እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓማስ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቐቲሉ

ሓማስ፡ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚኡ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝተቐትለ ኣረጋጊፁ

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ኣብ ኣመሪካ እገዳ በረራታት ተላዒሉ
  • ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ 'ፖለቲካዊ ግጭታት' ስለምንታይ ወሲኾም?
  • ኣብ ትግራይ ውግእን ሰላምን የለን - እቲ ዳግማይ ዝተወልዐ ግጭት ብሓቂ ኣብቂዑ ማለት ድዩ?

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኢራን ክሳብ 2500 ዕቝር ሚሳይላት ከምዘለዋ ተሓቢሩ

    ዋል ስትሪት ጆርናል ከም ዝጸብጸቦ፡ ትካላት ስለያ ኣመሪካ፡ ኢራን ካብ 1500 ክሳብ 2500 ሚሳይላት ከም ዘለዋ ይግምቱ።

    እቲ ጸብጻብ ንሰበስልጣን ኣመሪካ ብምጥቃስ፡ ግጭት ዳግማይ እንተተቐጺሉ፡ እዚ ሚሳይል ንኢራን ምስ ኣመሪካን መሻርኽታን ዝተኣሳሰሩ ዒላማታት ናይ ምውቃዕ ጭቡጥ ዓቕሚ ከም ዝህባ ይሕብር።

    እቶም ሰበስልጣን፡ ኢራን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝርዝር መዝገባ ሒዛቶ ዘላ ብዝሒ ሚሳይላት ምክትታል በዳሂ ስለዝኾነ፡ ልክዕ ኣሃዝ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

    ቅድሚ ሕጂ፡ ሰበስልጣን ምዕራባውያን፡ ኢራን ኣብተን ናይ መጀመርታ መዓልታት ናይቲ ግጭት ኣማኢት ሚሳይላት ክትትኩስ እንከላ፡ ፀኒሓ ግን መጠን ከምዚ ዓይነት ኣፅዋራት ምውንጫፍ፡ ብ73 ሚእታዊት ከምዝነከየ ኣስተብሂሎም።

    ኣብቲ እዋን፡ እዚ ምንካይ እዚ ነቲ ዝጸንሐ ዕቑር ኣጽዋር ንምዕቃብ ዝግበር ጻዕሪ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሚቶም ነይሮም።

    ብተወሳኺ፡ ቅድሚ እቲ ግጭት፡ ኢራን ብብዝሒ - ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸራ - ነብሰ ቅትለት ዝፍጽማ "ሻህድ" ብዝብል ዝፍለጣ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘፍረየት ይእመን።

    እቲ ቴክኖሎጂ ናብ ሩስያ’ውን ተሰጋጊሩ ኣሎ።

    ሩስያ ነቲ ቴክኖሎጂ ተጠቒማ ናይ ገዛእ ርእሳ ‘ሻሄድ’ ዝዓይነተን ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብምፍራይ፡ ኣብ ዩክረን ኣዕናዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ተጠቚማትሉ ኣላ።

    ኣመሪካ’ውን ነቲ ዲዛይን ተጠቒማ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምፍራይ ጀሚራ ከምዘላ ፀብፃባት ይሕብሩ።

  2. ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካን ኢራንን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዘበናዊ ድኹዒ ክሓልፍ ክፈቕዳ ኣተሓሳሲቡ

    ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካን ኢራንን፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ድኹዒ ክሓላእፍ ብህፁፅ ክፈቕዳ ጸዊዑ።

    ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፕሮጀክት ሕቡራት ሃገራት- ጆርጅ ሞሬራ ዳ ሲልቫ፡ ነቲ ንሕጽረት መግቢ ተቓላዕቲ ዝኾና ሃገራት ዘጋጥመን ዘሎ ቅልውላው ንምቅላል ዝሕግዝ ድኹዒ፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፍ ክፍቀደሉ ኣተሓሳሲቡ።

