣዝዩ ድራማዊ ባእሲ
‘ትስዕቡኒ ኣብኣ ትዴኹም!’
መግለጺ ስእሊ, ‘ትስዕቡኒ ኣብኣ ትዴኹም!’
ፎቶቦምብ፡ ኣነስ ኣይሰኣልንድ ድየ?
መግለጺ ስእሊ, ፎቶቦምብ፡ ኣነስ ኣይሰኣልንድ ድየ?
'ሕሜታ እንስሳ ዘገዳም'
መግለጺ ስእሊ, 'ሕሜታ እንስሳ ዘገዳም'
እዚ መን ይሓስቦ?
መግለጺ ስእሊ, እዚ መን ይሓስቦ?
‘መን? ኣነ?!’
መግለጺ ስእሊ, ‘መን? ኣነ?!’
'ጽንኩር ድርድር'
መግለጺ ስእሊ, 'ጽንኩር ዘተ'
'እምባሕ!'
መግለጺ ስእሊ, 'እምባሕ!'
'ስልክይና'
መግለጺ ስእሊ, 'ስልክይና'
'ማሕበራዊ ርሕቀትና’ባ ንሓሉ!'
መግለጺ ስእሊ, 'ማሕበራዊ ርሕቀትና’ባ ንሓሉ!'
'ኣነ እየ ሻምፕዮን!'
መግለጺ ስእሊ, 'ኣነ እየ ሻምፕዮን!'
‘እስኪ ቁሩብ ከዕርፍ’
መግለጺ ስእሊ, ‘እስኪ ቁሩብ ከዕርፍ’