እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ወለደይ ብሓንሳብ ክሞቱ መሪጾም፡ ንበይነይ ክቕንዞ ተሪፈ'
እዚ ዛንታ ንገሊኦም ሰባት ዝርብሽ ትሕዝቶ ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ኣብ ወርሒ ሰነ 2024 ሓደ ንግሆ፡ ባስ መኪናኡ ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ሰሜን ሆላንድ ከም መጓዓዝያን መንበርን እተገልግል መኪና ወለዱ ደው ኣበለ።
ኣቡኡን ኣዲኡን ጃንን ኤልስን ዝበዝሕ ናይ ሓዳር ህይወቶም ኣብ ማይ እዮም ኣሕሊፎሞ ነይሮም።
ሕጂ ግን ኣብ 70ታት ዕድሚኦም ኰይኖም ደጊም ጃልባ ክዝውሩ ኣይከኣሉን። መጓዓዝያን መንበርን እተገልግል መኪናኦም ንዓኦም እታ ቀጺላ ዝበለጸት ነገር እያ ነይራ።
ጃንን ኤልስን ናብ መኪና ወዶም ኣተዉ። ባስ ሞተር ኣልዒሉ። ሽዑ ንወለዱ ብመኪና ናብ ዝኾነ ቦታ ክወስዶም ንመወዳእታ ግዜ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ንጃንን ኤልስን፡ ናብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሆስፒስ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ሆስፒስ ኣብ መወዳእታ ዕድሚኦም ዝቐረቡ ሰባት ፍሉይ ዓይነት ክንክን ጥዕናን ፍልስፍና ዝህብ ትካል ማለት እዩ።
ንጉሆ ሰዓት 10፡30 ኣብቲ ኣብ ሆላንድ ብሓካይም ቀታሊ መድሃኒት ተዋሂብዎም ሓባራዊ ምሕረተ-ቅትለት ተፈጺምዎም።
ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ሕጋዊን ሳሕቲን ዘጋጥም እዩ፡ ዓመት ዓመት ግን ዝበዝሑ ሆላንዳውያን ህይወቶም በዚ መንገዲ ከብቅዑ ይመርጹ ኣለዉ።
ካብ ናይ ምሕረተ-ቅትለት ቆጸራኦም ሰለስተ መዓልቲ ኣቐዲሙ፡ ጃንን ኤልስን ኣብ መኪናኦም ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕትት ኣካይዶም።
ጃን ብቐጻሊ ምስ ቃንዛ እዩ ዝነብር ነይሩ፣ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ መስመራት ማይ ሆላንድ ጽዕነት ምጉታት ንዓመታት ብምስርሑ ዝመጸ እዩ። ኤልስ ሕማም ረሲዕ ከም ዘለዎ ተረጋጊጹ ነይሩ። ታሪኾም ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ኣኣንጊዱ እዩ።
ሕጂ ድሕሪ ልዕሊ ክልተ ዓመት፡ እቲ እንኮ ውላድ እዞም መጻምድቲ፡ ነቲ ምንባር ከቋርጹ ዝወሰድዎ ውሳነ እንተደገፈ'ውን፡ ንኣዲኡን ኣቡኡን ሞቶም ከደናጉዩ ከእምኖም ፈቲኑ ከምዝነበረ ይገልጽ። ውሳነ ወለዱ ኣብ ልዕሊኡ ስምዒታዊ ጾርን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ዓሚቝ ጽምዋን ከምዘስዓበ ይገልጽ።