    እቲ በዓል ስልጣን፡ ኣብ ኣንታልያ-ቱርኪ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ለውጢ ኣየር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሕጽረት ዘበናዊ መዳበርያ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ድኽነት ክደፍኦም ከምዝኽእል ኣጠንቂቝ።

    ኣመሪካን እስራኤልን፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካየድኦ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ቴህራን ነቲ ወሳኒ ዓለማዊ መተሓላለፊ መስመር- ዝዀነ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ዓፅያቶ ትርከብ።

    እዚ ድማ ኣብ ዓለማውን ኣህጉራውን ንግዳዊ መራኽብ ጸቕጢ ፈጢሩ ኣሎ።

    ኣመሪካ ብወገና - ከም ምላሽ፡ ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ዘንበረቶ እገዳ ነቲ ኩነታት ዝያዳ ኣጋዲድዎ ኣሎ።

    እቲ ሰፊሕ ዞባዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ዝርከብ ኲናት ማእከላይ ምብራቐዕ ከብቅዕ፡ ኢራንን ኣመሪካን ልዝብ ክቕጽላ ኣለወን ክብል እቲ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

    ብተወሳኺ፡ ዝርርብ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝግበር ምጉዓዝ ድኹዒ ክዕንቀፍ ከምዘይብሉ ኣመልኪቶም።

  3. ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓማስ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቐቲሉ

    እስራኤል ትማሊ ቀዳም ኣብ ቃዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ስዒቡ፡ ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚኡ ከምዝተቐትለ ሓማስ ኣፍሊጡ።

    ብመሰረት እቲ መግለፂ፡ እቲ ኣዛዚ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ማለት ብ24 መስከረም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ምውጣንን ምክትታልን ተራ ተጻዊቱ።

    ሰራዊት እስራኤል እውን ሞት እቲ ኣዛዚ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

    ወተሃደራዊ ክንፊ ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለ ፍልስጤም፡ ብርጌድ ኣልቃሳም፡ ወዲ 53 ዓመት ኣዛዚ ብርጌድ ራፋሕ ዝኾነ ሰሚር ኣቡ ዩኒስ ብቐዳም ከምዝተቐትለ ገሊጹ።

    ኣብ ደቡባዊ ምድረበዳ ቃዛ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኣልማዋሲ ካን ዩኒስ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኣልማዋሲ ነቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዒላማ ብምግባር ኣቡ ዩኒስ ከምዝተቐትለን ካልኦት ድማ ከምዝቖሰሉን ኣባላት ሕክምና ኣረጋጊፆም።

    እቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝተቐትለ ናኤል ኣቡ ዑበይድ ብምትካእ፡ ንብርጌድ ራፋሕ ክመርሕ ጸኒሑ።

    ሓማስ፡ ኣቡ ዩኒስ ኣብ 1991 ናብ ወተሃደራዊ ክንፉ ከምዝተጸንበረን ቅድሚ ኣዛዚ እቲ ብርጌድ ምዃኑ፡ ኣብ ራፋሕ ሓያሎ ዓበይቲ ስርሒታት ከምዝመርሐን ገሊጹ።

    እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ቃዛን ዝካየድ ዝነበረ ቀጥታዊ ኲናት ደው እንተበለ’ኳ፡ ካብ እስራኤል ዝፍነዉ ቀታሊ መጥቃዕቲ ዛጊድ ኣየብቀዐን።

  4. ብኣዲስ ኣበባ ዝሓለፉ 16 ናይጀርያውያን ንምንታይ ህይወቶም ሓሊፉ?

