ውቁባት ስእልታት ኣፍሪቃ ናይዚ ሰሙን፡ 30 ታሕሳስ 2022 - 5 ጥሪ 2023

Published

ካብ ዙርያ ኣፍሪቃ ዝተረኽበ ምሩጽ ስእልታት ናይዚ ሰሙን፡

1px transparent line
ኣብ ማርያም ደዓሪት ዝርከብ ሓወልቲ ድንግል ማርያም 2 ጥሪ 2023 ከረን ኤርትራ። ማርያም ደዓሪት ቅድሚ 500 ዓመት ኣብ ውሽጢ ጉንዲ ገረብ ድማ ዝተሃነጸ ቅዱስ ቦታ እዩ። ካብ ከተማ ከረን ከባቢ 2 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ እቲ ስፍራ፡ ብዝተኸተልቲ ዝተፈላለየ እምነት ዝብጻሕ ቅዱስ ቦታ እዩ።
መግለጺ ስእሊ, ካብ ኤርትራ ሳሕቲ ኣብ ዝርከብ ስእልታት፡ ኣብ ከተማ ከረን፡ ማርያም ደዓሪት፡ ኣብ ውሽጢ ገረብ ዱማ ዝርከብ ሓወልቲ ድንግል ማርያም የርኢ።
ኣብ ድርፎ፡ ከባቢ ከተማ ኣስመራ፡ ተማሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ እናኸዱ 30 ታሕሳስ 2022
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ድርፎ፡ ከባቢ ከተማ ኣስመራ፡ ተማሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ እናኸዳ
ጁንየር ላምብረችትስ ነቲ ዓመታዊ ኣብ ኬፕታውን ዝጽምበል ፌስቲቫል ዋጣ ኬፕ ንምድላው ገጹ ብሕብርታት ተለቢጡ፡ ኬፕ ታውን ደቡብ ኣፍሪቃ 2 ጥሪ 202
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኬፕታውን ነቲ ዓመታዊ ዝጽምበል ፌስቲቫል ዋጣ ኬፕ ንምድላው ገጹ ብሕብርታት ዝተቀብኣ ቆልዓ፤ እቲ በዓል ብሰንኪ ኮቪድ ንኽልተ ዓመታታ ከይተኻየደ እዩ ጸኒሑ።
1px transparent line
ኣብ ፌስቲቫል ዋጣ ኬፕ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ኣብ ጎደናታት ምርኢት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ምርኢታት ኣስታት 20 ሽሕ ሰባት ክሳተፉ እንከለው ብኣሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ነቲ ምርኢት ክዕዘቡ ናብ ኬፕ ታውን ውሒዞም።
መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ፌስቲቫል ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ኣብ ጎደናታት ምርኢት ኣቕሪቦም፤ እቲ ልምዲ ካብ እዋን ባርነት ዝጀመረ ባህሊ እዩ።
ሓንቲ ሱዳናዊት ሰበይቲ ቆጽሊ ስየ ተጠቂማ ዘንቢል ትሰርሕ ኣል-ሳቃይ ከባቢ ካርቱም ሱዳን 4 ጥሪ 2023
መግለጺ ስእሊ, ሓንቲ ሱዳናዊት ሰበይቲ ቆጽሊ ስየ ተጠቂማ ዘንቢል ትሰርሕ ኣል-ሳቃይ ከባቢ ካርቱም ሱዳን
ኣብ ርእሰ ከተማ ጋምብያ፡ ባንጁል፡ ብሰኑይ ዓመታዊ ፌስቲቫል ሃድን ክካየድ እንከሎ ነበርቲ ንዝበለጸ ርእሲ እንስሳ፡ ማስኬራን ክዳውንትን ይወዳደሩ። 2 ጥሪ 2023
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ጋምብያ፡ ባንጁል፡ ብሰኑይ ዓመታዊ ፌስቲቫል ሃድን ክካየድ እንከሎ ነበርቲ ንዝበለጸ ርእሲ እንስሳ፡ ማስኬራን ክዳውንትን ይወዳደሩ።
ብሞት ጳጳስ ቤነዲክት XVI ዝሓዘኑ ዩጋንዳውያን ሓዘኖም ንምግላጽ ኣብ ባሲሊካ ሰማእታት ዩጋንዳ ተኣኪቦም 31 ታሕሳስ 2022
መግለጺ ስእሊ, ብሞት ጳጳስ ቤነዲክት XVI ዝሓዘኑ ዩጋንዳውያን ሓዘኖም ንምግላጽ ኣብ ባሲሊካ ሰማእታት ዩጋንዳ ተኣኪቦም 31 ታሕሳስ 2022
ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሓድሽ ዓመት ነበርቲ ናቢል ኣብ ጽምብል ምሕንባስ ይሳተፉ 1ጥሪ 2023
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ወደባዊት ከተማ ናቢል፡ ቱኒዝያ፡ ሓምበስቲ ሓድሽ ዓመት ንምጽንባል ናብ ማእከላይ ባሕሪ ይኣትው።
ድሕሪ ከቢድ ውዕሎ ኣብ ስራሕ፡ ሓደ ግብጻዊ ሓረስታይ ንሻሂን ሽጋራን ዘዕረፈ ሰብኣይ ጥሪ 3 2023
መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ ከቢድ ውዕሎ ኣብ ስራሕ፡ ሓደ ግብጻዊ ሓረስታይ ንሻሂን ሽጋራን ዘዕረፈ ሰብኣይ
ነበርቲ ናይሮቢ ኣብ ናይ ሓድሽ ዓመት መደብ ጸሎት ንምስታፍ ኣብ ከባቢ ኬኣይሲሲ ተኣኪቦም 1 ጥሪ 2023 ናይሮቢ ኬንያ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ፡ ናይሮቢ፡ ገለ ነበርቲ ንሓድሽ ዓመት ኣብ ደገ ብዝተኻየደ መደብ ጸሎት ይጽንብሉ ...
ሓደ ሕጉስ ቆልዓ ብልጭታ ንምፍጣር ዝቃጸል ዕንጨይቲ የሽከርክር 1 ጥሪ 2023
መግለጺ ስእሊ, ካልኦት ከኣ ንሓድሽ ዓመት ብልጭታ ንምፍጣር ዝቃጸል ዕንጨይቲ ብምሽክርካር ጸንቢሎም።
ኣብ ያውንደ ካሜሩን ነቲ ሎሚ ዓርቢ ዝጽምበል ፌስቲቫል ንምድላው ኣእዳዋ ብሒኛ ዝወቀበ ሰበይቲ 30 ታሕሳስ 2022
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ያውንደ ካሜሩን ነቲ ሎሚ ዓርቢ ዝጽምበል ፌስቲቫል ንምድላው ኣእዳዋ ብሒኛ ዝወቀበ ሰበይቲ

መሰል ቅዳሕ ስእልታት ዝተሓለወ እዩ።