እቲ ጉዕዞ
ባስ ናብቲ ሆስፒስ ክኸይድ መደብ ኣውጺኡ።
"ክሳብ ሕጂ ኹሉ እቲ ጉዕዞ ይዝከረኒ" ይብል።
ኣዲኡ ኣብ ድሕሪት ኣቡኡ ድማ ኣብ ጎድኑ ኮፍ ኢሎም ይዝክር። ኣብ መጀመርታ፡ የውግዑ ነይሮም። ኤልስ ብዛዕባ እቲ ናይ ሞት ውሳነ እርግጸኛ ትመስል።
"ኣደይ ርግጸኛ እያ ነይራ" ይብል ባስ። "ኣቦይ ግን ቁሩብ ስምዒታዊ እዩ ነይሩ።"
ጃን ንወዱ ውሳኖም ቅኑዕ እንተዃይኑ ሓተቶ። ባስ ዘይተጸበዮ ነግር እዩ - ምናልባት ጥርጣረ ክህልዋ ዝኽእል ኣዲኡ ክትከውን እዩ ነይሩ ትጽቢቱ።
"ኣደይ ወትሩ ንህይወት ብሓቂ እያ እተስተማቕር ነይራ" ይብል። "'ክሳብ 80 ወይ ምናልባት'ውን 90 ዓመት ክነብር ደስ ምበለኒ' ከም ዝበለትኒ እዝክር።"
ኣቡኡ ግን ብሰንኪ እቲ ኩሉ ዓመታት ዘሕለፎ ቃንዛ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ብዛዕባ ምሕረተ-ቅትለት ከልዕል ጸኒሑ'ዩ።
እቲ ሕቶ ምስ ኣልዓለሉ፡ ባስ ንኣቡኡ ኣተባቢዕዎ። ጃን ምስ ሃድአ፡ ከይተዛረቡ ሙዚቃ እናሰምዑ ጉዕዞም ቀጺሎም።
ነዚ ጉዕዞ ቅድሚ ምግባሮም ኣብ ዝነበሩ ኣዋርሕ፡ ባስ ንወለዱ ሞቶም ከደናጉዩ ከእምኖም ፈቲኑ ነይሩ።
"ቁሩብ ንኽጸንሑ ከእምኖም ፈቲነ - ንምንታይ ክሳብ ክረምቲ፡ ወይ ዝመጽእ ዓመት ዘይትጽበዩ?"
ባስ ግራ እትይዎ ነይሩ። ወለዱ ምሕረተ-ቅትለት ክሓቱ ዝወሰድዎ ውሳነ ቅኑዕ መሲልዎ እኳ እንተነበረ፡ ክገብርዎ ግን ድሌት ኣይነበሮን።
"ኣቦይ፡ ን10 ን15 ዓመት ኣብ ከምዚ ኩነታት ስለ ዝነበረ፡ ምናልባት ንተወሳኺ ሒደት ዓመታት ከናውሖ ምኸኣለ ነይሩ። ንኻልእ ዓመት ምጽባይ ግን፡ ሽዑ ኣደይ ኣብ ጸገም ትኣቱ ይመስለኒ..."
ኤልስ ንምሕረተ-ቅትለት ምሕታት እንተደናጒያ፡ ሕማም ረሲዕኣ ክ ይኽእል፡ እዚ ማለት ድማ ህይወታ ንምቁራጽ ውሳነ ክትወስድ ዓቕሚ ከምዘይብላ ክትቁጸር ትኽእል እያ።
ኣብ ሆስፒስ
ባስ መኪናኡ ደው ኣበለ።
"ኣቦይ ንመኪናይ ተፋንዩዋ - መኪናይ ይፈትዋ ነይሩ፡ 'የቐንየለይ' ኢልዋ።"
"ድሕሪኡ ድማ ናብ ውሽጢ ኣቲና" ይብል ባስ። "ኣብ ክንድኦም ኮይንካ ከምኡ ምግባር እሞ ሕሰብ - ነቲ መገሻን ጉዕዞን ምግባር። ኣዝዩ ዘይክውንነታዊ'ዩ።"
ኣብተን ዝቐጸላ ክልተ ሰዓታት፡ ስድራን ፈተውትን እቶም መጻምድቲ ይመጹን ይኸዱን ነበሩ። ተዘኪሮም፣ ሙዚቃ ድማ ተኸፊቱ ነበረ። ኣብ ሓደ እዋን፡ እቲ መስርሕ ደው ክብል ክገብር ኣብ ኣእምሮ ባስ ሽው ኢሉ ነይሩ።
"ግን ዘይርጉጽነት ዝስምዖም ነገር ከምጽእ ኣይደለኹን - ንኹሉ መስርሕ [ምሕረተ-ቅትለት] ደጊፈዮ ነይረ።"
ቅድሚ ሰዓት 10፡30 ንግሆ፡ ሓካይም ንጃንን ኤልስን ነቲ ቀታሊ መድሃኒት ክወግእዎም መጹ። እቶም መጻምድቲ ኣብ ዓራውቲ ሆስፒታል ጎኒ ንጎኒ ደቂሶም። ኣብተን ናይ መወዳእታ ህሞታት ድማ፡ ባስ ቅርበት ወለዱ ርእዩ።