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ናይጀርያ፡ ኣብ 2026 ብኣዲስ ኣበባ ኣቢሎም ኣብ ዝሓልፉሉ (ትራንዚት ኣብ ዝገብርሉ) ዝነበሩ እዋን፡ 16 ዜጋታታ ምስ "ልዑል ብራኸ" ብዝተኣሳሰረ ናይ ጥዕና ጸገም ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ኣፍሊጡ።

    እቲ ምኒስትሪ፡ ብኣዲስ ኣበባ ኣቢሎም ጕዕዞ ዘካይዱ ናይጀርያውያን፡ ብፍላይ ድማ ሕዱር ናይ ጥዕና ጸገማት ዘለዎም መንገደኛታት፡ ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብሩ መኺሩ ኣሎ።

    መንግስቲ እታ ሃገር ነዚ ዘፍለጠ፡ ብርእሰ-ኸተማ ኢትዮጵያ ኣቢሎም ብዛዕባ ዝካየዱ ጕዕዞታት ኣመልኪቱ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ምኽሪ መተሓሳሰቢ እዩ።

    ኣቐዲሙ ናይ ጥዕና ጸገም ዝነበሮም መንገደኛታት፡ ምስቲ ናይታ ከተማ ልዑል መልክዓ-ምድራዊ ብራኸ ተተሓሒዞም ክኽሰቱ ዝኽእሉ ናይ ጥዕና ስግኣታት ኣብ ግምት ከእትዉ እቲ ምኒስትሪ ኣተሓሳሲቡ። መንገደኛታት ጥንቃቐ ክገብሩን ግቡእ ናይ ሕክምና ምኽሪ ክረኽቡን’ውን ጸዊዑ ኣሎ።

    ብመሰረት መግለጺ መንግስቲ ናይጀርያ፡ እዚ ዓይነት ናይ ጥዕና ስግኣት ክፍጠር ዝኸኣለ፡ እታ ከተማ ኣስታት 2,355 ሜትሮ ዝግመት ልዑል ብራኸ ዝተደኰነት ብምዃና፡ እዚ ድማ "ናይ ኦክስጅን ቀረብ ከም ዝቕንስ" ስለ ዝገብር እዩ።

    መግለጺ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ 2026 "ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ናይጀርያ፡ በታ ከተማ ኣቢሎም ኣብ ዝሓልፉሉ ዝነበሩ እዋን ሞት 16 ናይጀርያውያን መዝጊቡ ኣሎ።"

    እቶም 16 ውልቀሰባት ህይወቶም ዝሓለፈ፡ ምስቲ "ልዑል ብራኸ ዘለዎ ከባቢ ብዝተኣሳሰሩ ናይ ጥዕና ጸገማት" ምኽንያት ምዃኑ’ውን ወሲኹ ገሊጹ።

    ጥዑያት ሰባት ትሑት መጠን ኦክስጅን ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ምስቲ ኵነታት ክላመዱ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ፡ ኣቐዲሞም ዝተወሰኑ ናይ ጥዕና ጸገማት ዘለዎም ሰባት ግና ከቢድ ሓደጋ ክገጥሞም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

    ብፍላይ ድማ ናይ ልብን ሻምብቆታት ደምን ከምኡ’ውን ናይ ምስትንፋስ ኣካላት ሕማም ዘለዎም ሰባት፡ ንኸምዚ ዓይነት ሓደጋ ብቐሊሉ ክቃልዑ ከም ዝኽእሉ ኣብሪሁ።

    ስለዝዀነ ድማ፡ እቲ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ድሕሪ ሕጂ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎምን ብሰንኪ ብራኸ ከባቢ ኵነታት ጥዕናኦም ክብእስ ዝኽእልን ናይጀርያውያን፡ ብኣዲስ ኣበባ ኣቢሎም ኣብ ዝንቀሳቐስሉ እዋን ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ኣዘኻኺሩ ኣሎ።

    ይዅን’ምበር፡ መንግስቲ ናይጀርያ እዚ ናይ ጕዕዞ ምኽሪ ዜጋታቱ ብኣዲስ ኣበባ ኣቢሎም ከይጓዓዙ ንምኽልካል ዝዓለመ ከም ዘይኰነ ኣስሚርሉ ኣሎ።

    ብኣንጻሩ፡ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም መንገደኛታት ጕዕዞኦም ቅድሚ ምጅማሮም ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብሩ ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሩ።

    ቢቢሲ ብዛዕባ’ዚ ናይ መንግስቲ ናይጀርያ መጠንቀቕታ ኣመልኪቱ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን።

    ተወሳኺ፤

  5. ብርሃኑ ጁላ፡ '800,000 መንእሰያት ትግራይ ካብ ግፋ ሃዲሞም'

    ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ ግዱድ ወተሃደራዊ ምልመላ (ግፋ)፡ “ክሳብ 800 ሽሕ" ዝበጽሑ መንእሰያት ነበርቲ እታ ክልል ናብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ከምዝሃደሙ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ተዛሪቡ።

    ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ነዚ ዝበለ፡ እዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ግጭት ዳግማይ ካብ ዝለዓል ንመጀመርታ ግዜ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለ ተረኺቡ ኣብ ዝገበሮ መደረ እዩ።

    እቲ ሓለቓ ስታፍ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብታ ክልል ምስ ዝርከቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ገምጋም ከምዝገበሩን፡ ከምኡ’ውን “ናብ ገለ ኣሃዱታት እቲ ሰራዊት” ብምኻድ ወተሃደራት ከምዘዘራረበን ገሊጹ። ብምቕጻል፡ ነታ ክልል ናይ ምምሕዳር ግዝያዊ ሓላፍነት ካብ ዝተረከበ መሪሕነት መጕዚት ምምሕዳር ከምዝተመያየጠ ወሲኹ ሓቢሩ።

    ምስ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ካብቲ ኣብ 2013 ዓ.ም. (ግዕዝ) ዝተላዕለ ደማዊ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ኣትሒዙ ዝነበሩ ፍጻመታት ኣልዒሉ።

    ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብታ ክልል ንዝተራእዩ ኵነታት፡ መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ተሓተትቲ ገይሩዎም ኣሎ። ነዚ ክሲ ዝነጽግ ህወሓት ብወገኑ፡ ፈደራል መንግስቲ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ከምዝጠሓሰ ብምግላጽ እዩ ዝኸስስ።

    እቲ ካብ መስከረም ኣትሒዙ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ “ብመሪሕነት ሻዕብያ፡ ብሎጂስቲክስን ቀረብን ግብጻውያን” ዝተጀመረ እዩ ዝብል ክሲ ዘስምዐ እቲ ሓለቓ ስታፍ፡ “ከም ናይ ቀደም ናብ ትግራይ ኣይንኣቱን ኢልና ደው ምባል ቅኑዕ ኣይኮነን ብምባል፡ ነቲ ወራሪ ሓይሊ ካብ ትግራይ ኣባሪርናዮ ኢና። ሕጂ ናብ ሻዕብያ ኸይዱ ኣሎ” ክብል ተሰሚዑ።

    ወሲኹ፡ “ሕጂ ኣብቶም ቀደም ናትና ዝነበሩ ዕርድታት ኢና ዘለና። ኲናት ክኸፍቱ ተኣዚዞም ኲናት ከፊቶም ዝተሳዕሩ ሰባት ድማ ኣብ እንዳገርግስ፡ ዓዲ ዃላ፡ መንደፈራ እዮም ዘለዉ።

    ገሊኦም እውን ኣስመራ እዮም ዘለዉ” ብምባል፡ መራሕቲ ህወሓት ናብ ኤርትራ ሃዲሞም ዝብል ክሲ ዳግማይ ኣቕሪቡ።

    ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ነዚ ናይ ሕጂ ክሲ ምላሽ እኳ እንተዘይሃቡ፡ ቅድሚ ሕጂ ‘መራሕቲ ህወሓት ናብ ኤርትራ ሰጊሮም’ ንዝብል ክሲ ውዱቕ ገይሮምዎ ነይሮም እዮም።

    ምክትል ኣቦ-መንበር ህወሓት ኣማኑኤል ኣሰፋ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ (AFP) ኣብ ዝሃቦ ቃል “እቲ መሪሕነት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ይሰርሕ ኣሎ” ኢሉ ነይሩ።

    ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል እውን ብተመሳሳሊ “ሓሶት” ክብል ነቲ ክሲ ከምዝነጸጐ ይዝከር። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ይድግፍ እዩ ብዝብል ዝቐረበሉ ክሲ እውን ተቓዊሙ እዩ።