"ኣብ ምሉእ ህይወተይ ምናልባት ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ግዜ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ክኸዱ ርእየዮም እየ" ይብል። "ሕጂ ግን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ደቂሶም ነይሮም። እዚ ድማ ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ስምዒት ፈጢሩለይ።"
ባስ፡ ወለዱ ምትንፋስ ምስ ኣቋረጹ ዘሎ ቀዳማይ ፍርቂ ሰዓት "ጭቡጥ ነገር" ክብል ይገልጾ - ድሕሪ ሕጂ ብህይወት ኣይነበሩን።
"ሽዑ እቲ ኩነታት እንታይ ምዃኑ ትግንዘብ - እዚ ክሕሰብ ዘይክእል ስምዒት'ዩ።"
ባስ ምስ ሓዘን ተፋጠጠ። ዓሚቝ ጽምዋ ክስምዖ ጀመረ።
"ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ የብለይን - ብሓቂ በይነይ ኮይኑ ተሰሚዑኒ" ይብል።
ብኽልተ ወለዲ ዝዓበና እንተኾይንና፡ እቲ ቀዳማይ ምስ ሞተ፡ ከም ኣካል ናይቲ መስርሕ ሓዘን ዝኽርናን ሓዘንናን ምስቲ ካልእ ክንካፈል ንኽእል ኢና። ጃንን ኤልስን ግን ክልቲኦም ብሓደ እዮም ከይዶም።
ሓዘኑ እንተላይ ኣካላዊ እዩ ነይሩ - ንኣርባዕተ ሓሙሽተ ሰሙን ሓሚሙ። ኣካላቱ ተጎዲኡ።
"ብሓቂ ነዚ ንኻልኦት ኣይመኽሮምን" ይብል። "ምናልባት ንዓኣቶም [ንወለደይ] እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ንኽልቲኦም ኣብ ሓደ ህሞት ምስኣነይ ግን ኣዝዩ ኣዝዩ ጽልዋ ነይርዎ።"
ጃንን ኤልስን ብኣጋኡ ድዮም ህይወቶም ኣቋሪጾም?
ኣብ ሆላንድ ንምሕረተ-ቅትለት ከመልክቱ ዝሓሰቡ ብፍላይ ድማ ከም ኤልስ ዝኣመሰሉ ሕማም ምርሳዕ ዘለዎም ሰባት፡ ህይወቶም ንምቁራጽ ትኽክለኛ ህሞት ምምራጽ ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ክጻወርዎ ዘይክእሉ ስቓይ ከም ዝሳቐዩ ምግላጽ ከምኡ'ውን ክሞቱ ከም ዝደልዩ ባዕሎም ናይ ምውሳን ዓቕሚ ከም ዘለዎም ብሓካይም ክረጋገጽ ኣለዎም። እዚ ድማ ኣብቶም ብዛዕባ ምሕረተ-ቅትለት ዝሓስቡ፡ ረሲዕነት ዘይተኣደነ ጭንቀት ከስዕብ ከምዝኽእል ኣብ ሮተርዳም ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ኢራስመስ ሓኪም ኣረጋውያንን ስነ-ምግባርን ዶክተር ሮዘማሪን ቫን ብሩቸም ትገልጽ።
ዶክተር ቫን ብሩቸም፡ ኣብ ሆላንድ ምሕረተ-ቅትለት ሕጋዊ ስለዝኾነ'ዩ፡ ተሓከምታ እዚ ጭንቀት ከምዘጋጥሞም ትዛረብ። ከምኡ'ውን ምስ ከቢድ ሕማም ረሲዕ ፍቓድ ዝተሓገዘ ሞት ምሃብ ሳሕቲ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ኣብተን ከም ዓባይ ብሪጣንያ ምሕረተ-ቅትለት ዝተኸልከለን ሃገራት፡ ሕማም ረሲዕ ዘለዎም ሰባት ብዙሕ ብድሆታት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ፡ እንተኾነ ግን ከምቲ ኤልስ ዝገበረቶ፡ ሳሕቲ እዞም ናይ ህይወት ወይ ሞት ኣማራጺታት ክመዝኑ ኣለዎም።