    ሓለቓ ስታፍ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፡ ኣብቲ ናይ መቐለ ዘተ፡ ፈደራል መንግስቲ ቅድሚ ሕጂ ዘስምዖ 'ኲናት ተዛዚሙ' ዝብል ኣዋጅ ዳግማይ ኣቃሊሑ። ፈደራል መንግስቲ ነዚ ናይ ሕጂ “ኲናት ንምስዓር ተራ መንእሰይ ትግራይ ዓቢ” ከምዝነበረ መጕሱ።

    “እቲ መንእሰይ ኣብ ጐኒ እቲ ኲናት ኣይነበረን፤ ኣብ ጐኒ ህወሓት ኣይነበረን። እቲ ዓወት ዝቐልጠፈ በዚ ምኽንያት እዩ” ዝበለ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፡ ኣብታ ክልል ክካየድ ዝጸንሐ ተግባራት ወተሃደራዊ ግፋታት ነዚ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ጠቒሱ።

    “ንመንእሰይ ትግራይ እናገፈፉ ስለዘሸገሩ፡ መብዛሕትኡ መንእሰይ ትግራይ ናብ ማእከል ሃገር፡ ናብ ኣደ ሃገሩ፡ ናብ ቤቱ ተሰዲዱ እዩ። ከም ዝዝክሮ ብዘሎኒ ዳታ ክሳብ 800 ሽሕ መንእሰይ ንትግራይ ገዲፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዳማ፡ ድሬዳዋ፡ ሃዋሳ፡ ኣሶሳ፡ ጋምቤላ ፋሕ ኢሉ እዩ” ኢሉ።

    ነበርቲ እታ ክልል ጐኒ ፈደራል መንግስቲ ደው ክብል እውን ጻውዒት ኣቕሪቡ። “’ደቅና እዮም’ እናተባህለ ደቅኹም ኣይተህልቑ። ህወሓት ደቅና እዮም እናበልኩም ንኽብርቲ ትዓቢ ዘላ ትግራይ ክልውጥ ዝኽእል፡ ቴክኖሎጂ ክቕበል ዝኽእል ቈልዓ ኣይተጽንቱ” ክብል ኣተሓሳሲቡ።

    ተወሳኺ ንባባት፤

  6. ድሕሪ መግለጺ ዋይት ሃውስ ገና ዘይተመለሱ ሕቶታት ኣለዉ - ምክትል ዳይረክተር ኤፍቢኣይ ነበር

    ሓላፊ ብዓልመዚ ድሕነት መጓዓዝያ ኣመሪካ (TSA) ዝነበረ ጆን ፒስቶል፡ ኣብ መላእ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ዝተቛረጸ ንጥፈታት ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ንቡር ክምለስ እዩ ኣብ ዝብል "ተስፋ ከም ዘይብሉ" ገሊጹ።

    ምክትል ዳይረክተር ኤፍቢኣይ ኰይኑ’ውን ዘገልገለ ፒስቶል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ገና ምላሽ ዘይተረኽበሎም ሓያሎ ሕቶታት ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

    ንሱ "ዝኣረጉ መሳርሒታት" ምህላዎም እኳ እንተ ኣመነ፡ እዚ ጸገም ስለምንታይ ሎሚ ከም ዘጋጠመ ግና ሕጂ’ውን ከም ዘይበርሀሉን እዚ ድማ ቅድሚ ብዓል ምስጋና (Thanksgiving) ብምኽሳቱ ዓቢ ሻቕላ ዘለዎ ምዃኑን ኣረዲኡ።

    ፒስቶል፡ እቲ ቀንዲ ሕቶ "ስለምንታይ ሕጂ?" ዝብል ምዃኑ’ውን ኣስሚርሉ።

    እዚ ጉዳይ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ስግኣት እዩ ምስ ዝብል ገምጋም ዳፊ ዝሰማማዕ እንተዀይኑ ምስ ተሓተተ ድማ ፒስቶል፡ "ብርግጽ" ክብል መሊሱ።