ኣብ 2024 ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ሕማም ረሲዕ ናይ ምምዕባል ዕድል ስለዘሎ፡ ንሳን በዓል ቤታን ክጽበዩ ከምዘይክእሉ ገሊጻ። ጃን ድማ ምስ ኤልስ ክመውት ቃል ኣትዩ ነይሩ። ምናልባት ብኣጋኡ ህይወቱ የቋርጽ ነይሩ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ እንተኾነ ግን ህይወቱ ከምዝነበራ - ህይወቱ ከምዝተዛዘመት እዩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኩሉ ተዘትይሉ ድዩ?
ጃንን ኤልስን ኣብ መወዳእታ ዕድሚኦም ዝገብርዎ ውሳነታት ኣብ ልዕሊ ወዶም ዘስዓቦ ጾር ኣዝዮም ይፈልጡ ነይሮም።
ባስ ኣብ ኩሉ እቲ ወለዱ ኣብ መስርሕ ምሕረተ-ቅትለት ምስ ዝተፈላለዩ ሓካይሞም ዝገበርዎ ኣኼባታት ይሳተፍ ነይሩ። ግልጺ ስድራቤታዊ ምይይጥ ተኻይዱ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓደ እንፈትዎ ሰብ ክመውት ከሎ ጣዕሳ ኣለና - ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ከይተዘረበሉ ዝተረፈ ክኸውን ዝኽእል። እዚ ኣብ ባስ ኣይተፈጸመን። ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ቆጸራ ጃንን ኤልስን፡ ብሰኑይ 3 ሰነ ደብዳበ ጽሒፉሎም።
"ኣስታት ሸሞንተ ገጻት እዩ ነይሩ" ይብል ባስ። "ቀዳም ምሸት፡ ቅድሚ እቲ ፍጻመ ክልተ መዓልቲ፡ ምሸት ናብታ መኪናኦም ከይደ። ምሉእ ደብዳበ ኣንቢበሎም። ብዛዕባ ህይወትና'ዩ ነይሩ፡ ብዝገበሩለይ ነገር ኣመስጊነዮም።"
ጃንን ኤልስን ኣዝዮ ተሰሚዕዎም። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ነንሕድሕዶም ፍቕሪ ዘርእዩ ሳሕቲ እዩ ነይሩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንወዶም'ውን ኣየርእይዎን ነይሮም።
"ዘፍቅሩኻ ኮይኑ ይስምዓካ፡ እንተኾነ ግን ነገራት ብምግባር እምበር ብምሕቋፍካ ኣይኮነን ዝረአ" ይብል ባስ። "ኣደይ ሕማም ረሲዕ ምስ ኣጋጠማ ዝያዳ [ትሓቑፈኒ] ነይራ፡ ኣቦይ ግን ፈጺሙ ኣይሓቖፈንን - ሓቚፉኒ ኣይፈልጥን።"
እዚ ግን ኣብታ ናይ መወዳእታ ቀዳም ምሸት ኣብታ መኪና ወለዱ ተቐይሩ። ጃን ንባስ ሓቚፍዎ።
"ድሕሪ'ታ ደብዳቤ እዩ ሓቚፉኒ። ምናልባት ሓደ ካብቲ ዝበለጸ ህሞት ክኸውን ይኽእል'ዩ።"
"ኩሉ ተመያይጣነሉ ኢና።"