    ንሱ ወሲኹ፡ "ሓንቲ ነፋሪት እኳ እንተ በዂራ፡ እዚ ንዅሉ ሰብ ሕማቕ መዓልቲ እዩ፡" ኢሉ።

    ተወሳኺ፤

  7. ኣመሪካ፡ ምቍራጽ መርበብ ኤር ትራፊክ ዘስዓቦ ዕግርግር ድሕሪ ምፍታሑ በረራታት ቀስ ብቐስ ይጅምሩ ኣለዉ

    ኣብ ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ምብትታኽ መርበብ ርክብ ማእከላት ቍጽጽር በረራ (ኤር ትራፊክ) ንኣስታት ኣርባዕተ ሰዓታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ተኣጊዱ ዝነበረ በረራታት፡ ፈደራላዊ ብዓል-መዚ ኣቭየሽን (FAA) ዘንበሮ ናይ ምዕጻው ስጕምቲ ብምልዓሉ ዳግምይ ይጅምር ኣሎ።

    እዚ ፍጻመ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም 2001 ንደሓር ኣብታ ሃገር እቲ ዝነውሐ ናይ ምሉእ ሃገር ናይ በረራታት ምቍራጽ ኰይኑ ተመዝጊቡ ይርከብ።

    ቀንዲ ነጥብታት፤

    • ·ዕንቅፋት ጕዕዞ፤ ልዕሊ 6,600 በረራታት ክስረዙ እንከለዉ፡ ልዕሊ 8,600 ድማ ተደናጒዮም፡ እዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንገደኛታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝሓድሩ ገይሩ ኣሎ። ኵሎም በረራታት ናብ ንቡር ንምምላስ ግና ግዜ ከም ዝወስድ ተገሊጹ።
    • ·መንቀሊ እቲ ሽግር፤ ምኒስተር መጓዓዝያ ሾን ዳፊ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ምቍራጽ ኣብ ራውተርታትን ስዊቻትን ኤር ትራፊክ ብዘጋጠመ ልዕሊ ዓቐን ዳታ (overload) ዝሰዓበ ቴክኒካዊ ጸገም እዩ።
    • ·ሳይበር መጥቃዕቲ ኣይኰነን፤ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ድሕነት፡ እቲ ጸገም ብናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ወይ ብኪነታዊ-ብልሒ (AI) ምኽንያት ከም ዝተኸስተ ዘርኢ ዋላ ሓንቲ መርትዖ ከም ዘየሎ ገሊጹ፡ "መርትዖ ፈጺሙ የሎን፡" ኢሉ።
    • ·ሕቶ 50 ቢልዮን ዶላር፤ ምኒስተር ዳፊ ነቲ ኣዝዩ ዝኣረገ ናይ ቍጽጽር በረራታት ቴክኖሎጂ ንምሕዳስ፡ ኮንግረስ 50 ቢልዮን ዶላር ባጀት ክምድበሉ ጸዊዑ ኣሎ።
    • ·ካሕሳ የሎን፤ እቲ ብልሽት ብሰንኪ መንግስታዊ ብዓል-መዚ (FAA) ዝተኸስተ ብምዃኑ፡ ኵለን ናይ ነፈርቲ ኩባንያታት ንዝተዓገቱ መንገደኛታት ካሕሳ ናይ ምኽፋል ሕጋዊ ግዴታ የብለንን፤ እዚ ኵነታት ኣብተን ኩባንያታት ቍጠባዊ ጽልዋ ኣስዒቡ ኣሎ።

    ብተወሳኺ፤

  8. ሰላም ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ

    ብሩኽ ቀዳመ-ሰንበት ክዀነልኩም እናተመነና፡ ቀጥታዊ ፈነወና ክትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

    ኣብዚ ቀጥታዊ ፈነወና ዝተፈላለዩ እዋናዊ ሓበሬታትን ዜናን ክነቕርበልኩም ኢና።